2 ጴጥሮስ
2 ግናኸ፡ ከምቲ ናይ ሓሶት ነብያት ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ዝነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ መንጎኹም ናይ ሓሶት መምህራን ኪህልዉ እዮም።+ ንሳቶም ዜጥፍእ ኑፋቐ ሰላሕ ኣቢሎም ኬእትዉን ነቲ ዝዓደጎም ዋና እኳ ኪኽሕድዎን እዮም፣+ ኣብ ርእሶም እውን ቅልጡፍ ጥፍኣት ኬምጽኡ እዮም። 2 ብዙሓት ድማ ነቲ ንውርምናኦም* ኪስዕብዎ እዮም፣+ ብሰሮም እውን መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ።+ 3 ብቓል ጥበራ ገይሮም ከኣ፡ ብስስዐ ኺምዝምዙኹም እዮም። እቲ ቐደም እተወሰነ ፍርዶም+ ግና ኣይድንጕን፡ ጥፍኣቶም እውን ኣይድቅስን እዩ።+
4 ኣምላኽ ነቶም ዝሓጥኡ መላእኽቲ እኳ ኣይነሓፎምን፣+ የግዳስ፡ ናብ ጦርጦስ* ደርብዩ፡+ ንፍርዲ ኺዕቈሩ ብመቝሕ ድቕድቕ ጸልማት ኣሲርዎም እዩ።*+ 5 ነታ ጥንታዊት ዓለም እውን ኣይነሓፋን፣+ የግዳስ፡ ኣብታ ፍርሃት ኣምላኽ ናይ ዘይብሎም ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ፡+ ንኖህ እቲ ሰባኽ ጽድቂ+ ሻምናይ ርእሱ+ ሓልይዎ እዩ። 6 ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ሓምዅሽቲ ብምግባር ድማ፡ ኰኒንወን እዩ፣+ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ብዛዕባ ዚመጾም ነገር ከኣ፡ መሰክሒ ዀይነን ኣለዋ።+ 7 ነቲ ብንውርምና* እቶም ጠሓስቲ ሕጊ ኣመና ዚጕሂ ዝነበረ ጻድቕ ሎጥ ግና ኣናጊፍዎ እዩ፣+— 8 መዓልቲ መዓልትስ፡ በቲ እቲ ጻድቕ ኣብ መንጎኦም ኪነብር ከሎ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብርታት ጥሕሰት ሕጊ፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ* ትስቀ ነይራ እያ። 9 እምበኣር፡ የሆዋ* ነቶም ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ሰባት ከመይ ገይሩ ኻብ ፈተና ኸም ዜናግፎም ይፈልጥ እዩ፣+ ንዓመጽቲ ግና ብመዓልቲ ፍርዲ ምእንቲ ኺጠፍኡ* ኸመይ ገይሩ ኸም ዚዓቝሮም ይፈልጥ እዩ፣+ 10 ምናዳ ኸኣ ነቶም ንስጋ ኻልኦት ኬርክሱ ዚደልዩን+ ንስልጣን ዚንዕቁን።+
ንሳቶም ደፋራት፡ ብርእሶም ዚምክሑ፡ ንኽቡራት ኪጸርፉ ዘይፈርሁ እዮም፣ 11 መላእኽቲ ግና ብሓይልን ብስልጣንን ዚበልጹ ኽነሶምሲ፡ ንየሆዋ* ኻብ ዘለዎም ኣኽብሮት እተላዕለ፡* ብጸርፊ ኣይከሰስዎምን።+ 12 እዚኣቶም ግና ከምቶም ኪትሓዙን ኪጠፍኡን እተፈጥሩ ዘይሓስቡ እንስሳታት ብምዃኖም፡ ብዛዕባ ዘይፈልጥዎ ነገራት ይጻረፉ ኣለዉ።+ በቲ ባዕሎም ዜምጽእዎ መገዲ ጥፍኣት ኪጠፍኡ እዮም፣ 13 ከም ዓስቢ ዓመጻኦም እውን፡ ኪዕመጹ እዮም።
ብቐትሪ እኳ ምሕንቃቕ ከም ተድላ ገይሮም ይርእይዎ እዮም።+ ምሳኻትኩም ኣብ መኣዲ እናበልዑ፡ ብዜታልል ትምህርቶም ዚፍንጥዙ* ርስሓትን ኣበርን እዮም።+ 14 ዝሙት ዝመልኣን+ ካብ ሓጢኣት ዘየቋርጻን ኣዒንቲ ኣለዋኦም፣ ንዘይጸንዑ* ኸኣ ይሓብሉ እዮም። ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም። ርጉማት ደቂ እዮም። 15 ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሓዲጎም ስሒቶም እዮም። መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ+ በላዓም+ ወዲ ቤዖር ስዒቦም እዮም፣ 16 ንሱ ግና ቅኑዕ ዝዀነ ብምጥሓሱ፡ መግናሕቲ ተቐቢሉ እዩ።+ ዓባስ መጽዓኛ ብድምጺ ሰብ ተዛሪባስ ንጽላለ እቲ ነብዪ ዓጊታቶ እያ።+
17 እዚኣቶም ማይ ዘይብሉ ዓይኒ ማያትን ብህቦብላ ዚኽብከብ ግመን እዮም፣ ግብ ዝበለ ጸልማት ከኣ ተዓቚሩሎም ኣሎ።+ 18 ከንቱ ዝዀነ ዘረባ ትዕቢት ይዛረቡ እዮም። ነቶም ካብቶም ብስሕተት ዚነብሩ ሕጂ ንቝሩብ ዘምለጡ ሰባት፡ ብትምኒት ስጋን+ ብንውርምናን* ይሓብሉ እዮም።+ 19 እተሳዕረ ነቲ ዝሰዓሮ ባርያኡ ይዀኖ እዩ እሞ፡+ ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ብልሽውና ኽነሶም፡+ ሓርነት የተስፍውዎም ኣለዉ። 20 ብልክዕ ፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብ ርኽሰት ዓለም ድሕሪ ምምላጦም፡+ ከም ብሓድሽ ብእኡ እንተ ተጠላሊፎምን እንተ ተሳዒሮምን፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን።+ 21 ነታ መገዲ ጽድቂ ብልክዕ ፈሊጦም ካብቲ ቕዱስ ትእዛዝ ካብ ዚርሕቁ፡ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሓሾም ነይሩ።+ 22 ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ፡ “ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመልሰ፣ ሓሰማ እውን ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት” ዚብሎ በጺሕዎም ኣሎ።+