ብሓጐስ ንኽንጭድር ምኽንያት ኣሎና
“ደስታን ሓጐስ ኪረኽቡ እዮም: ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ።” —ኢሳይያስ 35:10
1. ሎሚ ንኽሕጐሱ ፍሉይ ምኽንያት ዘለዎም መን ኢዮም፧
መብዛሕትኦም ሰባት ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም ዘይብሎም ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ። እንተዀነ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ሓቀኛታት ክርስትያናት መጠን ሓጐስ ኣለዎም። እዚ ከምዚ ዝበለ ሓጐስ ናይ ምርካብ ተስፋ ድማ ነቶም ምስ መሰኻኽር ዝሓብሩ ጌና ዘይተጠመቑ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናእሽቱን ዓበይትን ሰባት እውን ኣለዎም። ሕጂ ነዚ ቃላት እዚ ኣብዚ መጽሔት እዚ ምንባብካ: እዚ ሓጐስ እዚ ድሮ ከም ዝረኸብካዮ ወይ እውን ክትረኽቦ ከም እትኽእል ዘርኢ ኢዩ።
2. እቲ ናይ ክርስትያን ሓጐስ ምስቲ ጠቕላላዊ ኵነታት ናይ መብዛሕትኦም ሰባት ዝነጻጸር ብኸመይ ኢዩ፧
2 ብዙሓት ሰባት ኣብ ህይወቶም ገለ ነገር ከም ዝጐደሎም ይስምዖም ኢዩ። ንስኻኸ፧ ሓቂ ኢዩ ክትጥቀመሉ እትኽእል ነፍሲ ወከፍ ዘድልየካ ነገር ኣይህልወካን ይኸውን: እዚ ድማ እቶም ሎሚ ዘለዉ ኵሎም ሃብታማትን ሓያላትን እውን ከም ዘይብሎም ርግጽ ኢዩ። ዝያዳ ጥዕናን ሓይልን እውን ትደሊ ትኸውን። ጌና ግን: ብዛዕባ ሓጐስ ዝመጸ: ካብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቢልዮናት ሰባት ንስኻ ዝያዳ ዝሃብተምካን ዝጠዓኻን ኢኻ እንተ ተባህለ: ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኰነን። እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን፧
3. ኣየኖት ትርጕም ዝመልኦም ቃላት ኢዮም ከነቕልበሎም ዝግባእ: ስለምንታይከ፧
3 ነቲ “ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ: ሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲ [“ምሉእ ኪኸውን:” ትሓዓ ] እዚ ነገርኩኹም” ዝብል ናይ የሱስ ቃላት ዘክሮ። (ዮሃንስ 15:11) “ሓጐስኩምውን ምሉእ ኪኸውን።” ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ መግለጺ ኰን ኢዩ! ብዛዕባ እቲ ክርስትያናዊ ኣነባብራ ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕቲ ምግባር ሓጐስና ምሉእ ዝዀነሉ ብዙሕ ምኽንያታት ክገለጽ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ሕጂ ሕጂ: ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 35:10 ዘሎ ትርጕም ዝመልኦ ቃላት ኣስተውዕለሉ። እዚ ትርጕም ዝመልኦ ኢዩ: ምኽንያቱ ሎሚ ንዓና ዝምልከት ብዙሕ ነገራት ኣለዎ። ከምዚ ነንብብ:- “እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱ: እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም: ዘለኣለማዊ [“ናይ ዘይተወሰነ ግዜ:” ትሓዓ ] ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኽልል እዩ: ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም: ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ።”
