መጽናዕቲ ቝጽሪ 3-ንፍጻመታት ብመስርዕ ግዜ ምቕማር
ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ ግዜ ዚገልጽ ጸብጻብን መስርዕ ናይቲ ኣብ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ጕሉሕ ፍጻመታትን
መልኣኽ የሆዋ ንዳንኤል ብዛዕባ እቲ ‘ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን’ ራእይ ኬርእዮ ኸሎ: እታ “ምድብቲ ዘመን” ወይ እቲ “ምዱብ ግዜ” ዚብል መግለጺ ብተደጋጋሚ ተጠቒሙ ኣሎ። (ዳን. 11:6, 27, 29, 35) የሆዋ ብትኽክል ግዜ ሓልዩ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ዕላማኡ ዚፍጽም ምዃኑ ዚሕብር ብዙሕ ካልእ ጥቕስታት እውን ኣሎ። (ሉቃ. 21:24፣ 1 ተሰ. 5:1, 2) ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መስርዕ ግዜ ኣገዳሲ ፍጻመታት ንኸነቐምጥ ዜኽእለና ሓያሎ መሐበሪታት ንረክብ ኢና። እቲ ኣብ መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምርዳእ እናሰፍሐ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ተመራመርቲ ስነ-ጥንትን ካልኦትን ዚገብርዎ ምርምር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣገዳሲ ፍጻመታት መዓስ ምዃኑ ንኽንፈልጥ ስለ ዚሕግዝ: ንእተፈላለየ ጸገማት ፍታሕ ኣምጺኡ እዩ።—ምሳ. 4:18
2 ተርታዊ ቝጽርን ምሉእ ቍጽርን። ኣብ ዝሓለፈ መጽናዕቲ (ኣብ ቍጽሪ 24ን 25ን) ኣብ መንጎ ምሉእ ቍጽርን (1: 2: ወዘተ) ተርታዊ ቝጽርን (1ይ: 2ይ: ወዘተ) ፍልልይ ከም ዘሎ ተማሂርና ኢና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍጻመታት ብመሰረት እዚ ዘመናዊ ኣቈጻጽራ መዓስ ከም እተፈጸመ ዕለቱ ኽንውስን ከለና ነዚ ኣብ ግምት ከነእቱ ይግባእ። ንኣብነት: “ዮኣኪን ንጉስ ይሁዳ: ካብ ዚማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመት” ኪበሃል ከሎ: እተን “መበል ሰላሳን ሾብዓተን” ዚብላ ቓላት ተርታዊ ቝጽሪ ምዃንን እየን ዜመልክታ። ሰላሳን ሽዱሽተን ምሉእ ዓመታት እተደመሮ መዓልትታት: ሰሙናት: ወይ ኣዋርሕ (ካብቲ መወዳእታ መበል 36 ዓመት ኣትሒዙ ዝሓለፈ መጠን ግዜ) ዜጠቓልል እዩ።—ኤር. 52:31
3 ዓመታት ንግስነትን ናብ ስልጣን እተደየበለን ዓመታትን። መጽሓፍ ቅዱስ መዝገብ መንግስታት ይሁዳን እስራኤልን ከምኡውን ጕዳያት መንግስታት ባቢሎንን ፋርስን ጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ኣርባዕቲኡ መንግስታት ዘጋጠመ መስርዕ ፍጻመታት ብመሰረት ንግስነት እቶም ነገስታት ብልክዕ ተመዝጊቡ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ነዚ ኣገባብ እዚ እዩ ስዒቡ። መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ኻብቲ ሓሳባት ዝወሰደሉ ሰነድ ይጠቅስ እዩ። ንኣብነት: “ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ሰሎሞን” ዚብል ንረክብ ኢና። (1 ነገ. 11:41) ንግስነት ሓደ ንጉስ እተወሰነ ኽፋል እታ ናብ ስልጣን ዝደየበላ ዓመትን ድሕሪኡ ዚርከብ ምሉእ ዓመታት ንግስነቱን የጠቓልል። ናይ ሓደ ንጉስ ዓመታት ንግስነት ኣብ ንግስነቱ ዝጸንሓሉ ወግዓዊ ዓመታት ኰይኑ: ካብ ኒሳን ናብ ኒሳን ማለት ካብ ጽድያ ናብ ጽድያ ይቝጸር ነበረ። ሓደ ንጉስ ኣብ ዝፋን ምስ ደየበ: ክሳዕ እታ እትቕጽል ወርሒ ኒሳን ዘሎ እዋን ናብ ስልጣን ዝደየበላ ዓመት ትበሃል። ኣብቲ ግዜ እቲ ንንግስነት እቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ንጉስ እዩ ዚፍጽም። ወግዓዊ ዓመት ንግስነቱ ግን ካብ 1 ኒሳን ኣትሒዝካ እያ እትቝጸር።
4 ንኣብነት: ሰሎሞን ኪገዝእ ዝጀመረ ዳዊት ገና ብህይወት ከሎ ቕድሚ ኒሳን 1037 ቅ.ኣ.ዘ. እዩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ዳዊት ሞተ። (1 ነገ. 1:39, 40፣ 2:10) እታ ናይ መወዳእታ ዓመት ንግስነት ዳዊት ግን ክሳዕ ጽድያ 1037 ቅ.ኣ.ዘ. እትቕጽል ኰይና: ከም መበል 40 ዓመት መግዛእቱ እያ እትቝጸር። ካብታ ሰሎሞን ዝነገሰላ እዋን ክሳዕ ጽድያ 1037 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረት ክፋል ዓመት: ሰሎሞን ናብ ስልጣን ዝደየበላ ዓመት ክትበሃል ከላ: ናይ ኣቦኡ ምምሕዳር ይዛዝም ብምንባሩ ዓመት ንግስነት ኰይና ኣይትቝጸረሉን እያ። ስለዚ: ክሳዕ ኒሳን 1037 ቅ.ኣ.ዘ. ሰሎሞን ናይ መጀመርታ ምሉእ ዓመት ንግስነቱ ኣይጀመረን። (1 ነገ. 2:12) ድሕሪ ግዜ ሰሎሞን 40 ምሉኣት ዓመታት ንግስነት ከም ዝገዝአ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ነገ. 11:42) ዓመታት ንግስነትን ናብ ስልጣን እተደየበለን ዓመታትን ፈላሊና ብምሓዝ: መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ክንቅምሮ ንኽእል ኢና።a
ንድሕሪት ናብቲ ኣዳም እተፈጥረሉ እዋን ምቝጻር
5 ካብ መበገሲ ዕለት ምጅማር። ንድሕሪት ናብቲ ኣዳም እተፈጥረሉ እዋን ንምቝጻር ከም መበገሲ ዀይና እተገልግለና ዕለት: ቂሮስ ንስርወ-ንግስነት ባቢሎን ዝገልበጠሉ 539 ቅ.ኣ.ዘ. እያ።b ቂሮስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ: ማለት ቅድሚ ጽድያ 537 ቅ.ኣ.ዘ. ኣይሁድ ሓራ ኸም ዚወጹ ኣወጀ። እዝራ 3:1 ደቂ እስራኤል ኣብታ ቲሽሪ እትበሃል እተወሰነ ኽፋል መስከረምን ጥቅምትን ዝሓዘት ሻውዐይቲ ወርሒ ናብ የሩሳሌም ከም እተመልሱ ትገልጽ። ስለዚ: ቀውዒ 537 ቅ.ኣ.ዘ. ኣምልኾ የሆዋ ኣብ የሩሳሌም ከም ብሓድሽ ዝቘመላ ዕለት ጌርና ኢና እንወስዳ።
6 ኣብ ቀውዒ 537 ቅ.ኣ.ዘ. ኣምልኾ የሆዋ ኸም ብሓድሽ ኪቐውም ከሎ: መወዳእታ ናይ ሓደ ብትንቢት እተነግረ እዋን እዩ። እዚ እዋን እዚ እንታይ እዩ፧ እታ ምድሪ ተስፋ ን“ሰብዓ ዓመት” “ክትባድምን ክትዖኑን” ነበራ፣ ብዛዕባዚ ድማ የሆዋ “ንባቢሎን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ: ክዝክረኩም እየ እሞ: ናብ እዛ ስፍራ እዚኣ ኸም እትምለሱ ገይረ ነቲ ጽቡቕ ቃለይ ክፍጽመልኩም እየ” በለ። (ኤር. 25:11, 12፣ 29:10) እቲ ነዚ ትንቢት እዚ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ ዝነበረ ዳንኤል: እተን “ሰብዓ ዓመት” ኪፍጸማ ምስ ቀረባ: ስጕምቲ ወሰደ። (ዳን. 9:1-3) እተን ኣብ ቀውዒ 537 ቅ.ኣ.ዘ. ዜብቅዓ “ሰብዓ ዓመት:” ኣብ ቀውዒ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚረን ኪዀና ኣለወን። እዚ ብመርትዖ እተደገፈ እዩ። ኤርምያስ ምዕራፍ 52 ነቲ የሩሳሌም እተኸበትሉ: ባቢሎናውያን ጥሒሶም ዝኣተዉሉ: ከምኡውን ንንጉስ ጼድቅያስ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝሓዙሉ ኣገዳሲ ፍጻመታት ትገልጾ እያ። ድሕሪኡ ኣብ ቍጽሪ 12 “ኣብታ ሓምሰይቲ ወርሒ: ኣብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ:” እዚ ድማ ኣብታ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣቭ (እተወሰነ ኽፋል ሓምለን ነሓሰን እተጠቓልል) እቶም ባቢሎናውያን ነታ ኸተማን ንቤተ መቕደሳን ብሓዊ ኣንደድዋ። ይኹን እምበር: እተን “ሰብዓ ዓመት” ካብዚ ግዜ እዚ ኣይጀመራን። እቲ ንጉስ ባቢሎን ነቶም ተቐማጦ ኣይሁድ ኬመሓድር ዚሸሞ ገዳልያ እተወሰነ ሉዓላውነት ኣይሁድ ሒዙ ይቕጽል ነበረ። “በታ ሳብዐይቲ ወርሒ” ግን ገዳልያን እተወሰኑ ኻልኦትን ተቐትሉ: እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ ድማ ስለ ዚፈርሁ ናብ ግብጺ ሃደሙ። እምበኣር: ካብ 1 ጥቅምቲ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ እዩ “እተን ሰብዓ ዓመት ክሳዕ ዚመልኣ” እታ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ “ባዲማ” ኺበሃል ዚከኣል።—2 ነገ. 25:22-26፣ 2 ዜና 36:20, 21
7 ካብ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ 997 ቅ.ኣ.ዘ.። ካብ ውድቀት የሩሳሌም ክሳዕ እቲ ድሕሪ ሞት ሰሎሞን ዘጋጠመ ምምቃል እታ መንግስቲ ክትቅምሮ ብዙሕ እዩ ዜሸግር። ይኹን እምበር: ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ነገስት ዚርከብ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ዚገዝኡሉ እዋን ምስ እነወዳድሮ: እዚ እዋን እዚ 390 ዓመት ንውሓት ከም ዘለዎ ይሕብረና። ሓደ ኻብቲ እዚ ልክዕ ምዃኑ ዜረጋግጸልና ሓያል መርትዖ እቲ ኣብ ህዝቅኤል 4:1-13 ዚርከብ ትንቢት እዩ። እዚ ትንቢት እዚ ነቲ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ የሩሳሌም እትኽበበሉን ተቐማጦኣ በህዛብ ዚማረኹሉን እዋን እዩ ዜመልክት። ስለዚ: እቲ ንይሁዳ ብዚምልከት እተዘርበ 40 ዓመት: የሩሳሌም ምስ ባደመት ኣብቅዐ። እቲ ንእስራኤል ዚምልከት 390 ዓመት ግን ሰማርያ ምስ ተደምሰሰት ኣይኰነን ኣብቂዑ። ከመይሲ: ኣብቲ ህዝቅኤል ነዚ እተነበየሉ እዋን ሰማርያ ድሮ ተደምሲሳ እያ ነይራ: እቲ ትንቢት እውን ብንጹር ንምኽባብን ምድምሳስን የሩሳሌም እዩ ዜመልክት። እምበኣር: እቲ “ኣበሳ ቤት እስራኤል” እውን ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. እዩ ኣብቂዑ። ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዝና እንተ ቘጺርና: እተን 390 ዓመት ኣብ 997 ቅ.ኣ.ዘ. እየን ዚጅምራ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ድሕሪ ሞት ሰሎሞን: የሮብዓም ካብ ቤት ዳዊት ተፈልየ: “ንእስራኤል ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ኣርሐቖም: ዓብዪ ሓጢኣትውን ኣሕጥኦም።”—2 ነገ. 17:21
