መዝሙር
78 ኦ ህዝበይ፡ ንሕገይ* ጽን በሎ፣
እዝንኻ ናብ ቃላት ኣፈይ ኣድንን።
2 ኣፈይ ብምስላ ክኸፍት እየ።
ናይ ቀደም ሕንቅሕንቅሊተያት ክብል እየ።+
3 እቲ ዝሰማዕናዮን ዝፈለጥናዮን፡
ኣቦታትና እውን ዘዘንተዉልና፡+
4 ካብ ደቆም ኣይክንሓብኦን ኢና፣
እቲ ዚንኣድ ግብርታት የሆዋን ብርታዐኡን፡+
እቲ ዝገበሮ ዜደንቕ ነገራት፡+
ንዚመጽእ ወለዶ ኸነዘንትዎ ኢና።+
5 ንሱ ኣብ ያእቆብ መዘኻኸሪ ኣቘመ፣
ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ገበረ።
ነዚ ንደቆም ኬፍልጡ ድማ፡
ንኣቦታትና ኣዘዞም።+
6 በዚ ኸምዚ፡ እቲ ዚመጽእ ወለዶ፡
እቶም ገና ዚውለዱ ደቂ፡ ነዚ ይፈልጥዎ።+
ንሳቶም ድማ ብተራኦም ንደቆም የዘንትውዎ።+
7 ሽዑ፡ እዚኣቶም እምንቶኦም ኣብ ኣምላኽ ይገብሩ።
9 ደቂ ኤፍሬም ቀስቲ ዓጢቖም ነበሩ፣
ግናኸ፡ ብመዓልቲ ውግእ ኣንሰሓቡ።
14 መዓልቲ ብደበና፡
ምሉእ ለይቲ እውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም።+
15 ኣብ በረኻ፡ ኣኻውሕ ጨደደ፣
ከም ካብ መዓሙቝ ማያት ከኣ ክሳዕ ዚረውዩ ኣስተዮም።+
16 ካብ ከውሒ ወሓይዝ ኣውጽአ፣
ማያት ድማ ከም ኣፍላግ ኣውሓዘ።+
17 ንሳቶም ግና ኣብ ምድረ በዳ ኻብቲ ልዑል ብምዕላው፡
ንዕኡ በደልዎ።+
19 “ኣምላኽዶ ኣብ በረኻ መኣዲ ኺሰርዕ ይኽእል እዩ፧”+
ኢሎም ኣንጻር ኣምላኽ ተዛረቡ።
20 ማያት ኪፍልፍልን ወሓይዝ ኪውሕዝንሲ፡
እንሆ፡ ንሱ ኸውሒ ወቕዐ።+
“እንጌራኸ ኺህበናዶ ይኽእል እዩ፧
ወይስ ንህዝቡ ስጋዶ ኼዳሉ ይኽእል እዩ፧”+
21 የሆዋ ምስ ሰምዖም፡ ተቘጥዐ፣+
ኣብ ያእቆብ ሓዊ+ ነደደ፣
ቍጥዓኡ እውን ኣብ እስራኤል ተባርዐ፣+
22 ከመይሲ፡ ብኣምላኽ ኣይኣመኑን፣+
ኬድሕኖም ከም ዚኽእል እውን ብእኡ ኣይተኣመኑን።*
23 ስለዚ፡ ንሱ ኣብ ላዕሊ ድብንብን ንዚብል ሰማያት ኣዘዞ፣
መዓጹ ሰማይ ከኣ ከፈተ።
26 ንፋስ ምብራቕ ኣብ ሰማያት ኣለዓዓለ፣
ብሓይሉ ድማ ንፋስ ደቡብ ኣንፈሰ።+
27 ስጋ ኸኣ ከም ሓመድ፡
ኣዕዋፍ እውን ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝነመሎም።
28 ኣብ ማእከል ሰፈሮም፡
ኣብ ዙርያ ድንኳናቱ ኣርገፈሎም።
29 በልዑን ኣመና ጸገቡን፣
ከም ትምኒቶም እውን ሃቦም።+
ንብርቱዓቶም ከኣ ቀተሎም፣+
ንኣጕባዝ እስራኤል እውን ኣውደቖም።
33 ስለዚ፡ ንመዓልትታቶም ከም ትንፋስ፡
ንዓመታቶም እውን ብሃንደበታዊ ሽበራ ወድአን።+
34 ኪቐትሎም ከሎ ግና፡ ይደልይዎ ነበሩ፣+
ተመሊሶም ንኣምላኽ ይደልይዎ ነበሩ።
36 ግናኸ፡ ብኣፎም ኬታልልዎ ፈተኑ፣
ብልሳኖም እውን ሓሰውዎ።
ንዅሉ ነድሩ ኣብ ክንዲ ዜለዓዕሎ፡
ንቝጥዓኡ ብዙሕ ሳዕ ገትኦ።+
40 ኣብ በረኻስ ክንደይ ሳዕ ኰን እዮም ካብኡ ዝዓለዉ!+
ኣብ ምድረ በዳ እውን ኣጕሃይዎ!+
46 እኽሎም ንበላዒ ኣንበጣ፡
ፍረ ጻዕሮም ከኣ ንዕስለ ኣንበጣ ሃቦ።+
47 ንተኽሊ ወይኖም ብበረድ፡+
ንኣእዋም ሳግላኦም ድማ ብኣእማን በረድ ኣጥፍአ።
49 ዚነድድ ኵራኡን
ነድርን ቍጥዓን ጭንቅን
መዓት ዜምጽኡ ጭፍራ መላእኽትን ኣውረደሎም።
50 ንቝጥዓኡ መገዲ ጸረገሉ።
51 ንዅሎም በዅሪ ግብጺ፡
ነቶም መጀመርታ ስብእነቶም ኣብ ድንኳናት ካም ቀተሎም።+
52 ንህዝቡ ድማ ከም ኣባጊዕ ኣውጽኦም፣+
ኣብ በረኻ እውን ከም መጓሰ መርሖም።
57 ኣላገሱ፡ ከም ኣቦታቶም እውን ጠለምቲ ነበሩ።+
ከም ዝዘለቐ ቐስቲ ዘየተኣማምኑ ዀኑ።+
59 ኣምላኽ ከኣ ሰሚዑ ተቘጥዐ፣+
ንእስራኤል እውን ፈጺሙ ነዓቖ።
61 ንምልክት ብርታዐኡ ናብ ምርኮ ኪኸይድ ፈቐደ፣
ንግርማኡ እውን ኣብ ኢድ ተጻራሪ ሃበ።+
62 ንህዝቡ፡ ንሰይፊ ኣሕሊፉ ሃቦም፣+
ንርስቱ ድማ ተቘጥዖ።
63 ንኣጕባዙ ሓዊ በልዖም፣
ንደናግሉ ኸኣ ደርፊ መርዓ ኣይተደርፈለንን።*
66 ንተጻረርቱ ድማ ንድሕሪት መለሶም፣+
ነባሪ ነውሪ እውን ኣሰከሞም።
67 ንድንኳን ዮሴፍ ደርበያ፣
ንነገድ ኤፍሬም ከኣ ኣይሓረዮን።