ነህምያ
9 ኣብ መበል 24 መዓልቲ እዛ ወርሒ እዚኣ ድማ፡ እስራኤላውያን ተኣከቡ፣ ማቕ ተኸዲኖምን ሓመድ ኣብ ርእሶም ገይሮምን ጾሙ።+ 2 እቶም ዘርኢ እስራኤል ዘበሉ ኸኣ ካብ ኵሎም ጓኖት ተፈልዩ፣+ ደው ኢሎም ድማ ሓጢኣቶምን ስሕተት ኣቦታቶምን ተናዘዙ።+ 3 ኣብ ቦታኦም ከኣ ደው በሉ፣ ካብ መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ ኣምላኾም ድማ፡ ርብዒ መዓልቲ* ዓው ኢሎም ኣንበቡ፣+ ንተወሳኺ ርብዒ ከኣ፡ ይናዘዙን ንየሆዋ ኣምላኾም ይሰግዱሉን ነበሩ።
4 እያሱን ባኒን ቃድሚኤልን ሸባንያን ቡኒን ሸረብያን+ ባኒን ከናኒን ድማ ኣብ ብርኽ ዝበለ መድረኽ+ ሌዋውያን ደው በሉ፣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ ናብ የሆዋ ኣምላኾም ጨርሑ። 5 እቶም ሌዋውያን እያሱን ቃድሚኤልን ባኒን ሓሻብነያን ሸረብያን ሆድያን ሸባንያን ጰታሕያን ድማ ከምዚ በሉ፦ “ተንስኡ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ወድስዎ።+ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኸትን ውዳሰን ክብ ዝበለ ኽቡር ስምካ ድማ ይወድስዎ።
6 “ንስኻ በይንኻ የሆዋ ኢኻ፣+ ንስኻ ንሰማያት፡ እወ፡ ንሰማየ ሰማያትን ንዅሉ ሰራዊቱን ንምድርን ኣብ ልዕሊኣ ንዘሎ ዅሉን ንባሕርታትን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ገበርካዮ። ንስኻ ንዅሎም ብህይወት ተንብሮም፣ ሰራዊት ሰማያት ከኣ ይሰግዱልካ ኣለዉ። 7 ንኣብራም+ ዝሓረኻዮን ካብ ኡር+ ናይ ከለዳውያን ዘውጻእካዮን ኣብርሃም ዚብል ስም ዝሃብካዮን፡+ ንስኻ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ። 8 ልቡ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኰይኑ ረኸብካዮ፣+ ስለዚ፡ ምድሪ ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ይቡሳውያንን ጊርጋሳውያንን ንዘርኡ ኽትህቦ ምስኡ ኺዳን ኣቶኻ።+ ንስኻ ጻድቕ ስለ ዝዀንካ ኸኣ፡ ቃልካ ሓሎኻ።
9 “ኣብ ግብጺ ድማ ጸበባ ኣቦታትና ረኣኻ፣+ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኸኣ ኣውያቶም ሰማዕካ። 10 ኣንጻር ፈርኦንን ኵሎም ገላዉኡን ኵሉ ህዝቢ ምድሩን ድማ ትእምርትን ተኣምራትን ገበርካ፣+ ከመይሲ፡ ከም ዝደፈርዎም ፈሊጥካ ነበርካ።+ ከምዚ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ኸኣ ንዓኻ ስም ገበርካ።+ 11 ነቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ቅድሚኦም መቐልካዮ፣ ንሳቶም ከኣ ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ምድሪ ሓለፉ።+ ነቶም ሰጐጕቶም ድማ ከምቲ ናብ እተናወጸ ማያት እተደርበየ እምኒ ናብ መዓሙቝ ደርበኻዮም።+ 12 መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ኪኸዱላ ዚግባእ መገዲ ምእንቲ ኼብርሃሎም ከኣ፡ ለይቲ ብዓንዲ ሓዊ መራሕካዮም።+ 13 ኣብ ከረን ሲና+ ወሪድካ ድማ፡ ካብ ሰማይ ተዛረብካዮም፣+ ቅኑዕ ፍርድታትን ሕግታት ሓቅን* ጽቡቕ ስርዓታትን ትእዛዛትን እውን ሃብካዮም።+ 14 ቅድስቲ ሰንበትካ ኸኣ ኣፍለጥካዮም፣+ ትእዛዛትን ስርዓታትን ሕግን ድማ ብጊልያኻ ሙሴ ኣቢልካ ኣዘዝካዮም። 15 ምስ ጠመዩ ኸኣ ካብ ሰማይ እንጌራ ሃብካዮም፣+ ምስ ጸምኡ ድማ ካብ ከውሒ ማይ ኣውጻእካሎም።+ እታ ንዓታቶም ክትህቦም ዝመሓልካላ* ምድሪ ኸኣ ኪኣትውዋን ኪርስተይዋን ተዛረብካዮም።
