1 ጴጥሮስ
2 እምበኣር፡ ኵሉ ኽፍኣትን+ ተንኰልን ግብዝናን ቅንእን ሕሜትን ኣርሕቑ። 2 ሕጂ ኸም እተወልዱ ሕጻናት፡+ ብእኡ ንድሕነት ምእንቲ ኽትዓብዩ፡+ ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ* ጸባ እቲ ቓል ብሃግዎ፣ 3 ጐይታ ለዋህ ምዃኑስ ጥዒምኩም ኢኹም።
4 ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡+ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡+ 5 ንስኻትኩም እውን ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ+ ብየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኸተቕርቡ፡+ ከም ህያዋን ኣእማን ንቕዱስ ክህነት መንፈሳዊ ቤት ንምዃን ትህነጹ ኣለኹም።+ 6 ምኽንያቱ፡ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ፡ “እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይ እምኒ፡ ክቡር እምኒ መኣዝን መሰረት አንብር ኣለኹ፣ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሓፍርን እዩ” ዚብል ኣሎ።+
7 እምበኣር፡ ንዓኻትኩም ንእትኣምኑ እዩ ኽቡር፣ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ “እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡+ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ፣”+ 8 “እምኒ መዐንቀፍን ከውሒ መሐንኰልን” እውን እዩ።+ ነቲ ቓል ስለ ዘይተኣዘዙ፡ ይዕንቀፉ ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ድማ እዚ እዩ ዚጽበዮም። 9 ንስኻትኩም ግና ናይቲ ኻብ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም+ “ብሉጽነት* ምእንቲ ኽትእውጁ፡+ ሕሩይ ዓሌት፡ ንጉሳዊ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡+ ፍሉይ ጥሪት ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።”+ 10 ሓደ እዋን ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፣+ ሓደ እዋን ዘይተመሓርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ተማሒርኩም ኢኹም።+
11 ፍቑራተየ፡ ከም ጓኖትን ከም ኣጋይሽን፡+ ካብቲ ምሳኻትኩም* ዚዋጋእ+ ትምኒት ስጋ ኽትርሕቁ እምዕደኩም ኣለኹ።+ 12 ከም ገበርቲ ኽፉእ ገይሮም ኪነቕፉኹም ከለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም+ በታ መዓልቲ መርመራ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼሞግስዎ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ።+
13 ምእንቲ ጐይታ ኢልኩም፡ ንዅሉ እቲ ሰብ ዝፈጠሮ* ተገዝኡ፣+ ነቲ ልዑል ዝዀነ ንጉስ+ 14 ወይስ ነቶም ንገበርቲ ኽፉእ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ግና ኪንእዱ ብእኡ እተላእኩ ሹማምንቲ ተገዝኡ።+ 15 ከመይሲ፡ ሰናይ ብምግባር፡ ነቲ እቶም ዓያሹ ብድንቍርና ዚዛረብዎ ኽትዓብሱ፡* ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።+ 16 ከም ሓራ ሰባት፡+ ከም ባሮት ኣምላኽ ኩኑ እምበር፡+ ንሓርነትኩም ከም መጐልበቢ ኽፍኣት ኣይትግበርዎ።*+ 17 ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ፡+ ንዅሎም ኣሕዋት* ኣፍቅሩ፡+ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡+ ንንጉስ ኣኽብርዎ።+
18 ገላዉ ነቶም ሕያዎትን ልዙባትን* ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ብቐሊሉ ዘይሕጐሱ ጐይተቶም እውን ብግቡእ ፍርሃት ይገዝእዎም።+ 19 ከመይሲ፡ ሓደ ሰብ ስለቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎ ሕልና ኢሉ፡ ጸገም* እንተ ተጻዊሩን እንተ ተዓሚጹን፡ ባህ ዜብል እዩ።+ 20 ብምሕጣእኩም መውቃዕቲ እንተ ተጻዊርኩምሲ፡ እንታይ ዚንኣድ ነገር ኣለዎ፧+ ሰናይ ብምግባርኩም መከራ እንተ ተጻዊርኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ።+
21 ነዚ ኸኣ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ እኳ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ ኣርኣያ እናሓደገልኩም+ ምእንታኹም መከራ ጸጊቡ እዩ።+ 22 ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፡+ ኣብ ኣፉ እውን ምትላል ኣይተረኽበን።+ 23 ምስ ተጸርፈ፡+ መሊሱ ኣይጸረፈን።+ መከራ ኺጸግብ ከሎ ድማ፡+ ነቲ ብጽድቂ ዚፈርድ+ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ እምበር፡ ኣየፈራርሀን። 24 ንሓጢኣት ሞይትና፡* ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ሰብነቱ ኣብ ጕንዲ*+ ጾይርዎ እዩ።+ “ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።”+ 25 ከመይሲ፡ ከም ብራርያ ኣባጊዕ ኢኹም ዝነበርኩም፣+ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳን+ ሓላውን ነፍሳትኩም* ተመሊስኩም ኣለኹም።