2 ጴጥሮስ
3 ፍቑራተየ፡ እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ፡ ካልአይቲ ደብዳበይ እያ፣ ከምታ ቐዳመይቲ ኸኣ፡ ብመዘኻኸሪ ገይረ ነቲ ንጹር ኣተሓሳስባኹም አነቓቕሖ ኣለኹ።+ 2 እዚ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ነቲ ብሃዋርያትኩም ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝ ጐይታናን መድሓኒናን ምእንቲ ኽትዝክሩ እዩ። 3 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ትምኒቶም ዚመላለሱ መላገጽቲ ምስ ላግጾም ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ።+ 4 ንሳቶም ከኣ፡ “እቲ ንሱ ኣብዚ ኸም ዚህሉ እተተስፈወ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧+ ካብታ ኣቦታትና ዝሞቱላ* መዓልቲ፡ ኵሉ ኸምቲ ኻብ መጀመርታ ፍጥረት ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ኺብሉ እዮም።+
5 ካብ ቀደም ሰማያት ከም ዝነበረ፡ ምድሪ እውን ካብ ማይን ኣብ ማእከል ማይን ብቓል ኣምላኽ ጸኒዓ ኸም ዝነበረት፡+ ነዚ ዀነ ኢሎም ዕሽሽ ይብልዎ ኣለዉ፣ 6 እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ከኣ ብእኡ፡ ብማይ ኣዕለቕሊቓ ጠፊኣ እያ።+ 7 እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና በቲ ቓል እቲ ንሓዊ ተዓቚሩ ኣሎ፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ፍርድን ጥፍኣት እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባትን ድማ ይሕሎ ኣሎ።+
8 ግናኸ፡ ፍቑራተየ፡ ኣብ የሆዋ* ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፡ ሽሕ ዓመት እውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፡+ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም። 9 የሆዋስ፡* ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡+ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ምእንታኹም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኦም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።+ 10 መዓልቲ የሆዋ*+ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፣+ ብእኣ ሰማያት ድዋዕዋዕ እናበለ* ኺሓልፍ፡+ ባእታታት ከኣ ብረስኒ ኺጠፍእ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን እውን ኪቕላዕ እዩ።+
11 እዚ ዅሉ በዚ ኸምዚ ዚጠፍእ ካብ ኰነ፡ ብቕዱስ ኣነባብራን በቲ ንኣምላኽ ብዘሎኩም ተወፋይነት ዚርአ ግብርታትን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ ኸም ዚግብኣኩም ሕሰቡ! 12 ሰማያት ብሓዊ ኣብ ዚጠፍኣሉ፡+ ባእታታት ከኣ ብረስኒ ኣብ ዚመከሉ ግዜ፡ ነቲ መዓልቲ የሆዋ*+ ኣብዚ እትህልወሉ እዋን ተጸበይዎ፡ ብሓሳብኩም እውን ኣቐልጥፍዎ።* 13 ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ+ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ንጽበ ኣለና።+
14 ስለዚ፡ ፍቑራተየ፡ ነዚ ትጽበዩ ኻብ ኣለኹም፡ ብዘይ ርስሓትን ብዘይ ኣበርን ኴንኩም ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ።+ 15 ከምቲ እቲ ፍቑር ሓውና ጳውሎስ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ገይሩ ዝጸሓፈልኩም ድማ፡ ንትዕግስቲ ጐይታና ኸም ድሕነት ቍጸርዎ፣+ 16 ንሱ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኣብ ኵለን ደብዳበታቱ ተዛሪቡ እዩ። ገሊኡ ኣባታተን ዘሎ ግና፡ ንምርዳኡ ዜሸግር እዩ፣ እቶም ደናቝርን* ዘይጽኑዓትን ከኣ፡ ከምቲ ነቲ ኻልእ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚጠዋውይዎ፡ ነዚ እውን ንጥፍኣቶም ይጠዋውይዎ ኣለዉ።
17 እምበኣር፡ ፍቑራተየ፡ ነዚ ኣቐዲምኩም ካብ ፈለጥኩምዎ፡ ብስሕተት እቶም ጠሓስቲ ሕጊ ምሳታቶም ስሒትኩም ካብ ጽንዓትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ።+ 18 ብጸጋን ብፍልጠትን ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዕበዩ። ንዕኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።