ኤርምያስ
1 ቃላት ኤርምያስ* ወዲ ሒልቅያ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ዓናቶት+ ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት እዚ እዩ። 2 ብዘመን ዮስያስ+ ወዲ ኣሞን፡+ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ መበል 13 ዓመት ንግስናኡ፡ ቃል የሆዋ መጾ። 3 ብዘመን ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ መወዳእታ መበል 11 ዓመት ጼዴቅያስ+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ እቲ የሩሳሌም ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናብ ምርኮ ዝኸደትሉ ግዜ እውን መጾ።+
4 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦
ንኣህዛብ ከኣ ነብዪ ገይረካ።”
6 ኣነ ግና፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ!
ኣነ ቘልዓ እየ እሞ፡+ ከመይ ከም ዝዛረብ ኣይፈልጥን እየ”+ በልኩ።
7 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦
“‘ኣነ ቘልዓ እየ’ ኣይትበል።
ናብ ኵሎም እቶም ዝልእከካ ኺድ፣
ኵሉ እቲ ዝእዝዘካ እውን ንገሮም።+
9 ሽዑ፡ የሆዋ ኢዱ ዘርጊሑ ኣፈይ ተንከየ።+ የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኣንቢረ ኣለኹ።+ 10 ርአ፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብን ኣብ ልዕሊ መንግስትታትን ክትከውን፡ ክትምሑን ከተፍርስን፡ ከተጥፍእን ከተዕኑን፡ ክትሃንጽን ክትተክልን መዚዘካ ኣለኹ።”+
11 ድሕርዚ፡ “ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ። ኣነ ድማ፡ “ጨንፈር ኦም ለውዚ* እርኢ ኣለኹ” በልኩ።
12 የሆዋ ኸኣ፡ “ቃለይ ንምፍጻም፡ ኣጸቢቐ ንቑሕ እየ እሞ፡ ጽቡቕ ርኢኻ” በለኒ።
13 “እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ካልኣይ ሳዕ መጸኒ። ኣነ ድማ፡ “ዚፈልሕ* ቍራዕ እርኢ ኣለኹ፣ ኣፉ ኸኣ ካብ ሰሜን ንንየው ኣቢሉ ዝቐነነ እዩ” በልኩ። 14 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦
“መዓት ካብ ሰሜን
ናብ ኵሎም ነበርቲ እታ ምድሪ ኺፍኖ እዩ።+
15 ከመይሲ፡ ‘ንዅሎም ዓሌታት መንግስትታት ሰሜን እጽውዖም ኣለኹ’ ይብል የሆዋ፡+
‘ንሳቶም ከኣ ኪመጹ፣
ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገታት የሩሳሌም፡+
ኣብ ዙርያ እቲ መካበብያኣን
ኣብ ኵሉ ኸተማታት ይሁዳን ዝፋኑ ኬቕውም እዩ።+
16 ንዓይ ስለ ዝሓደጉኒ፡+
ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ስለ ዝዓጠኑ፡+
ንግብርታት ኣእዳዎም እውን ስለ ዝሰገዱ፡+
ብሰሪ ዅሉ እከዮም፡ ኣንጻሮም ፍርድታተይ ክነግር እየ።’
17 ግናኸ፡ ሕቘኻ ተዓጠቕ፣
ተንስእ እሞ ዅሉ እቲ ዝእዝዘካ ንገሮም።
ኣነ ኣብ ቅድሚኦም ከየሸብረካስ፡
ብኣታቶም ኣይትሸበር።+