4. ኣብ ኢሳይያስ 35:10 እንታይ ዓይነት ሓጐስ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ: ነዚ ከነቕልበሉ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 “ናይ ዘይተወሰነ ግዜ።” እታ “ናይ ዘይተወሰነ ግዜ” እትብል ሓረግ: ነቲ ኢሳይያስ ብእብራይስጢ ዝጸሓፎ ልክዕ ዝዀነት ትርጕም ኢያ። እንተዀነ ግን: ብኻልእ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም እተረጋገጸ እቲ ናይዛ ጥቕሲ እዚኣ ትርጕም እቲ “ንዘለኣለም” ዝብል ኢዩ። (መዝሙር 45:6፣ 90:2፣ ኢሳይያስ 40:28) ስለዚ እቲ ሓጐስ ኣብ ትሕቲ ናይ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ንኽህሉ ዘፍቅድ—እወ: ዘረጋግጽ—ኵነታት መወዳእታ ዘይብሉ ኪኸውን ኢዩ። እዝስ ዘሐጕስ ኣይመስልንዶ ኢዩ፧ ይኹን እምበር: ምናልባት እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንሓደ ዘይርአ ኵነታት እትገልጽ ብምዃና ‘መዓልታዊ ሽግራተይን ሻቕሎተይን ክሳዕ ክንድቲ ስለ ዘይኰነ ንዓይ ኣይምልከትን ኢዩ’ ዝብል ስምዒት ከም ዝመጸካ ገይራ ተንኪፋትካ ትኸውን ኢያ። እንተዀነ ግን: እዚ ሓቂ እዚ ነቲ ሓደ መዳዩ ኢዩ ዘረጋግጽ። እዚ ኣብ ኢሳይያስ 35:10 ዘሎ ትንቢታዊ መብጽዓ ሎሚ ንዓኻ ትርጕም ኣለዎ። ብኸመይ ምዃኑ ንኽንርዳእ: ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ምስቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ገይርና ነዛ ጥዕምቲ ዝዀነት ምዕራፍ: ኢሳይያስ 35: እስከ ንመርምራ። ነቲ እንረኽቦ ከም እትሕጐሰሉ ርግጸኛ ኹን።
ክሕጐሱ ዘድልዮም ህዝቢ
5. እቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ዘሎ ትንቢት: ኣብ ከመይ ዝበለ ትንቢታዊ ኵነታት ኢዩ ዝርከብ፧
5 ሓገዝ ምእንቲ ክዀነና: ናይዛ መሳጢት ትንቢት መበቈል: ታሪኻዊ ኵነታት እስከ ንርአ። ኢሳይያስ እቲ እብራዊ ነብዪ ኣብ ከባቢ 732 ቅ.ኣ.ዘ ኢዩ ጽሒፉዋ። እዚ ድማ ናይ ባቢሎን ሰራዊት ንዮሩሳሌም ቅድሚ ምጥፍኦም ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሙ ማለት ኢዩ። ከምቲ ኢሳይያስ 34:1, 2 እትገልጾ: ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ: ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 34:6 እተጠቕሰ ከም ኤዶም ዝኣመሰሉ: ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛረበ። ብርግጽ ድማ: ኣምላኽ ነዚ ንምግባር ነቶም ጥንታዎት ባቢሎናውያን ተጠቒሙ ኢዩ። ኣይሁዳውያን እሙናት ስለ ዘይኰኑ ድማ ኣምላኽ ብተመሳሳሊ ባቢሎናውያን ንይሁዳ ከም ዘባድምዋ ገይሩ ኢዩ። እቲ ፍረኸ እንታይ ነበረ፧ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ምርኮ ተወስዱ: ዓዶም ከኣ ን70 ዓመታት ባደመት።—2 ዜና መዋእል 36:15-21
6. ኣብ መንጎ እቲ ንኤዶማውያን ክወርዶም ዝነበሮን ንኣይሁዳውያን ክወርዶም ዝነበሮን እንታይ ምንጽጻር ኢዩ ዘሎ፧
