ማርቆስ
14 ፋስጋን+ በዓል ቅጫን+ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ነበረ።+ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ብተንኰል ከመይ ገይሮም ከም ዚሕዝዎን ከም ዚቐትልዎን መገዲ ይደልዩ ነበሩ፣+ 2 ከመይሲ፡ “ኣብ ህዝቢ፡ ናዕቢ ምእንቲ ኸይልዓልሲ፡ ብበዓል ኣይኹን” ይብሉ ነበሩ።
3 ኣብ ቢታንያ፡ ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ድዉይ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ኣዝዩ ኽቡር ቅዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ዝመልአ ብልቃጥ ኣልባስጥሮስ ዝሓዘት ሰበይቲ መጸት። ነቲ ብልቃጥ ኣልባስጥሮስ ሰይራ ኸኣ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።+ 4 ገሊኣቶም ግና ተቘጢዖም፡ “እዚ ቕዱይ ቅብኢ ንምንታይ ባኺኑ፧ 5 እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ፡ ካብ 300 ዲናር* ንላዕሊ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ምተዋህበ ነይሩ!” ተባሃሃሉ። ንዓኣ ኸኣ ኰረዩላ። 6 የሱስ ግና ከምዚ በሎም፦ “ሕደግዋ። ስለምንታይ ተሸግርዋ ኣለኹም፧ ንሳ ሰናይ ግብሪ ገይራትለይ እያ።+ 7 ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እዮም፣+ ኣብ ዝደለኹምዎ እዋን ከኣ ሰናይ ክትገብሩሎም ትኽእሉ ኢኹም፣ ኣነ ግና ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣይኰንኩን።+ 8 ዚከኣላ እያ ገይራ፣ ንቐብረይ ኢላ እያ ኣቐዲማ ኣብ ሰብነተይ ቅዱይ ቅብኢ ዘፍሰሰት።+ 9 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እዚ ብስራት እዚ ኣብ ኵላ ዓለም ኣብ እተሰብኮ ዘበለ፡+ እዛ ሰበይቲ ዝገበረቶ ግብሪ ንመዘከሪኣ ኺንገር እዩ።”+
10 ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ፡ ንዕኡ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኺህቦም፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደ።+ 11 ንሳቶም ምስ ሰምዑ፡ ደስ በሎም፡ ገንዘብ ብሩር ኪህብዎ ድማ ኣተስፈውዎ።+ ኣሕሊፉ ኺህቦ ኸኣ ምሹእ ኣጋጣሚ ይደሊ ነበረ።
12 ኣብታ መስዋእቲ ፋስጋ+ ዚሓርዱላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡+ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ፋስጋ ኽትበልዕሲ፡ ናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧” በልዎ።+ 13 ንሱ ድማ ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ ኢሉ ለኣኾም፦ “ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብ ኪረኽበኩም እዩ። ንዕኡ ስዓብዎ፡+ 14 ኣብታ ዚኣትዋ ኸኣ፡ ነቲ ብዓል ቤት፡ ‘መምህርሲ፡ “ምስ ደቀ መዛሙርተይ ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧” ይብል ኣሎ’ በልዎ። 15 ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉልና።” 16 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ከዱ፣ ናብ ከተማ ኸኣ ኣተዉ፣ ከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፣ ንፋስጋ ዚኸውን እውን ኣዳለዉ።
17 ምስ መሰየ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ።+ 18 ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕ ዘሎ፡ ኣሕሊፉ ኺህበኒ እዩ” በሎም።+ 19 ንሳቶም ከኣ ኪጕህዩ፡ በብሓደ ድማ፡ “ኣነ ደዀን እየ፧” ኪብልዎ ጀመሩ። 20 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ንሱ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ፡ እቲ ኢዱ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዜጥልቕ እዩ።+ 21 ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተጻሕፈሉ ኪኸይድ እዩ፣ እቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዚህቦ ሰብ ግና ወይለኡ!+ እቲ ሰብ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሓሾ ነይሩ።”+