16 “ግናኸ፡ ንሳቶም፡ ኣቦታትና፡ ተዳፈሩ፡+ ነቓጻት እውን ኰኑ፣*+ ትእዛዛትካ ድማ ኣይሰምዑን። 17 ምስማዕ ከኣ ኣበዩ፣+ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝገበርካዮ ዜደንቕ ግብርታት ድማ ኣይዘከሩን፣ የግዳስ፡ ነቓጻት ኰኑ፡* ናብ ባርነቶም ናብ ግብጺ ኺምለሱ ኸኣ ርእሲ ሸሙ።+ ንስኻ ግና ንይቕረታ ድልዊ ዝዀንካ ኣምላኽን* ርሕሩሕን* መሓርን ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን* ኢኻ፣+ ኣይሓደግካዮምን ከኣ።+ 18 ንርእሶም ምራኽ ፍሲ እኳ ምስ ገበሩ እሞ፡ ‘እዚ ኻብ ግብጺ ዘውጽኣካ ኣምላኽካ እዩ’ ምስ በሉ፡+ ዓብዪ ንዕቀት እውን ምስ ገበሩ፡ 19 ሽዑ እውን ከይተረፈ ምሕረትካ ዓብዪ ብምዃኑ፡ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምን።+ ብመዓልቲ መገዲ ኺመርሖም እቲ ዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ድማ ኪኸዱላ ዚግባእ መገዲ ኼብርሃሎም እቲ ዓንዲ ሓዊ ኻባታቶም ኣየልገሰን።+ 20 ልቦና ምእንቲ ኪዀኖም ከኣ ጽቡቕ መንፈስካ ሃብካዮም፣+ ማናኻ ድማ ካብ ኣፎም ኣይከላእካን፣+ ምስ ጸምኡ ኸኣ ማይ ሃብካዮም።+ 21 ኣብ በረኻ፡ 40 ዓመት መገብካዮም።+ ሓንቲ እኳ ኣይጐደሎምን። ክዳውንቶም ኣይኣረገን፡+ ኣእጋሮም እውን ኣይሓበጠን።
22 “መንግስትታትን ህዝብታትን ድማ ሃብካዮም፣ በብኽፋል ጌርካ ኸኣ ዓደልካዮም።+ ስለዚ፡ ንምድሪ ሲሆን፡+ ማለት ንምድሪ ንጉስ ሔስቦን፡+ ከምኡ ድማ ንምድሪ ዖግ+ ንጉስ ባሳን ተረስተዩወን። 23 ንደቆም ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማያት ኣብዛሕካዮም።+ ናብታ ንኣቦታቶም ኪኣትውዋን ኪርስተይዋን ዘተስፎኻዮም ምድሪ ኸኣ ኣእቶኻዮም።+ 24 ደቆም ድማ ኣትዮም ነታ ምድሪ ተረስተይዋ፣+ ነቶም ነበርቲ እታ ምድሪ ዝነበሩ ከነኣናውያን ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ኣምበርከኽካዮም፣+ ንነገስታትን ንህዝብታትን እታ ምድሪ ድማ፡ ባህ ዝበሎም ኪገብርዎም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም። 25 እተዓርዳ ኸተማታትን+ ፍርያም* ምድርን+ ከኣ ሓዙ፣ ኵሉ ዓይነት ጽቡቕ ነገራት ዝመልኣ ኣባይትን እተዃዕተ መዕቘሪታት ማይን ኣታኽልቲ ወይንን ኣእዋም ኣውልዕን+ ብዙሕ ፈራዪ ኣእዋምን ድማ ተረስተዩ። ስለዚ፡ በልዑን ጸገቡን ሰብሑን በቲ ዓብዪ ሕያውነትካ* ተሓጐሱን።
26 “ግናኸ፡ ዘይእዙዛት ኰኑ፡ ካባኻ ዓለዉ፡+ ንሕግኻ ድማ ዝባኖም መለሱሉ።* ነቶም ናባኻ ኺምለሱ ኢሎም ዘጠንቀቕዎም ነብያትካ ቐተልዎም፣ ዓብዪ ንዕቀት እውን ገበሩ።+ 27 ስለዚ፡ ናብ ኢድ ተጻረርቶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም፣+ ንሳቶም ከኣ ኣጨነቕዎም።+ ብግዜ ጭንቆም ግና ናባኻ የእውዩ ነበሩ፣ ንስኻ ድማ ካብ ሰማያት ትሰምዖም፡ ስለቲ ዓብዪ ምሕረትካ ኸኣ ካብ ኢድ ተጻረርቶም ዜናግፍዎም መድሓንቲ ትህቦም ነበርካ።+
