ኤፌሶን
5 እምበኣር፡ ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ምሰልዎ፣+ 2 ከምቲ ክርስቶስ እውን ዘፍቀረና፡*+ ርእሱ ኸኣ ንኣምላኽ ከም ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ ምእንታና* ዘሕለፈ፡+ ብፍቕሪ ተመላለሱ።+
3 ምንዝርናን* ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዐ ንቕዱሳት ዚግባእ ስለ ዘይኰነ፡+ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ፣+ 4 ምስጋና እምበር፡+ ዜሕፍር ተግባር ኰነ፡ ዘረባ ዕሽነት ኰነ፡ ወይስ ጽዩፍ ዋዛ፡ ማለት ዘይግባእ ነገራት ኣባኻትኩም ኣይሰማዕ።+ 5 ከመይሲ፡ ኣመንዝራ* ዘበለ፡+ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡+ ንሱ ድማ ኣምላኺ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዘይብሉ ትፈልጡን ተስተውዕሉን ኢኹም።+
6 ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይተኣዛዝነት ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ቓላት ኣየታልልኩም። 7 እምበኣር፡ መኻፍልቶም ኣይትኹኑ፣ 8 ከመይሲ፡ ሓደ እዋን ጸልማት ኔርኩም ኢኹም፡ ሕጂ ግና ምስ ጐይታ ብዘሎኩም ሓድነት+ ብርሃን ኢኹም።+ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ፣ 9 ፍረ ብርሃንሲ፡ ኵሉ ሰናይን* ጽድቅን ሓቅን እዩ።+ 10 ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ መርምሩ፣+ 11 እንታይነቶም ኣቃልዕዎም ደኣ እምበር፡ ደጊም ኣብቲ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትካፈሉ።+ 12 እቲ ብሕቡእ ዚገብርዎ ነገርሲ ንምዝራቡ እኳ ዜሕፍር እዩ። 13 እቲ ዚግሃድ ዘበለ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኵሉ እቲ ዚቕላዕ* በቲ ብርሃን ይግሃድ እዩ። 14 ስለዚ እዩ፡ “ኣታ ደቃሲ፡ ንቓሕ እሞ ኻብ ምዉታት ተንስእ፡+ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ”+ ዚብሃል።
15 እምበኣር፡ ከም ዓያሹ ዘይኰነስ፡ ከም ለባማት* ከመይ ከም እትመላለሱ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ፣ 16 ቅንያቱ ኽፉእ ስለ ዝዀነ፡ ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ።*+ 17 ስለዚ፡ ፍቓድ የሆዋ* እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ ኣስተውዕሉ እምበር፡+ ደጊም ዓያሹ ኣይትኹኑ። 18 ብዘይካዚ፡ ብመንፈስ ተመልኡ እምበር፡ ናብ ዝርጋን* ስለ ዜብጽሕ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ።+ 19 ብልብኹም ንየሆዋ*+ እናዘመርኩምሉን+ እናኣዜምኩምሉን፡+ ብመዝሙርን ብውዳሰ ኣምላኽን ብመንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተዛራረቡ።* 20 ኵሉ ሳዕ ድማ ንኣምላኽናን ኣቦናን ስለ ዅሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣመስግንዎ።+
21 ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ ተገዛዝኡ።+ 22 ኣንስቲ ንሰብኡተን ከም ንጐይታ ገይረን ይገዝኣኦም፣+ 23 ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ጉባኤኡ ዝዀነ፡+ ነዚ ሰብነቱ እዚ እውን ዘድሓኖ፡ ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቱ እዩ።+ 24 ከምቲ እታ ጉባኤ ንክርስቶስ እትግዝኦ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይገዝኣኦም። 25 ኣቱም ሰብኡት፡ ከምቲ ክርስቶስ ነታ ጉባኤ ዘፍቀራን ርእሱ ምእንታኣ ኣሕሊፉ ዝሃበን፡+ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ፣+ 26 ንሱ በቲ ቓል ገይሩ ብማይ ብምሕጻብ ኣጽርዩ ምእንቲ ኪቕድሳ፡+ 27 ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይብላ፡+ ቅድስትን ብዘይ ኣበርን ክብርቲ ጉባኤ ገይሩ ንርእሱ ምእንቲ ኬቕርባ እዩ ኸምኡ ዝገበረ።+
28 ሰብኡት እውን ከምኡ፡ ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፡ ንርእሱ የፍቅር፣ 29 ከመይሲ፡ ሰብ ንሰብነቱ* ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን፣ ክርስቶስ እውን ነታ ጉባኤኡ ኸምኡ እዩ ዚገብረላ፣ 30 ምኽንያቱ፡ ኣካላት ሰብነቱ ኢና።+ 31 “ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡* ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ።”+ 32 እዚ ቕዱስ ምስጢር+ እዚ ዓብዪ እዩ። ኣነ ኸኣ ብዛዕባ ክርስቶስን እታ ጉባኤን እዛረብ ኣለኹ።+ 33 ዝዀነ ዀይኑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ፣+ እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ።+