22 ኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ፡ ቈሪሱ፡ “ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ ማለት እዩ” ኢሉ ሃቦም።+ 23 ጽዋእ ኣልዒሉ እውን፡ ኣመስጊኑ፡ ሃቦም፣ ኵላቶም እውን ካብኣ ሰተዩ።+ 24 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ+ ናተይ ‘ደም+ ኪዳን’+ ማለት እዩ። 25 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ክሳዕ እታ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምሳኻትኩም ሓድሽ ዝሰትየላ መዓልቲ፡ ካብ ፍረ ወይኒ ኸቶ ኣይክሰትን እየ።” 26 መዝሙር ውዳሰ* ምስ ዘመሩ ድማ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ወጹ።+
27 የሱስ ከኣ፡ “‘ነቲ ጓሳ ኽወቕዖ እየ፡+ እተን ኣባጊዕ ድማ ፋሕ ኪብላ እየን’+ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ እሞ፡ ኵላትኩም ክትዕንቀፉ ኢኹም። 28 ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ” በሎም።+ 29 ጴጥሮስ ግና፡ “ኵላቶም እኳ እንተ ተዓንቀፉ፡ ኣነስ ኣይክዕንቀፍን እየ!” በሎ።+ 30 የሱስ ከኣ፡ “ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ፡ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” በሎ።+ 31 ንሱ ግና፡ “ምሳኻ ኽመውት እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ከቶ ኣይክኽሕደካን እየ” ኢሉ ኣትሪሩ ተዛረበ። ኵሎም ካልኦት እውን፡ ከምኡ በሉ።+
32 ጌተሴማኔ ናብ እትብሃል ቦታ ድማ መጹ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ክሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ” በሎም።+ 33 ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ድማ ተማልኦም፣+ ኪጕህን* ኪጭነቕን ከኣ ጀመረ። 34 “ክሳዕ ሞት ኣዝየ ጕህየ ኣለኹ።*+ ኣብዚ ኹኑ፡ ንቕሑ እውን” በሎም።+ 35 ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ፡ እንተ ተኻኢሉ፡ እታ ሰዓት ካብኡ ኽትሓልፍ ጸለየ። 36 “ኣባ፡* ኣቦ፡+ ንዓኻ ዅሉ ይከኣለካ እዩ፣ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣልግሳ። ግናኸ፡ ንስኻ እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ዝደልዮ ኣይኹን” ድማ በለ።+ 37 ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ደቂሶም ረኸቦም፣ ንጴጥሮስ ድማ፡ “ስምኦን፡ ደቂስካዶ፧ ሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣልካን፧+ 38 ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡+ ንቕሑን ብቐጻሊ ጸልዩን። መንፈስሲ ህንጡይ* እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎ።+ 39 ከም ብሓድሽ ከይዱ፡ ከምቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ።+ 40 ከም ብሓድሽ ምስ መጸ ድማ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም፣ እንታይ ኢሎም ከም ዚምልሱሉ እውን ኣይፈለጡን። 41 ሳልሳይ ሳዕ ተመሊሱ ኸኣ፡ “ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜስ፡ ትድቅሱን ተዕርፉን ኣለኹም! ይኣክል! እታ ሰዓት በጺሓ!+ እንሆ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፍካ ይውሃብ ኣሎ። 42 ተንስኡ ንኺድ። እንሆ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህበኒ ቐሪቡ ኣሎ” በሎም።+
43 ብኡብኡ ኸኣ፡ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ይሁዳ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ፣ ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ካብ ጸሓፍትን ካብ ዓበይትን፡ ኣስያፍን ኣባትርን ዝሓዙ ህዝቢ መጹ።+ 44 እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ኸኣ፡ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፣ ሓዝዎ፡ ኣጽኒዕኩም ውሰድዎ” ኢሉ እተሰማምዑሉ ምልክት ሂብዎም ነበረ። 45 ትኽ ኢሉ መጺኡ ድማ፡ ናብኡ ቐሪቡ፡ “መምህር”* ኢሉ ኣጥቢቑ ሰዓሞ። 46 ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓዝዎ። 47 ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ግና፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ እዝኑ ቘረጾ።+ 48 የሱስ ድማ፡ “ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ክትሕዙኒ መጺእኩም፧+ 49 መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ምሳኻትኩም ነይረ፣+ ንስኻትኩም ግና ኣይሓዝኩምንን። እዚ ግና፡ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ምእንቲ ኺፍጸም እዩ” ኢሉ መለሰሎም።+
