ራእይ
1 እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም+ ኢሉ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ራእይ።*+ ንሱ ኸኣ መልኣኹ ልኢኹ፡ ንባርያኡ ዮሃንስ ብምልክታት ኣርኣዮ፣+ 2 ንሱ ድማ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ቓልን ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝመስከሮ ምስክርን፡ እወ፡ ነቲ ዝረኣዮ ዘበለ ዅሉ መስከረ። 3 እቲ ምዱብ ግዜ ቐሪቡ እዩ እሞ፡ እቲ ንቓል እዚ ትንቢት እዚ ዓው ኢሉ ዜንብቦን እቶም ዚሰምዕዎን ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ እውን ዚሕልውዎን ሕጉሳት እዮም።+
4 ካብ ዮሃንስ፡ ናብተን ኣብ ኣውራጃ እስያ ዘለዋ ሸውዓተ ጉባኤታት፦+
ካብቲ “ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡”+ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሸውዓተ መናፍስትን+ ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 5 ካብቲ “እሙን ምስክርን”+ “በዅሪ ምዉታትን”+ “ገዛኢ ነገስታት ምድርን”+ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እውን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።
ንዕኡ ነቲ ዜፍቅረናን+ ካብ ሓጢኣትና ብደሙ ሓራ ዘውጽኣናን፡+ 6 መንግስቲ፡+ ከምኡ ድማ ንኣምላኹን ንኣቦኡን ካህናት+ ዝገበረና፡ እወ፡ ንዕኡ ኽብርን ሓይልን ንዘለኣለም ይኹኖ። ኣሜን።
7 እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ ኣሎ፡+ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ኪርእይዎ እዮም፣ ኵሎም ነገዳት ምድሪ ደረቶም እናወቕዑ ኼልቅሱ እዮም።+ እወ፡ ኣሜን።
8 እቲ “ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል”+ የሆዋ* ኣምላኽ፡ “ኣልፋን ኦሜጋን* ኣነ እየ”+ ይብል።
9 ኣነ ዮሃንስ ሓውኩም፡ ኣብቲ ምስ የሱስ ብምሕባር+ ዚመጽእ ጸበባን+ መንግስትን+ ተጻዋርነትን+ ከኣ መኻፍልትኹም፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ብምዝራበይን ብዛዕባ የሱስ ብምምስካረይን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሃል ደሴት ነበርኩ። 10 ብመንፈስ ተመሲጠ፡ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዀንኩ፣ ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ብድሕረይ ከምዚ ዚብል ሰማዕኩ፦ 11 “ነዚ እትርእዮ፡ ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን+ ስሚርናን+ ጴርጋሞስን+ ትያቲራን+ ሳርዴስን+ ፊላደልፍያን+ ሎዲቅያን+ ዘለዋ ሸውዓተ ጉባኤታት ስደዶ።”
12 ነቲ ዚዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ፣ ግልጽ ምስ በልኩ እውን፡ ሸውዓተ ቐዋሚ ቐንዴል ወርቂ ረኣኹ።+ 13 ኣብ ማእከል እቲ ሸውዓተ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ፡ ክሳብ ኣእጋሩ እተኸድነን ኣብ ኣፍ ልቡ ወርቃዊ ዕጣቕ እተዓጥቀን ወዲ ሰብ ዚመስል ረኣኹ።+ 14 ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምርን ከም ውርጭን ነበረ፣ ኣዒንቱ እውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ነበራ፣+ 15 ኣእጋሩ ኣብ እቶን ከም ዝረሰነ ጽሩይ ነሓሲ+ ይመስላ ነበራ፣ ድምጹ ኸኣ ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት ነበረ። 16 ኣብ የማናይ ኢዱ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ነበሮ፣+ ካብ ኣፉ ድማ ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ነዊሕ ሰይፊ ይወጽእ ነበረ፣+ ገጹ እውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ ነበረ።+ 17 ምስ ረኣኽዎ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ።
የማናይ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ኸኣ፡ ከምዚ በለ፦ “ኣይትፍራህ። ኣነ እቲ ቐዳማይን+ እቲ ዳሕራይን+ 18 እቲ ህያውን እየ፣+ ሞይተ ድማ ነይረ፡+ እንሆ ግና፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፣+ መፋትሕ ሞትን መቓብርን* ከኣ ኣሎኒ።+ 19 እምበኣር፡ ነቲ ዝረኣኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ድሕርዚ ዚኸውንን ጽሓፎ። 20 ናይቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝረኣኻዮም ሸውዓተ ኸዋኽብትን ናይቲ ሸውዓተ ቐዋሚ ቐንዴል ወርቅን ቅዱስ ምስጢር እዚ እዩ፦ እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ፡ መላእኽቲ እተን ሸውዓተ ጉባኤታት እዮም፣ እቲ ሸውዓተ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ፡ ሸውዓተ ጉባኤታት እየን።+