ንኣላዪ። ዳዊት እቲ ጊልያ የሆዋ፡ በታ የሆዋ ኻብ ኢድ ኵሎም ጸላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን ዘናገፎ መዓልቲ፡ ንየሆዋ ቓላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረቦ። ከምዚ ኸኣ በለ፦+
18 ኦ የሆዋ፡ ሓይለይ፡ እፈትወካ እየ።+
2 የሆዋ ኸውሐይን ዕርደይን መናገፍየይን እዩ።+
ኣምላኸይ ዝምዕቈበሉ ኸውሐይ፡+
ዋልታይን ቀርኒ ድሕነተይን፡ እምባይ እዩ።+
3 ነቲ ኺውደስ ዚግብኦ የሆዋ ኽጽውዖ፡
ካብ ጸላእተይ ድማ ክድሕን እየ።+
4 ኣግማድ ሞት ከርዲኑኒ፣+
ወሓይዝ ዘይጠቕሙ ሰባት ኣሸቢሩኒ።+
5 ኣግማድ መቓብር ከቢቡኒ፣
መፈንጠራታት ሞት ኣጋጢሙኒ።+
6 ብጭንቀይ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፡
ናብ ኣምላኸይ ከኣ ኣእውየ።
ካብ መቕደሱ ድምጸይ ሰሚዑ፡+
ኣብ ቅድሚኡ ዘቕረብክዎ ኣውያተይ ኣብ ኣእዛኑ በጺሑ።+
7 ምድሪ ተናዊጻን ኣንቀጥቂጣን፣+
መሰረታት ኣኽራን ኣንደቕዲቑ፡
ስለ እተቘጥዐ ድማ ተናዊጹ።+
8 ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ዓሪጉ፡
ካብ ኣፉ ኸኣ ዚባላዕ ሓዊ ወጺኡ፣+
ካብኡ ጓህሪ ተባሪዑ።
9 ኪወርድ ከሎ፡ ንሰማያት ኣድኒንዎ፡+
ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ እውን ብርቱዕ ድነ ነይሩ።+
10 ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተወጢሑ እናነፈረ መጺኡ።+
ኣብ ኣኽናፍ መንፈስ ኰይኑ ኸኣ ተነቚቱ።+
11 ጸልማት ማያትን ከቢድ ደበናታትን+
ከም መጽለሊ ኣብ ዙርያኡ ገይሩ ድማ፡
ብጸልማት ተጐልቢቡ።+
12 ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ድምቀት፡
በረድን ጓህርን ንደበናታት ጥሒሱ ወጺኡ።
13 የሆዋ ድማ ኣብ ሰማያት ኣንጐድጒዱ፣+
ብበረድን ብጓህርን፡
እቲ ልዑል፡ ድምጹ ኣስሚዑ።+
14 ፍላጻታቱ ወርዊሩ ፋሕ ኣቢልዎም፣+
በርቁ ደርብዩ ኸኣ ኣሸቢርዎም።+
15 ብምንፋስ ትንፋስ ኣፍንጫኻ፡
ብመግናሕትኻ፡ ኦ የሆዋ፡ መሰረታት ምድሪ ተቐሊዑ፣
ባይታ ርባ ድማ ተራእዩ።+
16 ኢዱ ኻብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዘርጊሑ፣
ሒዙ ኸኣ ካብ ዓሚቝ ማያት ኣውጺኡኒ።+
17 ካብ ሓያል ጸላእየይ፡+
ካብቶም ካባይ ዚሕይሉ ዚጸልኡኒ ኣናጊፉኒ።+
18 ብመዓልቲ ጥፍኣተይ ገጢሞምለይ፣+
ግናኸ፡ የሆዋ ደገፍ ኰይኑኒ።
19 ናብ ውሑስ ቦታ ኣውጺኡኒ፣
ብኣይ ባህ ስለ ዝበሎ፡ ኣናጊፉኒ።+
20 የሆዋ ኸም ጽድቀይ ይፈድየኒ፣+
ከም ንጽህና ኢደይ ይኽሕሰኒ።+
21 ከመይሲ፡ መገድታት የሆዋ ሓልየ እየ፣
ንኣምላኸይ ብምሕዳግ ድማ እከይ ኣይገበርኩን።
22 ኵሉ ፍርድታቱ ኣብ ቅድመይ እዩ፣
ንሕግታቱ ኸኣ ኣይነዓቕኩን።
23 ኣብ ቅድሚኡ መንቅብ ዘይብለይ ክኸውን፡+
ካብ ስሕተት እውን ክሕሎ እየ።+
24 የሆዋ ኸም ጽድቀይ፡+
ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ንጽህና ኢደይ ይኽሓሰኒ።+
25 ምስ እሙን፡ እሙን ትኸውን፣+
መንቅብ ምስ ዘይብሉ ሰብኣይ ከኣ፡ መንቅብ ዘይብልካ ትኸውን፣+
26 ምስ ንጹህ፡ ንጹህ ትኸውን፡+
ምስ ቄናን ግና፡ ትጐርሕ።+
27 ንትሑታትሲ ተድሕኖም፣+
ንዕቡያት ግና ተዋርዶም።+
28 ኦ የሆዋ፡ ኣታ ንጸልማተይ እተብርሆ ኣምላኸይ፡
መብራህተይ እተብርሃለይሲ ንስኻ ኢኻ።+
29 ብሓገዝካ ንዘማቲ ጭፍራ ኸጥቅዕ እኽእል፣+
ብሓይሊ ኣምላኽ መንደቕ ክሓኵር እኽእል።+
30 መገዲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍጽምቲ እያ፣+
ቃል የሆዋ እተጻረየ እዩ።+
ንዅሎም እቶም ዚምዕቈብዎ ዋልታኦም እዩ።+
31 ብዘይካ የሆዋስ ኣምላኽ መን እዩ፧+
ብዘይካ ኣምላኽናኸ ኸውሒ መን እዩ፧+
32 እቲ ብብርታዐ ዚኸድነኒ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ፣+
ንመገደይ ከኣ ፍጹም ይገብሮ።+
33 ንኣእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣
ኣብ በረኽቲ ድማ የቝመኒ።+
34 ንኣእዳወይ ንውግእ የሰልጥነን፡
ቀላጽመይ ቀስቲ ነሓሲ ኺግትራ ይኽእላ።
35 ዋልታ ድሕነትካ ትህበኒ፡+
የማነይትኻ ትድግፈኒ፡
ትሕትናኻ ኸኣ ተዕብየኒ።+
36 መገዲ ስጕምትታተይ ተግፍሕ፣
ኣእጋረይ እውን ኣየንደልህጻን።+
37 ንጸላእተይ ስዒበ ኸርክቦም፡
ክሳዕ ዚድምሰሱ ድማ ኣይክምለስን እየ።
38 ምእንቲ ኸይትንስኡ፡ ክጭፍልቖም እየ፣+
ኣብ ትሕቲ ኣእጋረይ ኪወድቁ እዮም።
39 ንውግእ ብብርታዐ ተዕጥቐኒ፣
ንጸላእተይ ከኣ ኣብ ትሕተይ ተውድቖም።+
40 ንጸላእተይ ካባይ ከም ዜንሳሕቡ ትገብር፣
ነቶም ዚጸልኡኒ ድማ መወዳእታ ኽገብረሎም እየ።+
41 የእውዩ፡ ዜድሕኖም ግና የልቦን፣
ናብ የሆዋ እውን ይምህለሉ፡ ንሱ ግና ኣይምልሰሎምን።
42 ከምቲ ንፋስ ዚወስዶ ሓመድ ገይረ ኽደቝሶም እየ፣
ከም ኣብ ጐደና ዘሎ ጭቃ ኽድርብዮም እየ።
43 ካብ ነቐፌታ ህዝበይ ተናግፈኒ።+
ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ትሸመኒ፣+
ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ኺግዝኣኒ እዩ።+
44 ሰሚዖም ጥራይ ኪእዘዙኒ፡
ጓኖት ሸቘጥቈጥ እናበሉ ናብ ቅድመይ ኪመጹ እዮም።+
45 ጓኖት ኪጃጅዉ፡
ካብ ዕርድታቶም ራዕራዕ እናበሉ ኺመጹ እዮም።
46 የሆዋ ህያው እዩ! እቲ ኸውሐይ ይወደስ!+
እቲ ኣምላኽ ድሕነተይ ልዕል ይበል።+
47 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሕነ ይፈድየለይ፣+
ንህዝብታት ድማ ኣብ ትሕተይ የምበርክኾም፣
48 ንሱ ኻብ ቍጡዓት ጸላእተይ የናግፈኒ።
ኣብ ልዕሊ እቶም ዜጥቅዑኒ ልዕል ተብለኒ፣+
ካብ ሰብኣይ ዓመጻ ተድሕነኒ።
49 ስለዚ፡ ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከሞግሰካ፡+
ንስምካ እውን ውዳሰ ኽዝምር እየ።+
50 ንንጉሱ ዓብዪ ግብርታት ድሕነት ይገብር፣+
ንዘለኣለም ንዳዊትን ንዘርኡን፡+
ነቲ ቕቡኡ ብተኣማንነት የፍቅር።+