ኤርምያስ
7 እቲ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፦ 2 “ኣብ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ደው በል እሞ ኣብኡ እዚ መልእኽቲ እዚ ኣውጅ፦ ‘ኣቱም ንየሆዋ ኽትሰግዱ በዘን ኣፍ ደገታት እዚአን እትኣትዉ ህዝቢ ይሁዳ ዅላትኩም፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። 3 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “መገድታትኩምን ተግባራትኩምን ኣሐድሱ፣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኽትነብሩ ድማ ክፈቕደልኩም እየ።+ 4 ‘ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ እዚኣ እያ!’* ኢልኩም ብመታለሊ ቓላት ኣይትተኣመኑ።+ 5 ብሓቂ መገድታትኩምን ተግባራትኩምን እንተ ኣሐዲስኩም፡ ኣብ መንጎ ሰብን ብጻዩን ብሓቂ ፍትሒ እንተ ጌርኩም፡+ 6 ንጓኖትን ንዘኽታማትን* ንመበለታትን እንተ ዘይጨቊንኩም፡+ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንጹህ ደም እንተ ዘየፍሲስኩም፡ ንጕድኣትኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ዘይስዒብኩም፡+ 7 ሽዑ ኣብዛ ቦታ እዚኣ፡ ኣብዛ ንኣቦታትኩም ንሓዋሩ* ዝሃብክዎም ምድሪ እዚኣ ኽትነብሩ ኽፈቕደልኩም እየ።”’”
8 “ንስኻትኩም ግና ብመታለሊ ቓላት ትእመኑ ኣለኹም፣+ ንሱስ ሓንቲ እኳ ዘይጠቅም እዩ። 9 ሰሪቕኩም፡+ ቀቲልኩም፡ ዘሚኹም፡ ብሓሶት ምሒልኩም፡+ ንበዓል ሰዊእኩም፡*+ ደድሕሪ ዘይፈለጥኩምዎም ኣማልኽቲ ስዒብኩም ክነስኹምሲ፡ 10 መጺእኩምዶ ኣብዛ ስመይ ዝጾረት ቤት ኣብ ቅድመይ ክትቈሙን እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገራት እናገበርኩም ‘ክንድሕን ኢና’ ኽትብሉን ኢኹም፧ 11 እዛ ስመይ ዚጽውዓላ ቤትዶ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም በዓቲ ጐሓሉት ኰይና እያ፧+ እንሆ፡ ኣነ ባዕለይ ርእየዮ ኣለኹ” ይብል የሆዋ።
12 “‘ግናኸ፡ ሕጂ ናብ ሺሎ፡+ ናብታ ኣብ ፈለማ ስመይ ዘንበርኩላ ቦታ+ ኺዱ፣ ብሰንኪ ኽፍኣት ህዝበይ እስራኤል ከኣ እንታይ ከም ዝገበርክዋ ርኣዩ።+ 13 ንስኻትኩም ግና እዚ ዅሉ ትገብሩ ኣለኹም’ ይብል የሆዋ፡ ‘ደጋጊመ* እኳ እንተ ተዛረብኩኹም ድማ፡ ኣይሰማዕኩምን።+ ጸዊዐኩም፡ ግናኸ ኣይመለስኩምን።+ 14 ስለዚ፡ ነዛ እትእመኑላ+ ዘለኹም ስመይ ዚጽውዓላ ቤት እዚኣ፡+ ነዛ ንዓኻትኩምን ንኣቦታትኩምን ዝሃብክዋ ቦታ እዚኣ፡ ከምቲ ንሺሎ ዝገበርክዋ ኽገብራ እየ።+ 15 ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፡ ንዅሎም ዘርኢ ኤፍሬም ዝደርበኽዎም፡ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብየኩም እየ።’+
16 “ንስኻ ኸኣ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትጸሊ። ኣይክሰምዓካን እየ እሞ፡+ ምእንታኦም ኣይተእዊ፡ ኣይትጸሊ፡ ወይ ኣይትለምን።+ 17 ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን ዚገብርዎ ዘለዉዶ ኣይትርእን ኢኻ፧ 18 ደቂ፡ ዕንጨይቲ ይእክቡ፡ ኣቦታት ከኣ ሓዊ ይኣጕዱ ኣለዉ፣ ኣንስቲ ድማ ንንግስቲ ሰማይ* መስዋእቲ እንጌራ ኺስንክታስ ብሑቝ ይለውሳ ኣለዋ፣+ ኬዀርዩንስ ንኻልኦት ኣማልኽቲ መስዋእቲ መስተ የፍስሱ ኣለዉ።+ 19 ‘ግናኸ፡ ንዓይ ድዮም ዚጐድኡ* ዘለዉ፧’ ይብል የሆዋ። ‘ምእንቲ ኺሓፍሩስ፡ ንርእሶም ደይኰኑን፧’+ 20 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ቍጥዓይን ነድረይን ኣብዛ ቦታ እዚኣ፡ ኣብ ሰብን እንስሳን፡ ኣብ ኣእዋም መሮርን ፍረ ምድርን ኪክዖ እዩ፣+ ኪነድድ፡ ኣይኪጠፍእን ድማ እዩ።’+
