106 ንያህ ወድስዎ!
ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+
ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።+
2 ግብርታት ሓይሊ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኪነግር፡
ወይስ ኵሉ ዚንኣድ ግብርታቱ ኺእውጅ ዚኽእል መን ኣሎ፧+
3 ፍትሒ ዚገብሩ፡
ወትሩ ድማ ቅኑዕ ዘበለ ዚገብሩ ሕጉሳት እዮም።+
4 ኦ የሆዋ፡ ንህዝብኻ ሞገስ ከተርኢ ኸለኻ፡ ዘክረኒ።+
ብግብርታት ድሕነትካ ተኸናኸነኒ እሞ፡
5 ንሕሩያትካ እትገብረሎም ሕያውነት ክርኢ፡+
ምስ ህዝብኻ ኽሕጐስ፡
ምስ ርስትኻ ዀይነ ብሓበን ክውድሰካ እየ።
6 ከምቲ ኣቦታትና ዝገበርዎ፡ ሓጣእና፣+
በደልና፣ እከይ ድማ ገበርና።+
7 ኣቦታትና ኣብ ግብጺ ንዜደንቕ ግብርታትካ ኣይተረድእዎን።
ነቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ብዙሕ ፍቕርኻ ኣይዘከርዎን።
ኣብ ባሕሪ፡ ኣብ ጥቓ ቐይሕ ባሕሪ ድማ ዓለዉ።+
8 ንሱ ግና ስለ ስሙ ኢሉ፡+
ሓይሉ ድማ ኬፍልጥ ኢሉ ኣድሓኖም።+
9 ንቐይሕ ባሕሪ ገንሖ እሞ ነቐጸ፣
ከም ብምድረ በዳ ኸኣ በቲ መዓሙቝ መርሖም።+
10 ካብ ኢድ ተጻራሪኦም ኣድሓኖም፣+
ካብ ኢድ ጸላኢ ድማ ተበጀዎም።+
11 ማያት ንተጻረርቶም ደፈኖም፣
ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+
12 ሽዑ፡ በቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ኣመኑ፣+
ውዳሰኡ እውን ዘመሩ።+
13 ቀልጢፎም ግና ንተግባሩ ረስዕዎ፣+
ምኽሩ ኸኣ ኣይተጸበዩን።
14 ኣብ በረኻ ብህርፋኖም ተሰነፉ፣+
ኣብ ምድረ በዳ ድማ ንኣምላኽ ፈተንዎ።+
15 ንሱ ኸኣ ዝለመንዎ ሃቦም፣
ድሕሪኡ ግና፡ ብዜማስን ሕማም ወቕዖም።+
16 ኣብ ሰፈር ንሙሴ ቐንኡሉ፣
ንኣሮን፡+ ነቲ ናይ የሆዋ ቕዱስ እውን ቀንኡሉ።+
17 ሽዑ፡ ምድሪ ተኸፊታ ንዳታን ወሓጠቶ፣
ነቶም ምስ ኣቢራም እተኣከቡ እውን ደፈነቶም።+
18 ሓዊ ኣብ መንጎ ጕጅለኦም ነደደ፣
ሃልሃልታ ኸኣ ነቶም እኩያት በልዖም።+
19 ኣብ ሆሬብ ምራኽ ገበሩ፣
ንፍሱስ ምስሊ እውን ሰገዱሉ፣+
20 ንኽብረይ ድማ፡
ብምስሊ ሳዕሪ ዚበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ።+
21 ንኣምላኽ እቲ መድሓኒኦም፡
ነቲ ኣብ ግብጺ ዓበይቲ ነገራት ዝገበረ ረስዕዎ፣+
22 እወ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ካም ዜደንቕ ግብርታት፡+
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኸኣ ዜፍርህ ተግባራት ዝገበረ ረስዕዎ።+
23 ጥፍኣቶም ኪእዝዝ ኢሉ ነበረ፣
ዜጥፍእ ቍጥዓኡ ምእንቲ ኺምለስ ግና፡
ሙሴ እቲ ሕሩዩ ምእንታኦም ለመኖ።+
24 ንሳቶም ከኣ ነታ ተባሃጊት ምድሪ ነዓቕዋ፣+
በቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ድማ ኣይኣመኑን።+
25 ኣብ ድንኳናቶም የዕዘምዝሙ ነበሩ፣+
ድምጺ የሆዋ ኸኣ ኣይሰምዑን።+
