ኢሳይያስ
51 “ኣቱም ጽድቂ እትስዕቡ ዘለኹም፡
ኣቱም ንየሆዋ እትደልይዎ ዘለኹም፡ ስምዑኒ።
ናብቲ እተወቐርኩምሉ ኸውሒ፡
ናብቲ እተዀዓትኩምሉ እምኒ ዚፍሓረሉ ቦታ ጠምቱ።
3 የሆዋስ ንጽዮን ኬጸናንዓ እዩ።+
ፍስሃን ሓጐስን፡
ምስጋናን ጥዑም መዝሙርን ኣብኣ ኺርከብ እዩ።+
4 ኣታ ህዝበይ፡ ናባይ ኣቕልብ፣
ህዝበየ፡ ጽን በል።+
5 ጽድቀይ ቀረባ እዩ።+
6 ኣዒንትኹም ናብ ሰማያት ኣልዕሉ፣
ናብታ ኣብ ታሕቲ ዘላ ምድሪ እውን ጠምቱ።
ሰማያትሲ ኸም ትኪ ኺበንን እዩ፣
ምድሪ ኸም ክዳን ክትበሊ እያ፣
ነበርታ ድማ ከም ጻጹት ኪሞቱ እዮም።
ብባጫ መወትቲ ሰባት ኣይትፍርሁ፣
ብጸርፎም እውን ኣይትሸበሩ።
ጽድቀይ ግና ንዘለኣለም፡
ድሕነተይ ድማ ንውሉድ ወለዶ ኺነብር እዩ።”+
9 ኣታ ቕልጽም የሆዋ፡+
ንቓሕ! ንቓሕ! ብርታዐ ተኸደን።
ከምቲ ብመዓልትታት ጥንቲ፡ ከምቲ ብሕሉፍ ወለዶታት ንቓሕ።
ፍስሃን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፣
ጓህን እህህታን ከኣ ኪሃድም እዩ።+
12 “ኣነ ባዕለይ እየ ዘጸናንዓኩም።+
ብዚመውት መዋቲ ሰብ፡
ከም ሳዕሪ ብዚጽምሉ ወዲ ሰብ ስለምንታይ እትፈርሂ፧+
ምሉእ መዓልቲ ድማ ያኢ ንሱ ኼጥፍኣካ ኸም ዚኽእልሲ፡
ነድሪ እቲ ጨቋኒ* ብቐጻሊ ትፈርህ ኔርካ።
ሕጂ ደኣ ነድሪ እቲ ጨቋኒ ኣበይ ኣሎ፧
17 ኣቲ የሩሳሌም፡ ኣቲ ኻብ ኢድ የሆዋ ጽዋእ ቍጥዓኡ ዝሰተኺ፡
ንቕሒ! ንቕሒ! ተንስኢ።+
ነቲ ዋንጫ ሰቲኺ፣
ነቲ ሰንከልከል ዜብል ጽዋእ ጨሊጥኪ።+
18 ካብ ኵሎም እቶም ዝወለደቶም ደቂ፡ ሓደ እኳ ዚመርሓ የልቦን፣
ካብ ኵሎም እቶም ዘዕበየቶም ደቂ፡ ሓደ እኳ ኢዳ ዚሕዛ የልቦን።
19 እዚ ኽልተ ነገር ወሪዱኪ ኣሎ።
መን እሞ ኺድንግጸልኪ እዩ፧
ጥፍኣትን ዕንወትን፡ ጥሜትን ሰይፍን!+
መን እሞ ኼጸናንዓኪ እዩ፧+
ቍጥዓ የሆዋ፡ መግናሕቲ ኣምላኽ መሊእዎም ኣሎ።”
21 ስለዚ፡ ኣቲ ውጽዕትን ብዘይ ወይኒ ዝሰኸርክን፡
በጃኺ እዚ ስምዒ።
22 ጐይታኺ የሆዋ፡ እቲ ንህዝቡ ዚከላኸል ኣምላኽኪ ኸምዚ ይብል፦
ስለዚ፡ ዝባንኪ ኸም ምድሪ፡
ኪኸዱሉስ ከም ጐደና ጌርኪ።”