ነታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ዚኸውን ናይ መጽናዕቲ ሕቶታት
1ይ ዛንታ
ኣምላኽ ክፈጥር ይጅምር
ኵሉ ጽቡቕ ነገራት ካበይ እዩ መጺኡ: እንታይ ኣብነታትከ ምሃብካ፧
ኣምላኽ መጀመርታ ዝፈጠሮ ነገር እንታይ እዩ፧
እቲ ኣምላኽ መጀመርታ ዝፈጠሮ መልኣኽ እተፈልየ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ መጀመርታ ምድሪ እንታይ ትመስል ከም ዝነበረት ግለጽ። (ስእሊ ርአ።)
ኣምላኽ ንምድሪ እንስሳታትን ሰባትን ክነብርዋ ዚኽእሉ ጽብቕቲ ቦታ ኽገብራ ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ኤርምያስ 10:12 ኣንብብ።
ከመይ ዝበለ ባህርያት ኣምላኽ እዩ ኣብ ፍጥረታቱ እተንጸባረቐ፧ (ኢሳ. 40:26፣ ሮሜ 11:33)
ቈሎሴ 1:15-17 ኣንብብ።
የሱስ ኣብ ፍጥረት እንታይ ግደ ነበሮ: እዚኸ ነቲ ኣብ የሱስ ዘሎና ኣረኣእያ ብኸመይ ይትንክፎ፧ (ቈሎ. 1:15-17)
ዘፍጥረት 1:1-10 ኣንብብ።
መበቈል ናይ ምድሪ እንታይ እዩ፧ (ዘፍ. 1:1)
ኣብታ ናይ መጀመርታ ናይ ፍጥረት መዓልቲ እንታይ ተፈጥረ፧ (ዘፍ. 1:3-5)
ኣብታ ኻልአይቲ ናይ ፍጥረት መዓልቲ እንታይ ከም እተፈጥረ ግለጽ። (ዘፍ. 1:7, 8)
2ይ ዛንታ
ሓንቲ ውቅብቲ ጀርዲን
ኣምላኽ ንምድሪ መንበሪትና ኽትከውን ዘዳለዋ ብኸመይ እዩ፧
ብዛዕባ እቶም ኣምላኽ ዝፈጠሮም እተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታት ግለጽ። (ስእሊ ርአ።)
ገነት ኤድን ፍልይቲ ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧
ኣምላኽ ምድሪ ብምልእታ እንታይ ክትከውን እዩ ዚደሊ ነይሩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 1:11-25 ኣንብብ።
ኣምላኽ ኣብታ ሳልሰይቲ ናይ ፍጥረት መዓልቲ እንታይ ፈጠረ፧ (ዘፍ. 1:12)
ኣብታ ራብዐይቲ ናይ ፍጥረት መዓልቲ እንታይ ተፈጸመ፧ (ዘፍ. 1:16)
ኣምላኽ ኣብተን ሓምሸይትን ሻዱሸይትን ናይ ፍጥረት መዓልትታት እንታይ ዓይነት እንስሳታት እዩ ዝፈጠረ፧ (ዘፍ. 1:20, 21, 25)
ዘፍጥረት 2:8, 9 ኣንብብ።
ኣምላኽ ኣብ ገነት ኤድን እንታይ ክልተ ፍሉያት ኣእዋም እዩ ዝተኸለ: ንምንታይከ የመልክታ፧
3ይ ዛንታ
እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን
ኣብ 3ይ ዛንታ ዘሎ ስእሊ ኻብቲ ኣብ 2ይ ዛንታ ዘሎ ስእሊ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧
ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ መን እዩ ፈጢርዎ: ስሙኸ መን እዩ፧
ኣምላኽ ንኣዳም እንታይ ዕዮ እዩ ሂብዎ፧
ኣምላኽ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ከም ዚወስዶ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧
ኣዳምን ሄዋንን ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኺነብሩ ይኽእሉ ነይሮም: የሆዋኸ እንታይ ዓይነት ስራሕ ኪሰርሑ እዩ ዚደልዮም ነይሩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
መዝሙር 83:18 ኣንብብ።
ስም ኣምላኽ መን እዩ: ኣብ ልዕሊ ምድሪኸ እንታይ ፍሉይ ቦታ እዩ ዘለዎ፧ (ኤር. 16:21፣ ዳን. 4:17)
ዘፍጥረት 1:26-31 ኣንብብ።
ዘፍጥረት 2:7-25 ኣንብብ።
እቲ ኣዳም ነቶም እንስሳታት ስም ከውጽኣሎም እተዋህቦ ዕዮ እንታይ ዜጠቓልል ነበረ፧ (ዘፍ. 2:19)
