ጸፎንያስ
1 እቲ ብዘመን ዮስያስ+ ወዲ ኣሞን+ ንጉስ ይሁዳ፡ ናብ ጸፎንያስ* ወዲ ኩሺ ወዲ ገዳልያ ወዲ ኣማርያ ወዲ ህዝቅያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ፦
2 “ንዅሉ ኻብ ገጽ ምድሪ ጠሪሰ ክዅስትሮ እየ” ይብል የሆዋ።+
3 “ንሰብን ንእንስሳን ክዅስትሮም እየ።
4 “ኢደይ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ፡
ኣብ ልዕሊ ዅሎም ነበርቲ የሩሳሌም ክዝርግሕ፡
ኵሉ ኣሰር በዓል፡+ ስም ካህናት ጓኖት ኣማልኽቲ ምስቶም ካህናት፡
ካብዛ ቦታ እዚኣ ኽድምስስ እየ፣+
5 ነቶም ኣብ ናሕስታት ንሰራዊት ሰማያት ዚሰግዱ፡+
ነቶም ንማልካም ተኣማንነቶም እናመሓሉ+
ንየሆዋ ዚሰግዱን ተኣማንነቶም ዚምሕሉን፡+
ነቶም ንየሆዋ ዘይደልይዎን ዘይሓትትዎን ክድምስሶም እየ።”+
7 መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ እሞ፡+ ኣብ ቅድሚ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ስቕ በሉ።
የሆዋ መስዋእቲ ኣዳልዩ ኣሎ፣ ነቶም ዝዓደሞም ቀዲስዎም ኣሎ።
10 በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡
“ካብ ኣፍ ደገ ዓሳ ደሃይ ኣውያት፡+
ካብ ካልኣይ ክፋል እታ ኸተማ ድማ ዋይዋይታ፡+
ካብቲ ዅርባታት ከኣ ዓብዪ ምስብባር ኪስማዕ እዩ።
12 ሽዑ፡ ኣነ ንየሩሳሌም ተጠንቂቐ ብመብራህቲ ኽጕርጕራ እየ፣
ነቶም ብልቦም፡ ‘የሆዋ ጽቡቕ ኣይገብር፡ ክፉእ እውን ኣይገብር’
13 ሃብቶም ኪዝመት፡ ኣባይቶም ከኣ ኪባድም እዩ።+
ኣባይቲ ኺሃንጹ፡ ግናኸ ኣይኪነብሩለንን እዮም፣
ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ኪተኽሉ፡ ግናኸ ፍሪኡ ኣይኪበልዑን እዮም።+
ቀሪባ እያ፡ ኣዝያ ቐልጢፋ ድማ ትቐርብ ኣላ!+
ደሃይ መዓልቲ የሆዋ መሪር እዩ።+
ኣብኣ ጅግና የእዊ።+