8 ካብ 997 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ 1513 ቅ.ኣ.ዘ.። እተን 40 ምሉኣት ዓመታት ንግስነት ሰሎሞን: ኣብ ጽድያ 997 ቅ.ኣ.ዘ. ስለ ዜብቅዓ: እታ ናይ መጀመርታ ዓመት ንግስነቱ ኣብ ጽድያ 1037 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚራ ኽትከውን ኣለዋ። (1 ነገ. 11:42) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ነገስት 6:1 ሰሎሞን ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት የሆዋ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንግስነቱ: ኣብ ካልኣይ ወርሒ ኺሰርሓ ኸም ዝጀመረ ይነግረና። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ንግስነቱ ሰለስተ ምሉኣት ዓመታትን ሓደ ምሉእ ወርሕን ሓሊፉ ነይሩ ማለት እዩ። እዚ ድማ እታ ቤተ መቕደስ ኣብ ሚያዝያ-ግንቦት 1034 ቅ.ኣ.ዘ. ክትህነጽ ተጀሚራ ማለት እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ግን እዛ ጥቕሲ እዚኣ እቲ እዋን እቲ “በታ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መበል ኣርባዕተ ሚእትን ሰማንያን ዓመት” ምዃኑ እውን ትነግረና። ኣብዚውን መበል 480 ዓመት ኪበሃል ከሎ ተርታዊ ቝጽሪ ስለ ዝዀነ: 479 ምሉእ ዓመት ከም ዝሓለፈ እዩ ዚሕብር። ስለዚ: 479 እተደመሮ 1034: ኣብታ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዝወጹላ 1513 ቅ.ኣ.ዘ. የብጽሓና። መጽናዕቲ 2: ቍጽሪ 19 ካብ 1513 ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ወርሒ ኣቢብ (ኒሳን) “መጀመርታ ኣዋርሕ ዓመት” ክትኰነሎም ንእስራኤላውያን ከም እተነግሮም: (ዘጸ. 12:2) ኣቐድም ኣቢሉ ግን መጀመርታ ዓመት ካብ ቀውዒ ማለት ካብ ወርሒ ቲሽሪ ይጅምር ምንባሩ ትገልጽ። ዘ ኒው ሻፍ-ሄርዞግ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጀስ ነውለጅ: 1957: መበል 12 ጥራዝ: ኣብ ገጽ 474 “እተን ካብ ጽድያ ኣትሒዙ ብዚጅምር ዓመት ዚቝጸራ ዓመታት ንግስነት: ምስቲ ባቢሎናውያን ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ኣቈጻጽራ ሕደ እዩ” በለ። ኣብ መስርዕ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ መጀመርታ ዓመት ካብ ቀውዒ ኺቈጽር ጸኒሑ ናብ ጽድያ ኪቕየር ከሎ: ኣብ ኣቈጻጽራ ግዜ ሽዱሽተ ወርሒ ይጠፍእ ወይ ይውስኽ።
9 ካብ 1513 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ 1943 ቅ.ኣ.ዘ.። ሙሴ ኣብ ዘጸኣት 12:40, 41 (NW) “እቶም ኣብ ግብጺ ተቐሚጦም ዝነበሩ ደቂ እስራኤል እተቐመጡሉ እዋን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት እዩ” በለ። ካብዚ ቓላት እዚ ዅሉ እቲ “እተቐመጡሉ እዋን” ኣብ ግብጺ ዘይምንባሩ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። እቲ እዋን እቲ ኣብርሃም ናብ ከነኣን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኤፍራጥስ ኪሰግር ከሎ እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዩ የሆዋ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን ዝጸንዐ። ካብቲ “እተቐመጡሉ እዋን” ተባሂሉ ዘሎ እተን ቀዳሞት 215 ዓመት ኣብ ከነኣን ዝሓለፋ ኪዀና ኸለዋ: እተን ቀጺለን ዝሰዓባ 215 ዓመት ድማ እስራኤላውያን ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ካብ መግዛእቲ ግብጻውያን ምሉእ ብምሉእ ሓራ ኽሳዕ ዝወጹሉ እዋን ኣብ ግብጺ ዜሕለፍወን እየን።c ኣብ ዘጸኣት 12:40 እቲ ቕድሚ ናይ ማሶራውያን ጽሑፋት እብራይስጢ ዝነበረ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ደድሕሪ እታ “ግብጺ” እትብል ቃል “ከምኡውን ኣብ ምድሪ ከነኣን” ዚብል ቃላት ከም ዚርከቦ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣብ እግረ-ጽሑፍ ይሕብር። እቲ ናይ ሳምራውያን ፔንታትዩክ እውን ተመሳሳሊ ቓላት ኣለዎ። እታ ነተን 430 ዓመት እትጠቕሰን ገላትያ 3:17: እዚ ግዜ እዚ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን ካብ ዝጸንዓሉ: ማለት ኣብርሃም ናብ ከነኣን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ንኤፍራጥስ ካብ ዝሰገረሉ እዋን ከም እትጅምር ተረጋግጽ። እዚ እምበኣር ኣብርሃም ወዲ 75 ዓመት ከሎ ብ1943 ቅ.ኣ.ዘ. እዩ ተፈጺሙ።—ዘፍ. 12:4
10 ነዚ ሕሳብ እዚ ዚድግፍ ካልእ መርትዖ: ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 7:6 ዚርከብ ኰይኑ: ኣብኡ ንዘርኢ ኣብርሃም ን400 ዓመት ከም ዜጽብቡሉ ተገሊጹ ኣሎ። የሆዋ ነቲ ግብጻውያን ዜጽብቡሎም ዝነበሩ ጸበባ ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ስለ ዘልገሶ: እቲ ጸበባ ብ1913 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ይስሃቅ ካብ ዚውለድ ሓሙሽተ ዓመት ጸኒሑ ጡብ ምስ ሓደገ: እስማኤል ‘ዘላገጸሉ’ እዋን እዩ።—ዘፍ. 15:13፣ 21:8, 9
11 ካብ 1943 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ 2370 ቅ.ኣ.ዘ.። ኣብርሃም ብ1943 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ ምድሪ ከነኣን ኪኣቱ ኸሎ: ወዲ 75 ዓመት ምንባሩ ርኢና ኢና። ካብዚ ንንየው ብመስርዕ ግዜ ኣቢልና ናብ ግዜ ኖህ ክንቈጽር ንኽእል ኢና። ነዚ ድማ ነቲ ኻብ ዘፍጥረት 11:10 ክሳዕ 12:4 ተገሊጹልና ዘሎ እዋናት ተጠቒምና ኢና እንቘጽሮ። እቲ ቕመራ ብድምር 427 ዓመት ዚህበና ዀይኑ: ከምዚ ዚስዕብ ይመስል:-
ካብ መጀመርታ ማይ ኣይሂ
ክሳዕ እቲ ኣርፋክሳድ እተወልደሉ 2 ዓመት
ክሳዕ እቲ ሸላሕ እተወልደሉ 35 “
ክሳዕ እቲ ዔበር እተወልደሉ 30 “
ክሳዕ እቲ ፌሌግ እተወልደሉ 34 “
ክሳዕ እቲ ረጉ እተወልደሉ 30 “
ክሳዕ እቲ ሴሩግ እተወልደሉ 32 “
ክሳዕ እቲ ናሆር እተወልደሉ 30 “
ክሳዕ እቲ ታራ እተወልደሉ 29 “
ክሳዕ እቲ ታራ ዝሞተሉ: ማለት ክሳዕ እቲ
ኣብርሃም ወዲ 75 ዓመት ዝነበረሉ 205 “
ድምር 427 ዓመት
ኣብ 1943 ቅ.ኣ.ዘ. 427 ዓመት ምስ እንድምር ናብ 2370 ቅ.ኣ.ዘ. የብጽሓና። ስለዚ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ናይ ግዜ ሰሌዳ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ብ2370 ቅ.ኣ.ዘ. ከም ዝጀመረ እዩ ዚሕብረና።
12 ካብ 2370 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ 4026 ቅ.ኣ.ዘ.። ካብዚውን መስርዕ ግዜ ተኸቲልና ንድሕሪት ምስ እንቘጽር: መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ማይ ኣይሂ ዝዘነመሉ እዋን ክሳዕ እቲ ኣዳም እተፈጥረሉ እዋን ዘሎ ንውሓት ይነግረና። ነዚ ድማ በቲ ኣብ ዘፍጥረት 5:3-29 ከምኡውን 7:6, 11 ዘሎ ሓሳባት ጌርና ኽንጽብጽቦ ንኽእል ኢና። ነቲ ግዜ ብኸመይ ከም እንቕምሮ ቐጺሉ እንሆ:-
ካብቲ ኣዳም እተፈጥረሉ
ክሳዕ እቲ ሴት እተወልደሉ 130 ዓመት
ክሳዕ እቲ ሄኖስ እተወልደሉ 105 “
ክሳዕ እቲ ቃይናን እተወልደሉ 90 “
ክሳዕ እቲ መሃላልኤል እተወልደሉ 70 “
ክሳዕ እቲ ያሬድ እተወልደሉ 65 “
ክሳዕ እቲ ሄኖክ እተወልደሉ 162 “
ክሳዕ እቲ ማቱሳላ እተወልደሉ 65 “
ክሳዕ እቲ ላሜክ እተወልደሉ 187 “
ክሳዕ እቲ ኖህ እተወልደሉ 182 “
ክሳዕ ማይ ኣይሂ 600 “
ድምር 1,656 ዓመት
ኣብታ ኣቐዲምና ዝረኸብናያ 2370 ቅ.ኣ.ዘ. 1,656 ዓመት ምስ እንድምር: ኣብቲ ኣዳም እተፈጥረሉ 4026 ቅ.ኣ.ዘ. ኢና እንበጽሕ። መብዛሕትኡ ናይ ጥንቲ ዓውደ-ኣዋርሕ ካብ ቀውዒ ስለ ዚጅምር ምናልባት ኣብ ቀውዒ እዩ ተፈጢሩ ኪኸውን ዚኽእል።
13 እዚ ንዓና እንታይ ኣገዳስነት እዩ ዘለዎ፧ እቲ ብ1963 ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ቀዳማይ ሕታም እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኸምዚ ይብል:- “ከምዚ ኺበሃል ከሎ ኣብ 1963 ካብታ የሆዋ ‘ኻብ ግብሩ ዝዓረፈላ መዓልቲ’ 5,988 ዓመት ሓሊፉ ማለት ድዩ፧ (ዘፍ. 2:3) ኣይፋልን: እታ የሆዋ ኺዓርፈላ ዝጀመረት መዓልቲ ኻብታ ኣዳም እተፈጥረላ እዋን ኣይኰነትን እትጅምር። የሆዋ ንኣዳም ድሕሪ ምፍጣሩ: እታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ፍጥረት ገና ኸየብቅዐት ከላ: ተወሳኺ እንስሳታትን ኣዕዋፍን ዝፈጠረ እዩ ዚመስል። ብተወሳኺ: ነተን እንስሳታት ስም ምእንቲ ኼውጽኣለን ናብ ኣዳም ኣምጺኡወን እዩ: እዚውን ግዜ ዚወስድ ነበረ። ድሕሪኡውን ንሄዋን ፈጠራ። (ዘፍ. 2:18-22፣ ናይ 1953 ሕታም NW ኣብ እግረ-ጽሑፍ ናይ ቍ. 19 እውን ርአ።) እታ ‘ሳብዐይቲ መዓልቲ’ ኻብ ዝጀመረትላ ግዜ ኽሳዕ [1963] ዝሓለፈ እዋን ብልክዕ ንምፍላጥ: ካብታ ኣዳም እተፈጥረላ እዋን ክሳዕ እታ መወዳእታ ‘ሳድሰይቲ መዓልቲ’ ዝሓለፈ ግዜ: ካብ 5,988 ዓመት ኪጐድል ኣለዎ። ኣብ መስርዕ ግዜ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት ንምግማት መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም ጽቡቕ ኣይኰነን።—ማቴ. 24:36”d
14 ሰብ ኣብ ምድሪ በማእታት ኣሽሓት ወይ ብሚልዮናት ንዚቝጸር ዓመታት ኪነብር ጸኒሑ እዩ ዚብል ስነ-ፍልጠታዊ ሓሳባት ግን ቅኑዕ ድዩ፧ ዋላ ሓደ ኻብዚ ዚበሃል ነገራት ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ፍጻመታት ብጽሑፍ እተደገፈ መርትዖ የብሉን። እቲ “ቅድመ-ታሪኽ ንዝነበረ ሰብ” ዚወሃብ ዕለት: መርትዖ ኣብ ዘይብሉ ግምታት እተመርኰሰ እዩ። ዜተኣማምን ታሪኽ ወድሰብ ምስ መስርዕ ፍጻመታቱ ንድሕሪት ሒደት ኣሽሓት ዓመታት ጥራይ እዩ ኺወስደና ዚኽእል። ኣብ ምድሪ ኸም እኒ ንምሉእ ዓለም ዘጥለቕለቐ ማይ ኣይሂ ዝኣመሰለ ብዙሕ ለውጥታትን ነውጽን ብምግጣሙ እሞ ንቐጸላ ኣኻውሕ ኰነ ኣሰረ-ህይወት ኣመና ስለ ዝረበሾ: ቅድሚ ማይ ኣይሂ ብዛዕባ ዘሎ ዕለታት ዚወሃብ ስነ-ፍልጠታዊ ሓሳባት ብዝያዳ ኣብ ግምት ከም ዚምርኰስ ገይርዎ እዩ።e መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምቲ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሓሳባት ደቅሰብ ዘይኰነስ: እቲ ብዛዕባ መበቈል ወድሰብ ዚገልጽ ጸብጻባቱ ንጹርን ንሓድሕዱ ዚሰማማዕን ኪኸውን ከሎ: ታሪኽ እቶም የሆዋ ዝመረጾም ህዝቡ ድማ ብጥንቃቐ እተሰነደ ብምዃኑ ዚወሓጠልካ እዩ።
15 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባቲ ግዜ ብምሕላው ዝመጸ ዓብዪ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እንገብሮ ምርምርን ኣዚና ደቀቕቲ ፍጥረት ምዃንና ኺምህረና ኣለዎ። መዋቲ ሰብ ምስቲ ቕድሚ ማእለያ ዘይብሉ መዋእላት ዜደንቕ ፍጥረታት ዝፈጠረ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ ብቐሊሉ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” እተባህለሉ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪወዳደር ከሎ ብሓቂ ደቂቕ ፍጥረት እዩ።—ዘፍ. 1:1
የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ እዋን
16 እቲ ብዛዕባ ምድራዊ ህይወት የሱስ ዚገልጽ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ኣርባዕተ ጽሑፋት በዚ ዚስዕብ መስርዕ እዩ ተጻሒፉ:- ማቴዎስ (ከ. 41 ከ.ኣ.ዘ.): ሉቃስ (ከ. 56-58 ከ.ኣ.ዘ.): ማርቆስ (ከ. 60-65 ከ.ኣ.ዘ.): ዮሃንስ (ከ. 98 ከ.ኣ.ዘ.)። ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዝነበረት ምዕራፍ ከም እተገልጸ: ነቲ ኣብ ሉቃስ 3:1-3 ዚርከብ ሓበሬታ ምስቲ ቄሳር ጢቤርዮስ ብ14 ከ.ኣ.ዘ. ንግስነቱ ዝጀመረሉ እዋን ብምድማር: ኣብቲ የሱስ ዜደንቕ ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉ ግዜ 29 ከ.ኣ.ዘ. ንበጽሕ። ኣብ ማቴዎስ ተገሊጹ ዘሎ ፍጻመታት ኵሉ ሳዕ ብቕደም ተኸተል እኳ እንተ ዘይተገልጸ: ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት እተን ዝተረፋ ሰለስተ መጻሕፍቲ ነቲ ፍጻመታት ብመስርዕ ገይረን ዘቕረባኦ እዩ ዚመስል። እዚ ኣብዚ ዚስዕብ ሰሌዳ ቐሪቡ ኣሎ። እቲ ሰለስቲአን ወንጌላት ተጻሒፈን ካብ እተወድኣሉ ዕለት ልዕሊ 30 ዓመት ጸኒሑ እተጻሕፈ ዮሃንስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ: ብኻልኦት ዘይተሸፈነ ኣገዳሲ ሃጓፋት ከም ዚዓብስ ከነስተብህለሉ ይግባእ። ብፍላይ ዮሃንስ ነቲ የሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፎ ኣርባዕተ ፋስጋ ምጥቃሱ: እቲ የሱስ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ኣብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ከም ዘብቅዐ እዩ ዜረጋግጸልና።f—ዮሃንስ 2:13፣ 5:1፣ 6:4፣ 12:1፣ 13:1
17 የሱስ ኣብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ሙማቱ ብኻልእ መርትዖታት እውን ይረጋገጽ እዩ። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ 15 ኒሳን ኣብ ዝዀነት መዓልቲ ትውዓል ብዘየገድስ ፍልይቲ በዓል ሰንበት ጌርካ እያ ትውሰድ ነይራ። ምስታ ተራ ናይ ኣይሁድ ሰንበት (በቈጻጽራና ቀዳም ማለት እዩ) ኣብ ሓደ መዓልቲ እንተ ውዒላ ግን እታ መዓልቲ “ኽብርቲ” ሰንበት ትኸውን። ዮሃንስ 19:31 ድማ የሱስ ኣብ ድሮ እታ ከምዚኣ ዝዓይነታ ሰንበት ከም ዝሞተ ስለ እትገልጽ: ዓርቢ እዩ ሞይቱ ማለት እዩ። 14 ኒሳን ዓርቢ መዓልቲ ዝወዓለት ከኣ ኣብ 31 ወይ 32 ከ.ኣ.ዘ. ዘይኰነስ ኣብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ጥራይ እዩ። ስለዚ: የሱስ ኣብ 14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. እዩ ሞይቱ ክኸውን ዘለዎ።g
18 እታ 29-36 ከ.ኣ.ዘ. እትሽፍን መበል 70 “ሰሙን”። የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዛዕባ ዘሕልፎ ግዜ ብዚምልከት: “እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህ” 69 ናይ ዓመት ሰሙን (483 ዓመት) ከም ዝዀነ ኣብ ዳንኤል 9:24-27 ተገሊጹ ነይሩ። ብመሰረት ነህምያ 2:1-8 እዚ ቓል እዚ “ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ” ናይቲ ናይ ፋርስ ንጉስ ዝነበረ “ንጉስ ኣርታሕሻስታ” እዩ ወጺኡ። ኣርታሕሻስታ መዓስ እዩ ንግስነቱ ዝጀመረ፧ ቅድሚኡ ዚገዝእ ዝነበረ ኣቦኡ ዘረክሲስ ኣብ 475 ቅ.ኣ.ዘ. እዩ ሞይቱ። እምበኣር ኣርታሕሻስታ ናብ ስልጣን ዝደየበላ ዓመት ብ475 ቅ.ኣ.ዘ. እያ ጀሚራ: እዚ ድማ ካብ ግሪኻውያንን ፋርሳውያንን ባቢሎናውያንን ምንጭታት ብእተረኽበ ሓያል መርትዖታት እተደገፈ እዩ። ንኣብነት: እቲ (ብርጡብነቱ ውሩይ ዝዀነ) ቱሲዲዲስ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ: ኣርታሕሻስታ “ኣብ ዝፋን ካብ ዚድይብ ነዊሕ ከይገበረ ኸሎ” ተሚስቶክሊስ ዚበሃል ግሪኻዊ ብዓል ስልጣን ናብ ፋርስ ከም ዝሃደመ ጽሒፉ ኣሎ። ካልእ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ዲዮዶሩስ ሲኩሉስ ዚበሃል ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ ከኣ ተሚስቶክሊስ ኣብ 471/470 ቅ.ኣ.ዘ. ከም ዝሞተ ዚሕብር ነገራት ጽሒፉ ኣሎ። ተሚስቶክሊስ ካብ ሃገሩ ምስ ሃደመ: ኣብ ቅድሚ ኣርታሕሻስታ ቕድሚ ምቕራቡ ቛንቋ ፋርስ ኬጽንዕ ሓተተ: እዚውን ተፈጸመሉ። ስለዚ: ተሚስቶክሊስ ኣብ ፋርስ ተወሃሂዱ ኺነብር ዝጀመረ ቕድሚ 472 ቅ.ኣ.ዘ. ኪኸውን ስለ ዘይክእል: ኣብታ ዓዲ 473 ቅ.ኣ.ዘ. መጺኡ ኽንብል ርትዓዊ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣርታሕሻስታ “ኣብ ዝፋን ካብ ዚድይብ ነዊሕ ከይገበረ ኸሎ” ኺበሃል ይከኣል እዩ።h
19 ስለዚ: “መበል ዕስራ ዓመቱ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ” ኣብ 455 ቅ.ኣ.ዘ. እዩ ነይሩ። ካብታ ዓመት እቲኣ 483 ዓመት (እተን 69 “ሰሙን”) እንተ ቘጺርና: ናብ ከም ኣቈጻጽራ ዘመንና ኽንሰግር ከለና ኸኣ ዜሮ ዚበሃል ዓመት ከም ዘየለ እንተ ዘኪርና: ኣብቲ እቲ “መሲህ: መስፍን” ዝመጸሉ 29 ከ.ኣ.ዘ. ንበጽሕ። የሱስ ኣብ ቀውዒ እታ ዓመት እቲኣ ተጠሚቑ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብአ: መሲህ ኰነ። እቲ ትንቢት “ኣብ ፈረቓ እታ [መበል ሰብዓ] ሰሙን ከኣ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ኪውግድ እዩ” እውን ይብል። እዚ ድማ የሱስ ህይወቱ ብምስዋኡ: እቲ ጽላሎት ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ መስዋእቲ ኣይሁድ ዋጋ ዘይብሉ ምስ ኰነ ተፈጸመ። “ፈረቓ” እታ ናይ ዓመት “ሰሙን” ኣብቲ የሱስ ዝሞተሉ ጽድያ 33 ከ.ኣ.ዘ. የብጽሓና። ይኹን እምበር: ኣብታ መበል 70 ሰሙን ብምልእታ “ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ኪአቱ” ወይ ንብዙሓት ነቲ ኺዳን ኬጽንዓሎም ነበሮ። እዚውን የሆዋ ኻብ 29 ከ.ኣ.ዘ. ክሳዕ 36 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ሸውዓተ ሰሙን ንኣይሁድ ፍሉይ ሞገሱ ኸም ዚህቦም እዩ ዜርኢ። ድሕሪኡ ኸኣ እዩ ቆርኔሌዎስ ብ36 ከ.ኣ.ዘ. ክርስትያን ምስ ኰነ: ንዘይተጠምቁ ኣህዛብ መንፈሳውያን እስራኤል ንኪዀኑ መገዲ እተኸፍተሎም።i—ግብ. 10:30-33, 44-48፣ 11:1
ብግዜ ሃዋርያት ዝነበረ ዓመታት ምቕማሩ
20 ኣብ መንጎ 33ን 49ን ከ.ኣ.ዘ.። ኣብዚ እዋን እዚ 44 ከ.ኣ.ዘ. ከም ኣገዳሲት ዕለት ጌርና ኽንርእያ ንኽእል ኢና። ብመሰረት ጆሰፈስ (ጂዊሽ ኣንቲኲቲ XIX, 351 [viii, 2]): እቲ ሃጸይ ሮሜ ዝነበረ ቅላውዴዎስ (ብ41 ከ.ኣ.ዘ.) ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ ሄሮድስ ኣግሪጳ ቐዳማይ ንሰለስተ ዓመት ነጊሱ እዩ። እዚ ሄሮድስ እዚ ብ44 ከ.ኣ.ዘ. ኸም ዝሞተ ታሪኻዊ መርትዖ ይሕብር እዩ።j ሕጂ ናብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ምልስ ኢልና ኽንርኢ ኸለና: ኣጋቦስ “ብመንፈስ” ተደሪኹ ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን እተነበየ: ሃዋርያ ያእቆብ እተሰየፈ: ከምኡውን ጴጥሮስ (ኣብ እዋን ፋስጋ) እተኣስረን ብተኣምራዊ መገዲ እተፈትሐን ሄሮድስ ቀቅድሚ ሙማቱ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። እዚ ዅሉ ፍጻመታት ብ44 ከ.ኣ.ዘ. እዩ ተፈጺሙ ዚኸውን።—ግብ. 11:27, 28፣ 12:1-11, 20-23
21 እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ጥሜት ኣብ ከባቢ 46 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ጀመረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ኸኣ እዩ ጳውሎስን በርናባስን ‘ረዲኤት ናብ የሩሳሌም ኣብጺሖም’ ኪዀኑ ዘለዎም። (ግብ. 12:25) ናብታ ኣብ ሶርያ ዝነበረት ከተማ ኣንጾክያ ምስ ተመልሱ: ነቲ ንቆጵሮስ ኰነ ንብዙሓት ከተማታትን ኣውራጃታትን ንእሽቶ እስያ ዚሽፍን ናይ መጀመርታ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ንምግባር ብመንፈስ ቅዱስ ተመርጹ።k እዚ ድማ ምናልባት ካብ ጽድያ 47 ከ.ኣ.ዘ. ክሳዕ ቀውዒ 48 ከ.ኣ.ዘ. ኪኸውን ከሎ: ነቲ ቘራሪ ወርሓት ዝዀነ ሓጋይ ኣብ ንእሽቶ እስያ ኣሕሊፎምዎ ኪዀኑ ኣለዎም። ጳውሎስ እቲ ዚቕጽል ሓጋይ ኣብታ ኣብ ሶርያ ዝነበረት ኣንጾክያ ዘሕለፎ እዩ ዚመስል: እዚ ድማ ናብ ጽድያ 49 ከ.ኣ.ዘ. የብጽሓና።—ግብ. 13:1–14:28
22 ኣብ ገላትያ ምዕራፍ 1ን 2ን ዚርከብ ጸብጻብ ምስዚ መስርዕ ፍጻመታት እዚ ዚተኣሳሰር እዩ ዚመስል። ኣብዘን ምዕራፋት እዚኣተን ጳውሎስ ክርስትያን ድሕሪ ምዃኑ ናብ የሩሳሌም ክልተ ሳዕ ምብጻሕ ከም ዝገበረ ገሊጹ ኣሎ: እዚ ኸኣ እቲ ሓደ “ድሕሪ ሰለስተ ዓመት” ኪኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ከኣ “ድሕሪ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት” እዩ ነይሩ። (ገላ. 1:17, 18፣ 2:1) እዚ ኽልቲኡ በቲ ሽዑ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣዘራርባ ብምውሳድ ተርታዊ ቝጽሪ ኸም ዝዀነ ጌርና እንተ ርኢናዮ: ጳውሎስ ክርስትያን ዝዀነሉ ኸኣ ከምቲ ተሓቢሩ ዘሎ ኣብ መጀመርታ እቲ ዘመነ-ሃዋርያት እንተ ዀይኑ: እተን 3 ዓመትን 14 ዓመትን ካብ 34-36 ከ.ኣ.ዘ. ከምኡውን ካብ 36-49 ከ.ኣ.ዘ. ከም ዚዀና ጌርና ኽንወስደን ንኽእል ኢና።
23 ጳውሎስ ኣብቲ ንሰብ ገላትያ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ገሊጽዎ ከም ዘሎ ናብ የሩሳሌም ንኻልኣይ ግዜ ዝኸደሉ እዋን ምስ ግዝረት እተተሓሓዘ ጕዳይ ብምንባሩ: እቲ ምስኡ እተማልኦ ቲቶስ እኳ ኺግዘር ኣየድለዮን። እዚ ነገር እዚ ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:1-35 ተገሊጹ ዘሎ ብዛዕባ ግዝረት ዚምልከት መምርሒ ንምርካብ እተገብረ ጕዕዞ እንተ ዀይኑ: 49 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ መንጎ እቲ ጳውሎስ ቀዳማይን ካልኣይን ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ዝገበረሉ እዋን እያ ነይራ ማለት እዩ። ብዘይካዚ: ብመሰረት ገላትያ 2:1-10 ጳውሎስ “ንኸንቱ ኸይጐዪ” ኢሉ በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሙ ነቶም ኣብ ጉባኤ የሩሳሌም ዝነበሩ “ምርኡያት” እቲ ዚሰብኮ ዝነበረ ብስራት ነገሮም። ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርታ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ጸብጻብ ምሃቡ ትጽቢት ዚግበረሉ ጕዳይ እዩ። ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ዝደየበ “ብምኽንያት ሓደ ራእይ እዩ።”
