ያእቆብ
1 ካብቲ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ዝዀነ ያእቆብ፡+ ናብቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ 12 ነገዳት፦
ሰላም።
2 ኣሕዋተየ፡ እተፈላለየ ፈተናታት እንተ በጺሑኩም፡ ከም ምሉእ ሓጐስ ቍጸርዎ።+ 3 ከምኡ ኽትገብሩ ኸለኹም፡ እቲ ፍቱን እምነትኩም፡ ተጻዋርነት ከም ዜፍርየልኩም ፍለጡ።+ 4 ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉእ ብምሉእ ጥዑያትን ምእንቲ ኽትኰኑ ግና፡ ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም።+
5 ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐዲላቶ ኸኣ፡ ነቲ ኸይነቐፈ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ+ ኣምላኽ ይለምኖ፣+ ኪውሃቦ እውን እዩ።+ 6 ግናኸ፡ ከይተጠራጠረ+ ብእምነት ይለምን፣+ ከመይሲ፡ እቲ ዚጠራጠር፡ ከምቲ ብንፋስ ዚድፋእን ዚናወጽን ማዕበል ባሕሪ እዩ። 7 እቲ ሰብ እትስ ካብ የሆዋ* ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ፣ 8 ንሱ ኣብ ኵሉ መገዱ ጽኑዕ ዘይኰነ፡+ ተወላዋሊ ሰብ እዩ።
9 እቲ ትሑት ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይተሓጐስ፣*+ 10 እቲ ሃብታም እውን፡ ከም ዕምባባ መሮር ስለ ዚሓልፍ፡ ትሕት ብምባሉ ይፈሳህ።+ 11 ከመይሲ፡ ከምቲ ጸሓይ ምስ ዋዒኣ እትወጽእ እሞ፡ ነቲ ኣትክልቲ እተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ዚረግፍ፡ ጽባቐ ትርኢቱ እውን ዚጠፍእ፡ ከምኡ ድማ እቲ ሃብታም ዋኒኑ ኺገብር ከሎ፡ ይጠፍእ።+
12 ፈተና ዚጻወር ሰብ ብቕዓቱ ምስ ኣመስከረ፡ እቲ የሆዋ* ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም+ ኣኽሊል ህይወት+ ስለ ዚቕበል፡ ሕጉስ እዩ።+ 13 ኣምላኽሲ ብእከይ ኣይፍተንን፡ ባዕሉ እውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ “ኣምላኽ ይፍትነኒ ኣሎ” ኣይበል። 14 ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን* እዩ ዚፍተን።+ 15 ሽዑ፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፣ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ።+
16 ፍቑራት ኣሕዋተየ፡ ኣይትስሓቱ። 17 ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን ካብ ላዕሊ፡+ ካብቲ ኸም ዚለዋወጥ ጽላሎት ዘይቀያየር ወይ ዘይለዋወጥ*+ ኣቦ ሰማያዊ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።+ 18 ሓደ ዓይነት በዅራት ፍጡራቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ፡+ ብቓል ሓቂ ኺወልደና ፍቓዱ ዀይኑ እዩ።+
19 ፍቑራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ፍለጡ። ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡+ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይኹን፣+ 20 ከመይሲ፡ ቍጥዓ ሰብ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ።+ 21 ስለዚ፡ ኵሉ ጽያፍን ኵሉ ኣሰር ክፍኣትን* ኣርሕቑ፣+ ነቲ ኼድሕነኩም* ዚኽእል ምትካል ቃል ከኣ ብልእመት ተቐበልዎ።
22 ግናኸ፡ ገበርቲ ቓል ኩኑ፣+ ርእስኹም ብናይ ሓሶት ሓሳብ እናኣታለልኩም ከኣ፡ ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። 23 ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ፡ ገባሪ እንተ ዘይኰይኑስ፡+ ንሱ ነቲ ገጹ* ብመስትያት ዚርኢ ሰብ ይመስል። 24 ገዛእ ርእሱ ይርኢ እሞ ይኸይድ፡ ብኡብኡ እውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ። 25 እቲ ኣብቲ ፍጹም ሕጊ ሓርነት ኣተኲሩ ዚጥምትን+ ብእኡ ዚጸንዕን ግና፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዚርስዕ ሰማዒ ኣይኰነን፣ ብግብሩ ድማ ሕጉስ ኪኸውን እዩ።+
26 ሓደ እኳ ንልሳኑ ዘይለጕም ክነሱ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ዘሎ* እንተ መሲልዎ፡+ ንልቡ እዩ ዜታልል ዘሎ፡ ኣምልኾኡ እውን ከንቱ እዩ። 27 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ዘይረኸሰን ኣምልኾ* እዚ እዩ፦ ንዘኽታማትን+ ንመበለታትን+ ኣብ ጸበባኦም ምክንኻን፡+ ርእስኻ ድማ ካብ ርስሓት ዓለም ምሕላው።+