እያሱ
21 ርእስታት ማይ ቤታት ሌዋውያን ድማ ናብ ካህን ኣልኣዛርን+ ናብ እያሱ ወዲ ነዌን ናብ ርእስታት ማይ ቤታት ነገዳት እስራኤልን ቀረቡ፣ 2 ኣብ ሺሎ+ ኣብ ምድሪ ከነኣን ከኣ፡ “ንሕና እንቕመጠለን ከተማታት ምስቲ ንማልና ዚኸውን መጓሰዪታተን ኪውሃበና፡ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ኣዚዙ እዩ” ኢሎም ተዛረብዎም።+ 3 ሽዑ፡ እስራኤላውያን ከምቲ ትእዛዝ የሆዋ፡ ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚአንን መጓሰዪታተንን ንሌዋውያን ሃብዎም።+
4 ንዓሌታት ቀሃታውያን+ ዕጫ ወጸሎም፣ ነቶም ሌዋውያን ዝዀኑ ደቂ ኻህን ኣሮን ድማ፡ ካብ ነገድ ይሁዳን+ ካብ ነገድ ስምኦንን+ ካብ ነገድ ብንያምን+ 13 ኸተማ ብዕጫ ተዋህባኦም።
5 ነቶም ዝተረፉ ቀሃታውያን ከኣ፡ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን+ ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን+ ዓሰርተ ኸተማ ብዕጫ ተዋህባኦም።
6 ንጌርሾናውያን+ ድማ፡ ካብ ዓሌታት ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳንን 13 ኸተማ ብዕጫ ተዋህባኦም።+
7 ንመራራውያን+ በብዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን 12 ኸተማ ተዋህባኦም።+
8 በዚ ኸምዚ፡ እስራኤላውያን ንሌዋውያን፡ ከምቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ፡ እዘን ከተማታት እዚአንን መጓሰዪታተንን ብዕጫ ሃብዎም።+
9 ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦንን ከኣ፡ እዘን ብስም እተረቝሓ ኸተማታት ሃቡ፣+ 10 እቶም ካብ ደቂ ሌዊ፡ ካብ ቀሃታውያን ዝዀኑ ደቂ ኣሮን ቀዳማይ ዕጫ ናታቶም ስለ ዝነበረ ድማ፡ ንዓታቶም ተዋህባ። 11 ኣብ ኣኽራን ይሁዳ ኸኣ ቂርያት-ኣርባዕን+ (ኣርባዕ ኣቦ ዓናቅ እዩ)፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡+ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ መጓሰዪታታን ሃብዎም። 12 ግራውቲ እታ ኸተማን ሰፈራታን ግና ንካሌብ ወዲ የፉነ ርስቱ ገይሮም ሃብዎ።+
13 ንደቂ ኣሮን ከኣ እታ ሰብ ንዝቐተለ እትኸውን ከተማ ዕቝባ፡+ ማለት ኬብሮን+ ምስ መጓሰዪታታ ሃብዎም፣ ከምኡ ድማ ሊብና+ ምስ መጓሰዪታታን 14 ያቲር+ ምስ መጓሰዪታታን ኤሽትሞዓ+ ምስ መጓሰዪታታን 15 ሖሎን+ ምስ መጓሰዪታታን ደቢር+ ምስ መጓሰዪታታን 16 ዓዪን+ ምስ መጓሰዪታታን ዩጣ+ ምስ መጓሰዪታታን ቤት-ሸመሽ ምስ መጓሰዪታታን—ካብዞም ክልተ ነገዳት እዚኦም ትሽዓተ ኸተማ።
17 ካብ ነገድ ብንያም ከኣ፡ ጊብዖን+ ምስ መጓሰዪታታን ጌባዕ ምስ መጓሰዪታታን+ 18 ዓናቶት+ ምስ መጓሰዪታታን ዓልሞን ምስ መጓሰዪታታን—ኣርባዕተ ኸተማ።
19 ኵለን ከተማታት እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን 13 ኸተማ መምስ መጓሰዪታተን።+
20 ነቶም ኣብ መንጎ ሌዋውያን ዝተረፉ ዓሌታት ቀሃታውያን ድማ፡ ካብ ነገድ ኤፍሬም ከተማታት ብዕጫ ተዋህባኦም። 21 ሰብ ንዝቐተለ እትኸውን ከተማ ዕቝባ፡+ ማለት እታ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዘላ ሴኬም+ ምስ መጓሰዪታታ ሃብዎም፣ ከምኡ ድማ ጌዘር+ ምስ መጓሰዪታታን 22 ቂብጻይም ምስ መጓሰዪታታን ቤት-ሖሮን+ ምስ መጓሰዪታታን—ኣርባዕተ ኸተማ።
