ገላትያ
5 ክርስቶስ ነዚ ሓርነት እዚ ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ እዩ ሓራ ኣውጺኡና። ስለዚ፡ ጽንዑ፣+ ከም ብሓድሽ እውን ኣብ ኣርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።+
2 እንሆ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ እንተ ተገዚርኩም፡ ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይኪጠቕመኩምን እዩ እብለኩም ኣለኹ።+ 3 ዚግዘር ዘበለ ሰብ እውን፡ ንብዘሎ እቲ ሕጊ ኺሕሉ ግዴታ ኸም ዘለዎ ደጊመ እምስክረሉ ኣለኹ።+ 4 ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትፍትኑ ዘለኹም፡+ መን ምዃንኩም ብዘየገድስ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፣ ካብ ጸጋኡ ወዲቕኩም ኢኹም። 5 ንሕናስ ነቲ ሳላ እምነት ዚብጻሕ ተስፋ ዚግበረሉ ጽድቂ ብመንፈስ ክንረኽቦ ተሃንጢና ንጽበ ኣለና። 6 ከመይሲ፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ዚሓብሩ፡ እታ ብፍቕሪ እትዓዪ እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ዘይግዝረት ዋጋ የብሉን።+
7 ጽቡቕ ትጐይዩ ኔርኩም።+ ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዓጊቱኩም፧ 8 እዚ ሕብለት እዚ፡ ካብቲ ዝጸውዓኩም ዝመጸ ኣይኰነን። 9 ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ የብኵዖ እዩ።+ 10 እቶም ምስ ጐይታ ሓድነት ዘሎኩም፡+ ካልእ ከም ዘይትሓስቡ እተኣማመን እየ፣ እቲ ዚርብሸኩም ግና፡+ መን ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ዚግብኦ ፍርዲ ኪቕበል እዩ። 11 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ግና ግዝረት እሰብኽ እንተ ዝህሉ፡ ስለምንታይ ደኣ እስጐጕ ኣለኹ፧ ከምኡ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ መዐንቀፊ ጕንዲ ስቅያት*+ ኣልጊሱ ኣሎ። 12 እቶም ዜዕገርግሩኹም፡ እንተ ዚስለቡ እባ ደኣ!*
13 ኣሕዋተየ፡ ንሓርነት ኢኹም እተጸዋዕኩም፣ ሓንትስ፡ በዚ ሓርነት እዚ ተጠቒምኩም ደድሕሪ ስጋዊ ትምኒት ኣይትስዓቡ፣+ የግዳስ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ።+ 14 ከመይሲ፡ ኵሉ እቲ ሕጊ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ኣብ እትብል ሓንቲ ትእዛዝ ተፈጺሙ* እዩ።+ 15 ንሓድሕድኩም ትናኸሱን ትባልዑን እንተ ዄንኩም ግና፡+ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።+
16 ኣነ ግና፡ ብመንፈስ ተመላለሱ፡+ ትምኒት ስጋ ድማ ከቶ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 17 ከመይሲ፡ ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር እዩ ዚምነ፣ መንፈስ እውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዚምነ። ነቲ ኽትገብርዎ እትደልዩ ነገራት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ ኽልቲኡ ንሓድሕዱ ይጻረር እዩ።+ 18 ብተወሳኺ፡ ብመንፈስ ትምርሑ እንተ ኣሊኹም፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን።
19 እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፣ ንሱ ኸኣ፡ ምንዝርና፡*+ ርኽሰት፡ ንውርምና፡*+ 20 ኣምልኾ ጣኦት፡ መናፍስትነት፡*+ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ግርጭት፡ ፍልልይ፡ ኑፋቐ፡ 21 ምንቀኝነት፡ ስኽራን፡+ ፈንጠዝያ፡* ከምዚ ዝኣመሰለ ኻልእ እውን እዩ።+ ከምቲ ቐደም ዘጠንቀቕኩኹም፡ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ኣቐዲመ አጠንቅቐኩም ኣለኹ።+
22 እቲ ፍረ መንፈስ ግና፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡*+ እምነት፡ 23 ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት እዩ።+ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። 24 እቶም ናይ ክርስቶስ የሱስ ዘበሉ ድማ፡ ነቲ ስጋ ምስ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።+
25 ብመንፈስ ንነብር እንተ ኣሊና፡ ብመንፈስ ብስርዓት ንመላለስ።+ 26 ንሓድሕድና ብምትህልላኽን+ ብምቅንናእን፡ ርእሰ ውዳሰ+ ኣይንድለ።