ዘሌዋውያን
23 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እተን እትእውጅወን በዓላት+ የሆዋ፡+ ቅዱሳት ኣኼባታት እየን። በዓላተይ እዚኣተን እየን፦
3 “‘ሽዱሽተ መዓልቲ ይተዓየ፣ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ናይ ሰንበት ምሉእ ዕረፍቲ፡+ ቅዱስ ኣኼባ እያ። ገለ ዕዮ እኳ ኣይትዕየዩ። ኣብ እትነብሩሉ ዅሉ ድማ ንየሆዋ ሰንበት እያ።+
4 “‘እተን ብምዱብ ግዜኡ እትእውጅወን በዓላት የሆዋ፡ ማለት ቅዱሳት ኣኼባታት እዚኣተን እየን፦ 5 ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ፡+ ጽልግልግ ምስ በለ፡* ንየሆዋ ፋስጋ እዩ።+
6 “‘ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ንየሆዋ በዓል ቅጫ ይኹን።+ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።+ 7 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ።+ ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ። 8 ግናኸ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን። ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።’”
9 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 10 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ከኣ ምስ ዓጸድኩም፡ ካብ በዅሪ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ+ ናብ ካህን ኣምጽኡ።+ 11 ተቐባልነት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይወዝውዛ። እቲ ኻህን ኣብታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ይወዝውዛ። 12 ኣብታ እንዳእቲ እተወዝውዙላ መዓልቲ፡ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን፡ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ጥዑይ ገንሸል* ኣቕርቡ። 13 እቲ ምስኡ ዘሎ መስዋእቲ እኽሊ ድማ፡ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ጥዑም ጨና ይኹን። እቲ መስዋእቲ መስተ ኸኣ፡ ርብዒ ሂን* ወይኒ ይኹን። 14 ክሳዕ እታ ንኣምላኽኩም መስዋእቲ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ እንጌራ፡ ወይ ቆሎ፡ ወይ ሓድሽ እኽሊ ኣይትብልዑ። እዚ ኣብ እትነብሩሉ ዘበለ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ።
15 “‘ካብ ጽባሕ እታ ንመስዋእቲ ውዝወዛ ዚኸውን እንዳእቲ ዘምጻእኩምላ መዓልቲ ሰንበት፡ ሸውዓተ ሰናብቲ ቝጸሩ።+ እዚኣተን ከኣ ምሉኣት ሰሙናት ይኹና። 16 ክሳዕ ጽባሕ እታ ሻውዐይቲ ሰንበት፡ 50 መዓልቲ ቝጸሩ እሞ፡+ ንየሆዋ ሓድሽ መስዋእቲ እኽሊ ኣቕርቡ።+ 17 ካብቲ እትነብሩሉ ንመስዋእቲ ውዝወዛ ኽልተ እንጌራ ኣምጽኡ። እዚ ኸኣ፡ ካብ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ እተዳለወ ይኹን። ንየሆዋ በዅሪ ፍረ+ ምእንቲ ኪኸውን ድማ በዂዑ ይሰንከት።+ 18 ምስቲ እንጌራ ድማ፡ ሸውዓተ ጥዑያት ገንሸል ዓመትን ሓደ ዝራብዕን ክልተ ድዑልን ኣቕርቡ።+ ምስቲ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን፡ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ማለት ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ይኹን። 19 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ከኣ፡ ሓደ ወጠጦ፡ ንመስዋእቲ ሕብረት+ ድማ ክልተ ገንሸል ዓመት ሰውኡ። 20 እቲ ኻህን ከኣ፡ ነቲ እንጌራ በዅሪ ፍረ ምስቲ ኽልተ ገንሸል፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ይወዝውዞ። ነቲ ኻህን፡ ንየሆዋ እተቐደሰ ይኹነሉ።+ 21 ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቅዱስ ኣኼባ ኪዀነልኩም ኣውጁ።+ ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ። እዚ ኣብ እትነብሩሉ ዘበለ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ።
22 “‘ዓጺድ ምድርኹም ክትዓጽዱ ኸለኹም፡ ንደረት ግራትካ ጠሪስካ ኣይትዕጸዶ፣ ንቐሪም ዓጺድካ እውን ኣይትእረዮ።+ ንድኻን*+ ንጓናን+ ደኣ ሕደጎ። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።’”
