ሉቃስ
2 በተን መዓልትታት እቲአን ድማ፡ ኵሉ ዓለም ኪምዝገብ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። 2 (እዚ ቐዳማይ ምዝገባ እዚ፡ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ እዩ ዀይኑ።) 3 ኵሉ ኺምዝገብ ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ ኸደ። 4 ዮሴፍ+ ድማ ካብ ቤትን ካብ ዓሌትን ዳዊት ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ፡ ካብ ከተማ ናዝሬት፡ ናብ ይሁዳ፡ ናብታ ቤት-ልሄም+ እትብሃል ከተማ ዳዊት ደየበ። 5 ምስታ ብጽሕቲ ወርሒ ዝነበረት+ ሕጽይቱ+ ማርያም፡ ኪምዝገብ ከደ። 6 ኣብኡ ኸለዉ ድማ፡ ግዜ ሕርሳ በጽሐ። 7 በዅሪ ወዳ ኸኣ ወለደት፡+ ብዓለባ እውን ጠቕለለቶ፣ ኣብ መሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይረኸቡ ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ።+
8 ኣብታ ሃገር እቲኣ፡ ብለይቲ መጓሰኦም እናሓለዉ፡ ኣብ መሮር ዚሓድሩ ጓሶት ነበሩ። 9 ብሃንደበት ከኣ፡ መልኣኽ የሆዋ* ኣብ ቅድሚኦም ደው በለ፣ ክብሪ የሆዋ* እውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፡ ንሳቶም ከኣ ኣመና ፈርሁ። 10 እቲ መልኣኽ ግና፡ “ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ አበስረኩም ኣለኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። 11 ሎምስ መድሓኒ፡+ ንሱ ድማ ክርስቶስ ጐይታ፡+ ኣብ ከተማ ዳዊት+ ተወሊዱልኩም ኣሎ። 12 እዚ ድማ ምልክት ይኹንኩም፦ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም” በሎም። 13 ብሃንደበት ከኣ፡ ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኰይኖም፡+ ከምዚ እናበሉ ንኣምላኽ ወደስዎ፦ 14 “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ጽቡቕ ፍቓዱ* ዝረኸቡ ሰባት።”
15 እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ከዱ ድማ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፡ “ናብ ቤት-ልሄም ኬድና፡ ነዚ የሆዋ* ዘፍለጠና ኽዉን ነገር ንርአ” ተባሃሃሉ። 16 ቀልጢፎም እውን ከዱ፣ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ሕጻንን ድማ ረኸብዎም። 17 ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግሮም መልእኽቲ ኣውረዩ። 18 ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ፡ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ፣ 19 ማርያም ግና ነዚ ዅሉ እተባህለ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት።+ 20 እቶም ጓሶት ድማ፡ ከምቲ እተነግሮም ኰይኑ ስለ ዝረኸብዎ፡ ስለቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኵሉ፡ ንኣምላኽ እናኣሞገሱን እናወደሱን ተመልሱ።
21 ኪገዝርዎ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ መልአ፡+ ከምቲ መልኣኽ ከይተጠንሰ ኸሎ ዝሰመዮ፡ ስሙ የሱስ ተሰምየ።+
22 ከም ሕጊ ሙሴ፡ መዓልትታት ምንጻሆም ምስ ኣኸላ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ* ኬቕርብዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ፣ 23 ከምቲ ኣብ ሕጊ የሆዋ፡* “ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ፡* ንየሆዋ* እተቐደሰ ይበሃል” እተባህለ፡ ከምኡ ገበሩ፣+ 24 ከምቲ ኣብ ሕጊ የሆዋ፡* “ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ” እተባህለ ኸኣ፡ መስዋእቲ ኣቕረቡ።+
