ቲቶስ
2 ንስኻ ግና ምስቲ ጥዑይ* ትምህርቲ ዚሰማማዕ ተዛረብ።+ 2 ኣረገውቲ ሰብኡት ወራዙት፡* ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነትን ብፍቕርን ብተጻዋርነትን ጥዑያት ይኹኑ። 3 ኣረገውቲ ኣንስቲ እውን ከምኡ ብቕድስና ዚነብራ፡ ዘይሓመይቲ፡ ንብዙሕ ወይኒ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ይኹና፣ 4 በዚ ኸምዚ ነተን ንኣሽቱ ኣንስቲ ንሰብኡተን ኬፍቅራ፡ ንውሉዳተን ኬፍቅራ ይምከራአን፣* 5 ለባማት፡ ንጹሃት፡ ኣብ ቤተን ዚዓይያ፡* ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚግዝኣ+ ኪዀና እውን ይምከራአን።* እዚ ዚግበር ድማ፡ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍ እዩ።
6 ንኣጕባዝ እውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ብቐጻሊ ተማሕጸኖም።+ 7 ብዅሉ ነገር ኣርኣያ ሰናይ ግብሪ ኹን። ብዅሉ ርዝነት ንጹህ ዘበለ* ምሃር፣+ 8 ኪንቀፍ ዘይከኣል ጥዑይ* ዘረባ ተዛረብ፣+ እዚ ድማ እቶም ተጻረርቲ ብዛዕባና ዚብልዎ ኣሉታዊ* ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኺሓፍሩ እዩ።+ 9 ባሮት ንዋናታቶም ብዅሉ ይገዝእዎም፡+ ባህ የብልዎም፡ ኣይታረኽዎም፡ 10 ኣይስረቕዎም፣+ የግዳስ፡ ብዅሉ ንትምህርቲ እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ ኺስልሙ፡+ ምሉእ ብምሉእ እሙናት ይኹኑ።
11 ከመይሲ፡ እቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ድሕነት ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ።+ 12 እዚ ኸኣ፡ ረሲእነትን ዓለማዊ ትምኒትን ሓዲግና፡+ ኣብዚ ስርዓት* እዚ ብልብምናን ብጽድቅን ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነትን ክንነብር የሰልጥነና።+ 13 ነቲ ዜሐጕስ ተስፋን+ ነቲ ኽቡር ግህደት እቲ ዓብዪ ኣምላኽን እቲ መድሓኒና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን እናተጸበና ድማ ኢና ነዚ እንገብር። 14 ክርስቶስ ካብ ኵሉ ጥሕሰት ሕጊ ናጻ ምእንቲ ኼውጽኣና፡*+ ንርእሱ እውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእ ፍሉይ ጥሪቱ ዝዀነ ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ፡+ ምእንታና ገዛእ ርእሱ ሂቡ እዩ።+