21 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ኪዱ፡ ነቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኹም፡ መስዋእቲ ሕሩድ ወስኹሉ፣ ነቲ ስጋ ድማ ብልዕዎ።+ 22 በታ ንኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡ ብዛዕባ እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን ብዛዕባ መስዋእቲ ሕሩድን ኣይተዛረብክዎምን፡ ወይ ኣይኣዘዝክዎምን።+ 23 እዚ ደኣ እየ ዝኣዘዝክዎም፦ “ድምጸይ ተኣዘዙ እሞ፡ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም።+ ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልኩም፡ ብዅሉ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም መገዲ ተመላለሱ።”’+ 24 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ወይ እዝኖም ኣየድነኑን፣+ ንእኩይ ልቦም ብንቕጽና እናሰዓቡ ደኣ እዮም ብሓሳቦም* እተመላለሱ፣+ ንቕድሚት ኣብ ክንዲ ምኻድ፡ ንድሕሪት ተመሊሶም፣ 25 ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ገይሮም።+ ስለዚ፡ ኵሎም ገላዎይ ነብያት ልኢኸልኩም፣ መዓልቲ መዓልቲ ደጋጊመ* ልኢኸልኩም።+ 26 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑንን፣ እዝኖም እውን ናባይ ኣየድነኑን።+ የግዳስ፡ ነቓጻት እዮም ነይሮም፣* ካብ ኣቦታቶም ዚገድድ ድማ ገይሮም!
27 “ኵሉ እዚ ቓላት እዚ ኽትዛረቦም ኢኻ፣+ ግናኸ፡ ኣይኪሰምዑኻን እዮም፣ ክትጽውዖም ኢኻ፣ ግናኸ፡ ኣይኪምልሱልካን እዮም። 28 ‘ድምጺ የሆዋ ኣምላኹ ዘይተኣዘዘ፡ ተግሳጽ ከኣ ምቕባል ዝኣበየ ህዝቢ እዚ እዩ። ተኣማንነት ጠፍአት፣ ኣብ መንጎኦም ከኣ ዋላ እኳ ኣይትጥቀስን እያ’* ኽትብሎም ኢኻ።+
29 “የሆዋ ነዚ ዘቘጥዖ ወለዶ እዚ ደርብይዎ እዩ፡ ክሓድጎ እውን እዩ እሞ፡ ዘይተቘርጸ* ጸጕርኺ ላጺኺ ደርብዪ፣ ኣብ መላጥ ኵርባታት ልቕሶ ግበሪ። 30 ‘ደቂ ይሁዳስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ገይሮም እዮም’ ይብል የሆዋ። ‘ምእንቲ ኼርክስዋስ፡ ነቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም ኣብታ ስመይ ዚጽውዓላ ቤት ኣቚሞምዎም እዮም።+ 31 ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ኣብ ልበይ* ከቶ ዘይመጸንሲ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ብሓዊ ምእንቲ ኼንድዱ፡+ ኣብ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም፡*+ በረኽቲ ቶፌት ሰሪሖም።’+
32 “‘ስለዚ፡ እንሆ፡ ንሳ ቶፌት ወይ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም* ተባሂላ ዘይትጽውዓለን፡ የግዳስ፡ ስንጭሮ ማሕረዲ እትብሃለለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ። ‘ቦታ ኽሳዕ ዚስኣን፡ ኣብ ቶፌት ኪቐብሩ እዮም።+ 33 ሬሳታት እዚ ህዝቢ እዚ ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንእንስሳታት ምድርን ምግቢ ኪኸውን እዩ፣ ያዕ ዚብሎም እውን ኣይኪህሉን እዩ።+ 34 እታ ምድሪ ኽትዓኑ እያ እሞ፡+ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን ንደሃይ ፍስሃን ንደሃይ ታሕጓስን፡ ንድምጺ መርዓውን ንድምጺ መርዓትን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።’”+