ሆሴእ
4 ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፣
ኣብዛ ምድሪ ሓቅን ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ፍልጠት ኣምላኽን የልቦን እሞ፡+
የሆዋስ ኣንጻር ነበርቲ እዛ ምድሪ ጕዳይ ኣለዎ።+
5 ስለዚ፡ ቀትሪ ምድሪ ኽትዕንቀፍ ኢኻ፣
ነብዪ ኸኣ ምሳኻ፡ ከም ብለይቲ ኺዕንቀፍ እዩ።
ኣነ እውን ንኣዴኻ ስቕ ከብላ* እየ።
6 ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ስቕ ኪብል* እዩ።
7 ብዝበዝሑ መጠን፡ ኣብዚሖም በዲሎምኒ።+
ክብሮም ናብ ውርደት ክልውጦ እየ።*
8 ሓጢኣት ህዝበይ ይምገቡ፡
ንስሕተቶም ከኣ ይሃርፍዎ።*
10 ኪበልዑ፡ ግናኸ ኣይኪጸግቡን እዮም።+
ንየሆዋ ግዱ ስለ ዘይብሎም፡
ምንዝርና ኼብዝሑ፡ ግናኸ ኣይኪበዝሑን እዮም።+
12 መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም እዩ፡
ብምንዝርናኦም እውን ንኣምላኾም ተገዛእቱ ምዃን ኣብዮም እዮም እሞ፡
ህዝበይ ንጣኦታት ዕንጨይቲ ይሓትቱ፡
በትሮም* ዝበሎም ከኣ ይገብሩ።
13 ኣብ ርእሲ ኣኽራን ይስውኡ፡+
ኣብ ኵርባታት ከኣ ይዓጥኑ፣
ጽላሎም ጽቡቕ ስለ ዝዀነ ድማ፡
ኣብ ትሕቲ ገዘፍቲ ኣእዋምን ኣእዋም ሊብነን ኵሉ ዓብዪ ኦምን ከምኡ ይገብሩ።+
ስለዚ፡ ኣዋልድኩም ይምንዝራ፡
ኣንስቲ ደቅኹም ይዝምዋ።
14 ሰብኡት ምስ ኣመናዝር ይኸዱ፡
ምስ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ከኣ ይስውኡ እዮም እሞ፡
ንኣዋልድኩም ብሰሪ ምንዝርናአን፡
ንኣንስቲ ደቅኹም እውን ብምንዝርናአን ተሓተትቲ ኣይክገብረንን እየ።
ከምዚ ዝበለ ኣእምሮ ዘይብሉ ህዝብስ+ ኪጠፍእ እዩ።
16 እስራኤልሲ ኸም ሕንግድ ኣርሒ ሓንጊዱ ኣሎ።+
እሞኸ ሕጂ የሆዋ ኸም ገንሸልዶ* ኣብ ገፊሕ መጓሰዪ* ኺጓስዮም እዩ፧
17 ኤፍሬም ምስ ጣኦታት ሓቢሩ እዩ።+
ሕደጎ!
19 ንፋስ ኣብ ኣኽናፉ ኺጥቕልላ* እዩ፣
ንሳቶም እውን ብመስዋእቶም ኪሓፍሩ እዮም።”