23 ካብ ነገድ ዳን ከኣ ኤልትቄ ምስ መጓሰዪታታን ጊብቶን ምስ መጓሰዪታታን 24 ኣያሎን+ ምስ መጓሰዪታታን ጋት-ሪሞን ምስ መጓሰዪታታን—ኣርባዕተ ኸተማ።
25 ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ድማ፡ ታዓናክ+ ምስ መጓሰዪታታን ጋት-ሪሞን ምስ መጓሰዪታታን—ክልተ ኸተማ።
26 እተን ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ቀሃታውያን እተዋህባ ዅለን ከተማታት መምስ መጓሰዪታተን ዓሰርተ እየን።
27 ነቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ዝዀኑ ጌርሾናውያን+ እተዋህባ ኸኣ፡ ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ፡ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ሰብ ንዝቐተለ እትኸውን ከተማ ዕቝባ፡ ማለት ጎላን+ ምስ መጓሰዪታታን ቤዔሽትራ ምስ መጓሰዪታታን—ክልተ ኸተማ።
28 ካብ ነገድ ይሳኮር ከኣ፡+ ቂሽዮን ምስ መጓሰዪታታን ዳብራት+ ምስ መጓሰዪታታን 29 ያርሙት ምስ መጓሰዪታታን ዔን-ጋኒም ምስ መጓሰዪታታን—ኣርባዕተ ኸተማ።
30 ካብ ነገድ ኣሴር ድማ፡+ ሚሽኣል ምስ መጓሰዪታታን ዓብዶን ምስ መጓሰዪታታን 31 ሔልቃት+ ምስ መጓሰዪታታን ሬሖብ+ ምስ መጓሰዪታታን—ኣርባዕተ ኸተማ።
32 ካብ ነገድ ንፍታሌም ከኣ፡ እታ ኣብ ገሊላ ዘላ ሰብ ንዝቐተለ እትኸውን ከተማ ዕቝባ፡+ ማለት ቀደሽ+ ምስ መጓሰዪታታን ሓሞት-ዶር ምስ መጓሰዪታታን ቃርታን ምስ መጓሰዪታታን—ሰለስተ ኸተማ።
33 ኵለን ከተማታት ጌርሾናውያን በብዓሌቶም 13 ኸተማ መምስ መጓሰዪታተን እየን።
34 ነቶም ካብ ዝተረፉ ሌዋውያን ዝዀኑ ዓሌታት መራራውያን+ እተዋህባኦም ድማ፡ ካብ ነገድ ዛብሎን፡+ ዮቅነዓም+ ምስ መጓሰዪታታን ቃርታ ምስ መጓሰዪታታን 35 ዲምና ምስ መጓሰዪታታን ናሃላል+ ምስ መጓሰዪታታን—ኣርባዕተ ኸተማ።
36 ካብ ነገድ ሮቤል ከኣ፡ ቤጸር+ ምስ መጓሰዪታታን ያሃጽ ምስ መጓሰዪታታን+ 37 ቀደሞት ምስ መጓሰዪታታን ሜፋዓት ምስ መጓሰዪታታን—ኣርባዕተ ኸተማ።
38 ካብ ነገድ ጋድ ድማ፡+ እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ሰብ ንዝቐተለ እትኸውን ከተማ ዕቝባ፡ ማለት ራሞት+ ምስ መጓሰዪታታን ማሓናዪም+ ምስ መጓሰዪታታን 39 ሔስቦን+ ምስ መጓሰዪታታን ያዕዜር+ ምስ መጓሰዪታታን—ብድምር ኣርባዕተ ኸተማ።
40 ኵለን እተን ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ሌዋውያን ዝዀኑ መራራውያን በብዓሌቶም እተዋህባ ኸተማታት፡ 12 ኸተማ እየን።
41 ኵለን እተን ኣብ ማእከል ርስቲ እስራኤላውያን ዘለዋ ኸተማታት ሌዋውያን፡ 48 ከተማ መምስ መጓሰዪታተን እየን።+ 42 እዘን ከተማታት እዚአን ኣብ ዘዙርያአን መጓሰዪታት ኣለወን፣ ኵለን እዘን ከተማታት እዚአን ከምኡ እየን።
43 የሆዋ ኸኣ ኵላ እታ ንኣቦታቶም ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ንእስራኤል ሃቦ፣+ ንሳቶም ከኣ ተረስተይዋን ተቐመጥዋን።+ 44 የሆዋ ድማ ከም ኵሉ እቲ ንኣቦታቶም ዝመሓለሎም፡ ኣብ ኵሉ ዙርያኦም ኣዕረፎም፣+ ካብ ኵሎም ጸላእቶም ከኣ ሓደ እኳ ኺቃወሞም ኣይከኣለን።+ የሆዋ፡ ኵሎም ጸላእቶም ኣብ ኢዶም ሃቦም።+ 45 ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ንቤት እስራኤል ዘተስፈዎ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ተስፋ* እኳ ኣይወደቐን፣ ኵሉ ደኣ ተፈጸመ።+