53 በቲ ኻባና እተሰምዐ መን ኣሚኑ፧+
ቅልጽም የሆዋኸ+ ንመን ተገሊጹ፧+
2 ኣብ ቅድሚኡ ኸም ውልዶ፡+ ከምቲ ኻብ ምድሪ ኣጻምእ ዚወጽእ ሱር ኪበቍል እዩ።
ምዕሩግ መልክዕ ኰነ ግርማ የብሉን።+
ምስ ረኣናዮ ኸኣ፡ ትርኢቱ ናብኡ ኣይሰሓበናን።
3 ንዑቕን ብሰብ እተጐስየን፡+
ንስቓይ እተባህለን ሕማም ዚፈልጥን ሰብ እዩ ነይሩ።
ገጹ ኻባና ኸም እተሓብአ ነይሩ።
ንዑቕ እዩ ነይሩ፣ ንሕና እውን ገለ እኳ ኣይቈጸርናዮን።+
4 ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾይርዎ፣+
ንስቓይና ኸኣ ተሰኪምዎ።+
ንሕና ግና ብመዓት ከም እተወቕዐ፡ ብኣምላኽ ከም እተወቕዐን መከራ ኸም ዝጸገበን ቈጺርናዮ።
5 ንሱ ግና ምእንቲ ኣበሳና+ ተወጊኡ፣+
ምእንቲ ስሕተትና ተጨፍሊቑ።+
ምእንቲ ሰላምና፡ መቕጻዕቲ ጾይሩ፣+
ሳላ ቝስሉ እውን ንሕና ሓዊና።+
6 ኵላትና ኸም ኣባጊዕ ኰለል ኢልና፣+
ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ኣቢሉ፣
የሆዋ ኸኣ ስሕተት ኵላትና ኣብኡ ኣውዲቕዎ።+
7 ተጨቊኑ፡+ መከራ ኺጸግብ ፈቒዱ፣+
ግናኸ፡ ኣፉ ኣይከፈተን።
ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተወሲዱ፣+
ኣብ ቅድሚ ቐምቀምታ ስቕ ከም እትብል በጊዕ ኰይኑ፣
ኣፉ እውን ኣይከፈተን።+
8 ብምኽንያት ግትኣትን ፍርድን ተወሲዱ፣
ካብ ምድሪ ህያዋን ተቘሪጹ እዩ እሞ፡+
ንናይ ወለዶኡ ዝርዝርከ መን ኪሓስቦ እዩ፧
ብምኽንያት ኣበሳ ህዝበይ ተወቒዑ።+
9 ጌጋ ዘይገበረ፡
ኣብ ኣፉ እውን ምትላል ዘይተረኽቦ ኽነሱስ፡+
ምስ እኩያት መቓብር ተዋሂብዎ፣+
ብሞቱ ድማ ምስ ሃብታማት ኰይኑ።+
10 የሆዋ ግና ኪጭፍልቖ ፍቓዱ ነይሩ፣ ኪሓምም እውን ሓዲግዎ።
ንህይወቱ መስዋእቲ በደል ጌርካ እንተ ኣቕሪብካያ፡+
ዘርኡ ኺርኢ፡ መዓልትታቱ ኸኣ ኬንውሕ፡+
ብእኡ እውን ደስታ የሆዋ ኺሰልጥ እዩ።+
11 ብምኽንያት ስቓዩ፡ ኪርእን ኪዓግብን እዩ።
እቲ ጻድቕ ጊልያይ ብፍልጠቱ+
ንብዙሓት ኬጽድቕ እዩ፣+
ስሕተቶም ከኣ ኪጸውር እዩ።+
12 ስለዚ፡ ህይወቱ ንሞት ወፍይዋ፡+
ምስ ኣበስቲ ድማ ተቘጺሩ እዩ እሞ፡+
ኣብ መንጎ ብዙሓት፡ ግዲኡ ኽምድበሉ እየ፣
ምስ ብርቱዓት ከኣ ምርኮ ኺማቐል እዩ፣
ሓጢኣት ብዙሓት ተሰኪሙ፣+
ንኣበስቲ ድማ ለሚኑሎም።+