መክብብ
5 ናብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክትከይድ ከለኻ፡ ስጕምትኻ ሓሉ፣+ ዓያሹስ እቲ ዚገብርዎ ኽፉእ ምዃኑ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ከምቲ ንሳቶም ዚገብርዎ ጌርካ መስዋእቲ ኻብ ምቕራብሲ፡+ ክትሰምዕ ምቕራብ ይሓይሽ።+
2 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽሲ ኣብ ሰማያት እዩ፡ ንስኻ ግና ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ብኣፍካ ኣይትቐልጥፍ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ተሃዊኽካ ኣይትዛረብ።+ ስለዚ፡ ቃላትካ ሒደት ይኹን።+ 3 ሕልምስ ብዛዕባ ዕዮ እምብዛ ኻብ ምሕሳብ* እዩ ዚመጽእ፣+ ዓጀውጀው ዓሻ ድማ ካብ ብዝሒ ቓላት እዩ ዚመጽእ።+ 4 ኣምላኽ ብዓያሹ ባህ ኣይብሎን እዩ እሞ፡+ ንዕኡ እንተ ተመባጺዕካሉ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ።+ ነቲ እተመባጻዕካዮ፡ ፈጽሞ።+ 5 ተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ፡ ዘይምምብጻዕ ይሓይሽ።+ 6 ኣፍካ ኼሕጥኣካ* ኣይትፍቀድ፣+ ኣብ ቅድሚ መልኣኽ* ከኣ፡ ‘ጌጋ እዩ ነይሩ’ ኣይትበል።+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንግብሪ ኣእዳውካ ኼጥፍኦስ፡ ስለምንታይ በቲ እትብሎ ጌርካ እተቘጥዖ፧+ 7 ከምቲ ብዛዕባ ዕዮ እምብዛ ምሕሳብ ናብ ሕልሚ ዚመርሕ፡+ ምብዛሕ ቃላት እውን ናብ ከንቱነት እዩ ዚመርሕ። ግናኸ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍርሃዮ።+
8 ኣብ ኣውራጃኻ ጭቈና ድኻ ዀነ ጥሕሰት ፍትሕን ጽድቅን እንተ ርኢኻ፡ ብዛዕባ እቲ ነገር ኣይትገረም።+ እቲ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣንሲ፡ ካብኡ ብዚልዕል ይጥመት እዩ፣ ገና ኻባታቶም ዝለዓሉ እውን ካልኦት ኣለዉ።
9 ረብሓ እታ ምድሪ ኸኣ ኣብ መንጎ ዅሎም ይምቀል እዩ፣ ንጉስ እኳ ኻብ ግራት ይጥቀም እዩ።+
10 ፈታው ብሩርሲ ብብሩር፡ ፈታው ሃብቲ ድማ ብኣታዊ ኸቶ ኣይጸግብን እዩ።+ እዚ እውን ከንቱነት እዩ።+
11 ጽቡቕ ነገር እንተ በዝሐ፡ በላዕቱ ይበዝሑ።+ ንዋናኡኸ ብኣዒንቱ ኺርእዮ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧+
12 ኣገልጋልስ እቲ ዚበልዖ ሒደት ወይ ብዙሕ ይኹን ብዘየገድስ፡ ድቃሱ ጥዑም እዩ፣ ንሃብታም ግና እቲ ሃብቱ ድቃስ ይኸልኦ።
13 ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝረኣኽዎ ኣዝዩ ዜሕዝን ነገር* ኣሎ፦ ንጕድኣት ዋናኡ እተዓቝረ ሃብቲ ኣሎ። 14 እዚ ሃብቲ እዚ ብሰንኪ ሕማቕ ዕዮ ይጠፍእ፣ ወዲ ኣብ ዚወልደሉ እዋን ከኣ፡ ኣብ ኢዱ ሓንቲ እኳ ኣይተርፎን።+
15 ከምቲ ኻብ ማሕጸን ኣዲኡ ዝወጸ፡ ከምታ ዝመጻ፡ ጥራዩ ይኸይድ።+ ካብ ኵሉ እቲ ዝጸዓረሉ ድማ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን።+
16 እዚ እውን ኣዝዩ ዜሕዝን ነገር* እዩ፦ ከምታ ዝመጻ እዩ ዚኸይድ፣ እቲ ንንፋስ ዚጽዕር ደኣ እንታይ ረብሓ እዩ ዚረክብ፧+ 17 መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ ምስ ብዙሕ ብስጭትን ሕማምን ቍጥዓን እዩ ኣብ ጸልማት ዚበልዕ።+
18 እዚ ድማ ጽቡቕን ግቡእን ምዃኑ ረኣኹ፦ ሰብሲ ኣብቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝሃቦ ሒደት መዓልትታት ህይወት፡ ይብላዕን ይስተን፡ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓረሉ ዅሉ ጻዕሪ እውን ይተሓጐስ፣+ እዝስ ጻማኡ* እዩ።+ 19 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንሰብ ሃብትን ጥሪትን ብእኡ ናይ ምሕጓስ ክእለትን ካብ ሃቦ፡+ ጻማኡ* ይውሰድ፡ ብጻዕሩ እውን ይተሓጐስ። እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ።+ 20 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብታሕጓስ ልቡ ትሑዝ ስለ ዚገብሮ፡ ነቲ ዚሓልፍ መዓልትታት ህይወቱ ኣየስተብህለሉን* እዩ።+