24 እቲ ካብ 49-52 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ዚሽፍን ካልኣይ ሚስያናዊ ጕዕዞ ጳውሎስ። ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሰ: ኣብታ ኣብ ኣንጾክያ እትርከብ ሶርያ እተወሰነ ግዜ ኣሕለፈ፣ ስለዚ: ኣብ ክረምቲ 49 ከ.ኣ.ዘ. እዩ ካልኣይ ጕዕዞኡ ጀሚሩ ኪኸውን ዘለዎ። (ግብ. 15:35, 36) እዚ ጕዕዞ እዚ ኻብቲ ቐዳማይ ጕዕዞኡ ዝሰፍሐ ቦታታት ዚሽፍን ኪኸውን ከሎ: ሓጋይ ኣብ ንእሽቶ እስያ ኼሕልፎ ነበሮ። ምናልባት ኣብ ጽድያ 50 ከ.ኣ.ዘ. እዩ: ነቲ ኻብ መቄዶንያ ዝቐረበሉ ጻውዒት ተቐቢሉ ናብ ኣውሮጳ ዝሰገረ። ድሕርዚ ኣብ ፊልጲ: ተሰሎንቄ: ቤርያ: ከምኡውን ኣቴና ብምስባኽ ሓደስቲ ጉባኤታት ኣቘመ። ካብኡ ኣብ ቀውዒ ናይ 50 ከ.ኣ.ዘ. ናብታ ኣብ ግዝኣት ኣካይያ እትርከብ ከተማ ቈረንቶስ ኣተወ: ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ 2,090 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ንዚኸውን ርሕቐት መብዛሕትኡ ብእግሩ እዩ ተጓዒዝዎ። (ግብ. 16:9, 11, 12፣ 17:1, 2, 10, 11, 15, 16፣ 18:1) ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 18:11 ተገሊጹ ዘሎ: ጳውሎስ ኣብታ ኸተማ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ስለ ዝጸንሐ: ናብ መጀመርታ 52 ከ.ኣ.ዘ. ኢና እንበጽሕ። ሓጋይ ምስ ተወድአ: ጳውሎስ ብኤፌሶን ኣቢሉ ናብ ቂሳርያ ብመርከብ ተጓዕዘ። ካብኣ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ጉባኤ ሰላም ድሕሪ ምባሉ: ኣብታ መዕረፊቱ ዝነበረት ኣብ ሶርያ እትርከብ ኣንጾክያ ምናልባት ኣብ ሓጋይ 52 ከ.ኣ.ዘ. በጽሐ።l—ግብ. 18:12-22
25 ጳውሎስ ካብ 50-52 ከ.ኣ.ዘ. ንመጀመርታ ግዜ ናብ ቈረንቶስ ምብጻሕ ከም ዝገበረ ስነ-ጥንታዊ ርኽበት ደገፍ ይህብ እዩ። ሓደ ጽሑፍ እተቐርጾ ቝራጽ: ቄሳር ቅላውዴዎስ ንናይ ግሪኽ ደልፊያውያን ዝሰደዶ ኣዋጅ ኰይኑ “[ሉሲየስ ጁ]ኒየስ: ጋልዮስ: . . . ምስሌነ” ዚብል ቃላት ይርከቦ። ጸሓፍቲ ታሪኽ እታ ኣብኡ ዘላ 26 እትብል ቍጽሪ ቅላውዴዎስ ንመበል 26 ግዜ ሃጸይ ኰይኑ ንኪቕጽል ደገፍ ከም እተዋህቦ እተመልክት ምዃና ይሰማምዑሉ እዮም። ካልኦት ጽሑፋት ከኣ ብ1 ነሓሰ 52 ከ.ኣ.ዘ. ቅላውዴዎስ ንመበል 27 ግዜ ሃጸይ ኰይኑ ንኪቕጽል ደገፍ ከም እተዋህቦ ይገልጻልና። እቲ ምስሌነ ንኽትከውን ዚወሃብ ሽመት ካብ መጀመርታ ኽረምቲ ኣትሒዙ ንሓደ ዓመት ዚጸንሕ እዩ ነይሩ። ስለዚ: ጋልዮስ ኣብ ኣካይያ ምስሌነ ዝነበረላ ዓመት ካብ ክረምቲ 51 ከ.ኣ.ዘ. ክሳዕ ክረምቲ 52 ከ.ኣ.ዘ. እዩ ዚኸውን። “ጋልዮስ ኣብ ኣካይያ ምስሌንነት ተሸይሙ ኸሎ: ኣይሁድ ሐቢሮም ኣብ ጳውሎስ ተንስኡ እሞ . . . ናብ መጋባእያ ኣምጽእዎ።” ጋልዮስ ንጳውሎስ ገበን የብሉን ኢሉ ናጻ ምስ ሰደዶ: እዚ ሃዋርያ እዚ “ሓያሎ መዓልቲ” ድሕሪ ምቕናይ ናብ ሶርያ ብመርከብ ከደ። (ግብ. 18:11, 12, 17, 18) እዚ ዅሉ ጸብጻባት እዚ ምስቲ ጳውሎስ ንዓመትን መንፈቕን ኣብ ቈረንቶስ ዝጸንሓሉ እዋን ኣብ ጽድያ 52 ከ.ኣ.ዘ. ከም ዘብቅዐ ዝበጻሕናዮ መደምደምታ ዚሰማማዕ እዩ። ካልእ ብዛዕባ እዚ ግዜ እዚ ዚሕብረና ነገር ከኣ ጳውሎስ ናብ ቈረንቶስ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን: “ቅላውዴዎስ ኵሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኺለቁ አዘዘ እሞ: ሽዑ ቕነ ምስ ሰበይቱ ጵርስኪላ ኻብ ኢጣልያ ዝመጸ ኣኪላስ ዚብሀል ኣይሁዳዊ ብዓል ጶንጦስ ረኸበ” ዚብል ምዃኑ እዩ። (ግብ. 18:2) ብመሰረት እቲ ኣብ መጀመርታ ሓምሻይ ዘመን ዝነበረ ጳውሉስ ኦሮሲዩስ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ: እዚ ኻብ ሮሜ ኺለቁ ዝወጸ ትእዛዝ ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት ንቅላውዴዎስ: ማለት ኣብ 49 ከ.ኣ.ዘ. ወይ ኣብ መጀመርታ 50 ከ.ኣ.ዘ. እዩ ወጺኡ። ስለዚ: ኣኪላስን ጵርስኪላን ቀውዒ እታ ዓመት እቲኣ ቕድሚ ምእታዉ ኣቐዲሞም ናብ ቈረንቶስ ኪበጽሑ ይኽእሉ ነይሮም: ጳውሎስ ከኣ ምሳታቶም ካብ ቀውዒ 50 ከ.ኣ.ዘ. ክሳዕ ጽድያ 52 ከ.ኣ.ዘ. ኺጸንሕ ከኣለ።a
26 እቲ ኻብ 52-56 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ዚሽፍን ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ጳውሎስ። ጳውሎስ ኣብታ ኣብ ሶርያ እትርከብ ኣንጾክያ “ሓያሎ መዓልቲ” ድሕሪ ምቕናይ: እንደገና ናብ ንእሽቶ እስያ ነቐለ: ኣብ ኤፌሶን እውን ኣብ ሓጋይ 52-53 ከ.ኣ.ዘ. እዩ በጺሑ ኪኸውን ዘለዎ። (ግብ. 18:23፣ 19:1) “ሰለስተ ወርሒ” ካብኡ ኸኣ “ክልተ ዓመት” ኣብ ኤፌሶን ኣሕለፈ: ድሕርዚ ናብ መቄዶንያ ኸደ። (ግብ. 19:8-10) ኣብ ካልእ እዋን ነቶም ሽማግለታት ኤፌሶን ምሳታቶም “ሰለስተ ዓመት” ከም ዘገልገለ እኳ እንተ ኣዘኻኸሮም: እዚ ግን ብምጽግጋዕ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። (ግብ. 20:31) ጳውሎስ ድሕሪ እቲ ኣብ መጀመርታ 55 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ “በዓላት ሓምሳ” ኻብ ኤፌሶን ነቒሉ ኣብ ቈረንቶስ: ግሪኽ: ሰለስተ ወርሒ ሓጋይ ንምሕላፍ ነዊሕ ጕዕዞ ዝገበረ እዩ ዚመስል። ድሕሪኡ: ብ56 ከ.ኣ.ዘ. ናብ ሰሜን ክሳዕ ፊልጲ ተጓዕዘ። ካብኡ መርከብ ተሰቒሉ ብጥሮኣስን ሚሊጦስን ኣቢሉ ናብ ቂሳርያ ኸደ። ድሕርዚ ድማ ብ56 ከ.ኣ.ዘ. በዓላት ሓምሳ ኣብ ዝበዓለሉ እዋን የሩሳሌም በጽሐ።b—1 ቈረ. 16:5-8፣ ግብ. 20:1-3, 6, 15, 16፣ 21:8, 15-17
27 ካብ 56-100 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበራ ናይ መወዳእታ ዓመታት። ጳውሎስ ኣብ የሩሳሌም ድሕሪ ምብጻሑ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ተኣሲሩ። ናብ ቂሳርያ ተወስደ: ፌሊክስ ብፌስጦስ ክሳዕ እተተክኣሉ እዋን ከኣ ንኽልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ። (ግብ. 21:33፣ 23:23-35፣ 24:27) ፌስጦስ ዝመጸሉን ስዒቡ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ዝነቐለሉን እዋን ኣብ 58 ከ.ኣ.ዘ. ዝዀነ እዩ ዚመስል።c እታ ጳውሎስ ዝነበራ መርከብ ተሰቢራ ሓጋይ ኣብ መሊጠ ምስ ኣሕለፍዎ: ብ59 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ እቲ ጕዕዞ ተዛዘመ። ድሕሪኡ ንኽልተ ዓመት: ማለት ክሳዕ 61 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ እናሰበኸን እናመሃረን ኣብ ሮሜ ይሕሎ ነበረ።—ግብ. 27:1፣ 28:1, 11, 16, 30, 31
28 እቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ታሪኻዊ ጸብጻብ ካብዚ ቐጺሉ ብዛዕባ ዝዀነ ነገራት ዘይገልጽ እኳ እንተዀነ: ጳውሎስ ተፈቲሑ ሚስዮናዊ ንጥፈታቱ ኸም ዝቐጸለ: ናብ ቅሬጥስን ግሪኽን መቄዶንያን ድማ ከም እተጓዕዘ ዚሕብር ነጥብታት ንረክብ ኢና። ክሳዕ ስጳኛ በጺሑ እንተ ዀይኑ ዚፍለጥ ነገር የለን። ጳውሎስ ብ65 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ሮሜ ኣብ እተኣስረሉ እዋን ብኔሮ ሰማእት ኰይኑ ሞይቱ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ሓምለ 64 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ሮሜ ዓብዪ ባርዕ ከም ዘጋጠመን ደድሕሪኡ ኔሮ ንክርስትያናት ከቢድ መስጐጕቲ ኸም ዘውረደሎምን ዓለማዊ ታሪኽ ይሕብር እዩ። ጳውሎስ ‘ብመቝሕ’ እተኣስረሉን እተቐትለሉን ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ኪኸውን ዘለዎ።—2 ጢሞ. 1:16፣ 4:6, 7
29 እተን ሃዋርያ ዮሃንስ ዝጸሓፈን ሓሙሽተ መጻሕፍቲ: ኣብ መወዳእታ እቲ ሃጸይ ዶሚሽያን ዘለዓዓሎ መስጐጕቲ እየን ተጻሒፈን። እዚ ሃጸይ እዚ ኻብተን ካብ 81-96 ከ.ኣ.ዘ. ነጊሱለን ዝነበረ ዓመታት ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ዓመት ስራሕ ዕቡዳት ይሰርሕ ምንባሩ እዩ ዚዝረበሉ። ብ96 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ዮሃንስ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተሓይሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንመጽሓፍ ራእይ ጸሓፋ።d እታ ወንጌሉን እተን ሰለስተ መልእኽትታቱን ከኣ ምስ ተፈትሐ ኣብ ኤፌሶን ወይ ኣብ ከባቢኣ ዀይኑ እዩ ጽሒፉወን: እዚ ኻብ ሃዋርያት ንበይኑ ዝተረፈ ሃዋርያ ኣብ 100 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ሞተ።
30 እምበኣር: ኣብ ዓለማዊ ታሪኽ እተጠቕሰ ፍጻመታት ምስቲ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መስርዕ ፍጻመታትን ትንቢታትን ብምንጽጻር: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ፍጻመታት ብንጹር ኣብ መስርዕ ግዜ ኸነቐምጦ ንኽእል ኢና። እቲ ኣብ መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ዘለዎ ምስምማዕ: ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዘሎና ምትእምማን ዜደልድል እዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ነዛ ምዕራፍ እዚኣ ኸተጽንዓ ኸለኻ: ነቲ ኣብ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ 1ይ ጥራዝ (እንግሊዝኛ) ገጽ 458-67 ዘሎ ሓበሬታ ምውካሱ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
b መጽናዕቲ 2 ቍጽሪ 28, 29 ተወከስ።
