ዘዳግም
10 “በታ ግዜ እቲኣ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ ‘ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ንዓኻ ጽረብ፣+ ናባይ ናብዚ ኸረን ድማ ደይብ፣ ንዓኻ እውን ታቦት* ዕንጨይቲ ስራሕ። 2 እተን ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበራ ቓላት ከኣ፡ ኣብዘን ጽላት እዚአን ክጽሕፍ እየ፣ ኣብቲ ታቦት ድማ ኣንብረን።’ 3 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ከኣ ታቦት ሰራሕኩ፣ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ድማ ጸረብኩ፣ ንኽልቲአን ጽላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸኣ ናብቲ ኸረን ደየብኩ።+ 4 የሆዋ ድማ እተን ብመዓልቲ ኣኼባ*+ ኣብቲ ኸረን ካብ ሓዊ ተዛሪቡኩም+ ዝነበረ ኸምቲ ቐዳማይ ዝበለ ጽሕፈት ዓሰርተ ትእዛዛት፡*+ ኣብተን ጽላት ጸሓፈን፣+ የሆዋ ድማ ንዓይ ሃበኒ። 5 ኣነ ኸኣ ተመሊሰ ኻብቲ ኸረን ወረድኩ፣+ እተን ጽላት ድማ ኣብቲ ዝሰራሕክዎ ታቦት ኣንበርክወን፣ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዘኒ ኸኣ ኣብኡ ተነብራ።
6 “እስራኤላውያን ድማ ካብ ብኤሮት-ብነ-ያዓቃን ናብ ሞሴራ ተጓዕዙ። ኣሮን ከኣ ኣብኡ ሞተ፡ ተቐብረ እውን፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ፡ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኰነ።+ 7 ካብኡ ኸኣ ናብ ጉድጎዳ፡ ካብ ጉድጎዳ ድማ ናብታ ምድሪ ወሓዝቲ ማያት* ዝዀነት ዮጥባታ ተጓዕዙ።+
8 “በታ ግዜ እቲኣ፡ የሆዋ ንነገድ ሌዊ፡ ታቦት ኪዳን የሆዋ ኺጸውር፡+ ንዕኡ ኼገልግሎ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኪቐውም፡ ከምዚ ኽሳዕ ሎሚ ዚገብሮ ድማ ብስሙ ኺባርኽ ኢሉ ፈለዮ።+ 9 ስለዚ እዩ ሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ ዘይተዋህቦ። ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ንዕኡ ዝበሎ፡ የሆዋ ርስቱ እዩ።+ 10 ኣነ ኸኣ ከምቲ ኣብተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝገበርክዎ ኣብቲ ኸረን 40 መዓልትን 40 ለይትን ጸናሕኩ፣+ የሆዋ ድማ በታ ግዜ እቲኣ እውን ሰምዓኒ።+ የሆዋ ኼጥፍኣካ ኣይደለየን። 11 የሆዋ ኸኣ፡ ‘ናብታ ንኣቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኺኣትዉን ኪርስተይዋንሲ፡ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ኺድ፡ ኪነቕሉ ድማ ኣዳልዎም’ በለኒ።+
12 “ሕጂ ኸኣ፡ ኦ እስራኤል፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧+ እዚ ጥራይ እዩ ዚደሊ፦ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡+ ብዅሉ መገድታቱ ኽትመላለስ፡+ ከተፍቅሮ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን* ድማ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኸተገልግሎ፡+ 13 ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ ኸኣ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛትን ሕግታትን የሆዋ ኽትሕሉ።+ 14 እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን* ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናይ የሆዋ ኣምላኽካ እዩ።+ 15 የሆዋ ግና ንኣቦታትካ ጥራይ እዩ ዝቐረቦምን ፍቕሩ ዝገለጸሎምን፣ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ድማ ንዓኻትኩም ንዘርኦም ካብ ኵሎም ህዝብታት ሓርዩኩም ኣሎ።+ 16 እምበኣር፡ ልብኹም ኣጽርዩ፡*+ ነቓጻት እውን ኣይትኹኑ።*+ 17 የሆዋ ኣምላኽኩምሲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡+ ጐይታ ጐይተት፡ ዓብይን ሓያልን ዜፍርህን ኣምላኽ፡ ዘየዳሉን+ ጉቦ ዘይቅበልን እዩ። 18 ንሱ ንዘኽታምን* ንመበለትን ፍትሒ የውጽእ፡+ ንጓና ኸኣ የፍቅር፡+ እንጌራን ክዳንን እውን ይህቦ። 19 ንስኻትኩም እውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ጓና ኣፍቅሩ።+
20 “ንየሆዋ ኣምላኽካ ፍርሃዮ፡ ንዕኡ ኣገልግሎ፡+ ናብኡ ኸኣ ልገብ፡ ብስሙ ድማ ምሓል። 21 ንዕኡ ወድሶ።+ እቲ ብኣዒንትኻ ዝረኣኻዮ ዅሉ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ዝገበረልካ ኣምላኽካ ንሱ እዩ።+ 22 ኣቦታትካ 70 ሰባት* ከለዉ፡ ናብ ግብጺ ወረዱ፣+ ሕጂ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽካ ኸም ከዋኽብቲ ሰማያት ኣብዚሑካ ኣሎ።+