ምሳሌ
24 ብእኩያት ኣይትቕናእ፣
ምሳታቶም ክትሓብር እውን ሃንቀው ኣይትበል።+
2 ልቦምሲ ዓመጻ ይሓስብ፡
ከናፍሮም ድማ ሽግር ይዛረብ።
5 ጥበበኛ ሰብ ሓያል እዩ፣+
ሰብ ድማ ብፍልጠት ሓይሉ ይውስኽ።
7 ዓሻ ንናይ ሓቂ ጥበብ ኪረኽባ ኣይክእልን፣+
ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ዚብሎ የብሉን።
8 እከይ ዚሓስብ፡
ጐይታ ተንኰል ይብሃል።+
10 ብመዓልቲ ጭንቂ ተስፋ እንተ ቘሪጽካ፡
ሓይልኻ ቝሩብ ይኸውን።
11 ነቶም ናብ ሞት ዚውሰዱ ኣናግፎም፣
ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም።+
13 ወደየ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መዓር ብላዕ፣
ኣብ ጎጎኡ ዘሎ መዓር መቐረቱ ጥዑም እዩ።
14 ከምኡ ድማ፡ ጥበብ ንዓኻ ጽቡቕ* ምዃኑ ፍለጥ።+
እንተ ረኺብካያስ፡ ብሩህ መጻኢ ኺህልወካ እዩ፣
ተስፋኻ እውን ኣይኪቝረጽን እዩ።+
15 ኣብ ጥቓ ቤት ጻድቕ ብኽፍኣት ኣይተድቢ፣
ነታ መዕረፊቱ ኣይተጥፍኣያ።
19 ብገበርቲ ኽፉእ ኣይትሕረቕ፣*
ብእኩያት ኣይትቕናእ።
21 ወደየ፡ ንየሆዋን ንንጉስን ፍርሃዮም።+
ክልቲኦም* ኣብ ልዕሊ እቲኣቶም ዜምጽእዎ ጥፍኣት መን ይፈልጥ፧+
23 እዚ ቓላት እዚ ናይ ጥበበኛታት እዩ፦
ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ጽቡቕ ኣይኰነን።+
24 እቲ ንእኩይ፡ “ጻድቕ ኢኻ” ዚብሎ፡+
ብህዝብታት ኪርገም፡ ብኣህዛብ እውን ኪዅነን እዩ።
28 ብዘይ ምኽንያት ኣንጻር ብጻይካ ኣይትመስክር።+
ብኸናፍርካ ድማ ኣይተታልል።+
30 ኣነ ብግራት ሃካይ፡
ብኣታኽልቲ ወይኒ እቲ ልቢ ዘይብሉ ሓለፍኩ።+
32 ነዚ ተዓዚበ ኣብ ልበይ ኣንበርክዎ፣
ንዕኡ ርእየ ኸኣ እዚ ዚስዕብ ተመሃርኩ፦*
33 ቍሩብ ትድቅስ፡ ቍሩብ ትኽስ ትብል፡
ከተዕርፍ ኢልካ ቝሩብ ኣእዳውካ ተጣምር፣
34 ሽዑ፡ ድኽነትካ ኸም ሽፍታ፡
ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዓጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።+