መሃልየ መሃልይ
4 “እነኺ፡ ፍቕርተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ።
እነኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ።
ኣዒንትኺ ብድሕሪ መጐልበቢኺ ኸም ናይ ረገቢት እየን።
ጸጕርኺ ኸምተን ካብ ኣኽራን ጊልዓድ ዚወርዳ
መጓሰ ኣጣል እዩ።+
2 ኣስናንኪ ኸምተን መማንታ ዝወለዳ፡
ዋላ ሓንቲአን ድማ ዕየታ ዘይሞታ
ተሓጺበን ዚድይባ
እተቐምቀማ ኣባጊዕ እየን።
3 ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ፡
ዘረባኺ ኸኣ ደስ ዜብል እዩ።
መዓጕርትኺ* ብድሕሪ መጐልበቢኺ
ኸም ምቃል ሮማን እየን።
8 መርዓተየ፡ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፣
ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ።+
10 ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ መግለጺ ፍትወትኪ ኽንደይ ይጽብቕ!+
11 መርዓተየ፡ ከናፍርኪ ኻብ ጎጎኡ ወለል ዚብል መዓር የንጠብጥብ።+
ኣብ ትሕቲ ልሳንኪ መዓርን ጸባን ኣሎ፣+
መዓዛ ኽዳውንትኺ ድማ ከም መዓዛ ሊባኖስ እዩ።
12 ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ ከም እተሸጐረ ስፍራ ኣታኽልቲ፡
እወ፡ ከም እተሸጐረ ስፍራ ኣታኽልቲ፡ ከም ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ።
15 ናይ ስፍራ ኣታኽልቲ ዓይኒ ማይ፡ ፈልፋሊ ማይ ዒላ፡
ካብ ሊባኖስ ዚውሕዝ ወሓይዝ ኢኺ።+
16 ኣታ ንፋስ ሰሜን፡ ንቓሕ፣
ኣታ ንፋስ ደቡብ፡ ንዓ።
ኣብ ልዕሊ ስፍራ ኣታኽልተይ ንፈስ።*
መዓዛኡ ይዘርጋሕ።”
“ፍቱወይ ናብ ስፍራ ኣታኽልቱ ይምጻእ፡
ሕሩይ ፍረታቱ ድማ ይብላዕ።”