ሮሜ
10 ኣሕዋተየ፡ ሃረርታ ልበይን ምእንታኦም ናብ ኣምላኽ ዘቕርቦ ምህለላይንሲ፡ ንሳቶም ኪድሕኑ እዩ።+ 2 ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡+ ኣነ እምስክረሎም እየ። 3 ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦም፡+ ጽድቂ ርእሶም እውን ኪስርቱ ብምድላዮም፡+ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝእዋን።+ 4 ዚኣምን ዘበለ ጽድቂ ምእንቲ ኺረክብሲ፡+ ክርስቶስ መወዳእታ ሕጊ እዩ።+
5 ከመይሲ፡ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ብሕጊ ዚርከብ ጽድቂ፡ “እቲ ዚገብሮ ሰብ፡ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።+ 6 እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከምዚ ይብል፦ “ብልብኻ ኸምዚ ኣይትበል፦+ ‘መን ናብ ሰማይ ኪድይብ እዩ፧’+ ማለት ንክርስቶስ ኬውርዶ፣ 7 ወይስ፡ ‘መን ናብ መዓሙቝ ኪወርድ እዩ፧’+ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬምጽኦ።” 8 ግናኸ እንታይ እዩ ዚብል፧ “እቲ ቓል ቀረባኻ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ”፣+ ማለት እቲ እንሰብኮ “ቓል” እምነት። 9 ብኣፍካ እቲ ቓል፡ ማለት የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነጊርካ፡+ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እውን ብልብኻ እንተ ኣሚንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። 10 ከመይሲ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑ+ እውን ይድሕን እዩ።
11 እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ፡ “ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይኪሓፍርን እዩ” ይብል እዩ።+ 12 ምኽንያቱ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ ሃብታም* ዝዀነ ሓደ ጐይታ እዩ ዘሎ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ግሪኻውን ፍልልይ የልቦን።+ 13 ማለት፡ “ስም የሆዋ* ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።”+ 14 ግናኸ፡ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ፡ ከመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ ኸመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ እዮም፧ ብዘይ ሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ እዮም፧ 15 ከምቲ፡ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቓት እየን!” ዚብል እተጻሕፈ፡+ ከይተላእኩኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰብኩ እዮም፧+
16 ግናኸ፡ ኢሳይያስ፡ “የሆዋ፡* በቲ ኻባና እተሰምዐ* መን ኣሚኑ፧” ይብል እዩ እሞ፡+ ኵላቶም ኣይኰኑን ነቲ ብስራት እተኣዘዙ። 17 እምበኣር፡ እምነት ካብ ምስማዕ እያ።+ ምስማዕ እውን ብቓል ክርስቶስ እዩ። 18 ኣነ ግና ክሓትት፦ ኣይሰምዑን ድዮም፧ እኳ ደኣስ፡ “ደሃዮም ናብ ኵላ ምድሪ፡ መልእኽቶም ድማ ክሳብ ወሰናት ዓለም ወጺኡ።”+ 19 ኣነ ግና ክሓትት፦ እስራኤልከ ኣይፈለጠን ድዩ፧+ ቅድም ሙሴ፡ “ኣነ ህዝቢ ብዘይኰነ ከቕንኣኩም፡ ብዓሻ ህዝቢ እውን ከቘጥዓኩም እየ” ይብል እዩ።+ 20 ኢሳይያስ እውን ደፊሩ፡ “ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኺበሎም፣+ ነቶም ዘይሓተቱለይ እውን ተጋሂደሎም” ይብል እዩ።+ 21 ብዛዕባ እስራኤል ግና፡ “ናብ ዘይእዙዝን ተሪርን ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጊሐሉ” እዩ ዚብል።+