6 ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ እቶም ኤዶማውያንን ኣይሁዳውያን ርኡይ ፍልልይ ነይሩ ኢዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኤዶማውያን ዝወረደ መለኮታዊ ፍዳ ፈጺሙ ዘይውዳእ ኢዩ ነይሩ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ፈጺሙ መበቈሎም ጠፍአ። እወ: ክሳዕ ሕጂ እቲ ኤዶማውያን ዝነብርሉ ዝነበሩ: ከም በዓል እቲ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝዀነ ትርፍራፍ ናይ ፔትራ ዝኣመሰለ ጥርሑ ዘሎ ዑናታት ክትበጽሖ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን: ሎሚ ከም ‘ኤዶማውያን’ ኰይኖም ክፍለጡ ዝኽእሉ ህዝቢ ወይ ሰባት የለዉን። በቲ ሓደ ወገንከ: እቲ ባቢሎናውያን ንይሁዳ ዘባደምዋ: ነታ ሃገር ንሓዋሩ ዘይሕጕስቲ ዝገብራ ዘለኣለማዊ ምብዳም ድዩ ነይሩ፧
7. እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ኣይሁድ ንኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ብኸመይ መሊሶምላ ይዀኑ፧
7 እቲ ኣብ ኢሳይያስ 35 ዘሎ ዘገርም ትንቢት ዘሐጕስ ትርጕም ኣለዎ። ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ኣይሁዳውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከለዉ ቀዳማይ ፍጻሜኡ ስለ ዝረኸበ: ናይ ምምላስ ትንቢት ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል ኢዩ። እቶም ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም ዝነበሩ እስራኤላውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ናጽነት ረኸቡ። (እዝራ 1:1-11) ጌና ግን እዚ ክሳዕ ዝኸውን: እቶም ነዚ መለኮታዊ ትንቢት እዚ ዘስተውዓሉ ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ኣብ ዓዶም: ይሁዳ: ምስ ተመልሱ እንታይ ዓይነት ኵነታት ኰን የጋጥመና ይኸውን ኢሎም ይግረሙ ነይሮም ይዀኑ ኢዮም። ንገዛእ ርእሶምከ ምስ ተመልሱ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዮም ክዀኑ፧ ናይዚ መልስታት ብቐጥታ ምስቲ ስለምንታይ ብሓጐስ ዓው ኢልና ክንጭድር ምኽንያት ከም ዘሎና ዝገልጽ ሓሳባት ክሰማማዕ ይኽእል ኢዩ። እስከ ንርኣዮ።
8. እቶም ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ክምለሱ ኸለዉ እንታይ ኵነታት ኢዩ ዝጸንሖም፧ (ምስ ህዝቅኤል 19:3-6፣ ሆሴእ 13:8 ኣረኣእዮ።)
8 ኣይሁዳውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ይኽእሉ ምዃኖም ምስ ተነግሮም እውን ከይተረፈ ብርግጽ እቲ ኵነታት ተስፋ ዘለዎ ኣይመሰሎምን። ሃገሮም ንሸውዓተ ዓሰርተታት ዓመታት: ሓደ ምሉእ ዕድመ ሰብ: ባዲማ ኢያ። እታ ሃገር እንታይ ኰን ኰይና ትኸውን፧ ኵሉ እቲ ዝሕረስ መሬት: ኣታኽልቲ ወይኒ: ወይ ካልእ ፍረ ዘለዎ ኣታኽልቲ ናብ ደረቕ ቦታ ተቐይሩ ይኸውን። ናይ መስኖ ጀራዲን ወይ ሕርሻታት ናብ ደረቕ መሬት ወይ ምድረ በዳ ተቐይሩ ይኸውን ኢዩ። (ኢሳይያስ 24:1, 4፣ 33:9፣ ህዝቅኤል 6:14) ብዛዕባ እቶም ክህልዉ ዝኽእሉ እንስሳ ዘገዳም እውን ሕሰብ። እዚኣቶም ከም በዓል ኣናብስን ነብርን ዝኣመሰሉ በላዕቲ ስጋ ዘጠቓልሉ ኢዮም። (1 ነገስት 13:24-28፣ 2 ነገስት 17:25, 26፣ መሃልየ መሃልይ 4:8) ነቶም ንሰብኣይ: ሰበይቲ: ወይ ቈልዓ ክሰባብሩ ዝኽእሉ ድቢ እውን ዝርስዕዎም ኣይኰኑን።