ኢሳይያስ
26 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እዚ መዝሙር እዚ ኣብ ምድሪ ይሁዳ+ ኺዝመር እዩ፦+
“ጽንዕቲ ኸተማ ኣላትና።+
ንመካበብያኣን ንዕርዳን፡ ድሕነት ገይርዎ እዩ።+
5 ነቶም ኣብ በሪኽ፡ ኣብታ ልዕልቲ ኸተማ ዚነብሩስ ኣውሪድዎም።
ንዓኣ ኸኣ ኣውሪድዋ፡
ናብ ምድሪ ኣውሪድዋ፣
ናብ ሓመድ ደርብይዋ።
6 እግሪ ኺረግጻ፡
እግሪ ውጹዓትን ስጕምቲ ትሑታትን ኪረግጻ እዩ።”
ቅኑዕ ስለ ዝዀንካ፡
መገዲ ጻድቕ ከተጣጥሕ ኢኻ።
8 ኦ የሆዋ፡ መገዲ ፍርድታትካ ኽንስዕብ ከለና፡
ተስፋና ብኣኻ እዩ።
9 ፍርድታትካ ኣብ ምድሪ ምስ ዚኸውን፡
ነበርቲ እታ ምድሪ ብዛዕባ ጽድቂ ይምሃሩ እዮም እሞ፡+
ለይቲ፡ ብዅለንትናይ* እናፍቐካ እየ፣
እወ፡ መንፈሰይ ይደልየካ እዩ።+
11 ኦ የሆዋ፡ ኢድካ ተላዒላ ኣላ፣ ንሳቶም ግና ኣይረኣይዋን።+
ንህዝብኻ ዘሎካ ቕንኣት ኪርእዩን ኪሓፍሩን እዮም።
እወ፡ ንተጻረርትኻ እተዳለወ ሓዊ ኺበልዖም እዩ።
14 ንሳቶምሲ ምዉታት እዮም፣ ህያዋን ኣይኰኑን።
ብሞት እተሰነፉ እዮም፣ ኣይኪትንስኡን እዮም።+
ከተጽንቶምን ኵሉ መዘከርታኦም ከተጥፍእንሲ፡
ናባታቶም ቈላሕታኻ ጌርካ ኢኻ።
ኵሉ ዶባት እታ ምድሪ ብዙሕ ኣስፊሕካ።+
16 ኦ የሆዋ፡ ብግዜ ጭንቂ ናባኻ ኣቢሎም፣
ምስ ገሰጽካዮም፡ ጸሎቶም ብሕሹዅሹዅ ኣፍሲሶም።+
18 ጠኒስና፡ ቅልውላው ድማ ሒዙና፣
ግናኸ፡ ንፋስ ከም ዝወለድና ዄንና።
ናብታ ምድሪ፡ ድሕነት ኣየምጻእናን፣
ኣብታ ምድሪ ኺነብር ከኣ ሓደ እኳ ኣይተወልደን።
19 “ምዉታትካ ብህይወት ኪነብሩ እዮም።
ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡+
ንቕሑ፡ እልል እውን በሉ!
21 እንሆ፡ የሆዋስ ንነበርቲ እታ ምድሪ ብስሕተቶም ተሓተትቲ ኺገብሮም
ካብ ቦታኡ ይመጽእ ኣሎ፣
እታ ምድሪ ኸኣ ንዘፍሰሰቶ ደም ክትቀልዖ፡
ንቕቱላታ እውን ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ።”