ኢሳይያስ
57 ጻድቕ ጠፊኡ፣
ነዚ ኣብ ልቡ ዜሕድሮ ግና የልቦን።
2 ናብ ሰላም ይኣቱ።
ኵሎም እቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ፡ ኣብ ዓራውቶም* የዕርፉ።
3 “ኣቱም ደቂ ኣስማተኛ፡
ኣቱም ዘርኢ ዘማውን ኣመንዝራን ግና፡
ንስኻትኩምሲ ናብዚ ቕረቡ፦
4 ንመን ኢኹም እተላግጹሉ፧
ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም ሃህ ኣቢልኩም መልሓስኩም እተውጽኡሉ፧
ንስኻትኩምሲ ደቂ ኣበሳ፡
ደቂ ምትላል፡+
5 ኣብ መንጎ ዓበይቲ ኣእዋም፡+ ኣብ ትሕቲ ልሙዕ ኦም+
ብፍትወት ዝረሰንኩም፡
ውሉዳት ኣብ ስንጭሮታት፡*
ኣብ ትሕቲ ቋቝራታት ኣኻውሕ እትሓርዱ ደይኰንኩምን፧+
እወ፡ እዚኣቶም ዕጫኺ እዮም።
ንዓታቶም እኳ መስዋእቲ መስተ ኣፍሲስክሎም፡ መባእ እውን ኣቕሪብክሎም።+
በዚዶ ኽሕጐስ* እየ፧
8 ኣብ ድሕሪ ማዕጾን ልዳትን መዘከርታኺ ጌርኪ።
ንዓይ ሓዲግኪ ተቐሊዕኪ።
ደዪብኪ ዓራትኪ ኣርሒብኪ።
ምሳታቶም ድማ ኪዳን ኣቲኺ።
9 ዘይቲ ሒዝኪ፡
ብዙሕ ሽቱ ሒዝኪ ናብ ሜሌክ* ወሪድኪ።
ልኡኻትኪ ናብ ርሑቕ ልኢኽኪ፣
ስለዚ፡ ናብ መቓብር* ወሪድኪ።
10 ብዙሕ መገድታትኪ ኽትስዕቢ ጽዒርኪ፣
‘እዝስ ዘይከውን እዩ!’ ኣይበልክን።
ሓድሽ ሓይሊ ረኺብኪ።
ስለዚ ኢኺ ዘይተሓለልኪ።*
11 ክትሕስዊ ዝጀመርክስ
ብመን ስለ እትርዕድን እትፈርህን እዩ፧+
ንዓይ ኣይዘከርክንን።+
ኣብ ልብኺ ዘሕደርክዮ ነገር እውን የልቦን።+
ስቕዶ ኣይበልኩን፡ ካብ ነገርዶኸ ኣይተኣለኹን እየ፧*+
ስለዚ፡ ኣይፈራህክንን።
13 ምስ እተእውዪ፡
እቶም ዝኣከብክዮም ጣኦታትኪ ኣይኬናግፉኽን እዮም።+
ካብ ቅድሚ ህዝበይ መዐንቀፊ ዘበለ ኣልግሱ።’”
“ኣብ ልዑልን ቅዱስን ቦታ እየ ዝነብር፣+
ግናኸ፡ መንፈስ ትሑታት ንምሕዳስ፡
ልቢ እተደቝሱ ኸኣ ንምሕዳስ፡
ምስቶም እተደቝሱን ትሑት ዝመንፈሶምን እውን እነብር እየ።+
17 ዘይግባእ ረብሓ ንምድላይ ብዝገበሮ ሓጢኣት ተቘጢዐ ነይረ፣+
ስለዚ፡ ወቒዐዮ፡ ገጸይ ሓቢአ፡ ተቘጢዐ ድማ።
ንሱ ግና መገዲ ልቡ እናሰዓበ ኸዳዕ ኰይኑ ተመላሊሱ።+
19 “ፍረ ኸናፍር እፈጥር ኣለኹ።
ኣብ ርሑቕ ንዘሎን ኣብ ቀረባ ንዘሎን ቀጻሊ ሰላም ኪውሃብ እዩ”+ ይብል የሆዋ፡
“ከሕውዮ ድማ እየ።”
20 “እኩያት ግና ከምቲ ኺሃድእ ዘይክእል ዚናወጽ ባሕሪ እዮም፣
ማያቱ ኸኣ ተኽሊ ባሕርን ጸብርን የውጽእ።