(1 ሳሙኤል 17:34-37፣ 2 ነገስት 2:24፣ ምሳሌ 17:12) ነቶም መንደላትን መርዛማትን ዝዀኑ ኣትማን ወይ ዕንቅርቢት ምጥቃስ እውን ዝገደደ ኢዩ ዝኸውን። (ዘፍጥረት 49:17፣ ዘዳግም 32:33፣ እዮብ 20:16፣ መዝሙር 58:4፣ 140:3፣ ሉቃስ 10:19) ምስቶም ኣይሁዳውያን ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ካብ ባቢሎን ትምለስ ነይርካ እንተ ትኸውን: ምናልባት ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ክትንቀሳቐስ ምተጠራጠርካ ነይርካ። ኣብኣ ክበጽሑ ከለዉ ይሁዳ ገነት ኣይኰነትን ነይራ።
9. እቶም እተመልሱ ኣይሁድ ተስፋን እምንቶን ንኽገብሩ መሰረት ዝዀኖም እንታይ ምኽንያታት ነበሮም፧
9 ጌና ግን: የሆዋ ባዕሉ ንኣምለኽቱ ናብ ዓዶም ገጹ መርሖም: ንዝባደመ ኵነታት ክመልስ ድማ ክእለት ኣለዎ። እቲ ፈጣሪ ከምኡ ከም ዝገብርሲ ኣይትኣምነሉንዶ ኢኻ፧ (እዮብ 42:2፣ ኤርምያስ 32:17, 21, 27, 37, 41) ስለዚ ነቶም እተመልሱ ኣይሁዳውያንን ንሃገሮምን እንታይ ኢዩ ክገብረሎም ነይርዎ: እንታይከ ገበረሎም፧ እዚኸ ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ከምኡውን ኣብ ህልውን መጻእን ኵነታትካ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧ መጀመርያ ኣብ ግዜ ጥንቲ እንታይ ከም ዝዀነ ንርአ።
ብዛዕባ እቲ እተለወጠ ኵነታት ሕጕሳት
10. ኢሳይያስ 35:1, 2 ከመይ ዝበለ ለውጢ ከም ዝህሉ ኢያ እትንበ፧
10 ቂሮስ ንኣይሁዳውያን ናብታ መኻን ሃገር ክምለሱ ምስ ኣፍቀደሎም እንታይ ኰን ከጋጥም ኢዩ፧ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 35:1, 2 ዘሎ ዘሐጕስ ትንቢት ኣንብቦ:- “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪሕጐሱ: ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል: ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ። ኣጸቢቑ ኺዕምብብ: ብሓጐስን ብእልልታን ባህ ኪብል: ክብሪ ሊባኖስን ጌጽ ቀርሜሎስን ሳሮንን ኪወሀቦ እዩ: ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንጌጽ ኣምላኽናን ኪርእዩ እዮም።”
11. ኢሳይያስ ነቲ መግለጺ ካብ ከመይ ዝበለ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝፈልጦ ኵነታት ኢዩ ዝወሰዶ፧
11 ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: ሊባኖስ: ቀርሜሎስ: ከምኡውን ሳሮን በቲ ለምለም ዝዀነ ጽባቔአን ፍሉጣት ኢየን ነይረን። (1 ዜና መዋእል 5:16፣ 27:29፣ 2 ዜና መዋእል 26:10፣ መሃልየ መሃልይ 2:1፣ 4:15፣ ሆሴእ 14:5-7) ኢሳይያስ እታ እተለወጠት ሃገር ብሓገዝ ኣምላኽ ከመይ ከም እትኸውን ንምግላጽ ኢዩ ነዘን ኣብነታት እዚኣተን ዝጠቐሰን። እዚ ግን ነቲ ምድሪ ጥራይ ለውጢ ዘምጽእ ድዩ ክኸውን፧ ብርግጽ ከምኡ ኣይኰነን!
12. እቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ዘሎ ትንቢት ብቐንዱ ንሰባት ኢዩ ዘመልክት ክንብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
12 ኢሳይያስ 35:2 እታ ሃገር “ብሓጐስን ብእልልታን ባህ [ኪብላ]” ኢዩ ኢላ ትዛረብ። ሓመድን ኣታኽልትን ቃል ብቓሉ ‘ብሓጐስ እልል’ ከም ዘይብል ንፈልጥ ኢና። እንተዀነ ግን: ፈራይን እቶት ዝህብን ኰይኑ ምልዋጡ ነቶም ሰባት ብሓጐስ እልል ከም ዝብሉ ክገብር ይኽእል ኢዩ። (ዘሌዋውያን 23:37-40፣ ዘዳግም 16:15፣ መዝሙር 126:5, 6፣ ኢሳይያስ 16:10፣ ኤርምያስ 25:30፣ 48:33) እቲ ቃል ብቓሉ ለውጢ ናይቲ ሃገር እውን ምስቲ ለውጢ ናይቶም ህዝቢ ይመሳሰል ኢዩ: ምኽንያቱ ሰባት ናይቲ ትንቢት ቀንዲ ክፍሊ ኢዮም። ስለዚ እተን ናይ ኢሳይያስ ቃላት ብቐዳምነት ኣብ ለውጥታት ናይቶም እተመልሱ ኣይሁዳውያን: ብፍላይ ድማ ኣብ ሓጐሶም: ከም ዘተኵራ ገይርና ክንርድአን ምኽንያት ኣሎና።
13, 14. ኢሳይያስ 35:3, 4 ከመይ ዝበለ ኣብ ሰባት ዝርአ ለውጢ ኢያ ኣቐዲማ እትነግር፧
13 ብመሰረት እዚ ድማ: ብዛዕባ እዚ ዘነቓቕሕ ትንቢት እዚ: ኣይሁዳውያን ድሕሪ ሓራ ምውጻኦምን ካብ ባቢሎን ምምላሶምን ከመይ ኢሉ ፍጻሜኡ ከም ዝረኸበ ዝያዳ እስከ ንመርምር። ኣብ ቍጽሪ 3 ከምኡውን 4 ኢሳይያስ ብዛዕባ ኣብቶም እተመልሱ ክርአ ዘለዎ ካልእ ለውጥታት ይዛረብ:- “ነተን ዝሰነፋ ኣእዳው ኣበርትዑ: ነተን ወለል ዝበላ ኣብራኽ ድማ ኣደልድሉ። ነቶም ፈራህ ዝልቦም፤ ኣጆኹም: ኣይትፍርሁ: እንሆ: ኣምላኽኩም ምስ ሕነን ምስ ናይ ኣምላኽ ምፍዳይ ኢድን ኪመጽእ: ባዕሉ ኼድሕነኩም ኪመጽእ እዩ: በልዎም።”
14 እቲ ነቲ ዝባደመ ኵነታት ናይታ ምድሪ ክልውጥ ዝኽእል ኣምላኽና ብዛዕባ እቶም ኣምለኽቱ ኣዝዩ ዝግደስ ምዃኑ ምሕሳብናስ ዘበራትዕዶ ኸይኰነ፧ እቶም ምሩኻት ኣይሁድ ድኹማት: ተስፋ ዝቈረጹ ኰይኑ ክስምዖም: ወይ ድማ ብዛዕባ ናይ ዝመጽእ ክሻቐሉ ኣይደለየን። (እብራውያን 12:12) ኵነታት ናይቶም ኣይሁዳውያን ምርኮኛታት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብጀካ ካብቲ ብዛዕባ መጻኢ ግዜኦም ዝገልጽ ናይ ኣምላኽ ትንቢታት: ካብ ካልእ ብዝመጽእ ነገር ተስፋ ክገብሩ ኣሸጋሪ ኢዩ ነይሩ። ልክዕ ከም ኣብ ሓደ ንኽትንቀሳቐስን ንየሆዋ ብንጥፈት ንምግልጋልን ናጻ ዘይኰንካሉ ጸልማት መዓሙቕ ከም ዝነበሩ ኢዮም። ኣብ ቅድሚኦም ብርሃን ከም ዘየለ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ይኸውን ኢዩ።—ምስ ዘዳግም 28:29፣ ኢሳይያስ 59:10 ኣረኣእዮ።
15, 16. (ሀ) የሆዋ ነቶም እተመልሱ እንታይ ገይርሎም ኢልና ኢና ክንድምድም እንኽእል፧ (ለ) እቶም እተመልሱ ብትእምርታዊ መገዲ ምሕዋይ ኣካላት ዘይተጸበዩ ስለምንታይ ኢዮም: ኣምላኽ ግን ምስ ኢሳይያስ 35:5, 6 ብምስምማዕ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧
15 ይኹን እምበር: የሆዋ ንቂሮስ ንዓዶም ከም ዝሰዶም ምስ ገበረስ እቲ ኵነታት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እተቐየረ! ኣምላኽ ብትእምርቲ ናይቶም እተመልሱ ኣይሁዳውያን ዕዉራት ኣዒንቲ ከም ዝኸፈተ: ጸማማት ኣእዛን ከም ዝሰምዓ ከም ዝገበረ: ወይ ድማ ዝዀነ ይኹን ዝሰንከለ ወይ ዝጐደለ መሓውራት ከም ዘሕወየ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መረጋገጺ የሎን። ይኹን እምበር: ብሓቂ ካብኡ ዝዓቢ ገለ ነገር ገይሩ ኢዩ። ናብቲ ብርሃንን ናጽነትን ናይታ ዝፈትዉዋ ሃገሮም መሊስዎም ኢዩ።
16 እቶም እተመልሱ ንየሆዋ ከምዚ ዝበለ ትእምርታዊ ኣካላዊ ምሕዋይ ክገብረሎም ከም እተጸበይዎ ዝሕብር ነገር የሎን። ኣምላኽ ንይስሃቅ: ሳምሶን: ወይ ንኤሊ ከምኡ ከም ዘይገበረሎም ኣስተብሂሎም ክዀኑ ኣለዎም። (ዘፍጥረት 27:1፣ መሳፍንቲ 16:21, 26-30፣ 1 ሳሙኤል 3:2-8፣ 4:15) ይኹን እምበር: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ መለኮታዊ ለውጢ ናይ ኵነታቶም ይጽበዩ እንተድኣ ነይሮም ተስፋ ኣይቈረጹን። ብምሳልያዊ መገዲ ብርግጽ ቍጽሪ 5 ከምኡውን 6 ፍጻሜአን ረኺበን ኢየን። ኢሳይያስ ብልክዕ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል: . . . እዩ።”
ነታ ሃገር ገነት ከም እትመስል ምግባራ
17. የሆዋ ከመይ ዝበለ ኣካላዊ ለውጥታት ኢዩ ብርግጽ ዘምጽአ፧
17 ከምቲ ኢሳይያስ ቀጺሉ “ማያት ኣብ በረኻ: ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ እሞ: ምድሪ ረመጨትሲ ቐላይ: ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ዓይኒ ማያት ኪኸውን እዩ: እቲ ወኻሩ መሳፍሮ ዚገብራኦ ስፍራስ መብቈል ሰትን ሰልሰላን ሻምብቆን ኪኸውን እዩ” ብምባል ዝገለጾ ኵነታት: እቶም እተመልሱ ብሓቂ ብሓጐስ ክጭድሩ ምኽንያት ነይርዎም ኢዩ። (ኢሳይያስ 35:6ለ, 7) ሽሕ’ኳ ነቲ ኵነታት ሕጂ ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር እንተዘይረኣናዮ: እቲ ሓደ ግዜ ይሁዳ ዝነበረቶ ቦታ “ልሙዕ ገነት” ከም ዝነበረ መርትዖታት ይሕብር ኢዩ።a
18. እቶም እተመልሱ ኣይሁዳውያን ነቲ ናይ ኣምላኽ በረኸታት ብኸመይ መሊሶምሉ ይዀኑ፧
18 ከም ምኽንያት ናይ ሓጐስ: እቶም ኣይሁዳውያን ተረፍ ናብታ መብጽዓ እተገብረላ ሃገር ምስ ተመልሱ ከመይ ተሰሚዕዎም ክኸውን ከም ዘለዎ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ነታ ምድሪ ኣጻምእን መሳፍሮ ወኻሩን ካልኦት እንስሳታትን ኰይና ዝነበረት ሃገር ክወስድዋን ክልውጥዋን ኣጋጣሚ ነበሮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ምምላስ ዕዮ ምክፋል: ብፍላይ ድማ ኣምላኽ ንጻዕርታትካ ከም ዝባርኾ ምስ እትፈልጥ: ሓጐስ ኣይምረኸብካሉንዶ፧