c ካብቲ ኣብርሃም ንኤፍራጥስ ዝሰገረሉ ኽሳዕ እቲ ይስሃቅ እተወልደሉ 25 ዓመት፣ ክሳዕ እቲ ያእቆብ እተወልደሉ 60 ዓመት፣ ያእቆብ ናብ ግብጺ ኺወርድ ከሎ ድማ ወዲ 130 ዓመት ነበረ።—ዘፍ. 12:4፣ 21:5፣ 25:26፣ 47:9
d ኣብ 2004 እቲ ዝሓለፈ እዋን ንምፍላጥ ካብ 6,029 ዓመት ከነጕድል ኣሎና።
e ናይ 22 መስከረም 1986 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 17-27፣ ናይ 8 ሚያዝያ 1972 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 5-20 ተወከስ።
f ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ 2ይ ጥራዝ (እንግሊዝኛ) ገጽ 57-8 ተወከስ።
g ናይ 1976 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 247፣ ናይ 1959 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 489-92 ተወከስ።
h ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ 2ይ ጥራዝ ገጽ 614-16 ተወከስ።
i ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ 2ይ ጥራዝ ገጽ 899-904 ተወከስ።
j ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ 1987: 5ይ ጥራዝ ገጽ 880 ተወከስ።
k ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ 2ይ ጥራዝ ገጽ 747 ተወከስ።
l ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ 2ይ ጥራዝ ገጽ 747 ተወከስ።
a ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ 1ይ ጥራዝ ገጽ 476, 886 ተወከስ።
b ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ 2ይ ጥራዝ ገጽ 747 ተወከስ።
c ያንግ ዘዳለዎ ኣናሊቲካል ኮንኮርዳንስ ቱ ዘ ባይብል ገጽ 342 ኣብ ትሕቲ “ፌስጦስ” ተወከስ።
d ኣብታ ኣልበርት በርንስ ብ1852 ዘዳለዋ ኖትስ ኦን ዘ ቡክ ኦቭ ረቨሌሽን ኣብ ገጽ xxix: xxx ተወከስ።
[ኣብ ገጽ 8-12 ዘሎ ሰሌዳ]
ሰሌዳ ታሪኻዊ ዕለታት
ምልክታት:- ድ. “ድሕሪ”፣ ቅ. “ቅድሚ”፣ ከ. “ከባቢ” ወይ “ኣቢሉ” የመልክት።
ዕለት ፍጻመ መወከሲ
4026 ቅ.ኣ.ዘ. ኣዳም ተፈጥረ ዘፍ. 2:7
ድ. 4026 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ኤድን ኪዳን እተኣትወሉ: ቀዳማይ ትንቢት ዘፍ. 3:15
ቅ. 3896 ቅ.ኣ.ዘ. ቃየል ንኣቤል ቀተሎ ዘፍ. 4:8
3896 ቅ.ኣ.ዘ. ሴት ተወልደ ዘፍ. 5:3
3404 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ጻድቕ ሄኖክ ተወልደ ዘፍ. 5:18
3339 ቅ.ኣ.ዘ. ማቱሳላ ተወልደ ዘፍ. 5:21
3152 ቅ.ኣ.ዘ. ላሜክ ተወልደ ዘፍ. 5:25
3096 ቅ.ኣ.ዘ. ኣዳም ሞተ ዘፍ. 5:5
3039 ቅ.ኣ.ዘ. ሄኖክ ናብ ካልእ ተወስደ፣ ዚንበየሉ ዝነበረ ግዜ ኣብቅዐ ዘፍ. 5:23, 24፣ ይሁ. 14
2970 ቅ.ኣ.ዘ. ኖህ ተወልደ ዘፍ. 5:28, 29
2490 ቅ.ኣ.ዘ. ኣምላኽ ብዛዕባ ደቅሰብ ተዛረበ ዘፍ. 6:3
2470 ቅ.ኣ.ዘ. ያፌት ተወልደ ዘፍ. 5:32፣ 9:24፣ 10:21
2468 ቅ.ኣ.ዘ. ሴም ተወልደ ዘፍ. 7:11፣ 11:10
2370 ቅ.ኣ.ዘ. ማቱሳላ ሞተ ዘፍ. 5:27
ማይ ኣይሂ ዘነመ (ኣብ ቀውዒ) ዘፍ. 7:6, 11
2369 ቅ.ኣ.ዘ. ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኺዳን ተኣትወ ዘፍ. 8:13፣ 9:16
2368 ቅ.ኣ.ዘ. ኣርፋክሳድ ተወልደ ዘፍ. 11:10
ድ. 2269 ቅ.ኣ.ዘ. ምህናጽ ግምቢ ባቤል ዘፍ. 11:4
2020 ቅ.ኣ.ዘ. ኖህ ሞተ ዘፍ. 9:28, 29
2018 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብርሃም ተወልደ ዘፍ. 11:26, 32፣ 12:4
1943 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብርሃም ናብ ከነኣን ኪኸይድ ከሎ ንኤፍራጥስ ሰገረ፣ ንኣብርሃም ኪዳን ተኣትወሉ፣ ክሳዕ እቲ ሕጊ ኺዳን ዜብጽሕ 430 ዓመት ተጀመረ ዘፍ. 12:4, 7፣ ዘጸ. 12:40፣ ገላ. 3:17
ቅ. 1933 ቅ.ኣ.ዘ. ሎጥ ካብ ምርኮ ደሓነ፣ ኣብርሃም ምስ መልከጼዴቅ ተራኸበ ዘፍ. 14:16, 18፣ 16:3
1932 ቅ.ኣ.ዘ. እስማኤል ተወልደ ዘፍ. 16:15, 16
1919 ቅ.ኣ.ዘ. ኪዳን ግዝረት ተገብረ ዘፍ. 17:1, 10, 24
ሶዶምን ጎሞራን ጠፍኣ ዘፍ. 19:24
1918 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ናይ ሓቂ ወራሲ ዝዀነ ይስሃቅ ተወልደ፣ እተን ‘ኣስታት 450 ዓመት’ ጀመራ ዘፍ. 21:2, 5፣ ግብ. 13:17-20
1913 ቅ.ኣ.ዘ. ይስሃቅ ጡብ ሓደገ፣ እስማኤል ተሰጐ፣ እቲ 400 ዓመት ዝወሰደ ምጭናቕ ተጀመረ ዘፍ. 21:8፣ 15:13፣ ግብ. 7:6
1881 ቅ.ኣ.ዘ. ሳራ ሞተት ዘፍ. 17:17፣ 23:1
1878 ቅ.ኣ.ዘ. ይስሃቅ ንርብቃ ኣእተዋ ዘፍ. 25:20
1868 ቅ.ኣ.ዘ. ሴም ሞተ ዘፍ. 11:11
1858 ቅ.ኣ.ዘ. ኤሳውን ያእቆብን ተወልዱ ዘፍ. 25:26
1843 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብርሃም ሞተ ዘፍ. 25:7
1818 ቅ.ኣ.ዘ. ኤሳው ነተን ቀዳሞት ክልተ ኣንስቱ ኣእተወን ዘፍ. 26:34
1795 ቅ.ኣ.ዘ. እስማኤል ሞተ ዘፍ. 25:17
1781 ቅ.ኣ.ዘ. ያእቆብ ናብ ካራን ሃደመ፣ ኣብ ቤትኤል ሓለመ ዘፍ. 28:2, 13, 19
1774 ቅ.ኣ.ዘ. ያእቆብ ንልያን ንራሄልን ኣእተወን ዘፍ. 29:23-30
1767 ቅ.ኣ.ዘ. ዮሴፍ ተወልደ ዘፍ. 30:23, 24
1761 ቅ.ኣ.ዘ. ያእቆብ ካብ ካራን ናብ ከነኣን ተመልሰ ዘፍ. 31:18, 41
ከ. 1761 ቅ.ኣ.ዘ. ያእቆብ ምስ መልኣኽ ተቓለሰ፣ እስራኤል ተባህለ ዘፍ. 32:24-28
1750 ቅ.ኣ.ዘ. ዮሴፍ በሕዋቱ ባርያ ክኸውን ተሸጠ ዘፍ. 37:2, 28
1738 ቅ.ኣ.ዘ. ይስሃቅ ሞተ ዘፍ. 35:28, 29
1737 ቅ.ኣ.ዘ. ዮሴፍ ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ ዀነ ዘፍ. 41:40, 46
1728 ቅ.ኣ.ዘ. ያእቆብ ምስ ኵሎም ስድራቤቱ ናብ ግብጺ ኣተወ ዘፍ. 45:6፣ 46:26፣ 47:9
1711 ቅ.ኣ.ዘ. ያእቆብ ሞተ ዘፍ. 47:28
1657 ቅ.ኣ.ዘ. ዮሴፍ ሞተ ዘፍ. 50:26
ቅ. 1613 ቅ.ኣ.ዘ. እዮብ ተፈተነ እዮ. 1:8፣ 42:16
ድ. 1600 ቅ.ኣ.ዘ. ግብጺ ሓይሊ ዓለም ኰነት ዘጸ. 1:8
1593 ቅ.ኣ.ዘ. ሙሴ ተወልደ ዘጸ. 2:2, 10
1553 ቅ.ኣ.ዘ. ሙሴ ንህዝቡ ኼድሕን ደለየ፣ ናብ ሚድያን ሃደመ ዘጸ. 2:11, 14, 15፣ ግብ. 7:23
ከ. 1514 ቅ.ኣ.ዘ. ሙሴ ነታ ብሓዊ ትነድድ ዝነበረት ቍጥቋጥ ረኣየ ዘጸ. 3:2
1513 ቅ.ኣ.ዘ. ፋስጋ፣ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ወጹ፣ ቀይሕ ባሕሪ ሰገሩ፣ ግብጻውያን ተሳዕሩ፣ እቲ 400 ዓመት ዝወሰደ እዋን ምጭናቕ ተወድአ ዘጸ. 12:12፣ 14:27, 29, 30፣ ዘፍ. 15:13, 14
ኣብ ከረን ሲና (ሆሬብ) ሕጊ ኺዳን ቈመ ዘጸ. 24:6-8
ካብቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን ዝጀመራ 430 ዓመት ተወድኣ ገላ. 3:17፣ ዘጸ. 12:40
ሙሴ ንዘፍጥረት ኣብ በረኻ ጸሓፋ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጸሓፍ ተጀመረ ዮሃ. 5:46
1512 ቅ.ኣ.ዘ. ማሕደር ተሰሪሑ ተወድአ ዘጸ. 40:17
ኣሮንን ዘርኡን ካህናት ክዀኑ ተመዘዙ ዘሌ. 8:34-36
ሙሴ ንዘጸኣትን ዘሌዋውያንን ጽሒፉ ወድአን ዘሌ. 27:34፣ ዘሁ. 1:1
ከ. 1473 ቅ.ኣ.ዘ. ሙሴ ንመጽሓፍ እዮብ ጽሒፉ ወድኣ እዮ. 42:16, 17
1473 ቅ.ኣ.ዘ. ሙሴ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ንዘሁልቍ ጽሒፉ ወድኣ ዘሁ. 35:1፣ 36:13
ኣብ ሞኣብ ምስ እስራኤላውያን እተኣትወ ኺዳን ዘዳ. 29:1
ሙሴ ኣብ ሞኣብ ኣብ ከረን ኔቦ ሞተ ዘዳ. 34:1, 5, 7
እስራኤላውያን ብእያሱ እናተመርሑ ናብ ከነኣን ኣተዉ እያ. 4:19
1467 ቅ.ኣ.ዘ. ነታ ምድሪ ንምሓዝ እተገብረ ዝበዝሐ ወራራት ተዛዘመ፣ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 13:17-20 እተጠቕሰ ‘ኣስታት 450 ዓመት’ ተዛዘመ እያ. 11:23፣ 14:7, 10-15
ከ. 1450 ቅ.ኣ.ዘ. መጽሓፍ እያሱ ተጻሒፋ ተወድአት እያ. 1:1፣ 24:26
እያሱ ሞተ እያ. 24:29
1117 ቅ.ኣ.ዘ. ሳሙኤል ንሳኦል ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ቀብኦ 1 ሳሙ. 10:24፣ ግብ. 13:21
1107 ቅ.ኣ.ዘ. ዳዊት ኣብ ቤት-ልሄም ተወልደ 1 ሳሙ. 16:1
ከ. 1100 ቅ.ኣ.ዘ. ሳሙኤል ንመጽሓፍ መሳፍንቲ ጽሒፉ ወድኣ መሳ. 21:25
ከ. 1090 ቅ.ኣ.ዘ. ሳሙኤል ንመጽሓፍ ሩት ጽሒፉ ወድኣ ሩት 4:18-22
ከ. 1078 ቅ.ኣ.ዘ. ቀዳማይ መጽሓፍ ሳሙኤል ተጻሒፋ ተወድአት 1 ሳሙ. 31:6
1077 ቅ.ኣ.ዘ. ዳዊት ኣብ ኬብሮን ንጉስ ይሁዳ ዀነ 2 ሳሙ. 2:4
1070 ቅ.ኣ.ዘ. ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ንጉስ ኰነ፣ ንየሩሳሌም ርእሲ ኸተማኡ ገበራ 2 ሳሙ. 5:3-7
ድ. 1070 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ታቦት ናብ የሩሳሌም ገዓዘ፣ ንዳዊት ናይ መንግስቲ ኺዳን ተኣትወሉ 2 ሳሙ. 6:15፣ 7:12-16
ከ. 1040 ቅ.ኣ.ዘ. ጋድን ናታንን ን2 ሳሙኤል ጽሒፎም ወድእዋ 2 ሳሙ. 24:18
1037 ቅ.ኣ.ዘ. ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ብምዃን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ነገሰ 1 ነገ. 1:39፣ 2:12
1034 ቅ.ኣ.ዘ. ሰሎሞን ነታ ቤተ መቕደስ ኪሃንጻ ጀመረ 1 ነገ. 6:1
1027 ቅ.ኣ.ዘ. ህንጸት እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ተዛዘመ 1 ነገ. 6:38
ከ. 1020 ቅ.ኣ.ዘ. ሰሎሞን ንመሃልየ መሃልይ ጽሒፉ ወድኣ መሃ. 1:1
ቅ. 1000 ቅ.ኣ.ዘ. ሰሎሞን ንመጽሓፍ መክብብ ጽሒፉ ወድኣ መክ. 1:1
997 ቅ.ኣ.ዘ. ሮብዓም ኣብ ክንዲ ሰሎሞን ነገሰ፣ እታ መንግስቲ ተመቕለት፣ የሮብዓም ንጉስ እስራኤል ኰይኑ ኺገዝእ ጀመረ 1 ነገ. 11:43፣ 12:19, 20
993 ቅ.ኣ.ዘ. ሺሻቅ ንይሁዳ ወሪሩ ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዝረኸቦ መዛግብቲ ወሰደ 1 ነገ. 14:25, 26
980 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢያም (ኣቢያ) ኣብ ክንዲ ሮብዓም ኣብ ይሁዳ ነገሰ 1 ነገ. 15:1, 2
977 ቅ.ኣ.ዘ. ኣሳ ኣብ ክንዲ ኣቢያም ኣብ ይሁዳ ነገሰ 1 ነገ. 15:9, 10
