2 ቈረንቶስ
6 ጸጋ ኣምላኽ ተቐቢልኩምሲ ዕላማኡ ኸይትስሕትዎ፡+ ምስኡ እናዓየና+ ንምሕጸነኩም ኣለና። 2 ከመይሲ፡ “ብቕብልቲ ግዜ ሰሚዐካ፡ ብመዓልቲ ድሕነት ከኣ ረዲአካ እየ” ይብል እዩ።+ እንሆ፡ እታ ኣዝያ ቕብልቲ ግዜ ሕጂ እያ። እንሆ፡ እታ መዓልቲ ድሕነት ሕጂ እያ።
3 ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይንቀፍ፡ ብገለ ነገር እኳ መዐንቀፊ ኸቶ ኣይንህብን ኢና፣+ 4 ግናኸ፡ ብዅሉ ንርእስና ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጌርና ነርኢ ኣለና፣+ ነዚ ድማ ብብዙሕ ተጻዋርነት፡ ብጸበባ፡ ብስእነት፡ ብጭንቂ፡+ 5 ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡+ ብህውከት፡ ብጻዕሪ፡ ድቃስ ብምስኣን፡ ብዘይ ምግቢ፡+ 6 ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡+ ብለውሃት፡+ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ግብዝና ብዘይብላ ፍቕሪ፡+ 7 ብሓቀኛ ዘረባ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ፡+ ብኣጽዋር ጽድቂ+ የማነ* ጸጋም፡* 8 ብኽብርን ብሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ብጽቡቕ ወረን ነርኢ ኢና። ከም መስሓትቲ እናተቘጸርና፡ ግናኸ ሓቀኛታት ኢና፣ 9 ከም ዘይፍሉጣት፡ ግናኸ ፍሉጣት ኢና፣ እንመውት ከም ዘለና፡* ግናኸ እንሆ፡ ህያዋን ኢና፣+ ከም ቅጹዓት፡* ግናኸ ንሞት ኣይተወፈናን፣+ 10 ከም ጕሁያት፡ ግናኸ ዅሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፣ ከም ድኻታት፡ ግናኸ ንብዙሓት ነሀብትም ኢና፣ ሓንቲ ኸም ዘይብልና፡ ግናኸ ዅሉ ኣሎና።+
11 ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ፡ ክንዛረበኩምሲ ኣፍና ኸፊትና ኣለና፣* ልብና እውን ጋህ ኣቢልናልኩም ኣለና። 12 ንስኻትኩም ደኣ ኢኹም ፍቕርኹም እትቝጥቡልና ዘለኹም እምበር፡+ ንሕናስ ንዓኻትኩም ልባዊ ፍቕርና ኣይቈጠብናልኩምን።* 13 ከም ምላሹ ኸኣ፡—ከም ንውሉደይ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡—ንስኻትኩም እውን ልብኹም ጋህ ኣብሉ።*+
14 ምስ ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ።*+ ማለት፡ ጽድቅን ሓጢኣትን* እንታይ ርክብ ኣለዎ፧+ ወይስ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧+ 15 ክርስቶስከ ምስ ብልያል* እንታይ ስኒት ኣለዎ፧+ ወይስ ኣማኒ* ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት* ኣለዎ፧+ 16 ቤተ መቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧+ ከምቲ ኣምላኽ፡ “ኣባታቶም ክነብር፡+ ኣባታቶም እውን ክመላለስ እየ፣ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” ዝበለ፡+ ንሕናስ ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና።+ 17 “‘ስለዚ፡ ካብ መንጎኦም ውጹን ተፈለዩን’ ይብል የሆዋ፡* ‘ርኹስ እውን ደጊም ኣይትተንክዩ’”፣+ “‘ኣነ ኸኣ ክቕበለኩም እየ።’”+ 18 “‘ኣቦ ድማ ክዀነኩም እየ፣+ ንስኻትኩም እውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም’+ ይብል እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ።”*