19. እቲ ካብ ምርኮ ባቢሎን ምምላስ ምስቲ ኵነታትን ተግባራት ናይቶም ህዝቢ ዝኸይድ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧
19 ይኹን እምበር: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ባቢሎን ዝነበረ ምርኮኛ ኣይሁዳዊ ኣይኰነን ኣብቲ ዘሐጕስ ናይ ምልዋጥ ዕዮ ንምክፋል ክምለስ ዝነበሮ። ኣምላኽ መዐቀኒታት ኣዳልዩ ነይሩ ኢዩ። ብናይ ባቢሎናዊ: ኣረሜናዊ ናይ ኣምልኾ ተግባራት ዘይተበከለ ጥራይ ኢዩ ክምለስ መሰል ዝነበሮ። (ዳንኤል 5:1, 4, 22, 23፣ ኢሳይያስ 52:11) ወይ ድማ ዝዀነ ይኹን ብዕሽነት ጥበባዊ ዘይኰነ መገዲ ዝሰዓበ እውን ኣይምለስን ኢዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ኵሎም ተወጊዶም ኢዮም። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኵሎም እቶም ነቲ ናይ ኣምላኽ ብቕዓታት ዘማልኡ: ብተዛማዲ መገዲ ድማ ኣምላኽ ከም ቅዱሳት ገይሩ ዝረኣዮም: ሰባት ናብ ይሁዳ ክምለሱ ይኽእሉ ነይሮም። ኣብ መገዲ ቅድስና ከም ዘለዉ ኰይኖም ክጐዓዙ ይኽእሉ ኢዮም። ኢሳይያስ ነዚ ኣብ ቍጽሪ 8 ኣነጺርዎ ኣሎ:- “መገዲ ጽርግያ ኣብኣ ኽትከውን እያ: ቅድስቲ መገዲ ኽትበሀል እያ: ርኹስ ዘበለ ኣይኪሐልፋን እዩ: ንኣታቶም ጥራይ እያ: እቲ ብእኣ ዚኸይድ: ዓሻ እኳ እንተ ዀነ: ኣይኪጋገን: እዩ [“ዓያሱ ድማ ብኣእ ኣይክመላለሱን ኢዮም:” ትሓዓ ]።”
20. እቶም ኣይሁዳውያን ምስ ተመልሱ ክፈርህዎ ዘየድልዮም እንታይ ኢዩ: እንታይከ ኣፍረየ፧
20 እቶም እተመልሱ ኣይሁድ: ካብ ኣራዊት ዝዀኑ ሰባትን ጕጅለ ከተርትን ክፈርሁ ኣየድልዮምን ኢዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ምስቶም ዝዓደጎም ህዝቡ ክህልዉ ኣየፍቅድን ኢዩ። ስለዚ ሓጐስ ዝመልኦ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባን ዘሐጕስ ተስፋን ሒዞም ክጐዓዙ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ኢሳይያስ ነቲ ትንቢት ክዓጹ ከሎ ነዚ ብኸመይ ከም ዝገለጾ ኣስተውዕል:- “ኣንበሳ ኣብኣ ኣይኪህሉን: ግርጉር ኣራዊት ኣይኪድይባን: ኣብኣውን ኣይኪርከብን እዩ: ድሑናት ደኣ ይመላለሱላ። እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱ: እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም: ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኽልል እዩ: ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም: ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ።”—ኢሳይያስ 35:9, 10