ከ. 976 ቅ.ኣ.ዘ. ናዳብ ኣብ ክንዲ የሮብዓም ኣብ እስራኤል ነገሰ 1 ነገ. 14:20
ከ. 975 ቅ.ኣ.ዘ. ባዓሳ ኣብ ክንዲ ናዳብ ኣብ እስራኤል ነገሰ 1 ነገ. 15:33
ከ. 952 ቅ.ኣ.ዘ. ኤላ ኣብ ክንዲ ባዓሳ ኣብ እስራኤል ነገሰ 1 ነገ. 16:8
ከ. 951 ቅ.ኣ.ዘ. ዚምሪ ኣብ ክንዲ ኤላ ኣብ እስራኤል ነገሰ 1 ነገ. 16:15
ዖምሪን ቲብኒን ኣብ ክንዲ ዚምሪ ኣብ እስራኤል ነገሱ 1 ነገ. 16:21
ከ. 947 ቅ.ኣ.ዘ. ዖምሪ ንበይኑ ንጉስ እስራኤል ኰይኑ ገዝአ 1 ነገ. 16:22, 23
ከ. 940 ቅ.ኣ.ዘ. ኣከኣብ ኣብ ክንዲ ዖምሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ 1 ነገ. 16:29
936 ቅ.ኣ.ዘ. ዮሳፋጥ ኣብ ክንዲ ኣሳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ 1 ነገ. 22:41, 42
ከ. 919 ቅ.ኣ.ዘ. ኣሓዝያ ንበይኑ ኣብ ክንዲ ኣከኣብ ኣብ እስራኤል ነገሰ 1 ነገ. 22:51, 52
ከ. 917 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ናይ እስራኤል ዮራም ንበይኑ ኣብ ክንዲ ኣሓዝያ ኣብ እስራኤል ነገሰ 2 ነገ. 3:1
913 ቅ.ኣ.ዘ. ገና ዮሳፋጥ እናገዝአ ኸሎ እቲ ናይ ይሁዳ ዮራም “ነገሰ” 2 ነገ. 8:16, 17
ከ. 906 ቅ.ኣ.ዘ. ኣሓዝያ ኣብ ክንዲ ዮራም ኣብ እስራኤል ነገሰ 2 ነገ. 8:25, 26
ከ. 905 ቅ.ኣ.ዘ. ንግስቲ ዓታልያ ንዝፋን ይሁዳ መንዝዐት 2 ነገ. 11:1-3
የሁ ኣብ ክንዲ ዮራም ኣብ እስራኤል ነገሰ 2 ነገ. 9:24, 27፣ 10:36
898 ቅ.ኣ.ዘ. ዮኣስ ኣብ ክንዲ ኣሓዝያ ኣብ ይሁዳ ነገሰ 2 ነገ. 12:1
876 ቅ.ኣ.ዘ. ዮኣሓዝ ንበይኑ ኣብ ክንዲ የሁ ኣብ እስራኤል ነገሰ 2 ነገ. 13:1
ከ. 859 ቅ.ኣ.ዘ. ዮኣስ ንበይኑ ኣብ ክንዲ ዮኣሓዝ ኣብ እስራኤል ነገሰ 2 ነገ. 13:10
858 ቅ.ኣ.ዘ. ኣማስያ ኣብ ክንዲ ዮኣስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ 2 ነገ. 14:1, 2
ከ. 844 ቅ.ኣ.ዘ. ዳግማይ የሮብዓም ኣብ ክንዲ ዮኣስ ኣብ እስራኤል ነገሰ 2 ነገ. 14:23
ዮናስ ንመጽሓፍ ዮናስ ጽሒፉ ወድኣ ዮና. 1:1, 2
829 ቅ.ኣ.ዘ. ኡዝያ (ኣዛርያ) ኣብ ክንዲ ኣማስያ ኣብ ይሁዳ ነገሰ 2 ነገ. 15:1, 2
ከ. 820 ቅ.ኣ.ዘ. ምናልባት መጽሓፍ ዮኤል ተጻሒፋ ኽትከውን ትኽእል እያ ዮኤ. 1:1
ከ. 804 ቅ.ኣ.ዘ. ኣሞጽ ንመጽሓፍ ኣሞጽ ጽሒፉ ወድኣ ኣሞ. 1:1
ከ. 792 ቅ.ኣ.ዘ. ዘካርያስ ኣብ እስራኤል ነገሰ (ን6 ወርሒ) 2 ነገ. 15:8
ከ. 791 ቅ.ኣ.ዘ. ሻሉም ኣብ ክንዲ ዘካርያስ ኣብ እስራኤል ነገሰ 2 ነገ. 15:13, 17
ምናሔም ኣብ ክንዲ ሻሉም ኣብ እስራኤል ነገሰ
ከ. 780 ቅ.ኣ.ዘ. ጴቃሕያ ኣብ ክንዲ ምናሔም ኣብ እስራኤል ነገሰ 2 ነገ. 15:23
ከ. 778 ቅ.ኣ.ዘ. ጴቃሕ ኣብ ክንዲ ጴቃሕያ ኣብ እስራኤል ነገሰ 2 ነገ. 15:27
ከ. 778 ቅ.ኣ.ዘ. ኢሳይያስ ኪንበ ጀመረ ኢሳ. 1:1፣ 6:1
777 ቅ.ኣ.ዘ. ዮታም ኣብ ክንዲ ኡዝያ (ኣዛርያ) ኣብ ይሁዳ ነገሰ 2 ነገ. 15:32, 33
ከ. 761 ቅ.ኣ.ዘ. ኣሃዝ ኣብ ክንዲ ዮታም ኣብ ይሁዳ ነገሰ 2 ነገ. 16:1, 2
ከ. 758 ቅ.ኣ.ዘ. ሆሴእ ኣብ እስራኤል “ነገሰ” 2 ነገ. 15:30
745 ቅ.ኣ.ዘ. ህዝቅያስ ኣብ ክንዲ ኣሃዝ ኣብ ይሁዳ ነገሰ 2 ነገ. 18:1, 2
ድ. 745 ቅ.ኣ.ዘ. ሆሴእ ንመጽሓፍ ሆሴእ ጽሒፉ ወድኣ ሆሴ. 1:1
740 ቅ.ኣ.ዘ. ኣሶራውያን ንእስራኤል ተቘጻጸርዋ: ንሰማርያ ድማ ሓዝዋ 2 ነገ. 17:6, 13, 18
732 ቅ.ኣ.ዘ. ሰናክሬብ ንይሁዳ ወረራ 2 ነገ. 18:13
ድ. 732 ቅ.ኣ.ዘ. ኢሳይያስ ንመጽሓፍ ኢሳይያስ ጽሒፉ ወድኣ ኢሳ. 1:1
ቅ. 717 ቅ.ኣ.ዘ. ሚክያስ ንመጽሓፍ ሚክያስ ጽሒፉ ወድኣ ሚክ. 1:1
ከ. 717 ቅ.ኣ.ዘ. መጽሓፍ ምሳሌ ተዛዘመት ምሳ. 25:1
716 ቅ.ኣ.ዘ. ምናሴ ኣብ ክንዲ ህዝቅያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ 2 ነገ. 21:1
661 ቅ.ኣ.ዘ. ኣሞን ኣብ ክንዲ ምናሴ ኣብ ይሁዳ ነገሰ 2 ነገ. 21:19
659 ቅ.ኣ.ዘ. ዮስያስ ኣብ ክንዲ ኣሞን ኣብ ይሁዳ ነገሰ 2 ነገ. 22:1
ቅ. 648 ቅ.ኣ.ዘ. ጸፎንያስ ንመጽሓፍ ጸፎንያስ ጽሒፉ ወድኣ ጸፎ. 1:1
647 ቅ.ኣ.ዘ. ኤርምያስ ነብዪ ኪኸውን ተመዘዘ ኤር. 1:1, 2, 9, 10
ቅ. 632 ቅ.ኣ.ዘ. ናሆም ንመጽሓፍ ናሆም ጽሒፉ ወድኣ ናሆ. 1:1
632 ቅ.ኣ.ዘ. ነነዌ ብከለዳውያንን ሜዶናውያን ወደቐት ናሆ. 3:7
ባቢሎን ሳልሰይቲ ሓይሊ ዓለም ኰነት
628 ቅ.ኣ.ዘ. ዮኣሓዝ ኣብ ክንዲ ዮስያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ 2 ነገ. 23:31
ዮያቂም ኣብ ክንዲ ዮኣሓዝ ኣብ ይሁዳ ነገሰ 2 ነገ. 23:36
ከ. 628 ቅ.ኣ.ዘ. ኣንባቆም ንመጽሓፍ ኣንባቆም ጽሒፉ ወድኣ ኣን. 1:1
625 ቅ.ኣ.ዘ. ነቡካድነጻር (ዳግማይ) ንጉስ ባቢሎን ኰነ፣ ቀዳመይቲ ዝገዝኣላ ዓመት ካብ ኒሳን 624 ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዝካ እያ እትቝጸር ኤር. 25:1
620 ቅ.ኣ.ዘ. ነቡካድነጻር ንዮያቂም ኣብ ትሕቲኡ ዀይኑ ዚገዝእ ንጉስ ገበሮ 2 ነገ. 24:1
618 ቅ.ኣ.ዘ. ዮያኪን ኣብ ክንዲ ዮያቂም ኣብ ይሁዳ ነገሰ 2 ነገ. 24:6, 8
617 ቅ.ኣ.ዘ. ነቡካድነጻር ነቶም ቀዳሞት ምሩኻት ኣይሁድ ናብ ባቢሎን ወሰዶም ዳን. 1:1-4፣
ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ዀነ 2 ነገ. 24:12-18
613 ቅ.ኣ.ዘ. ህዝቅኤል ኪንበ ጀመረ ህዝ. 1:1-3
609 ቅ.ኣ.ዘ. ነቡካድነጻር ንይሁዳ ንኺወግኣ ንሳልሳይ ግዜ መጸ፣ ከበባ የሩሳሌም ተጀመረ 2 ነገ. 25:1, 2
607 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብታ ሓምሸይቲ ወርሒ (ኣቭ) እታ ቤተ መቕደስ ዓነወት: የሩሳሌም ድማ ተደምሰሰት 2 ነገ. 25:8-10፣ ኤር. 52:12-14
ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ኣይሁድ ንምድሪ ይሁዳ ጠንጢኖምዋ ኸዱ፣ “ዘመናት ኣህዛብ” ተጀመረ 2 ነገ. 25:25, 26፣ ሉቃ. 21:24
ኤርምያስ ንድጕዓ ኤርምያስ ጸሓፋ ድጕ. መእተዊ: LXX
ከ. 607 ቅ.ኣ.ዘ. ኦብድያ ንመጽሓፍ ኦብድያ ጸሓፋ ኦብ. 1
ከ. 591 ቅ.ኣ.ዘ. ህዝቅኤል ንመጽሓፍ ህዝቅኤል ጽሒፉ ወድኣ ህዝ. 40:1፣ 29:17
580 ቅ.ኣ.ዘ. ቀዳማይን ካልአይን መጽሓፍ ነገስት ከምኡውን መጽሓፍ ኤርምያስ ተጻሒፈን ተወድኣ ኤር. 52:31፣ 2 ነገ. 25:27
539 ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎን ብሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ወደቐት፣ ሜዶንን ፋርስን ራብዐይቲ ሓይሊ ዓለም ኰነት ዳን. 5:30, 31
537 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ፋርሳዊ ቂሮስ ንኣይሁድ ናብ የሩሳሌም ኪምለሱ ዘውጽኦ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ወዓለ፣ እቲ 70 ዓመት ዝወሰደ ምብዳም የሩሳሌም ኣብቅዐ 2 ዜና 36:22, 23፣ ኤር. 25:12፣ 29:10
ከ. 536 ቅ.ኣ.ዘ. ዳንኤል ንመጽሓፍ ዳንኤል ጽሒፉ ወድኣ ዳን. 10:1
536 ቅ.ኣ.ዘ. መሰረት እታ ብዘሩባቤል እተሃንጸት ቤተ መቕደስ ተሰረተ እዝ. 3:8-10
522 ቅ.ኣ.ዘ. ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ተኣገደ እዝ. 4:23, 24
520 ቅ.ኣ.ዘ. ሃጌ ንመጽሓፍ ሃጌ ጽሒፉ ወድኣ ሃጌ. 1:1
518 ቅ.ኣ.ዘ. ዘካርያስ ንመጽሓፍ ዘካርያስ ጽሒፉ ወድኣ ዘካ. 1:1
515 ቅ.ኣ.ዘ. ዘሩባቤል ነታ ኻልአይቲ ቤተ መቕደስ ዛዘማ እዝ. 6:14, 15
ከ. 475 ቅ.ኣ.ዘ. ማርዶካይ ንመጽሓፍ ኣስቴር ጽሒፉ ወድኣ ኣስ. 3:7፣ 9:32
468 ቅ.ኣ.ዘ. እዝራን ካህናትን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ እዝ. 7:7
ከ. 460 ቅ.ኣ.ዘ. እዝራ ንቐዳማይን ካልአይን ዜና መዋእል ከምኡውን ንመጽሓፍ እዝራ ጽሒፉ ወድአን፣ መዝሙር ተዛዘመት እዝ. 1:1፣ 2 ዜና 36:22
455 ቅ.ኣ.ዘ. መካበብያ የሩሳሌም ብነህምያ ተሃንጸ፣ እቲ ብዛዕባ 70 ሰሙን እተገልጸ ትንቢት ፍጻሜኡ ጀመረ ነህ. 1:1፣ 2:1, 11፣ 6:15፣ ዳን. 9:24
ድ. 443 ቅ.ኣ.ዘ. ነህምያ ንመጽሓፍ ነህምያ ጽሒፉ ወድኣ ነህ. 5:14
ሚልክያስ ንመጽሓፍ ሚልክያስ ጽሒፉ ወድኣ ሚል. 1:1
406 ቅ.ኣ.ዘ. ህንጸት የሩሳሌም ኣብዚ ግዜ እዚ ተዛዚሙ ኪኸውን ኣለዎ ዳን. 9:25
332 ቅ.ኣ.ዘ. እታ ሓምሸይቲ ሓይሊ ዓለም ዝዀነት ግሪኽ ንይሁዳ ኽትገዝኣ ጀመረት ዳን. 8:21
ከ. 280 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ተጀመረ
165 ቅ.ኣ.ዘ. እታ ቤተ መቕደስ ብጣኦታት ግሪኽ ድሕሪ ምርካሳ ኸም ብሓድሽ ተወፈየት፣ በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ ዮሃ. 10:22
63 ቅ.ኣ.ዘ. እታ ሻድሸይቲ ሓይሊ ዓለም ዝዀነት ሮሜ ንየሩሳሌም ክትገዝኣ ጀመረት ዮሃ. 19:15፣ ራእ. 17:10
ከ. 37 ቅ.ኣ.ዘ. ሄሮድስ (ብሮሜ እተመዘዘ ንጉስ) ንየሩሳሌም ጐበጣ
2 ቅ.ኣ.ዘ. ዮሃንስ መጥምቕን የሱስን ተወልዱ ሉቃ. 1:60፣ 2:7
29 ከ.ኣ.ዘ. ዮሃንስን የሱስን ኣገልግሎቶም ጀመሩ ሉቃ. 3:1, 2, 23
33 ከ.ኣ.ዘ. 14 ኒሳን:- የሱስ መስዋእቲ ብምዃን ነቲ ሓድሽ ኪዳን መሰረት ኣንበረ፣ ተሰቕለ ሉቃ. 22:20፣ 23:33
16 ኒሳን:- የሱስ ተንስአ ማቴ. 28:1-10
6 ሲዋን: መዓልቲ ጴንጠቆስጠ:- መንፈስ ቅዱስ ፈሰሰ፣ ጴጥሮስ ንኣይሁድ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺኣትዉ መገዲ ኸፈተሎም ግብ. 2:1-17, 38
36 ከ.ኣ.ዘ. እተን 70 ናይ ዓመት ሰሙናት ተወድኣ፣ ጴጥሮስ ነቲ ኻብ ኣህዛብ ንመጀመርታ ግዜ ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ ቆርኔሌዎስ ምብጻሕ ገበረሉ ዳን. 9:24-27፣ ግብ. 10:1, 45
ከ. 41 ከ.ኣ.ዘ. ማቴዎስ ነታ “ማቴዎስ” ዘርእስታ ወንጌል ጸሓፋ
ከ. 47-48 ከ.ኣ.ዘ. ጳውሎስ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ጀመረ ግብ. 13:1–14:28
ከ. 49 ከ.ኣ.ዘ. ኣመሓዳሪ ኣካል ነቶም ካብ ኣህዛብ ኣመንቲ ዝዀኑ ኺግዘሩ ኸም ዘየድልዮም መምርሒ ኣውጽአ ግብ. 15:28, 29
ከ. 49-52 ከ.ኣ.ዘ. ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ጳውሎስ ግብ. 15:36–18:22
ከ. 50 ከ.ኣ.ዘ. ጳውሎስ ን1 ተሰሎንቄ ኣብ ቈረንቶስ ኰይኑ ጸሓፋ 1 ተሰ. 1:1
ከ. 51 ከ.ኣ.ዘ. ጳውሎስ ን2 ተሰሎንቄ ኣብ ቈረንቶስ ኰይኑ ጸሓፋ 2 ተሰ. 1:1