ዘፍጥረት 2:24 የሆዋ ብዛዕባ መርዓ: ብዛዕባ ምፍልላይ: ከምኡውን ብዛዕባ ፍትሕ እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ንኽንርዳእ ብኸመይ ትሕግዘና፧ (ማቴ. 19:4-6, 9)
4ይ ዛንታ
ቤቶም ዘጥፍኡሉ ምኽንያት
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘሎኻ ኣዳምን ሄዋንን እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧
የሆዋ ዚቐጽዖም ስለምንታይ እዩ፧
ሓደ ተመን ንሄዋን እንታይ በላ፧
ነቲ ተመን ንሄዋን ከም ዚዛረባ ዝገበሮ መን እዩ፧
ኣዳምን ሄዋንን ነታ ውቅብቲ ጀርዲን ዝዀነት ቤቶም ዘጥፍኡ ስለምንታይ እዮም፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 2:16, 17 ከምኡውን 3:1-13, 24 ኣንብብ።
ኣብቲ እቲ ተመን ንሄዋን ዘቕረበላ ሕቶ: ንየሆዋ ዘይስሙ ዝሃቦ ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍ. 3:1-5፣ 1 ዮሃ. 5:3)
ሄዋን ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት እትዀነና ብኸመይ እያ፧ (ፊል. 4:8፣ ያእ. 1:14, 15፣ 1 ዮሃ. 2:16)
ኣዳምን ሄዋንን ብዝፈጸምዎ ሓጢኣት ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ዝደለዩ ብኸመይ እዮም፧ (ዘፍ. 3:12, 13)
እቶም ኪሩቤላት ንልዑላውነት የሆዋ ንምኽባር ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤድን እንታይ እዮም ዝገበሩ፧ (ዘፍ. 3:24)
ራእይ 12:9 ኣንብብ።
ሰይጣን ኣብቲ ንደቅሰብ ኣንጻር መሪሕነት ኣምላኽ ንኪኸዱ ዝገበሮ ፈተነ እንታይ ዓወት እዩ ዝረኸበ፧ (1 ዮሃ. 5:19)
5ይ ዛንታ
ጻዕሪ ዘለዎ ናብራ ይጅምር
ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤድን ምስ ወጹ ናብራኦም ከመይ ይመስል ነበረ፧
ንኣዳምን ሄዋንን እንታይ ኬጋጥሞም ጀመረ: ስለምንታይከ፧
ደቂ ኣዳምን ሄዋንን ኪኣርጉን ኪሞቱን ዝጀመሩ ስለምንታይ እዮም፧
ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ተኣዚዞምዎ ነይሮም እንተ ዚዀኑ: ህይወት ንዕኦምን ንደቆምን ከመይ ምዀነት፧
ሄዋን ዘይእዝዝቲ ብምዃና ኸመይ ዝበለ ስቓይ እዩ ኣስዒቡላ፧
እቶም ኣዳምን ሄዋንን ዝወለድዎም ናይ መጀመርታ ደቆም መነ መን ይበሃሉ፧
እቶም ካልኦት ኣብዚ ስእሊ ዘለዉ ቘልዑኸ እንታዎት እዮም፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 3:16-23 ከምኡውን 4:1, 2 ኣንብብ።
ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።
“እቲ ቐዳማይ” ተባሂሉ ዘሎ ኣብ መጻኢ ጠፊኡ ኽትርእዮ እትደሊ ነገር እንታይ እዩ፧
6ይ ዛንታ
ቅኑዕ ውላድን እኩይ ውላድን
ቃየልን ኣቤልን ስርሖም እንታይ ነበረ፧
ቃየልን ኣቤልን ናብ የሆዋ ዜምጽእዎ ህያባት እንታይ ነበረ፧
የሆዋ ናይ ኣቤል ህያብ ባህ ዘበሎ ናይ ቃየል ግና ዘየሐጐሶ ስለምንታይ እዩ፧
ቃየል እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ: የሆዋ ኣካይዳኡ ንኪቕይር ኪእርሞ ዝፈተነኸ ብኸመይ እዩ፧
ቃየል ምስ ሓዉ ኣቤል ኣብ በረኻ ንበይኖም ከለው እንታይ ገበረ፧
ቃየል ንሓዉ ኣቤል ድሕሪ ምቕታሉ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ግለጽ።
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 4:2-26 ኣንብብ።
1 ዮሃንስ 3:11, 12 ኣንብብ።
ቃየል ስለምንታይ እዩ ኣዝዩ ዝዀረየ: እዚኸ ነዞም ሎሚ ዘሎና መጠንቀቕታ ኪዀነና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍ. 4:4, 5፣ ምሳ. 14:30፣ 28:22)
መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ እውን ኵሎም ኣባላት ስድራቤትና ንየሆዋ እንተ ተጻረርዎ ንጽህናና ሓሊና ኽንመላለስ ከም እንኽእል ብኸመይ የርእየና፧ (ምሳ. 27:10፣ ማቴ. 10:21, 22)
ዮሃንስ 11:25 ኣንብብ።
የሆዋ ብዛዕባ እቶም ምእንቲ ጽድቂ ኢሎም ዝሞቱ ሰባት እንታይ መረጋገጺ እዩ ዝሃበ፧ (ዮሃንስ 5:24)
7ይ ዛንታ
ሓደ ተባዕ ሰብኣይ
ሄኖክ ካብቶም ካልኦት ፍልይ ዝበለ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
እቶም ኣብ ግዜ ሄኖክ ዝነበሩ ሰባት ብዙሕ እከይ ነገራት ዚገብሩ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧
እቶም ሰባት እንታይ ክፉእ ነገራት እዮም ዚገብሩ ነይሮም፧ (ስእሊ ርአ።)
ሄኖክ ተባዕ ምዃን ዜድልዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ሰባት ንኽንደይ ዓመታት ይጸንሑ ነበሩ: ሄኖክ ግን ኣብ ክንደይ ዓመቱ እዩ ዝሞተ፧
ሄኖክ ድሕሪ ሙማቱ እንታይ ኣጋጠመ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 5:21-24, 27 ኣንብብ።
ዘፍጥረት 6:5 ኣንብብ።
ድሕሪ ሞት ሄኖክ ከመይ ዝበለ እኩይ ኵነታት እዩ ኣብ ምድሪ ዝነበረ: ምስዚ ዘለናዮ ዅነታት ኪወዳደር ከሎኸ ኸመይ ይመስል፧ (2 ጢሞ. 3:13)
ይሁዳ 14, 15 ኣንብብ።
ሎሚ ዘለው ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዛዕባ ውግእ ኣርማጌዶን ንሰባት ከጠንቅቕዎም ከለዉ ነቲ ናይ ሄኖክ ትብዓት ኪቐድሕዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (2 ጢሞ. 4:2፣ እብ. 13:6)
3. እብራውያን 11:5 ኣንብብ።
ከመይ ዝበለት ባህሪ ሄኖክ እያ ‘ንኣምላኽ ዘስመረት’: ምስ ከመይ ዝበለ ውጽኢትከ፧ (ዘፍ. 5:22)
8ይ ዛንታ
ንጉዓት ኣብ ምድሪ
ገለ ኻብቶም ናይ ኣምላኽ መላእኽቲ ንሰይጣን ኪሰምዕዎ ምስ ጀመሩ እንታይ ኣጋጠመ፧
ገለ ኻብቶም መላእኽቲ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዝሃቦም ዕዮ ገዲፎም ንምድሪ ዚመጹ ስለምንታይ እዮም፧
እቶም መላእኽቲ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ምምጻኦምን ሰብኣዊ ኣካል ምልባሶምን ጌጋ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
እቶም ካብ መላእኽቲ እተወልዱ ሰባት ፍሉያት ዝገበሮም እንታይ እዩ፧
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘሎኻ: እዞም ካብ መላእኽቲ እተወልዱ ውሉዳት ንጉዓት ምስ ኰኑ እንታይ እዮም ዝገበሩ፧
ድሕሪ ሞት ሄኖክ: መን ዚበሃል ቅኑዕ ሰብኣይ ነበረ: ኣምላኽ ዚፈትዎ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 6:1-8 ኣንብብ።
ዘፍጥረት 6:6 እቲ እነርእዮ ጠባይ ንስምዒት የሆዋ ይትንክፎ ምዃኑ እትገልጸልና ብኸመይ እያ፧ (መዝ. 78:40, 41፣ ምሳ. 27:11)
ይሁዳ 6 ኣንብብ።
እቶም ብግዜ ኖህ “ሰፈሮም ዝሐደጉ” መላእኽቲ ነዞም ሎሚ ዘሎና መለበሚ ዝዀኑና ብኸመይ እዮም፧ (1 ቈረ. 3:5-9፣ 2 ጴጥ. 2:4, 9, 10)
9ይ ዛንታ
ኖህ መርከብ ይሰርሕ
ስድራቤት ኖህ ብዝሖም ክንደይ ነበረ: እቶም ሰለስተ ደቂ ኖህከ መነ መን ይበሃሉ፧
ኣምላኽ ንኖህ እንታይ ሓድሽ ነገር ኪገብር እዩ ዝሓተቶ: ስለምንታይከ፧
ኖህ ነቶም ጐረባብቱ ብዛዕባ እታ መርከብ ምስ ነገሮም እንታይ ምላሽ ሃቡ፧
ኣምላኽ ንኖህ ብዛዕባ እቶም እንስሳታት እንታይ ኪገብር እዩ ዝነገሮ፧
