መሃልየ መሃልይ
2 “ፍቕርተይሲ ኣብ መንጎ ኣዋልድ፡
ኣብ መንጎ እሾዅ ከም ዘላ ዕምባባ ሹሻን እያ።”
3 “ፍቱወይሲ ኣብ መንጎ ኣወዳት፡
ኣብ መንጎ ኣእዋም ዱር ከም ዘሎ ኦም ቱፋሕ እዩ።
ኣብ ጽላሉ ክቕመጥ ብርቱዕ ትምኒት ኣሎኒ፣
ፍሪኡ ድማ ጥዑም እዩ ዚጥዕመኒ።
4 ናብ ቤት ድግስ* ወሰደኒ፣
ኣብ ልዕለይ ዘሎ ሰንደቕ ዕላማኡ ፍቕሪ እዩ።
ባዕሉ ኽሳዕ ዜንቅድሲ፡ ፍቕሪ ኸተተንስኣ ወይ ከተበራብራ ኣይትፈትና።+
8 ድምጺ ፍቱወይ!
ኣኽራን እናሓዀረ፡ ኣብ ልዕሊ ዅርባታት እናዘለለ
እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ።
9 ፍቱወይ ከም ሰስሓን ከም ውላድ እራብን እዩ።+
ብድሕሪ መንደቕና ደው ኢሉ፡
ብመስኰት ይጥምት፡
ብዓይነ ርግቢ ይምልከት እንሆ።
10 ፍቱወይ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡኒ፦
‘ፍቕርተየ፡ ተንስኢ፣
ጽብቕተየ፡ ምሳይ ንዒ።
11 እንሆ፡ ክረምቲ ሓሊፉ።
ዝናም ከኣ ተወዲኡ፡ ከይዱ።
13 ኦም በለስ ቀዳማይ በለሱ ጐጒቡ፣+
ኣታኽልቲ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዛኡ ኣውጺኡ።
ፍቕርተየ፡ ተንስኢ እሞ ንዒ።
ጽብቕተየ፡ ምሳይ ንዒ።
14 ኣቲ ኣብ ልጉስ ክፋል ከውሒ፡+
ኣብ ሕቡእ ክፋል ጸድፊ ዘለኺ ርግበይ፡
ድምጽኺ ባህ ዜብል፡ መልክዕኪ እውን ምጩው እዩ እሞ፡+
መልክዕኪ ኣርእይኒ፡ ድምጽኺ ድማ ኣስምዕኒ።’”+
15 “ኣታኽልቲ ወይንና ዓምቢቡ እዩ እሞ፡
ነተን ንኣታኽልቲ ወይንና ዜበላሽዋ ወኻሩ፡
ነተን ኰራዅር ወኻሩ ሓዙልና።”
16 “ፍቱወይ ናተይ እዩ፡ ኣነ እውን ናቱ እየ።+
ንሱ ኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ይጓሲ ኣሎ።+