ከ. 50-52 ከ.ኣ.ዘ. ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ኣብ ቈረንቶስ ወይ ኣብታ ኣብ ሶርያ እትርከብ ኣንጾክያ ዀይኑ መልእኽቲ ጸሓፈሎም ገላ. 1:1
ከ. 52-56 ከ.ኣ.ዘ. ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ጳውሎስ ግብ. 18:23–21:19
ከ. 55 ከ.ኣ.ዘ. ጳውሎስ ን1 ቈረንቶስ ኣብ ኤፌሶን ኰይኑ: ን2 ቈረንቶስ ድማ ኣብ መቄዶንያ ዀይኑ ጸሓፈን 1 ቈረ. 15:32፣ 2 ቈረ. 2:12, 13
ከ. 56 ከ.ኣ.ዘ. ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኣብ ቈረንቶስ ኰይኑ መልእኽቲ ጸሓፈሎም ሮሜ 16:1
ከ. 56-58 ከ.ኣ.ዘ. ሉቃስ ነታ “ሉቃስ” ዘርእስታ ወንጌል ጸሓፋ ሉቃ. 1:1, 2
ከ. 60-61 ከ.ኣ.ዘ. ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ዀይኑ ናብዞም ዚስዕቡ ጸሓፈ:- ሰብ ኤፌሶን ኤፌ. 3:1
ሰብ ፊልጲ ፊል. 4:22
ሰብ ቈሎሴ ቈሎ. 4:18
ፊልሞን ፊሞ. 1
ከ. 61 ከ.ኣ.ዘ. ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ዀይኑ ንእብራውያን መልእኽቲ ጸሓፈሎም እብ. 13:24፣ 10:34
ሉቃስ ኣብ ሮሜ ዀይኑ ንመጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ጽሒፉ ወድኣ
ቅ. 62 ከ.ኣ.ዘ. ያእቆብ ሓው የሱስ ነታ “ያእቆብ” ዘርእስታ መልእኽቱ ኣብ የሩሳሌም ኰይኑ ጸሓፋ ያእ. 1:1
ከ. 60-65 ከ.ኣ.ዘ. ማርቆስ ነታ “ማርቆስ” ዘርእስታ ወንጌል ጸሓፋ
ከ. 61-64 ከ.ኣ.ዘ. ጳውሎስ ኣብ መቄዶንያ ዀይኑ ን1 ጢሞቴዎስ ጸሓፋ 1 ጢሞ. 1:3
ጳውሎስ ኣብ መቄዶንያ ዀይኑ ንቲቶስ ጸሓፋ (?) ቲቶ. 1:5
ከ. 62-64 ከ.ኣ.ዘ. ጴጥሮስ ኣብ ባቢሎን ኰይኑ ን1 ጴጥሮስ ጸሓፋ 1 ጴጥ. 1:1፣ 5:13
ከ. 64 ከ.ኣ.ዘ. ጴጥሮስ ኣብ ባቢሎን ኰይኑ ን2 ጴጥሮስ ጸሓፋ (?) 2 ጴጥ. 1:1
ከ. 65 ከ.ኣ.ዘ. ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ዀይኑ 2 ጢሞቴዎስ ጸሓፋ 2 ጢሞ. 4:16-18
ይሁዳ ሓው የሱስ ን“ይሁዳ” ጸሓፋ ይሁ. 1, 17, 18
70 ከ.ኣ.ዘ. የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ብሮማውያን ተደምሰሳ ዳን. 9:27፣ ማቴ. 23:37, 38፣ ሉቃ. 19:42-44
ከ. 96 ከ.ኣ.ዘ. ዮሃንስ ኣብ ጳጥሞስ ኰይኑ ንመጽሓፍ ራእይ ጸሓፋ ራእ. 1:9
ከ. 98 ከ.ኣ.ዘ. ዮሃንስ ነታ “ዮሃንስ” ዘርእስታ ወንጌል ከምኡውን ነተን 1ይ: 2ይ: 3ይ ዮሃንስ ዚብሃላ መልእኽትታቱ ጸሓፈ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ተወድአ ዮሃ. 21:22, 23
ከ. 100 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ኻብ ሃዋርያት መወዳእታ ዝተረፈ ዮሃንስ ሞተ 2 ተሰ. 2:7
መዘኻኸሪ:- መብዛሕትኡ እዚ ዕለታት እዚ ንሓደ እዋን ብትኽክል ዜመልክት ኪኸውን ከሎ: ኣብ ገሊኡ ግን ብመሰረት እቲ እተረኽበ መርትዖታት ዚጸጋግዖ ገምጋም እዩ ተጻሒፉ። ዕላማ እዚ ሰሌዳ እዚ ንነፍሲ ወከፍ ፍጻመ ዘይቅየር ዕለት ንምሃብ ዘይኰነስ: ንተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መስርዕ ግዜ ዘጋጠመ ፍጻመታት ንኽፈልጥዎን ንሓድሕዱ ንኼተኣሳስርዎን እዩ።
[ኣብ ገጽ 13-16 ዘሎ ሰሌዳ]
ኣብ ምድራዊ ህይወት የሱስ ዘጋጠመ ቐንዲ ፍጻመታት—እቲ ኣርባዕተ ወንጌላት ብመስርዕ ግዜ ክቕመጥ ከሎ
ምልክታት:- ድ. “ድሕሪ”፣ ቅ. “ቅድሚ”፣ ከ. “ከባቢ” ወይ “ኣቢሉ” የመልክት።
ግዜ ቦታ ፍጻመ
የሱስ ኣገልግሎቱ ቕድሚ ምጅማሩ
3 ቅ.ኣ.ዘ. የሩሳሌም: ቤተ መቕደስ ዮሃንስ መጥምቕ ከም ዚውለድ ንዘካርያስ ተነግሮ 1:5-25
ከ. 2 ቅ.ኣ.ዘ. ናዝሬት፣ ይሁዳ ንማርያም የሱስ ከም ዚውለድ ተነግራ: ንኤልሳቤጥ ክትበጽሓ ኸደት 1:26-56
2 ቅ.ኣ.ዘ. ኣኽራን ይሁዳ ዮሃንስ መጥምቕ ተወልደ፣ ጸኒሑ ኣብ በረኻ ኺነብር ጀመረ 1:57-80
2 ቅ.ኣ.ዘ.: ከ. 1 ጥቅ. ቤት-ልሄም የሱስ (እቲ ዅሉ ኻልእ ነገራት ብእኡ እተገብረ ቓል) ካብ መስመር ወለዶ ኣብርሃምን ዳዊትን ተወልደ 1:1-25 2:1-7 1:1-5, 9-14
ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም መልኣኽ ነቲ ብስራት ነገረ፣ ጓሶት ነቲ ሕጻን በጽሕዎ 2:8-20
ቤት-ልሄም፣ የሩሳሌም የሱስ ተገዝረ (ኣብ 8ይቲ መዓልቱ): ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ ቀረበ (ኣብ መበል 40 መዓልቱ) 2:21-38
1 ቅ.ኣ.ዘ. ወይ 1 ከ.ኣ.ዘ. የሩሳሌም፣ ቤት-ልሄም፣ ናዝሬት ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ፣ ናብ ግብጺ ሃደሙ፣ ሕጻናት ተቐትሉ፣ የሱስ ናብ ዓዱ ተመልሰ 2:1-23 2:39, 40
12 ከ.ኣ.ዘ. የሩሳሌም ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት የሱስ ኣብ ፋስጋ፣ ናብ ዓዱ ተመልሰ 2:41-52
29: ጽድያ በረኻ: ዮርዳኖስ ኣገልግሎት ዮሃንስ መጥምቕ 3:1-12 1:1-8 3:1-18 1:6-8, 15-28
መጀመርታ ኣገልግሎት የሱስ
29: ቀውዒ ሩባ ዮርዳኖስ የሱስ ተጠምቀን ተቐብአን: ካብ መስመር ወለዶ ዳዊት ከም ሰብ እኳ እንተ ተወልደ ወዲ ኣምላኽ ተባህለ 3:13-17 1:9-11 3:21-38 1:32-34
በረኻ ይሁዳ የሱስ ጾመን ተፈተነን 4:1-11 1:12, 13 4:1-13
ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ መስከረሉ 1:15, 29-34
ብላዕለዋይ ዮርዳኖስ ዚርከብ ስንጭሮ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ 1:35-51
ቃና ናይ ገሊላ፣ ቅፍርናሆም የሱስ ንመጀመርታ ተኣምር ገበረ፣ ናብ ቅፍርናሆም ከደ 2:1-12
30: ፋስጋ የሩሳሌም በዓል ፋስጋ፣ ንነጋዶ ኻብ መቕደስ ሰጐጎም 2:13-25
የሩሳሌም የሱስ ምስ ኒቆዲሞስ ተዘራረበ 3:1-21
ይሁዳ፣ ሄኖን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣጠመቑ፣ ዮሃንስ ነኣሰ 3:22-36
ጥብርያዶስ ዮሃንስ ተኣስረ፣ የሱስ ናብ ገሊላ ኸደ 4:12፣ 14:3-5 1:14፣ 6:17-20 3:19, 20፣ 4:14 4:1-3
ሲካር: ኣብ ሰማርያ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ከሎ ንሳምራውያን መሃሮም 4:4-43
የሱስ ኣብ ገሊላ ዝፈጸሞ ዓብዪ ኣገልግሎት
ገሊላ ንመጀመርታ ግዜ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ” ኢሉ ሰበኸ 4:17 1:14, 15 4:14, 15 4:44, 45
ናዝሬት፣ ቃና፣ ቅፍርናሆም ንሓደ ወዲ ኣሕወየ፣ እተዋህቦ መዝነት ኣንበበ፣ ኣይተቐበልዎን፣ ናብ ቅፍርናሆም ከደ 4:13-16 4:16-31 4:46-54
ባሕሪ ገሊላ: ጥቓ ቅፍርናሆም ስምኦንን እንድርያስን: ያእቆብን ዮሃንስን ኪስዕብዎ ጸውዖም 4:18-22 1:16-20 5:1-11
ቅፍርናሆም ኣጋንንቲ ንዝሓደርዎምን ንሓማት ጴጥሮስን ንብዙሓት ካልኦትን ኣሕወየ 8:14-17 1:21-34 4:31-41
ገሊላ ነቶም ኣርባዕተ ሒዙ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ገሊላ ዞረ 4:23-25 1:35-39 4:42, 43
ገሊላ ለምጻም ኣሕወየ፣ ብዙሓት ናብ የሱስ ተኣከቡ 8:1-4 1:40-45 5:12-16
ቅፍርናሆም መጻጕዕ ኣሕወየ 9:1-8 2:1-12 5:17-26
ቅፍርናሆም ንማቴዎስ ኪስዕቦ ጸውዖ፣ ምስ ተገውቲ በልዐ 9:9-17 2:13-22 5:27-39
ይሁዳ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ይሁዳ ሰበኸ 4:44
31: ፋስጋ የሩሳሌም በዓል ኣብዓለ፣ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕወየ፣ ንፈሪሳውያን ነቐፎም 5:1-47
ካብ የሩሳሌም ተመልሰ (?) ኣብ ሰንበት ደቀ መዛሙርቱ ሰዊት መሓዉ 12:1-8 2:23-28 6:1-5
ገሊላ፣ ባሕሪ ገሊላ ኣብ ሰንበት ኢድ ሓደ ሰብኣይ ኣሕወየ፣ ናብ ገምገም ባሕሪ ኸደ፣ ኣሕወየ 12:9-21 3:1-12 6:6-11
ጥቓ ቅፍርናሆም ዚርከብ ከረን ነቶም 12 ሃዋርያት መረጸ 3:13-19 6:12-16
ጥቓ ቅፍርናሆም ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት 5:1–7:29 6:17-49
ቅፍርናሆም ንባርያ ሓለቓ ሰራዊት ኣሕወየ 8:5-13 7:1-10
ናይን ንወዲ መበለት ኣተንስአ 7:11-17
ገሊላ ዮሃንስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንየሱስ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸሉ 11:2-19 7:18-35
ገሊላ ከተማታት ተነቕፋ፣ ንሕጻናት ተገልጸሎም፣ ኣርዑቱ ፈኵሽ 11:20-30
ገሊላ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ኣእጋሩ ብቕብኢ ለኸየቶ፣ ብዛዕባ ሰብ ዕዳ ምስላ ነገረ 7:36-50
ገሊላ ነቶም 12 ሒዙ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ገሊላ እናሰበኸ ዞረ 8:1-3
ገሊላ ጋኔን ንዝሓደሮ ኣሕወየ፣ ምስ ብኤል-ዜቡል ሕብረት ከም ዘለዎ ተኸሰሰ 12:22-37 3:19-30
ገሊላ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ትእምርቲ ደለዩ 12:38-45
ገሊላ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣዲኡን ምዃኖም ተዛረበ 12:46-50 3:31-35 8:19-21
ባሕሪ ገሊላ ምስላታት:- እቲ ዘራኢ: ክርዳድ: ካልኦት፣ መግለጺታቱ 13:1-53 4:1-34 8:4-18
ባሕሪ ገሊላ ነቲ ቐላይ ኪሰግሮ ኸሎ ንማዕበል ኣህድኦ 8:18, 23-27 4:35-41 8:22-25
ጋዳራ: ደቡባዊ ምብራቕ ባሕሪ ገሊላ ንኽልተ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ኣሕወየ፣ እቶም ኣጋንንቲ ኣብ ሓሰማታት ኣተዉ 8:28-34 5:1-20 8:26-39
ምናልባት ቅፍርናሆም ንጓል ያኢሮስ ኣተንስኣ፣ ንሓንቲ ሰበይቲ ኣሕወያ 9:18-26 5:21-43 8:40-56
ቅፍርናሆም (?) ንኽልተ ዕዉራትን ንሓደ ጋኔን ዝሓደሮ ዓባስን ኣሕወዮም 9:27-34
ናዝሬት ናብታ ዝዓበየላ ኸተማ ኸደ: እንደገና ድማ ኣይተቐበልዎን 13:54-58 6:1-6
ገሊላ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ገሊላ ዞረ: ነቶም ሃዋርያቱ ድማ ለኣኾም 9:35–11:1 6:6-13 9:1-6
ጥብርያዶስ ዮሃንስ መጥምቕ ተሰየፈ፣ ሄሮድስ ብገበኑ ፈርሀ 14:1-12 6:14-29 9:7-9
32: ፋስጋ ምስ ቀረበ (ዮሃ. 6:4) ቅፍርናሆም (?)፣ ሰሜናዊ ምብራቕ ባሕሪ ገሊላ ሃዋርያት ካብ ስብከት ተመልሱ፣ ን5,000 መገበ 14:13-21 6:30-44 9:10-17 6:1-13
ሰሜናዊ ምብራቕ ባሕሪ ገሊላ፣ ጌንሳሬጥ ንየሱስ ኬንግስዎ ፈተኑ፣ ብባሕረ ባሕሪ ኸደ፣ ኣሕወየ 14:22-36 6:45-56 6:14-21