21. ናይቲ ድሮ እተፈጸመ ናይ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ፍጻሜ: ሎሚ ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዘሎና፧
21 ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ትንቢታዊ መግለጺ ኰን ኢዩ! ይኹን እምበር: ነዚ ብዛዕባ ዝሓለፈ ታሪኽ ጥራይ ዝዛረብ: ከም ሓደ ብዛዕባ ንዅነታትናን ንመጻኢናን ብዙሕ ዘየገድስ ጽቡቕ ታሪኽ ገይርና ክንርእዮ የብልናን። እዚ ትንቢት እዚ ሎሚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዘገርም ፍጻሜ ኣለዎ: ስለዚ ኸኣ ብሓቂ ንነፍሲ ወከፍና ዝትንክፍ ኢዩ። ብሓጐስ ንኽንጭድር ቅቡል ዝዀነ ምኽንያት ዝህበና ኢዩ። እዞም ሕጅን ንመጻእን ንህይወትካ ዝትንክፉ መዳያት ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ተዘሪቡሎም ኣሎ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ ሓመድን እኽልን ዘጽንዕ ዋልተር ሲ. ላውደርሚልክ ብዛዕባ እቲ ከባቢ ካብ ዝገበሮ መጽናዕቲ (ነቲ ናይ ሕ.ሃ. ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ብምውካል) ከምዚ ኢሉ ይድምድም:- “እዛ ሃገር እዚኣ ሓደ ግዜ ልምዕቲ ገነት ኢያ ነይራ።” እቲ ናይ ኣየር ኵነታት “ካብ ግዜ ሮማውያን” ጀሚሩ ኣጸቢቑ ከም ዘይተለወጠ ከምኡውን “እቲ ነታ ሓደ ግዜ ዕንብብቲ ዝነበረት ሃገር ዝተክኣ ‘ምድረ በዳ’ ድማ ናይ ተፈጥሮ ዘይኰነስ ሰብ ዝገበሮ ከም ዝዀነ” እውን ኣመልኪቱ ኢዩ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 መዓስ ኢያ ናይ መጀመርያ ፍጻሜኣ ዝረኸበት፧
◻ ናይቲ ትንቢት ቀዳማይ ፍጻሜ እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ዘምጽአ፧
◻ የሆዋ ከመይ ገይሩ ኢዩ ንኢሳይያስ 35:5, 6 ዝፈጸማ፧
◻ እቶም እተመልሱ ኣይሁዳውያን ኣብ ኵነታቶምን ኣብታ ሃገርን እንታይ ለውጥታት ኢዮም ዝረኣዩ፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ኣብቲ ሓደ ግዜ ኤዶማውያን ዝነብርሉ ዝነበሩ ዝርከብ ናይ ፔትራ ዑናታት
[ምንጪ ስእሊ]
ጋሮ ናልባንድያን
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ኣይሁዳውያን ኣብ ምርኮ ከለዉ: መብዛሕትኡ ክፍሊ ይሁዳ ከም ምድረ በዳ ኰይኑ: ብኸም በዓል ድብን ኣናብስን ዝኣመሰሉ ጨካናት ኣራዊት ድማ ተወሪራ ነበረት
[ምንጪ ስእሊ]
ጋሮ ናልባንድያን
ድብን ኣንበሳን:-ኣብ ቴል ኣቪቭ ዝርከብ ናይ ራማት-ጋን ሳፋሪ-ዙ Safari-Zoo of Ramat-Gan, Tel Aviv