28 “ዕረፍቲ ምስ ረኸቡ ግና፡ መሊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኽፉእ ይገብሩ ነበሩ፣+ ንስኻ ኸኣ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ትህቦም ነበርካ፣ ንሳቶም እውን ይገዝእዎም* ነበሩ።+ ሽዑ፡ ተመሊሶም ናባኻ ይምህለሉ ነበሩ፣+ ንስኻ ድማ ካብ ሰማያት ትሰምዖም፡ ስለቲ ዓብዪ ምሕረትካ ኸኣ ብተደጋጋሚ ተናግፎም ነበርካ።+ 29 ናብ ሕግኻ ኽትመልሶም ኢልካ እኳ እንተ ኣጠንቀቕካዮም፡ ተዳፈሩ፡ ትእዛዛትካ እውን ኣይሰምዑን፣+ ነቲ ሰብ እንተ ገይርዎ፡ ብህይወት ዚነብረሉ ስርዓታትካ ኸኣ በደሉ።+ ብንቕጽና ዝባኖም መለሱ፡ ክሳዶም ኣትረሩ፡ ምስማዕ እውን ኣበዩ። 30 ንብዙሕ ዓመታት ተዓገስካዮም፡+ ብነብያትካ ጌርካ ድማ ብመንፈስካ ኣጠንቀቕካዮም፣ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ። ሽዑ፡ ኣብ ኢድ ህዝብታት ሃገራት ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።+ 31 ግናኸ፡ ንስኻ ርሕሩሕን* መሓርን ኣምላኽ ኢኻ እሞ፡+ ምሕረትካ ዓብዪ ብምዃኑ፡ ኣየጽነትካዮምን፡+ ኣይሓደግካዮምን እውን።
32 “ሕጂ ድማ፡ ኦ ኣምላኽና፡ ኣታ ዓብይን ሓያልን ዜፍርህን ኪዳኑ ዚሕሉን ብተኣማንነት ዜፍቅርን ኣምላኽ፡+ ነቲ ንዓናን ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን+ ንኻህናትናን+ ንነብያትናን+ ንኣቦታትናን ንዅሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር+ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝረኸበና ሽግር ኣፍኲስካ ኣይትርኣዮ። 33 ንስኻ ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝወረደ ጻድቕ ኢኻ፣ ንሕና ደኣ እከይ ገበርና እምበር፡ ንስኻስ ኣብ ተግባርካ እሙን ኢኻ።+ 34 ነገስታትናን መሳፍንትናን ካህናትናን ኣቦታትናን ድማ ሕግኻ ኣይሓለዉን፡ ንትእዛዛትካን ነቲ ብእኡ ዘጠንቀቕካዮም መዘኻኸሪታትካን* ኣየቕለቡሉን። 35 ኣብ መንግስቶም ኣብ ዝነበሩሉን በቲ ዝሃብካዮም ብዙሕ ጽቡቕ ኣብ ዚሕጐሱሉን ኣብታ ዝሃብካዮም ገፋሕን ፍርያምን* ምድሪ ኣብ ዝነበሩሉን እዋን እኳ፡ ኣየገልገሉኻን፡+ ካብቲ ኽፉእ ልምድታቶም ድማ ኣይተመልሱን። 36 እነና ኸኣ ሎሚ ባሮት ኴንና ኣለና፣+ እወ፡ ኣብታ ፍሪኣን ጽቡቓን ኪበልዑ ንኣቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ባሮት ኴንና ኣለና። 37 እቲ ብዙሕ እቶታ ነቶም ብሰሪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ዝገበርካዮም ነገስታት እዩ።+ ኣብ ልዕሊ ሰብነትናን ማልናን ከኣ ከም ዝደለይዎ ይገዝኡ ኣለዉ፣ ንሕና ድማ ኣብ ዓብዪ ጭንቂ ኣለና።
38 “ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብጽሑፍ ቀያዲ ውዕል ንገብር ኣለና፣+ ብማሕተም መሳፍንትናን ሌዋውያንናን ካህናትናን ከኣ ነረጋግጾ ኣለና።”+