25 እንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሃል ሰብኣይ ነበረ፣ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህን፡ ምጽንናዕ እስራኤል ከኣ ዚጽበ ነበረ፣+ መንፈስ ቅዱስ እውን ኣብ ልዕሊኡ ነበረ። 26 ነቲ ናይ የሆዋ* ቕቡእ* ከይረኣዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ብመለኮታዊ መገዲ ተገሊጹሉ ነበረ። 27 ብመንፈስ ተመሪሑ ኸኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ፣ እቶም ወለዲ ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ከም ልምዲ ሕጊ ኺገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ፡+ 28 ንሱ ኣብ ኢዱ ሓቘፎ፡ ከምዚ ኢሉ እውን ንኣምላኽ ወደሶ፦ 29 “ኦ ልዑላዊ ጐይታ፡ ሕጂ ኸምቲ ዝበልካዮ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፣+ 30 ኣዒንተይሲ ነቲ ንስኻ እተድሕነሉ መገዲ ርእየን እየን፣+ 31 ንሱ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝብታት ዘዳሎኻዮ፡+ 32 ነቲ ንኣህዛብ ጋሪድዎም ዘሎ ዚቐልዕ+ ብርሃንን+ ክብሪ ህዝብኻ እስራኤልን እዩ።” 33 ኣቦን ኣደን እቲ ሕጻን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙ። 34 ስምኦን እውን ባረኾም፡ ንኣዲኡ ማርያም ድማ፡ “እንሆ፡ እዚ ሕጻን እዚ፡ ኣብ እስራኤል+ ንብዙሓት መውደቒኦምን+ መተንስኢኦምን ኪኸውን፡ ዚነቕፍዎ ምልክት እውን ኪኸውን እዩ፣+ 35 እዚ ዚኸውን ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኪቕላዕ እዩ። ናባኺ* ኸኣ ነዊሕ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ”+ በላ።
36 ካብ ነገድ ኣሴር ድማ ነብዪት ሃና ጓል ፋኑኤል ነበረት። ንሳ ብዕድመ ዝደፍአት ነበረት። ድሕሪ ምምርዓዋ* ኸኣ ምስ ሰብኣያ ሸውዓተ ዓመት ገይራ ነበረት። 37 ንሳ 84 ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ለይትን መዓልትን እናኣገልገለትን* እናጾመትን እናተማህለለትን ካብ ቤተ መቕደስ ኣይትጠፍእን ነበረት። 38 በታ ሰዓት እቲኣ ኸኣ፡ ቀሪባ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ፣ ንዅሎም እቶም ድሕነት የሩሳሌም ዚጽበዩ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ሕጻን ተዛረበቶም።+
39 ከም ሕጊ የሆዋ* ዅሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡+ ናብ ገሊላ፡ ናብ ከተማኦም ናዝሬት ተመልሱ።+ 40 እቲ ሕጻን ድማ ብጥበብ እናተመልአ ዓበየን በርትዐን፡ ሞገስ ኣምላኽ እውን ኣብኡ ነበረ።+
41 ወለዱ ኸኣ ዓመት ዓመት ንበዓል ፋስጋ ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ።+ 42 ንሱ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ከም ልምዲ እቲ በዓል ናብ የሩሳሌም ደየቡ።+ 43 እተን መዓልትታት በዓል ኣእኪሎም ኪምለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ እቲ ቘልዓ ዝነበረ የሱስ ኣብ የሩሳሌም ተረፈ፡ ወለዱ ግና ኣይፈለጡን። 44 ምስቶም መኻይዶም ዘሎ መሲልዎም፡ መገዲ ሓደ መዓልቲ ኸዱ፡ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ፈለጥቶምን ከኣ ደለይዎ። 45 ምስ ሰኣንዎ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም ኣናደይዎ። 46 ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኸኣ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሓተቶምን ረኸብዎ። 47 ዝሰምዕዎ ዘበሉ ድማ፡ ብምስትውዓሉን ብምላሹን የስተንክሩ ነበሩ።+ 48 ወለዱ ምስ ረኣይዎ ድማ ተገረሙ፣ ኣዲኡ ኸኣ፡ “ወደየ፡ ስለምንታይ ከምዚ ጌርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን ተሻቒልና ኽንደልየካ ጸኒሕና” በለቶ። 49 ንሱ ግና፡ “ንምንታይ እሞ ትደልዩኒ፧ ኣብ ቤት ኣቦይ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” በሎም።+ 50 ንሳቶም ግና ነቲ ዝበሎም ዘረባ ኣይተረድእዎን።
51 ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞም* እውን ነበረ።+ ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ እተባህለ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።+ 52 የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብኣካልን ብሞገስን ይዓቢ ነበረ።