26 ስለዚ፡ ብዛዕባኦም ኢዱ ኣልዒሉ መሓለ፣
ኣብ በረኻ ኼውድቖም፡+
27 ንዘርኦም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኬውድቖም፡
ኣብ ብዘለዋ ሃገራት እውን ፋሕ ኬብሎም መሓለ።+
28 ኣብ ኣምልኾ በዓል ጴዖር ድማ ሓበሩ፣+
ንምዉታት እተሰውአ መስዋእቲ ኸኣ በልዑ።
29 ብግብርታቶም ኣዀረይዎ፣+
ኣብ መንጎኦም ድማ መቕዘፍቲ ዀነ።+
30 ፊንሃስ ተንሲኡ ጣልቃ ምስ ኣተወ ግና፡
እቲ መቕዘፍቲ ደው በለ።+
31 እዚ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ፡ ንዘለኣለም፡
ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ።+
32 ኣብ ማይ መሪባ ድማ ኣዀረይዎ፣
ብሰሮም እውን ሙሴ ተጐድአ።+
33 ንመንፈሱ ኣመረርዎ፣
ብኸናፍሩ ድማ ብታህዋኽ ተዛረበ።+
34 ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞም ከኣ፡+
ነቶም ህዝብታት ኣየጥፍእዎምን።+
35 ምስቶም ኣህዛብ ደኣ ተሓዋወሱ፣+
መገድታቶም ከኣ ተማህሩ።+
36 ንጣኦታቶም ድማ የገልግልዎም ነበሩ፣+
ንሳቶም እውን መፈንጠራ ዀንዎም።+
37 ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን
ንኣጋንንቲ ይስውኡሎም ነበሩ።+
38 ንጹህ ደም፡
ደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን የፍስሱ ነበሩ፣+
ንጣኦታት ከነኣን ከኣ ሰውኡሎም፣+
እታ ምድሪ ድማ ብምፍሳስ ደም ተበከለት።
39 ብተግባራቶም ረኸሱ፣
ብግብርታቶም ከኣ ብመንፈሳዊ መዳይ መንዘሩ።+
40 ስለዚ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ህዝቡ ነደደ፣
ንርስቱ እውን ፈንፈኖ።
41 እቶም ዚጸልእዎም ምእንቲ ኺገዝእዎም፡+
ብተደጋጋሚ ኣብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሃቦም።+
42 ጸላእቶም ጨቈንዎም፣
ኣብ ትሕቲ ስልጣኖም ድማ ተገዝኡ።
43 ብዙሕ ሳዕ ኣናገፎም፣+
ንሳቶም ግና ይዓልዉ ነበሩ፡ ኣይተኣዘዙን እውን፣+
ብስሕተቶም ከኣ ይዋረዱ ነበሩ።+
44 ንሱ ግና ጸበባኦም ይርኢ፡+
ኣውያቶም እውን ይሰምዕ ነበረ።+
45 ምእንታኦም ኢሉ ድማ ኪዳኑ ይዝክር፡
በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ዓብዪ ፍቕሩ ተደሪኹ እውን ይድንግጸሎም ነበረ።+
46 ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ማረኽቶም ከኣ፡
ዜደንግጹ ይገብሮም ነበረ።+
47 ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኣድሕነና፣+
ንቕዱስ ስምካ ኸነመስግኖ፡
ብምውዳስካ ድማ ክንፍሳህሲ፡
ካብ ኣህዛብ ኣክበና።+
48 የሆዋ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡
ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይወደስ።+
ኵሎም ህዝቢ ኸኣ፡ “ኣሜን!” ይበሉ።
ንያህ ወድስዎ!