ዘዳግም
7 “የሆዋ ኣምላኽካ ናብታ ኽትርስተያ እትኣትዋ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡+ ካብ ቅድሜኻ ብዙሓት ኣህዛብ፡ ሔታውያንን ጊርጋሳውያንን ኣሞራውያንን+ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን+ ዚብሃሉ ኻባኻ ዚበዝሑን ዚሕይሉን ሸውዓተ ኣህዛብ፡+ ኬወግድ እዩ።+ 2 የሆዋ ኣምላኽካ ንዓታቶም ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ኺህበካ እዩ፣ ንስኻ ድማ ክትስዕሮም ኢኻ።+ ብርግጽ ኣጥፍኣዮም።+ ምሳታቶም ኪዳን ኣይትተኣታቶ፡ ሞገስ ከኣ ኣይተርእዮም።+ 3 ኣይትዋሰቦም። ኣዋልድካ ንኣወዳቶም ኣይትሃብ፣ ኣዋልዶም ከኣ ንኣወዳትካ ኣይትውሰድ።+ 4 ከመይሲ፡ ንደቅኻ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼገልግሉ፡ ካብ ምስዓበይ ኪመልስዎም እዮም፣+ ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣባኻትኩም ኪነድድ፡ ንሱ እውን ብፍጥነት ኬጥፍኣካ እዩ።+
5 “ከምዚ ደኣ ግበርዎም፦ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሓወልትታት ኣምልኾኦም ሰባብሩ፡+ ኣዕኑድ ኣምልኾኦም* ቍረጹ፡+ ቅሩጽ ምስልታቶም ከኣ ኣንድዱ።+ 6 ንስኻስ ንየሆዋ ኣምላኽካ ቕዱስ ህዝቢ ኢኻ፣ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፡ ህዝቡ፡ ፍሉይ ጥሪቱ* ኽትከውን ሓርዩካ ኣሎ።+
7 “የሆዋ ዝፈተወኩምን ዝሓረየኩምን፡ ካብ ኵሎም ካልኦት ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኩም ኣይኰነን፣+ እኳ ደኣስ፡ ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝወሓድኩም ኢኹም።+ 8 የግዳስ፡ የሆዋ ስለ ዘፍቀረኩምን እቲ ንኣቦታትኩም ዝመሓለሎም ማሕላ+ ስለ ዝሓለወን እዩ የሆዋ ብሓያል ኢድ ዘውጽኣኩም፡ ካብ ቤት ባርነት፡ ካብ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድማ እተበጀወኩም።+ 9 የሆዋ ኣምላኽካ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ነቶም ዜፍቅርዎን ትእዛዛቱ ዚሕልዉን ኪዳኑን ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ዚሕሉ እሙን ኣምላኽ ምዃኑ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።+ 10 ነቶም ዚጸልእዎ ግና፡ ኣብ ገጾም ብጥፍኣት ይፈድዮም።+ ኣብቶም ዚጸልእዎ ስጕምቲ ምውሳድ ኣይድንጕን እዩ፣ ኣብ ገጾም ይፈድዮም እዩ። 11 እምበኣር፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛትን ስርዓታትን ፍርድታትን ተጠንቂቕካ ሓልዎ።
12 “ነዚ ፍርድታት እዚ ትሰምዖን ትሕልዎን ትገብሮን እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ኣምላኽካ እቲ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳንን ብተኣማንነት ዜርእዮም ፍቕርን ኪሕሉ እዩ። 13 ኬፍቅረካን ኪባርኸካን ኬብዝሓካን ከኣ እዩ። እወ፡ ኣብታ ንዓኻ ኺህበካ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ፡+ ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን እኽልኻን ጕዕሽ ወይንኻን ዘይትኻን ምራኹት ከብትኻን ዕያውቲ ኣባጊዕካን ኪባርኸልካ እዩ።+ 14 ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ክትባረኽ ኢኻ፣+ ኣብ መንጎኻ ውሉድ ዘይብሉ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ፡ ኣብ ማልካ ኸኣ መኻን ኣይኪህሉን እዩ።+ 15 የሆዋ፡ ሕማም ዘበለ ኻባኻ ኼርሕቕ እዩ፣ ካብ ኵሉ እቲ ኣብ ግብጺ እትፈልጦ ኽፉእ ሕማማት ድማ ገለ እኳ ኣይኬምጽኣልካን እዩ።+ ናብ ኵሎም እቶም ዚጸልኡኻ ደኣ ኼምጽኣሎም እዩ። 16 ንዅሎም እቶም የሆዋ ኣምላኽካ ኣሕሊፉ ዚህበካ ህዝብታት ኣጥፍኣዮም።*+ ኣይትደንግጸሎም፣*+ ኣማልኽቶም መፈንጠራ ስለ ዚዀኑኻ፡+ ኣይተገልግሎም።+
17 “ብልብኻ፡ ‘እዞም ኣህዛብ እዚኦም ካባና ዚበዝሑ እዮም። ከመይ ገይረ ኽሰጕጎም እኽእል፧’ እንተ ኢልካ፡+ 18 ኣይትፍርሃዮም።+ እቲ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵላ ግብጽን ዝገበሮ ዘክር፣+ 19 እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ዓብዪ ፍርድታትን* ትእምርትታትን ተኣምራትን+ እታ የሆዋ ኣምላኽካ ብእኣ ዘውጽኣካ ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልጽምን እውን ዘክር።+ የሆዋ ኣምላኽካ ንዅሎም እትፈርሆም ህዝብታት ከምኡ ኺገብሮም እዩ።+ 20 እቶም ዝተረፉን ካብ ቅድሜኻ እተሓብኡን ክሳዕ ዚጠፍኡ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ሕልናኦም ኬዕርበሎም* እዩ።+ 21 የሆዋ ኣምላኽካ፡ ዓብይን ዜፍርህን ኣምላኽ፡+ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ብኣታቶም ኣይትሸበር።+
22 “የሆዋ ኣምላኽካ ነዞም ኣህዛብ እዚኦም በብቝሩብ ካብ ቅድሜኻ ብርግጽ ኪሰጕጎም እዩ።+ ኣራዊት መሮር ምእንቲ ኸይበዝሑኻስ፡ ቀልጢፍካ ኽትውድኦም ኣይኪፍቀደልካን እዩ። 23 የሆዋ ኣምላኽካ ኣሕሊፉ ኺህበካ፡ ክሳዕ ዚጠፍኡ ድማ ፈጺሙ ኺስዕሮም እዩ።+ 24 ነገስታቶም ኣብ ኢድካ ኺህበካ እዩ፣+ ንስኻ ኸኣ ስማቶም ካብ ትሕቲ ሰማያት ከተጥፍእ ኢኻ።+ ክሳዕ እተጽንቶም፡+ ኪቃወመካ ዚኽእል የልቦን።+ 25 ቅሩጽ ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣንድዱ።+ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡+ ብእኡ ኸይትፍንጠርሲ፡ ኣይትመነዮ ወይ ኣይትውሰዶ።+ 26 ከምኡ ንጥፍኣት እተመጦኻ ኸይትኸውንሲ፡ ፍንፉን ነገር ናብ ቤትካ ኣይተእቱ። ንጥፍኣት እተመጠወ እዩ እሞ፡ ኣዚኻ ተጸየፎን ፈጺምካ ፈንፍኖን።