50 ኵላቶም ድማ ሓዲጎምዎ ሃደሙ።+ 51 ግናኸ፡ ቅጭን በፍታ ኣብ ጥራይ ዝባኑ እተወንዘፈ ጐበዝ ደድሕሪኡ ሰዓቦ፣ ኪሕዝዎ ድማ ፈተኑ፣ 52 ንሱ ግና በፍታኡ ሓዲጉ ጥራዩ* ሃደመ።
53 ንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ፣+ ኵሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን ከኣ ተኣከቡ።+ 54 ጴጥሮስ ግና ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ኣጸድ ሊቀ ኻህናት ሰዓቦ፣ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ።+ 55 ሊቃውንቲ ኻህናትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ድማ፡ ንየሱስ ምእንቲ ኪቐትልዎ ምስክር ደለዩ፣ ግናኸ፡ ኣይረኸቡን።+ 56 ብዙሓት ብሓሶት ይምስክሩሉ እኳ እንተ ነበሩ፡+ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን። 57 ገለ ሰባት ተንሲኦም፡ ከምዚ እናበሉ ብሓሶት መስከሩሉ፦ 58 “‘ነዛ ብኢድ እተገብረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፣ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጽ እየ’ ኺብል ከሎ ሰሚዕናዮ።”+ 59 ኣብዚ እውን፡ ምስክርነቶም ኣይተሰማምዐን።
60 እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ኣብ ማእከሎም ተንሲኡ ንየሱስ፡ “ኣይትምልስን ዲኻ፧ እዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ 61 ንሱ ግና ስቕ በለ፡ ኣይመለሰን እውን።+ እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽ፡ “ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። 62 የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እየ፣ ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡+ ብደበናታት ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም” በለ።+ 63 ሽዑ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱ፡ “ደጊም ንምንታይ መሰኻኽር የድልዩና፧+ 64 ጸርፉ ሰሚዕኩም ኣለኹም። እንታይ እዩ ውሳነኹም፧”* በለ። ኵላቶም ከኣ ሞት ከም ዚግብኦ ፈረዱ።+ 65 ገሊኣቶም ጡፍ ኪብሉሉ፡+ ገጹ ጐልቢቦም ኬጕስጥዎ፡ “እስከ ተነበ!” እውን ኪብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ።+
66 ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ኣጸድ ከሎ፡ ሓንቲ ኻብተን ኣግራድ ሊቀ ኻህናት መጸት፣+ 67 ንጴጥሮስ ኪስሕን ከሎ ምስ ረኣየቶ፡ ጠመተቶ እሞ፡ “ንስኻ እውን ምስ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ኔርካ ኢኻ” በለቶ። 68 ንሱ ግና፡ “እዚ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን እየ፡ እንታይ ትብሊ ኸም ዘለኺ እውን ኣይተረድኣንን” ኢሉ ኸሓደ፣ ናብቲ መእተዊ ድማ ከደ። 69 እታ ገረድ ረኣየቶ እሞ ነቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ፡ ከም ብሓድሽ፡ “እዚ ኻባታቶም እዩ” ኽትብሎም ጀመረት። 70 ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሓደ። ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኸኣ፡ እቶም ደው ዝበሉ ኸም ብሓድሽ ንጴጥሮስ፡ “ገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ” በልዎ። 71 ንሱ ግና፡ “እዚ እትብልዎ ዘለኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ንባዕሉ ኺረግምን ኪምሕልን ጀመረ። 72 ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወ፣+ ጴጥሮስ ድማ ነቲ የሱስ፡ “ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ዘከረ።+ ምኽኣል ስኢኑ ኸኣ፡ በኸየ።