መዝሙር
3 ብቕዱስ ስሙ ተመክሑ።+
ልቢ እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ይተሓጐስ።+
ወትሩ ገጹ* ድለዩ።
7 ንሱ የሆዋ ኣምላኽና እዩ።+
ፍርድታቱ ኣብ ብዘላ ምድሪ እዩ።+
8 ኪዳኑ ንዘለኣለም፡+
ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ* ድማ ንሽሕ ወለዶታት ይዝክር፣+
9 እወ፡ ነቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን፡+
ነቲ ንይስሃቅ ዝመሓለሉ ማሕላ ይዝክሮ።+
13 ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡
ካብ መንግስቲ ናብ ካልእ ህዝቢ ኸዱ።+
17 ቀቅድሚኦም ሰብኣይ፡
እቲ ባርያ ኪኸውን እተሸጠ ዮሴፍ፡ ለኣኸ።+
19 ቃሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡+
ቃል የሆዋ ኣጽረዮ።
20 ንጉስ ልኢኹ ኣፍትሖ፣+
እቲ ገዛኢ ህዝብታት ሓራ ኣውጽኦ።
21 ኣብ ልዕሊ ቤተ ሰቡ ጐይታ፡
ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ድማ ገዛኢ ገበሮ፣+
22 ኣብ ልዕሊ መሳፍንቱ ኸም ዝደለዮ ስልጣን ኪህልዎ፡*
ንዓበይቱ ኸኣ ጥበብ ኪምህሮምሲ ኸምኡ ገበረ።+
23 እስራኤል ድማ ናብ ግብጺ መጸ፣+
ያእቆብ ከኣ ኣብ ምድሪ ካም ጓና ዀይኑ ተቐመጠ።
25 ንህዝቡ ኺጸልእዎም፡ ንገላዉኡ እውን ኪተናዀልዎምሲ፡+
ልቢ እቶም ተጻረርቲ ኺልወጥ ፈቐደ።
27 ትእምርትታቱ ኣብ መንጎኦም፡
ተኣምራቱ ድማ ኣብ ምድሪ ካም ገበረ።+
28 ጸልማት ሰደደ፡ እታ ምድሪ እውን ጸልመተት፣+
ካብ ቃላቱ ኸኣ ኣይዓለዉን።
29 ማያቶም ናብ ደም ለወጠ፣
ዓሳታቶም ድማ ቀተለ።+
30 ምድሮም ብቝርዖብ ሓሰኽሰኽ በለት፣+
ናብ ክፍልታት ነገስታት እኳ ኣተዋ።
33 ተኽሊ ወይኖምን ኦም በለሶምን ወቕዐ፣
ኣእዋም ሃገሮም ድማ ሰባበረ።
34 ኣንበጣ ኺወርርዎም፡
ቍጽሪ ዘይብሎም ኩብኩብታ ኸኣ ኪመጽዎም ተዛረበ።+
35 ንሳቶም ንዅሉ ኣትክልቲ እታ ምድሪ በልዕዎ፣
ንፍረ እታ ምድሪ ድማ በልዕዎ።
36 ንዅሉ በዅሪ ምድሮም፡
ንመጀመርታ ስብእነቶም ቀተለ።+
37 ንህዝቡ ብሩርን ወርቅን ኣትሒዙ ኣውጽኦም፣+
ካብ ነገዳቱ ድማ ሓደ እኳ ኣይተዓንቀፈን።
42 ከመይሲ፡ ንሱ ነቲ ንጊልያኡ ኣብርሃም ዝኣተወሉ ቕዱስ ቃል ዘከረ።+
43 ስለዚ፡ ንህዝቡ ብፍስሃ፡
ንሕሩያቱ ድማ ብእልልታ ኣውጽኦም።+
ንያህ ወድስዎ!*