ኤርምያስ
17 “ሓጢኣት ይሁዳ ብብርዒ ሓጺን ተጻሒፉ ኣሎ።
ብብልሒ ኣልማዝ ኣብ ጽላት ልቦምን
ኣብ ኣቕርንቲ መሰውኢታቶምን ተቐሪጹ ኣሎ።
2 ደቆም ከኣ ንመሰውኢታቶምን ንኣዕኑድ ኣምልኾኦምን፡*+
ኣብ ጥቓ ልሙዕ ኦም፡ ኣብ በረኽቲ ዅርባታት ይዝክሩ ኣለዉ፣+
3 ኣብ መሮር ኣብ ዘሎ ኣኽራን እውን ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ።
4 ነቲ ዝሃብኩኻ ርስቲ ብፍቓድካ ኽትሓድጎ ኢኻ።+
ንሓዋሩ ድማ ኪነድድ እዩ።”
5 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
6 ንሱ ኸምታ ኣብ ምድረ በዳ በይና ዘላ ኦም ኪኸውን እዩ።
ጽቡቕ ኪመጽእ ከሎ ኣይኪርእን እዩ፣
ግናኸ፡ ኣብ ኣጻምእ በረኻ፡
ሓደ እኳ ኣብ ዘይነብሮ ምድሪ ጨው ኪነብር እዩ።
8 ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት፡
ሰራውራ ኸኣ ናብቲ ወሓዚ እትሰድድ ኦም ይኸውን።
ዋዒ ምስ መጸ፡ ኣየስተብህለሉን፣
ኣቝጽልቱ ግና ወትሩ ይለምዕ።+
ብዓመት ደርቂ ድማ ኣይጭነቕን፣
ካብ ምፍራይ እውን ኣየቋርጽን።
መንከ ኺፈልጦ ይኽእል፧
ኣብ ፍርቂ ዕድሚኡ ይሓድጎ፣
ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዓሻ ይኸውን።”
12 ቦታ መቕደስና፡
ክቡር ዝፋን፡ ካብ መጀመርታ ልዕል ዝበለ እዩ።+
13 ኦ የሆዋ፡ ተስፋ እስራኤል፡
ኵሎም እቶም ዚሓድጉኻ ኺሓፍሩ እዮም።
14 ኦ የሆዋ፡ ኣሕውየኒ እሞ ኽሓዊ እየ።
ኣድሕነኒ እሞ ኽድሕን እየ።+
ንስኻስ ውዳሰይ ኢኻ።
15 እንሆ፡ “ቃል የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧+
እስከ ይምጻእ!”
ዚብሉኒ ኣለዉ።
16 ኣነ ግና፡ ጓሳ ዀይነ ንዓኻ ኻብ ምስዓብ ኣይሃደምኩን፣
ንመዓልቲ መዓት እውን ኣይናፈቕኩን።
ንዅሉ እቲ ኸናፍረይ እተዛረባኦ፡ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ፣
ኣብ ቅድሚ ገጽካ እዩ ዀይኑ!
17 መሸበሪ ኣይትኹነኒ።
ብመዓልቲ መዓት መዕቈብየይ ኢኻ።
18 ሰጐጕተይ ደኣ ይሕፈሩ እምበር፡+
ንዓይሲ ኣይተሕፍረኒ።
ንሳቶም ደኣ ይሸበሩ እምበር፡
ንዓይሲ ኣይተሸብረኒ።
19 የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “ኬድካ ኣብታ ነገስታት ይሁዳ ዚኣትዉላን ዚወጹላን ኣፍ ደገ ደቂ ህዝብን ኣብ ኵሉ ኣፍ ደገታት የሩሳሌምን ደው በል።+ 20 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘ኣቱም በዘን ኣፍ ደገታት እዚአን እትኣትዉ ነገስታት ይሁዳን ኵላትኩም ህዝቢ ይሁዳን ኵላትኩም ነበርቲ የሩሳሌምን ቃል የሆዋ ስምዑ። 21 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ርእስኹም* ሓልዉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ጾር ዘበለ ኣይትጹሩ፡ ወይ ብኣፍ ደገታት የሩሳሌም ኣይተእትዉ።+ 22 ብመዓልቲ ሰንበት ጾር ዘበለ ኻብ ኣባይትኹም ኣይተውጽኡ፣ ሓንቲ ዕዮ እኳ ኣይትዕየዩ።+ ከምቲ ንኣቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም፡ ንመዓልቲ ሰንበት ቀድስዋ።+ 23 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ እዝኖም እውን ኣየድነኑን፣ ብንቕጽና ድማ ምእዛዝ ኰነ ተግሳጽ ምቕባል ኣበዩ።”’*+
24 “‘“ግናኸ፡ ኣጸቢቕኩም እንተ ተኣዚዝኩምኒ” ይብል የሆዋ፡ “ብመዓልቲ ሰንበት ብኣፍ ደገታት እዛ ኸተማ እዚኣ ጾር እንተ ዘየእቲኹም፡ ገለ ዕዮ ብዘይምዕያይ ንሰንበት እንተ ቐዲስኩምዋ፡+ 25 ሽዑ፡ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጦም ዘለዉ ነገስታትን መሳፍንትን፡+ ንሳቶምን መሳፍንቶምን ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን እውን ኣብ ሰረገላን ኣብ ኣፍራስን ተወጢሖም ብኣፍ ደገታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኺኣትዉ እዮም፣+ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ንሓዋሩ ነበርቲ ኺህልውዋ እዮም። 26 ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ዙርያ የሩሳሌምን ካብ ምድሪ ብንያምን+ ካብ ቈላን+ ካብ ኣኽራንን ካብ ነጌብን* ድማ ሰባት ኪመጹ፡ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ ሕሩድን+ መስዋእቲ እኽልን+ ጻዕዳ ዕጣንን መስዋእቲ ምስጋናን እውን ናብ ቤት የሆዋ ኼምጽኡ እዮም።+
27 “‘“ግናኸ፡ ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሱን ጾር ከይትጾሩን ብመዓልቲ ሰንበት ብኣፍ ደገታት የሩሳሌም ከይተእትዉን እንተ ዘይተኣዚዝኩምኒ፡ ንኣፍ ደገታታ ብሓዊ ኸንድዶ እየ፣ ንሱ ድማ ንእተዓርደ ግምብታት የሩሳሌም ብርግጽ ኪበልዖ እዩ፡+ ኣይኪጠፍእን እውን እዩ።”’”+