11 ዘይቅኑዕ ሚዛን ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ፣
ልክዕ መምዘኒ ግና ባህ የብሎ።+
2 ድፍረት ምስ መጸ፡ ውርደት ይስዕብ፣+
ጥበብ ግና ምስ ትሑታት እያ።+
3 ንቕኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም፣+
ንጠለምቲ ግና ጠዋያት ምዃኖም የጥፍኦም።+
4 ብመዓልቲ ነድሪ ሃብቲ ኣይጠቅምን፣+
ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ።+
5 መንቅብ ንዘይብሉ ጽድቁ መገዱ የቕንዓሉ፣
እኩይ ግና ብሰንኪ እከዩ ይወድቕ።+
6 ንቕኑዓት ጽድቆም የናግፎም፣+
ጠለምቲ ግና ብትምኒቶም ይተሓዙ።+
7 እኩይ ምስ ዚመውት፡ ተስፋኡ ይጠፍእ፣
ኣብ ሓይሉ እተመርኰሰ ትጽቢት እውን ይጠፍእ።+
8 ጻድቕ ካብ ጭንቂ ይናገፍ፣
እኩይ ድማ ኣብ ክንዳኡ ይኸውን።+
9 ከሓዲ ንብጻዩ ብኣፉ የጥፍኦ፣
ጻድቃን ግና ብፍልጠት ይናገፉ።+
10 ሕያውነት ጻድቃን ንኸተማ የሐጕሳ፣
እኩያት ምስ ጠፍኡ ኸኣ፡ እልልታ ይኸውን።+
11 ከተማ ሳላ በረኸት ቅኑዓት ልዕል ትብል፣+
ኣፍ እኩያት ግና የፍርሳ።+
12 ልቢ ዘይብሉ ንብጻዩ ይንዕቆ፣
ናይ ሓቂ ምስትውዓል ዘለዎ ሰብ ግና ስቕ ይብል።+
13 ሓማዪ እናዞረ ምስጢር ይቐልዕ፣+
እሙን ግና ምስጢር ይሕሉ።
14 ጥበባዊ መምርሒ ምስ ዘይህሉ፡ ህዝቢ ይወድቕ፣
ብብዙሓት ኣማኸርቲ ግና ኣሳልጦ ይርከብ።+
15 ንዘይፈልጦ ሰብ ኪልቃሕ ዚውሓሶ ኽፉእ ይረክብ፣+
ከም መግለጺ ስምምዕ ኢድ ዘይጠቅዕ ግና ደሓን ይረክብ።
16 ሕያወይቲ ሰበይቲ ኽብሪ ተጥሪ፣+
ጨካናት ግና ሃብቲ ይምንዝዑ።
17 ሕያዋይ ሰብ ንርእሱ ይጠቅም፣+
ጨካን ግና ኣብ ርእሱ ጭንቂ የምጽእ።+
18 እኩይ ዜታልል ዓስቢ ይረክብ፣+
ጽድቂ ዚዘርእ ግና ናይ ሓቂ ጻማ ይረክብ።+
19 ንጽድቂ ጸኒዑ ዚቐውም ናብ ህይወት የምርሕ፣+
ደድሕሪ እከይ ዚስዕብ ግና ናብ ሞት የምርሕ።
20 ቄናን ዝልቦም ኣብ የሆዋ ፍንፉናት እዮም፣+
ብመገዶም መንቅብ ዘይብሎም ግና ባህ የብልዎ።+
21 በዚ ርግጸኛ ኹን፦ እኩይ ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፣+
ዘርኢ ጻድቃን ግና የምልጡ።
22 ልብምና ዘይትደሊ መልክዐኛ ሰበይትስ፡
ከምቲ ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ ዘሎ ቐለቤት ወርቂ እያ።
23 ትምኒት ጻድቃን ናብ ጽቡቕ ይመርሕ፣+
እቲ እኩያት ተስፋ ዚገብሩሉ ግና፡ ናብ ቍጥዓ ይመርሕ።
24 ገሊኡ ብልግሲ ይህብ እሞ፡ ዝያዳ ይረክብ፣+
ገሊኡ እቲ ኺውሃብ ዚግባእ ይኸልእ እሞ፡ ይደኪ።+
25 ለጋስ ሰብ ጽቡቕ ይረክብ፣+
እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ።+
26 ሰባት ነቲ እኽሊ ዚሓብእ ይረግምዎ፣
ነቲ ዚሸጦ ግና ይምርቕዎ።
27 እቲ ብትግሃት ጽቡቕ ኪገብር ዚደሊ፡ ሞገስ ይደሊ፣+
እቲ ኽፉእ ኪገብር ዚደሊ ግና፡ ብርግጽ ከምኡ እዩ ዚወርዶ።+
28 ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕ፣+
ጻድቃን ግና ከም ኣቝጽልቲ ይለምዑ።+
29 ኣብ ቤተ ሰቡ ጭንቂ ዜምጽእ፡ ንፋስ ይወርስ፣+
ዓሻ ኸኣ ነቲ ጥበበኛ ዝልቡ ጊልያኡ ይኸውን።
30 ፍረ ጻድቕ ኦም ህይወት እዩ፣+
እቲ ነፍሳት ዚረብሕ ድማ ጥበበኛ እዩ።+
31 ጻድቕ ብርግጽ ኣብ ምድሪ ዚፍደ ኻብ ኰነ፡
ንእኩይን ንሓጥእን ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይበጽሖም!+