ኢሳይያስ
49 ኣትን ደሴታት፡ ስምዓኒ፣
ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፡ ኣቕልቡ።+
ካብ ማሕጸን ኣደይ ኣትሒዙ ስመይ ረቚሑ።
ስሑል ፍላጻ ገይሩኒ፣
ኣብ ጕልድባኡ እውን ከዊሉኒ።
3 “ኣታ እስራኤል፡
ንስኻ ግርማይ ዘርእየሉ ጊልያይ ኢኻ” ኢሉኒ።+
4 ኣነ ግና፡ “ንባዶ ጽዒረ።
ሓይለይ ንብላሽ፡ ንኸንቱ ወዲአ።
ፍርደይ ግና ብርግጽ ምስ የሆዋ እዩ።*
ዓስበይ ከኣ ምስ ኣምላኸይ እዩ” ኢለ።+
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ክኸብር እየ፣
ኣምላኸይ ከኣ ብርታዐይ ኪኸውን እዩ።
7 የሆዋ እቲ ተበጃዊ እስራኤል፡ እቲ ቕዱሱ፡+ ነቲ ንዑቕ፡*+ ነቲ ብኣህዛብ እተፈንፈነ፡ ነቲ ጊልያ ገዛእቲ፡ ከምዚ ይብሎ፦
8 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
ንሰባት ኪዳን ገይረ ኽህበካ፡
ንምድሪ ኽትሕድሳ፡
ነቲ ዝባደመ ርስቶም ከተረስትዮም ሓልየካ እየ፣+
9 እወ፡ ንእሱራት፡ ‘ውጹ!’ ኽትብል፡+
ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ፡+ ‘ተርኣዩ!’ ኽትብል፡ ከምኡ ገይረልካ እየ።
ኣብ ጥቓ ጐደናታት ኪምገቡ፡
ኣብ ጐድኒ መገድታት* ከኣ መጓሰዪኦም ኪኸውን እዩ።
11 ንዅሉ ኣኽራነይ፡ መገዲ ኽገብሮ፡
ንጐደናታተይ ድማ ልዕል ከብሎ እየ።+
ኣኽራን ብእልልታ ይተሓጐስ።+
15 ሰበይቲዶ ንዚጠቡ ውላዳ ኽትርስዕ ትኽእል እያ፧
ንውላድ ማሕጸናዶኸ ኸይትርሕርሓሉ ትኽእል እያ፧
እዘን ኣንስቲ እዚአን እኳ እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ከቶ ኣይክርስዓክን እየ።+
16 እንሆ፡ ኣብ ኢደይ ቀሪጸኪ ኣለኹ።
መካበብያኺ ወትሩ ኣብ ቅድመይ ኣሎ።
17 ደቅኺ ቐልጢፎም ይምለሱ።
እቶም ዘፍረሱኽን ዘጥፍኡኽን ካባኺ ኺርሕቁ እዮም።
18 ኣዒንትኺ ኣልዕሊ እሞ ኣብ ዙርያኺ ጠምቲ።
ኵሎም ይእከቡ ኣለዉ።+
ናባኺ ይመጹ ኣለዉ።
“ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል የሆዋ፡
“ንዅላቶም ከም ስልማት ክትክደንዮም፡
ከምቲ መርዓት እትገብሮ ኸኣ ክትኣስርዮም ኢኺ።
20 ውሉዳት ስኢንኪ ኸለኺ እተወልዱ ደቅኺ፡ እናሰማዕኪ፡
‘እዚ ቦታ እዚ ጸቢቡኒ።
ክቕመጦስ ኣርሕብለይ’ ኪብሉ እዮም።+
21 ብልብኺ ድማ፡
‘ውሉዳተይ ዝሰኣንኩን መኻንን
ምርኽትን እስርትን ስለ ዝዀንኩ፡
ነዚኣቶም ደኣ መን እዩ ዝወለደለይ፧
መንከ ኣዕብይዎም፧+
22 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“እንሆ፡ ኢደይ ናብ ኣህዛብ ከልዕል፡
ሰንደቕ ዕላማይ ከኣ ናብ ህዝብታት ልዕል ከብል እየ።+
ንሳቶም ንኣወዳትኪ ሓቚፎም ኬምጽእዎም፡
ንኣዋልድኪ ድማ ኪሕንግርወን እዮም።+
ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኪሰግዱልኪ፡+
ደሮና ኣእጋርኪ ኸኣ ኪልሕሱ እዮም፣+
ንስኺ ድማ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ፣
እቶም ብኣይ ተስፋ ዚገብሩስ ኣይኪሓፍሩን እዮም።”+
24 ካብ ጅግናዶ እተታሕዙ ምውሳድ ይከኣል እዩ፧
ምሩኻት ጨቋኒዶኸ ምንጋፍ ይከኣል እዩ፧
25 የሆዋ ግና ኸምዚ ይብል፦
ንዚጻረሩኺ ኽጻረሮም፡+
ንደቅኺ ኸኣ ከድሕኖም እየ።
26 ንዚገፍዑኺ ገዛእ ስጋኦም ከብልዖም እየ፣
ከም ብጕዕሽ ወይኒ ድማ፡ ብገዛእ ደሞም ኪሰኽሩ እዮም።