መሳፍንቲ
5 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዴቦራ+ ምስ ባራቅ+ ወዲ ኣቢኖዓም ኰይና እዚ መዝሙር እዚ ዘመረት፦+
3 ኣቱም ነገስታት፡ ስምዑ! ኣቱም ገዛእቲ፡ ጽን በሉ!
ንየሆዋ ኽዝምረሉ እየ።
ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል+ ውዳሰ ኽዝምረሉ* እየ።+
ኣብቶም 40,000 እስራኤል፡
ዋልታ ዀነ ሕላስ ኣይተራእየን።
ንየሆዋ ወድስዎ!
11 ደሃይ ዓደልቲ ማይ ኣብ መስተዪ ማይ ተሰምዐ፣
ኣብኡ ግብርታት ጽድቂ የሆዋ፡
ግብርታት ጽድቂ እቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ናቱ ደቂ ገጠር ተነግረ።
ሽዑ፡ ህዝቢ የሆዋ ናብ ኣፍ ደገታት ወረደ።
12 ንቕሒ፡ ንቕሒ፡ ኦ ዴቦራ!+
ንቕሒ፡ ንቕሒ፡ መዝሙር ዘምሪ!+
ባራቅ፡ ተንስእ!+ ኣታ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ምሩኻትካ መሪሕካ ውሰድ!
13 ሽዑ፡ እቶም ዝተረፉ ናብቶም ልዑላን ወረዱ፣
ህዝቢ የሆዋ ምስቶም ጀጋኑ ንምጽራር ናባይ ወረደ።
14 እቶም ኣብ ስንጭሮ* ዝነበሩ፡ መበቈሎም ካብ ኤፍሬም ነበረ፣
ኦ ብንያም፡ ኣብ መንጎ ህዝብታትካ ይስዕቡኻ ኣለዉ።
15 መሳፍንቲ ይሳኮር ምስ ዴቦራ ነበሩ፡
ባራቅ+ ድማ፡ ከም ይሳኮር ገበረ።
ኣብ መንጎ ኽፋላት ሮቤል ብርቱዕ መርመራታት ልቢ ነበረ።
16 ደሃይ ሻምብቆ መጓሰ ኽትሰምዕሲ፡+
ኣብ መንጎ ኽልተ እተወደነ ጽዕነት ስለምንታይ እትቕመጥ፧
ንኽፋላት ሮቤል ብርቱዕ መርመራታት ልቢ ነበረ።
ምርኮ ብሩር ኣይወሰዱን።+
20 ካብ ሰማይ ከዋኽብቲ ተዋግኡ፣
ካብ ቅናት ዙረቶም ምስ ሲሰራ ተዋግኡ።
ኦ ነፍሰይ፡* ንሓያል ረገጽኪ።
22 ሽዑ፡ ሓያላት ኣፍራሱ እናሓነኑ ኺጋልቡ ኸለዉ፡+
ሸዀናታት ኣፍራስ ዲጕዲጕ በለ።
25 ማይ ለመነ፣ ጸባ ሃበቶ።
26 ኢዳ ናብ ሽኻል፡
የማነይታ ኸኣ ናብ ሞደሻ ዓየይቲ ዘርግሐት።
ንሲሰራ ድማ ወቕዓቶ፡ ርእሱ ሓምሸሸቶ፡
መትልሑ ዘቢጣ ኣንኰለቶ።+
27 ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቝልዕጽ ኢሉ ወዲቑ በጥ በለ፣
ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቝልዕጽ ኢሉ ወደቐ፣
ኣብቲ እተቘልዓጸሉ፡ ኣብኡ ተሰኒፉ ወደቐ።
28 ኣደ ሲሰራ ብመስኰት ጠመተት፡
ካብ ዓይኒ ርግቢ ጭትም በለት፡
‘ሰረገላኡ ስለምንታይ ንምምጻእ ደንጕዩ፧
ደሃይ ሸዀና ሰረገላታቱኸ ስለምንታይ ደንጕዩ፧’+
29 እተን ጥበበኛታት ልዑላታ ይምልሳላ፣
እወ፡ ንሳ ባዕላ እውን ንርእሳ ትምልስ፡
30 ‘ዝረኸብዎ ምርኮ ይማቐሉ ኣለዉ ኪዀኑ ኣለዎም፡
ንነፍሲ ወከፍ ተዋጋኢ፡ ሓሓንቲ ጓል፡* ከክልተ ኣዋልድ፡*
ንሲሰራ ምርኮ ሕብራዊ ኽዳን፡ ምርኮ ሕብራዊ ኽዳን፡
ንኽሳውዲ እቶም ዘመትቲ ኸኣ
ጥሉፍ ክዳን፡ ሕብራዊ ኽዳን፡ ክልተ ጥሉፍ ክዳን።’
31 ኦ የሆዋ፡ ኵሎም ጸላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፡+
እቶም ዜፍቅሩኻ ግና፡ ከምታ ብኽብራ እትበርቕ ጸሓይ ይኹኑ።”