ኣሞጽ
5 “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እቲ ብዛዕባኹም ዘልዕሎ ዘለኹ ልቕሶ ስምዑ፦
2 ‘እታ ድንግል፡ እስራኤል፡ ወዲቓ፣
ደጊም ክትትንስእ ኣይትኽእልን እያ።
ኣብ ምድሪ ተሓዲጋ ኣላ፣
ዜተንስኣ ድማ የልቦን።’
3 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦
‘እታ ሽሕ ኣሰሊፋ እትወጽእ ከተማ፡ ሚእቲ ኺተርፍዋ እዮም፣
እታ ሚእቲ ሒዛ እትወጽእ ከተማ፡ ንቤት እስራኤል ዓሰርተ ኺተርፍዋ እዮም።’+
4 “የሆዋስ ንቤት እስራኤል ከምዚ ይብል፦
‘ድለዩኒ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።+
8 እቲ ንጭፍራ ኸዋኽብቲ ኪማን* ንጭፍራ ኸዋኽብቲ ከሲልን* ዝገበረ፡+
እቲ ንብርቱዕ ጽላሎት ናብ ንግሆ ዚቕይሮ፡
እቲ ንመዓልቲ ኸም ለይቲ ዘጸልምቶ፡+
እቲ ኣብ ገጽ ምድሪ ኼፍስሶ ኢሉ
ንማያት ባሕሪ ዚጽውዖ፡+
ስሙ የሆዋ እዩ።
9 ኣብ ልዕሊ ብርቱዕሲ ጥፍኣት ኬንትጕ፡
ኣብ ዕርድታት ከኣ ጥፍኣት ኬምጽእ እዩ።
10 ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ዚገንሑ ይጸልእዎም፡
ነቶም ሓቂ ዚዛረቡ ይፍንፍንዎም እዮም።+
እኽሉ ድማ ስለ እተገብሩ፡+
ኣብቲ ዝሃነጽኩምዎ ኣባይቲ ውቑር ኣእማን ኣይክትቅመጡን፡+
ካብቲ ዝተኸልኩምዎ ሕሩይ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ወይኒ ኣይክትሰትዩን ኢኹም።+
12 ኣነስ በደልኩም* ክሳዕ ክንደይ ብዙሕ ምዃኑ፡
ሓጢኣትኩም ከኣ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ እፈልጥ እየ፣
ንጻድቕ ተጨንቕዎ፡
ጉቦ ትወስዱ፡
ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ድማ መሰል ድኻታት ትኸልኡ።+
13 ግዜ መዓት ኪኸውን እዩ እሞ፡+
ስለዚ፡ እቶም ልቦና ዘለዎም ሽዑ ስቕ ኪብሉ እዮም።
ሽዑ፡ ከምቲ እትብልዎ፡
የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።+
ምናልባት የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት
ነቶም ተረፍ ዮሴፍ ሞገሱ የርእዮም ይኸውን።’+
16 “ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
‘ኣብ ኵሉ ኣደባባያት ልቕሶ ኪኸውን እዩ፣
ኣብ ኵሉ ጐደናታት ድማ፡ “ዋይ፡ ዋይ!” ኪብሉ እዮም።
ንሓረስቶት ናብ ሓዘን፡
ንኣልቀስቲ ኸኣ ናብ ዋይዋይታ ኺጽውዕዎም እዮም።’
17 ‘ኣነ ብማእከልካ ኽሓልፍ እየ እሞ፡
ኣብ ኵሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ዋይዋይታ ኪኸውን እዩ’+ ይብል የሆዋ።
18 ‘እቶም ንመዓልቲ የሆዋ ዚናፍቑስ ወይለኦም!+
መዓልቲ የሆዋ ደኣ ንዓኻትኩም እንታይ ክትከውን እያ፧+
ብርሃን ዘይኰነስ፡ ጸልማት ክትከውን እያ።+
19 ከምቲ ኻብ ኣንበሳ ዚሃድም እሞ ድቢ ዜጓንፎ፡
ናብ ቤት ኣትዩ ብኢዱ ኣብ መንደቕ ምስ ተጸግዐ ድማ ተመን ዚነኽሶ ሰብ ክትከውን እያ።
20 መዓልቲ የሆዋስ ብርሃን ዘይብላ ጸልማት ደይኰነትን ክትከውን፧
ድምቀት ዘይብላ ድነ ደይኰነትን ክትከውን፧
22 ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መባእን እኳ እንተ ኣቕረብኩምለይ፡
ብእኡ ባህ ኣይብለንን እዩ፣+
ነቲ ናይ ስቡሓት እንስሳታት መስዋእቲ ሕብረትኩም እውን ብሞገስ ኣይጥምቶን እየ።+
23 ጫውጫውታ መዝሙራትካ ኣርሕቐለይ፣
ደሃይ በገናታትካ ኸኣ ኣይተስምዓኒ።+
24 ፍትሒ ኸም ማያት፡+
ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ወሓዚ ይውሓዝ።
25 ኣቱም ቤት እስራኤል፡ 40 ዓመት ኣብ በረኻስ፡
መስዋእትን መባእን ኣቕሪብኩምለይ ዲኹም፧+