ኢሳይያስ
65 “ዘይሓተቱለይ ኪደልዩኒ ፈቒደ፣
ዘይደለዩኒ ድማ ኪረኽቡኒ ፈቒደ።+
ስመይ ንዘይጽውዕ ህዝቢ፡ ‘እነኹ፡ እነኹ!’ ኢለዮም።+
2 ንነቓጽ ህዝቢ፡+
ነቲ ሓሳብ ርእሱ ስዒቡ ጽብቕቲ ብዘይኰነት መገዲ ዚመላለስ፡+
ምሉእ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጊሐሉ፣+
3 ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ብምስዋእን+ ኣብ ሕጡባት ብምዕጣንን
ደጋጊሞም ኣብ ገጸይ ንዘዀረዩኒ ህዝቢ ኸምኡ ገይረሎም።+
5 ‘ኣነ ኻባኻ ብዝያዳ ቕዱስ እየ እሞ፡*
ርሓቕ፣ ኣይትቕረበኒ’ ይብሉ።
እዚኣቶም ኣብ ኣፍንጫይ ትኪ፡ ምሉእ መዓልቲ ዚነድድ ሓዊ እዮም።
6 እንሆ፡ ኣብ ቅድመይ ተጻሒፉ ኣሎ፣
ክፈድዮም እየ እምበር፡+
ኣይክዓርፍን እየ፣
መስፈሪ መሊአ* ኽፈድዮም እየ፣
7 ንስሕተቶምን ንስሕተት ኣቦታቶምን ብሓንሳእ ገይረ ኽፈድዮም እየ”+ ይብል የሆዋ።
8 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ከምቲ ጕዕሽ ወይኒ ኻብ ዘለላ ወይኒ ዚርከብ እሞ፡
‘ጽቡቕ ነገር* ኣለዎ እሞ፡ ኣይተጥፍእዎ’ ዚብሃል፡
ምእንቲ ገላዎይ ከምኡ ኽገብር እየ፣
ንዅላቶም ኣይከጥፍኦምን እየ።+
ኵላትኩም ከኣ ንማሕረዲ ኽትጕምብሑ ኢኹም፣+
ከመይሲ፡ ጸዊዐ፡ ኣይመለስኩምን፡
ተዛሪበ፡ ኣይሰማዕኩምን፣+
ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ዘበለ ጌርኩም፡
ባህ ዘየብለኒ ኸኣ ሓሪኹም ኢኹም።”+
13 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“እንሆ፡ ገላዎይ ኪበልዑ፡ ንስኻትኩም ግና ክትጠምዩ ኢኹም።+
እንሆ፡ ገላዎይ ኪሰትዩ፡+ ንስኻትኩም ግና ክትጸምኡ ኢኹም።
እንሆ፡ ገላዎይ ኪሕጐሱ፡+ ንስኻትኩም ግና ክትሓፍሩ ኢኹም።+
14 እንሆ፡ ገላዎይ ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ እዮም፣
ንስኻትኩም ግና ብሰንኪ ስቓይ ልቢ ኽትግዕሩ፡
ብሰንኪ ስቡር መንፈስ ድማ ዋይዋይ ክትብሉ ኢኹም።
15 ሕሩያተይ ንመራገሚ ዚገብርዎ ስም ክትሓድጉ ኢኹም፣
እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍኩም ኪቐትለኩም እዩ፣
ንገላዉኡ ግና ብኻልእ ስም ኪጽውዖም እዩ።+
20 “ሒደት መዓልትታት ጥራይ ዚነብር ሕጻን ኰነ፡
ምሉእ ዕድሚኡ ዘይነብር ኣረጊት ኣብኣ ኣይኪርከብን እዩ፣
ከመይሲ፡ ሚእቲ ዓመት ገይሩ ዚመውት ብንእስነቱ ኸም ዝሞተ ኪቝጸር እዩ፣
ሓጥእ ድማ ሚእቲ ዓመት እኳ እንተ ገበረ፡ ኪርገም እዩ።*
22 ካልኦት ኪነብሩሉ ኢሎም ኣባይቲ ኣይኪሃንጹን፡
ካልኦት ኪበልዕዎ ኢሎም ከኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።
ዕድመ ህዝበይሲ ኸም ዕድመ ኦም ኪኸውን እዩ፣+
ሕሩያተይ ድማ ንግብሪ ኣእዳዎም ምሉእ ብምሉእ ኪሕጐሱሉ እዮም።
24 ከይጸውዑ እኳ ኽምልሰሎም፡
ገና ኺዛረቡ ኸለዉ ድማ ክሰምዖም እየ።
ኣብ ኵሉ እቲ ቕዱስ ከረነይ ኣይኪጐድኡን፡ ኣይኬጥፍኡን እዮም”+ ይብል የሆዋ።