23 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 24 “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ምሉእ ዕረፍቲ፡ ብደሃይ መለኸት ዚእወጅ መዘከርታ፡+ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። 25 ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ፣ ንየሆዋ ድማ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ።’”
26 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 27 “ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ ግና፡ መዓልቲ ዕርቂ እያ።+ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፣ ርእስኹም ኣሕስሙ፡*+ ንየሆዋ ድማ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። 28 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም እትዕረቑላ መዓልቲ ዕርቂ እያ እሞ፡+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ገለ ዕዮ እኳ ኣይትዕየዩ። 29 በታ መዓልቲ እቲኣ ርእሱ ዘየሕስም* ሰብ፡* ካብ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ።+ 30 በታ መዓልቲ እቲኣ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ዚዓዪ ሰብ* እውን፡ ካብ መንጎ ህዝቡ ኸጥፍእ እየ። 31 ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኣይትዕየዩ። እዚ ኣብ እትነብሩሉ ዘበለ ዅሉ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ። 32 እዚኣ ናይ ሰንበት ምሉእ ዕረፍቲ ትኹነልኩም፣ ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ድማ፡ ምሸት ርእስኹም* ኣሕስሙ።+ ንሰንበትኩም ከኣ ካብ ምሸት ክሳዕ ምሸት ኣብዕልዋ።”
33 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 34 “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣብ መበል 15 መዓልቲ እዛ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ንየሆዋ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ ይኹን።+ 35 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፣ ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኸኣ ኣይትዕየዩ። 36 ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፣+ ንየሆዋ ኸኣ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። እዚ ፍሉይ ኣኼባ እዩ። ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።
37 “‘ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡—ዚሓርር መስዋእትን+ ምስቲ መስዋእቲ ሕሩድ ዘሎ መስዋእቲ እኽልን+ መስዋእቲ መስተን፡+—በብመዓልቱ ንምቕራብ ቅዱሳት ኣኼባታት+ እትእውጁለን በዓላት+ የሆዋ እዚኣተን እየን። 38 እዚ ብዘይካ እቲ ንየሆዋ እትህብዎ ኣብ ሰናብቲ የሆዋ+ ዚቐርብ መባእኩምን+ መስዋእቲ መብጽዓኹምን+ መስዋእቲ ፍታውኩምን+ እዩ። 39 ግናኸ፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ፍርያት እታ ምድሪ ምስ ኣከብኩም፡ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል የሆዋ ኣብዕሉ።+ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ምሉእ ዕረፍቲ ይኹን፡ ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ እውን ምሉእ ዕረፍቲ ይኹን።+ 40 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ፍረ ብሉጽ ኣእዋም፡ ማለት ጨናፍር ኣእዋም ስየን+ ጨናፍር ልሙዕ ኣእዋምን ኣእዋም ዓራባ ስንጭሮን* ወሲድኩም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም ሸውዓተ መዓልቲ+ ተሓጐሱ።+ 41 ነዚ ኣብ ዓመት ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ ኣብዕልዎ።+ ንውሉድ ወለዶኹም ከም ናይ ሓዋሩ ሕጊ፡ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ኣብዕልዎ። 42 ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ተቐመጡ።+ ካብ እስራኤል እተወልዱ ዅሎም ኣብ ዳስ ይቀመጡ፣ 43 እዚ ኸኣ፡ ኣነ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦም ከለኹ፡ ኣብ ዳስ ከም ዘቐመጥክዎም+ ውሉድ ወለዶኹም ምእንቲ ኺፈልጡ እዩ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።’”
44 ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን በዓላት የሆዋ ንእስራኤላውያን ተዛረቦም።