ኢሳይያስ
ኣፍ የሆዋ ብዘውጽኦ
ሓድሽ ስም ድማ ክትጽውዒ ኢኺ።+
3 ኣብ ኢድ የሆዋ ዘውዲ ጽባቐ፡
ኣብ ኢድ ኣምላኽኪ መጠምጠምያ ንጉስ ክትኰኒ ኢኺ።
ግናኸ፡ ደስታይ ኣብኣ እዩ ኽትብሃሊ ኢኺ፣+
ምድርኺ ድማ ምርዕውቲ ኽትብሃል እያ።
የሆዋስ ብኣኺ ደስ ኪብሎ እዩ፣
ምድርኺ ድማ ከም ምርዕውቲ ኽትከውን እያ።
5 ከመይሲ፡ ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዚምርዖ፡
ደቅኺ ኺምርዓዉኺ እዮም።
መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዚሕጐስ፡
ኣምላኽ ብኣኺ ኺሕጐስ እዩ።+
6 ኦ የሩሳሌም፡ ኣብ ልዕሊ መካበብያኺ ሓለውቲ መዚዘ ኣለኹ።
ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን፡ ወትሩ ስቕ ኣይበሉ።
8 የሆዋ ብየማነይቲ ኢዱ፡ ብሓያል ቅልጽሙ ምሒሉ ኣሎ፦
“እኽልኺ ንጸላእትኺ ምግቢ ኪዀኖም ደጊም ኣይክህብን እየ፣
ጓኖት እውን ነቲ ዝጸዓርክሉ ጕዕሽ ወይንኺ ኣይኪሰትዩን እዮም።+
9 የግዳስ፡ እቶም ዚእክብዎ ኺበልዕዎ፡ ንየሆዋ ድማ ኪውድስዎ እዮም፣
እቶም ዘእተውዎ ኸኣ ኣብ ቅዱስ ኣጸዳተይ ኪሰትይዎ እዮም።”+
10 ሕለፉ፡ ብኣፍ ደገታት ሕለፉ።
ነቲ ህዝቢ መገዲ ጽረጉሉ።+
ኣጣጥሑ፡ ጐደና ኣጣጥሑ።
ኣእማን ጽረጉ።+
ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም።+
11 እንሆ፡ የሆዋ ኽሳብ ወሰናት ምድሪ ኣዊጁ ኣሎ፦
“ንጓል ጽዮን፡
‘እንሆ፡ ድሕነትኪ ይመጽእ ኣሎ።+
እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፣
እቲ ዚኸፍሎ ጻማ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እዩ’ በልዋ።”+