ቅፍርናሆም “እንጌራ ህይወት” መን ምዃኑ ገለጸ፣ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ንድሕሪት ተመልሱ 6:22-71
32: ድሕሪ ፋስጋ ምናልባት ቅፍርናሆም ንቓል ኣምላኽ ከንቱ ዚገብሮ ስርዓታት 15:1-20 7:1-23 7:1
ፊንቄ፣ ዓሰርተ ዓዲ ጥቓ ጢሮስ: ሲዶና፣ ድሕሪኡ ናብ ዓሰርተ ዓዲ፣ ን4,000 መገበ 15:21-38 7:24–8:9
መግደላ ሰዱቃውያንን ፈሪሳውያንን እንደገና ትእምርቲ ደለዩ 15:39–16:4 8:10-12
ሰሜናዊ ምብራቕ ባሕሪ ገሊላ፣ ቤተ-ሳይዳ ካብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያን ተጠንቀቑ በለ፣ ንሓደ ዕዉር ኣሕወዮ 16:5-12 8:13-26
ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ የሱስ መሲህ እዩ፣ ኪመውትን ኪትንስእን ምዃኑ ተነበየ 16:13-28 8:27–9:1 9:18-27
ምናልባት ከረን ሄርሞን ኣብ ቅድሚ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስ ተኣምራዊ ምልዋጥ 17:1-13 9:2-13 9:28-36
ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ደቀ መዛሙርቱ ኼሕውይዎ ንዘይከኣሉ ጋኔን ዝሓደሮ ወዲ ኣሕወዮ 17:14-20 9:14-29 9:37-43
ገሊላ እንደገና ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ተነበየ 17:22, 23 9:30-32 9:43-45
ቅፍርናሆም ግብሪ ብተኣምር ተኸፍለ 17:24-27
ቅፍርናሆም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚበልጽ፣ ጕድለት ምዕራይ፣ ምሕረት 18:1-35 9:33-50 9:46-50
ገሊላ፣ ሰማርያ በዓል ዳስ ንኼብዕል ካብ ገሊላ ነቒሉ ይኸይድ፣ ቀዳምነት ነገልግሎት 8:19-22 9:51-62 7:2-10
የሱስ ጸኒሑ ኣብ ይሁዳ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት
በዓል ዳስ የሩሳሌም የሱስ ኣብ በዓል ዳስ ብግህዶ መሃረ 7:11-52
የሩሳሌም ድሕሪ እቲ በዓል መሃረ፣ ንዕዉር ኣሕወየ 8:12–9:41
ምናልባት ይሁዳ እቶም 70 ኺሰብኩ ተላእኩ፣ ጸብጻብ ኪህቡ ተመልሱ 10:1-24
ይሁዳ፣ ቢታንያ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ተዛረበ፣ ኣብ ቤት ማርታን ማርያምን 10:25-42
ምናልባት ይሁዳ እንደገና ኣብነት እትዀነና ጸሎት ሃበ፣ ከይተሓለልና ኽንልምን ተዛረበ 11:1-13
ምናልባት ይሁዳ እቲ ዝቐረበሉ ናይ ሓሶት ክሲ ግጉይ ምዃኑ መርትዖ ኣቕረበ፣ ነቲ ወለዶ ዀነኖ 11:14-36
ምናልባት ይሁዳ የሱስ ኣብ መኣዲ ፈሪሳዊ ንግቡዛት ኰነነ 11:37-54
ምናልባት ይሁዳ ኣምላኽ ከም ዚሓሊ ገለጸ፣ እሙን መጋቢ 12:1-59
ምናልባት ይሁዳ ጐቢጣ ንዝነበረት ሰበይቲ ብሰንበት ኣሕወያ፣ ሰለስተ ምስላታት 13:1-21
32: በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም የሱስ ኣብ በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ፣ ሕያዋይ ጓሳ 10:1-39
የሱስ ጸኒሑ ኣብ ዮርዳኖስ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት
ማዕዶ ዮርዳኖስ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ 10:40-42
ጴርያ (ማዕዶ ዮርዳኖስ) ናብ የሩሳሌም እናኸደ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን መሃረ 13:22
ጴርያ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው፣ ሄሮድስ ኪቐትሎ ደለየ፣ ቤቶም ዓንያ ኽትተርፍ እያ 13:23-33
ምናልባት ጴርያ ትሕትና፣ ምስላ እቲ ዓብዪ ድራር 14:1-24
ምናልባት ጴርያ ወዲ መዝሙር ምዃን ዜምጽኦ ሓላፍነት ምጽብጻብ 14:25-35
ምናልባት ጴርያ ምስላታት:- ዝጠፍአት በጊዕ: ዝጠፍአት ድሪም ወይ ሳንቲም: ሓሻሽ ወዲ 15:1-32
ምናልባት ጴርያ ምስላታት:- ዓመጸኛ ኣዛዚ: ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን 16:1-31
ምናልባት ጴርያ በደል ምሕዳግን እምነትን፣ ዘይንጠቅም ባሮት 17:1-10
ቢታንያ የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ኣተንስኦ 11:1-46
የሩሳሌም፣ ኤፍሬም ቀያፋ ንየሱስ ኪቕትልዎ መኸረ፣ የሱስ ካብቲ ቦታ ኣልገሰ 11:47-54
ሰማርያ፣ ገሊላ ብሰማርያን ገሊላን ኪሓልፍ ከሎ ፈወሰን መሃረን 17:11-37
ሰማርያ ወይ ገሊላ ምስላታት:- ላሕ እተብል መበለት: ፈሪሳውን ተጋውን 18:1-14
ጴርያ ብጴርያ ሓለፈ፣ ብዛዕባ ፍትሕ መሃረ 19:1-12 10:1-12
ጴርያ ንቘልዑ ተቐቢሉ ባረኾም 19:13-15 10:13-16 18:15-17
ጴርያ ሃብታም ጐበዝ፣ ምስላ እቶም ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ዚዓዩ ሰብ ውዕለት 19:16–20:16 10:17-31 18:18-30
ምናልባት ጴርያ የሱስ ንሳልሳይ ግዜ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ተነበየ 20:17-19 10:32-34 18:31-34
ምናልባት ጴርያ ያእቆብን ዮሃንስን ኣብ መንግስቱ ብዛዕባ ዚቕመጡሉ ቦታ ለመኑ 20:20-28 10:35-45
ያሪኮ ብያሪኮ ኺሓልፍ ከሎ ኽልተ ዕዉራት ኣሕወየ፣ ንዘኬዎስ በጽሖ፣ ምስላ ዓሰርተ ምና 20:29-34 10:46-52 18:35–19:28
የሱስ ኣብ የሩሳሌም ዝፈጸሞ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎቱ
8 ኒሳን 33 ቢታንያ ሽዱሽተ መዓልቲ ቀቅድሚ በዓል ፋስጋ ናብ ቢታንያ ኸደ 11:55–12:1
9 ኒሳን ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ለምጻም ድግስ ተገብረ፣ ማርያም ንየሱስ ቅብኢ ለኸየቶ፣ ኣይሁድ ንየሱስን ንኣልኣዛርን ኪርእዩ መጹ 26:6-13 14:3-9 12:2-11
9 ኒሳን (ዝቐጸለ) ቢታንያ- የሩሳሌም ክርስቶስ ተዓጂቡ ናብ የሩሳሌም ኣተወ 21:1-11, 14-17 11:1-11 19:29-44 12:12-19
10 ኒሳን ቢታንያ- የሩሳሌም እታ መኻን ኦም በለስ ተረግመት፣ ንኻልኣይ ግዜ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ 21:18, 19, 12, 13 11:12-17 19:45, 46
የሩሳሌም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ንየሱስ ኬጥፍእዎ ተማኸሩ 11:18, 19 19:47, 48
የሩሳሌም ምስ ጽርኣውያን ተዘራረበ፣ ኣይሁድ ብእኡ ኣይኣመኑን 12:20-50
11 ኒሳን ቢታንያ- የሩሳሌም እታ መኻን ኦም በለስ ነቒጻ ጸንሐት 21:19-22 11:20-25
የሩሳሌም: ቤተ መቕደስ ክርስቶስ በየናይ ስልጣን ከም ዚምህር ተሓትተ፣ ምስላ እቶም ክልተ ውሉዳት 21:23-32 11:27-33 20:1-8
የሩሳሌም: ቤተ መቕደስ ምስላ እቶም እኩያት ዓየይትን ዕድመ መርዓን 21:33–22:14 12:1-12 20:9-19
የሩሳሌም: ቤተ መቕደስ ብዛዕባ ግብርን ትንሳኤን ትእዛዛትን እተላዕለ ዝጠልፍ ሕቶታት 22:15-40 12:13-34 20:20-40
የሩሳሌም: ቤተ መቕደስ የሱስ: መሲህ ወዲ መን ምዃኑ ብምሕታት ኣፎም ኣትሓዞም 22:41-46 12:35-37 20:41-44
የሩሳሌም: ቤተ መቕደስ ንጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣመና ዀነኖም 23:1-39 12:38-40 20:45-47
የሩሳሌም: ቤተ መቕደስ እታ መበለት ዘውደቐተን ክልተ ሳንቲም 12:41-44 21:1-4
ደብረ ዘይቲ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም: ብዛዕባ ህላወ የሱስ: ብዛዕባ መወዳእታ ኣገባብ እተነግረ ትንቢት 24:1-51 13:1-37 21:5-38
ደብረ ዘይቲ ምስላታት:- ዓሰርተ ደናግል: መክሊት: ኣባጊዕን ኣጣልን 25:1-46
12 ኒሳን የሩሳሌም መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ኪቐትልዎ ውዲት ኣለሙ 26:1-5 14:1, 2 22:1, 2
የሩሳሌም ይሁዳ ንየሱስ ንኼትሕዞ ምስ ካህናት ተወዓዓለ 26:14-16 14:10, 11 22:3-6
13 ኒሳን (ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ) ኣብ ጥቓ የሩሳሌምን ኣብ ውሽጥን ንፋስጋ ምድላው ተገብረ 26:17-19 14:12-16 22:7-13
14 ኒሳን የሩሳሌም ፋስጋ ምስቶም 12 ኣብዓለ 26:20, 21 14:17, 18 22:14-18
የሩሳሌም የሱስ ኣእጋር ሃዋርያቱ ሓጸበ 13:1-20
የሩሳሌም ይሁዳ ኸዳዕ ምዃኑ ተገልጸን ተሰጐን 26:21-25 14:18-21 22:21-23 13:21-30
የሩሳሌም በዓል ዝኽሪ ምስቶም 11 ኣቘመ 26:26-29 14:22-25 22:19, 20, 24-30 [1 ቈረ. 11: 23-25]
የሩሳሌም ጴጥሮስ ኪኽሕድ: ሃዋርያት ድማ ኪብተኑ ምዃኖም ተነግሮም 26:31-35 14:27-31 22:31-38 13:31-38
የሩሳሌም መጸናንዒ፣ ፍቕሪ ሓድሕድ፣ ጸበባ፣ ጸሎት የሱስ 14:1–17:26
ጌተሰማኔ ጻዕረ ሞት ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ፣ የሱስ ኣሕሊፍካ ተዋህበን ተታሕዘን 26:30, 36-56 14:26, 32-52 22:39-53 18:1-12
የሩሳሌም ብሃና ተመርመረ፣ ኣብ ሳንሄድሪን ብቀያፋ ተመርመረ፣ ጴጥሮስ ከሓደ 26:57–27:1 14:53–15:1 22:54-71 18:13-27
የሩሳሌም እቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ተሓንቀ 27:3-10 [ግብ. 1: 18,19]
የሩሳሌም ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ: ድሕሪኡ ናብ ሄሮድስ: እንደገና ናብ ጲላጦስ 27:2, 11-14 15:1-5 23:1-12 18:28-38
የሩሳሌም ጲላጦስ ኪፈትሖ ድሕሪ ምድላዩ: ንኪቐትልዎ ኣሕሊፉ ሃቦ 27:15-30 15:6-19 23:13-25 18:39– 19:16
(ዓርቢ ከ.3:00 ድ.ቐ.) ጎልጎታ: የሩሳሌም የሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጸይቲ ሞተ: ስዒቡ ዝመጸ ፍጻመታት 27:31-56 15:20-41 23:26-49 19:16-30
የሩሳሌም ስጋ የሱስ ካብ መሳቐዪ ዕንጸይቲ ኣልዒሎም ኣብ መቓብር ኣንበርዎ 27:57-61 15:42-47 23:50-56 19:31-42
15 ኒሳን የሩሳሌም ካህናትን ፈሪሳውያንን ኣብቲ መቓብር ሓለውቲ ገበሩ 27:62-66
16 ኒሳን የሩሳሌምን ከባቢኣን ትንሳኤ የሱስን በታ መዓልቲ እተፈጸመ ፍጻመታትን 28:1-15 16:1-8 24:1-49 20:1-25
ድ. 16 ኒሳን የሩሳሌም፣ ገሊላ የሱስ ክርስቶስ ተራእየ 28:16-20 [1 ቈረ. 15:5-7] [ግብ. 1:3-8] 20:26– 21:25
25 ኢያር ደብረ ዘይቲ: ጥቓ ቢታንያ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ኣብ መበል 40 መዓልቲ ዓረገ [ግብ. 1:9-12] 24:50-53