ይሁዳ
1 ይሁዳ ባርያ የሱስ ክርስቶስን ሓው ያእቆብን+ ነቶም ብኣምላኽ ኣቦ እተፈቕሩን ንየሱስ ክርስቶስ እተሓለዉን+ ጽዉዓት፦+
2 ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ይብዝሓልኩም።
3 ኣቱም ፍቑራተይ፡ ብዛዕባ ድሕነትና ኽጽሕፈልኩም እኳ ሃረር እንተ በልኩ፡+ ነታ ሓንሳእ ንሓዋሩ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ምእንቲ ኽትጋደሉ፡+ ክጽሕፈልኩም ኣድላዪ ዀይኑ ረኺበዮ እየ። 4 ምኽንያቱ፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት ኣቐዲሙ ነዚ ፍርዲ እዚ እተነግረሎም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ገለ ሰባት ሰሊኾም ኣትዮም ኣለዉ፣ ንሳቶም ብጸጋ ኣምላኽና ኣመኽንዮም ንውርምና*+ ዚገብሩን ነቲ በይኑ ዋናናን ጐይታናን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕዱን እዮም።+
5 ነዚ ዅሉ ኣጸቢቕኩም ትፈልጥዎ እኳ እንተ ዀንኩም፡ የሆዋ* ንህዝቡ ኻብ ግብጺ ኣድሒኑ፡+ ደሓር ነቶም ዘይኣምኑ ኸም ዘጥፍኦም ከዘኻኽረኩም እደሊ እየ።+ 6 ነቶም መንበሪኦም ዝሓደጉ እምበር፡ ቦታኦም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፡+ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ንፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ኣሲሩ ዓቚርዎም ኣሎ።+ 7 ሶዶምን ጎሞራን ኣብ ከባቢአን ዝነበራ ኸተማታትን እውን፡ ከማታቶም እምብዛ ምስ መንዘራን* ዘይባህርያዊ ትምኒት ስጋ ምስ ሰዓባን፡+ በቲ ዝወረደን መቕጻዕቲ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመለበሚ ዀይነናና ኣለዋ።+
8 እዚ ዀይኑ ግና፡ እዞም ሓለምቲ እዚኦም እውን ስጋ የርክሱን ስልጣን የቃልሉን ንኽቡራት ይጸርፉን ኣለዉ።+ 9 ሚካኤል+ እቲ ሊቀ መላእኽቲ+ ግና፡ ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ+ ምስ ድያብሎስ ዜከራኽር ኣልይዎ ምስ ተማጐተ፡ “የሆዋ* ይግናሕካ” ደኣ በሎ እምበር፡+ ብጸርፊ ኺፈርዶ ኣይደፈረን።+ 10 እዚኣቶም ግና ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዘይፈልጥዎ ነገራት ይጻረፉ ኣለዉ።+ ብዅሉ እቲ ኸም ዘይሓስቡ እንስሳታት+ ብባህረት ዚፈልጥዎ ነገራት ንርእሶም የበላሽዉ ኣለዉ።
11 ብመገዲ ቃየል+ ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ኢሎም ናብ ስሕተት በላዓም+ ህሩግ ስለ ዝበሉ፡ ብዘረባ ዕልወት+ ቆራሕ+ ከኣ ስለ ዝጠፍኡ፡ ወይለኦም። 12 እዚኣቶም ምሳኻትኩም ኣብ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ዚበልዑ ዘለዉ ኣብ ትሕቲ ማይ እተሓብኡ ኣኻውሕ፡+ ብዘይ ፍርሃት ንርእሶም ዚምግቡ ጓሶት፡+ ብንፋስ ናብዝን ናብትን ዚድፍኡ ማይ ዘይብሉ ደበና፡+ ኣብ መወዳእታ ኣዝመራ ዘይፈርያን ክልተ ሳዕ ዝሞታን* ካብ ሱረን እተመንቈሳን ኣእዋም እዮም፣ 13 ነውሮም ዜዕፍሩ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪ፡+ ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም እተዓቝረሎም ኣንፈት ዘይብሎም ከዋኽብቲ እዮም።+
14 እቲ ኻብ ኣዳም ሻውዓይ ዝዀነ ሄኖክ+ እውን፡ ከምዚ ኢሉ ብዛዕባኦም ተነብዩ እዩ፦ “እንሆ፡ የሆዋ* ምስ ኣእላፋት*+ ቅዱሳቱ መጺኡ ኣሎ። 15 ንዅላቶም ኪፈርዶም፡+ ንዅሎም እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ድማ ብዛዕባ እቲ ብእኩይ መገዶም ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብሮም፡ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሓጥኣን ከኣ ብዛዕባ እቲ እተዛረብዎ ዜሰምብድ ዘረባ ኺረትዖም መጺኡ ኣሎ።”+
16 እዚኣቶም መጕረምረምቲ፡+ ብህይወቶም ዜማርሩ፡ ብትምኒቶም ዚመላለሱ፡+ ምእንቲ ጥቕሞም ንሰባት እናሸሓጡ* ቓላት ትዕቢት ዚዛረቡ እዮም።+
17 ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቑራተይ፡ ነቲ ብሃዋርያት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ እተነግረ ነገር ዘክርዎ። 18 ንሳቶም፡ “በቲ ዳሕራይ ግዜ፡ ብእኩይ ትምኒቶም ዚመላለሱ መላገጽቲ ኺመጹ እዮም” ኢሎም ይነግሩኹም ነይሮም እዮም።+ 19 እዚኣቶም ፈላለይቲ፡+ ስጋውያን፡ ዘይመንፈሳውያን* እዮም። 20 ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቑራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሃነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስ እናጸለኹም፡+ 21 ነቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸበኹም፡+ ንርእስኹም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።+ 22 ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንገሊኦም ዚጠራጠሩ፡+ ምሕረት ግበሩሎም፣+ 23 ካብ ሓዊ መንዚዕኩም ኣናግፍዎም።+ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ምሕረት ግበሩሎም።+
24 ነቲ ኸይትዕንቀፉ ኺሕልወኩም፡ ብዓብዪ ሓጐስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ብዘይ ኣበር ኬቝመኩም ዚከኣሎ፡+ 25 ነቲ መድሓኒና ዝዀነ ሓደ በይኑ ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ* ካብ ዘለኣለምን ሕጅን ንዘለኣለምን ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን።