ቈሎሴ
1 ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስን ካብ ጢሞቴዎስ+ ሓውናን፡ 2 ናብቶም ኣብ ቈሎሴ ዘለዉ ቕዱሳትን ምስ ክርስቶስ ብዘለዎም ሓድነት እሙናትን፦
ካብ ኣቦና ኣምላኽ ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።
3 ምእንታኹም ክንጽሊ ኸለና፡ ነቲ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ነመስግኖ ኢና፣ 4 ከመይሲ፡ ብዛዕባ እታ ብክርስቶስ የሱስ ዘላትኩም እምነትን ንዅሎም ቅዱሳት ዘላትኩም ፍቕርን ሰሚዕና ኢና፣ 5 እዚኣ ኸኣ ሳላ እታ ኣብ ሰማያት ተነቢራትልኩም ዘላ ተስፋ እያ።+ ብዛዕባ እዛ ተስፋ እዚኣ ብመልእኽቲ ሓቂ እቲ ብስራት ኣቐዲምኩም ሰሚዕኩም ኢኹም፣ 6 እዚ ድማ ናባኻትኩም መጺኡ እዩ። ከምቲ እቲ ብስራት ኣብ ኵላ ዓለም ዚፈርን ዚዓብን ዘሎ፡+ ካብታ ንጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ዝሰማዕኩምላን ብልክዕ ዝፈለጥኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ ኣባኻትኩም እውን ከምኡ ይኸውን ኣሎ። 7 ካብቲ ፍቑር ብጻይና ባርያ፡ ኣብ ክንዳና እውን ዜገልግል እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝዀነ ኤጳፍራስ፡+ እዚ ኢኹም እተመሃርኩም። 8 መንፈሳዊ ፍቕርኹም* ዘፍለጠና እውን ንሱ እዩ።
9 ስለዚ ኸኣ፡ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ኣትሒዝና፡ በቲ ልክዕ ፍልጠት+ ፍቓዱ ብዅሉ ጥበብን ብመንፈሳዊ ግንዛበን+ ክትምልኡ ምእንታኹም ካብ ምጽላይን+ ካብ ምልማንን ኣየቋረጽናን። 10 ብሰናይ ግብሪ ዘበለ እናፈረኹምን ብልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ+ እናዓበኹምን ንየሆዋ* እትበቕዑ ዄንኩም ምእንቲ ኽትመላለሱን ብዅሉ ንዕኡ ምእንቲ ኸተሐጕስዎን ከኣ ኢና ኸምኡ ዝገበርና። 11 ብዓቕልን ብሓጐስን ኵሉ ምእንቲ ኽትጻወሩ፡ ከምቲ ኽቡር ሓይሉ ብዅሉ ሓይሊ በርትዑ፣+ 12 ነቲ ኻብ ርስቲ እቶም ኣብ ብርሃን ዘለዉ ቕዱሳት+ ክትካፈሉ ዘብቅዓኩም ኣቦ እውን ኣመስግንዎ።
13 ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ኣናጊፉና እዩ፣+ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱ እውን ኣእትዩና እዩ። 14 ብወዱ በጃ ተኸፊሉልና፡ ማለት ሓጢኣትና ተሓዲጉልና እዩ።+ 15 ንሱ ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ፡+ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት እዩ፣+ 16 ከመይሲ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርአን ዘይርአን፡+ ዝፋናት ወይስ ጕይትነት ወይስ መንግስትታት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ* ብእኡ እዩ ተፈጢሩ። ኵሉ ብእኡን+ ንዕኡን እዩ ተፈጢሩ። 17 ንሱ ድማ ቅድሚ ዅሉ እዩ፣+ ኵሉ ኸኣ ብእኡ እዩ ቘይሙ፣ 18 ንሱ ርእሲ ሰብነቱ፡ ማለት ርእሲ ጉባኤኡ፡ እውን እዩ።+ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርታ፡ ካብ ምዉታት እውን በዅሪ እዩ፣+ 19 ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ፡ ኵሉ ምልኣት ኣብኡ ኺሓድር ባህ ኢልዎ እዩ፣+ 20 ብእኡ ድማ በቲ ኣብቲ ጕንዲ ስቅያት* ዝፈሰሰ ደሙ ገይሩ ሰላም ብምግባር፡+ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዀነ ወይስ ኣብ ሰማያት ዘሎ ዅሉ ምስ ርእሱ የተዓርቕ እዩ።+
21 ኣቱም ሓሳብኩም ኣብ እኩይ ግብሪ ብምንባሩ፡ ሓደ እዋን ርሑቓትን ጸላእትን ዝነበርኩም፡ 22 ቅዱሳትን ብዘይ ኣበርን መንቀፊ ዘይብሎምን+ ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቕርበኩም፡ ሕጂ ብስጋዊ ሰብነት እቲ ዝሞተ ገይሩ ተዓሪቕኩም እዩ። 23 እዚ ዚኸውን ግና፡ ካብ ተስፋ እቲ ዝሰማዕኩምዎን ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት እተሰብከን ብስራት+ ከይተነቓነቕኩም፡ ኣብታ መሰረት ተሰሪትኩምን+ ጸኒዕኩምን+ ብእምነት እንተ ቐጺልኩም እዩ።+ ኣነ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ብስራት እዚ እየ ኣገልጋሊ ዀይነ።+
24 ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዘጓነፈኒ መከራ እሕጐስ ኣለኹ፣+ ኣብ ስጋይ ድማ ነቲ ዚተርፈኒ ጸበባ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ሰብነቱ፡+ ማለት ጉባኤኡ፡ አሕልፍ ኣለኹ።+ 25 ኣነ ኣገልጋሊ እዛ ጉባኤ እዚኣ ዝዀንኩ፡ ብመጠን እቲ ቓል ኣምላኽ መሊአ ኽሰብኽ ምእንታኹም ካብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት እዩ፣+ 26 እዚ ኸኣ ካብ ዝሓለፈ ስርዓታትን*+ ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ቕዱስ ምስጢር እዩ።+ ሕጂ ግና፡ ንቕዱሳት ተገሊጹ ኣሎ፣+ 27 ኣምላኽ ንዓታቶም ነቲ ኽቡር ሃብቲ እዚ ቕዱስ ምስጢር+ እዚ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኬፍልጦም ፈትዩ እዩ፣ እዚ ድማ እቲ ምሳኻትኩም ሓድነት ዘለዎ ክርስቶስ፡ ንኽብሩ እውን ዘሎኩም ተስፋ እዩ።+ 28 ንዅሉ ሰብ ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎ ምሉእ ጌርና ምእንቲ ኸነቕርቦ፡ ብዅሉ ጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድናን ንዅሉ ሰብ እናመሃርናን፡ ንዕኡ ኢና እንሰብኽ ዘለና።+ 29 ነዚ ድማ፡ ኣነ በቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚዓዪ ዘሎ ብርታዐኡ እናተጋደልኩ፡ እጽዕር ኣለኹ።+