ያእቆብ
3 ኣሕዋተየ፡ ዝገደደ* ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ መብዛሕትኹም መምህራን ኣይትኹኑ።+ 2 ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና።+ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ሰብነቱ ኺለጕም ዚኽእል ፍጹም ሰብ እዩ። 3 ምእንቲ ኺእዘዙና ኢልና፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ ልጓም እንተ ጌርና፡ ንብዘሎ ኣካላቶም ብእኡ ንኣልዮ ኢና። 4 እንሆ፡ መራኽብ እውን ክንድዚ ዓበይትን ብብርቱዕ ንፋስ ዚድፍኣን ክነሰንሲ፡ እቲ መዘወር መርከብ ዝሓዘ ሰብ ናብ ዝደለዮ፡ ብኣዝዩ ንእሽቶ መእለይ መርከብ እየን ዚእለያ።
5 ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ፡ ግናኸ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ! 6 ልሳን እውን ሓዊ እያ።+ ልሳን ኣብ መንጎ ኣካላትና ዘላ ናይ ዓመጻ ዓለም እያ፣ ከመይሲ፡ ንብዘሎ ሰብነትና ተርክሶን+ ንብምሉኡ ኣነባብራና ተንድዶን እያ፡ ብገሃነም* እውን እትነድድ እያ። 7 ኵሉ ዓይነት ኣራዊትን ኣዕዋፍን ለመምትን እንስሳ ባሕርን ብሰብ ይግራሕ እዩ፡ ተገሪሑ እውን ኣሎ። 8 ንልሳን ኪገርሓ ዝኸኣለ ግና ሓደ ሰብ እኳ የልቦን። ንሳ ዘይትዓርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልአት እያ።+ 9 ብእኣ ጌርና ነቲ ኣቦ ዝዀነ የሆዋ* ንውድሶ፣ ብእኣ ጌርና እውን ነቶም “ብምስሊ ኣምላኽ” ዝዀኑ ሰባት ንረግም።+ 10 ካብ ሓደ ኣፍ፡ በረኸትን መርገምን ይወጽእ።
ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ።+ 11 ዓይኒ ማይዶ ኻብ ሓደ ጕድጓድ ጥዑምን መሪርን ማይ ይፍልፍል እዩ፧ 12 ኣሕዋተየ፡ ኦም በለስዶ* ኣውልዕ፡ ወይስ ተኽሊ ወይኒዶ በለስ ክትፈሪ ትኽእል እያ፧+ ካብ ዓይኒ ማይ ጨው እውን ጥዑም ማይ ኣይፍልፍልን እዩ።
13 ኣብ መንጎኹምከ ጥበበኛን ኣእምሮኛን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣካይዳኡ፡ በቲ ኻብ ጥበብ ዚርከብ ልእመት ገይሩ ግብሩ የርኢ። 14 መሪር ቅንእን+ ንግርምናን*+ ኣብ ልብኹም እንተ ኣልዩኩም ግና፡ ኣይትመክሑ፡+ ንሓቂ እውን ኣይትሓስውዋ። 15 እዛ ጥበብ እዚኣስ ምድራዊትን+ ስጋዊትን ጋኔናዊትን እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። 16 ከመይሲ፡ ኣብቲ ቕንእን ንግርምናን* ዘለዎ፡ ኣብኡ ህውከትን ኵሉ ኽፍኣትን ኣሎ።+
17 እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድሚ ዅሉ ንጽህቲ እያ፣+ ደሓር፡ ሰላማዊት፡+ ልዝብቲ፡*+ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፡+ ዘይተዳሉ፡+ ዘይግብዝቲ እያ።+ 18 ፍረ ጽድቂ እውን ምእንቲ እቶም* ሰላም ዚገብሩ+ ብሰላም ይዝራእ እዩ።+