ኣምላኽ ንማዕጾ እታ መርከብ ምስ ዓጸዎ: ኖህን ስድራቤቱን ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ኰይኖም እንታይ ኪገብሩ ነበሮም፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 6:9-22 ኣንብብ።
ኖህ ንፉዕ ኣምላኺ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪኸውን ዘኽኣሎ እንታይ እዩ፧ (ዘፍ. 6:9, 22)
ኣምላኽ ንዓመጽ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ: እዚኸ መዘናግዒ ኽንመርጽ ከሎና ብኸመይ እዩ ኺጸልወና ዘለዎ፧ (ዘፍ. 6:11, 12፣ መዝ. 11:5)
የሆዋ ብማሕበሩ ኣቢሉ መምርሒ ኺህበና ኸሎ ንኖህ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ዘፍ. 6:22፣ 1 ዮሃ. 5:3)
ዘፍጥረት 7:1-9 ኣንብብ።
የሆዋ ነቲ ዘይፍጹም ዝነበረ ኖህ ከም ሓደ ጻድቕ ሰብ ገይሩ ይርእዮ ምንባሩ ሎሚ ንዓና ዜተባብዓና ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍ. 7:1፣ ምሳ. 10:16፣ ኢሳ. 26:7)
10ይ ዛንታ
ማይ ኣይሂ
እቶም ሰባት ማይ ኪወቅዕ ምስ ጀመረ ናብታ መርከብ ኪኣትዉ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧
እቲ ማይ ንኽንደይ ዚኣክል መዓልትን ለይትን እዩ ወቒዑ: ብራኼኡኸ ኽሳዕ ክንደይ ነበረ፧
እቲ ማይ ንምድሪ ኺሽፍና ምስ ጀመረ እታ መርከብ እንታይ ኰነት፧
እቶም ንጉዓት ሰባት ካብቲ ማይ ኣይሂ ድሒኖምዶ: ኣቦታቶምከ እንታይ ኰኑ፧
ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ እታ መርከብ እንታይ ኰነት፧
ኖህ ካብታ መርከብ ኳኽ ዝሰደደ ስለምንታይ እዩ፧
ኖህ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ኸም ዝነጸፈ ዝፈለጠ ብኸመይ እዩ፧
ኖህን ስድራቤቱን ንልዕሊ ዓመት ዚኣክል ኣብታ መርከብ ምስ ጸንሑ ኣምላኽ ንኖህ እንታይ እዩ ዝበሎ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 7:10-24 ኣንብብ።
ዘፍጥረት 8:1-17 ኣንብብ።
ዘፍጥረት 8:17 እቲ የሆዋ ንምድርና ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኸም ዘይተቐየረ እተርእየና ብኸመይ እያ፧ (ዘፍ. 1:22)
1 ጴጥሮስ 3:19, 20 ኣንብብ።
ዛንታ መበል 11
እታ ናይ መጀመርታ ቀስተ-ደበና
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘሎኻ ኖህ ካብ መርከብ ምስ ወጸ መጀመርታ እንታይ እዩ ዝገበረ፧
ኣምላኽ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ንኖህን ስድራቤቱን እንታይ ትእዛዝ ሃቦም፧
ኣምላኽ እንታይ ኢሉ እዩ እተመባጽዐ፧
ቀስተ-ደበና ኽንርኢ ኸሎና: ብዛዕባ እንታይ እዩ ኼዘኻኽረና ዘለዎ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 8:18-22 ኣንብብ።
ሎሚ ንየሆዋ ዚኸውን “ጥዑም መኣዛ” ኸነዳሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ዘፍ. 8:21፣ እብ. 13:15, 16)
የሆዋ ብዛዕባ ዅነታት ልቢ ደቅሰብ እንታይ ትዕዝብቲ እዩ ዝገበረ: ንኸመይ ዝበለ መጠንቀቕታኸ ኢና ኸነቕልበሉ ዘሎና፧ (ዘፍ. 8:21፣ ማቴ. 15:18, 19)
ዘፍጥረት 9:9-17 ኣንብብ።
የሆዋ ምስ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ፍጥረታት እንታይ ኪዳን እዩ ዝኣተወ፧ (ዘፍ. 9:10, 11)
እቲ ብቀስተ-ደበና እተገብረ ኺዳን ክሳዕ መዓስ እዩ ዚጸንሕ፧ (ዘፍ. 9:16)
ዛንታ መበል 12
ሰባት ነዊሕ ግምቢ ይሰርሑ
ኒምሮድ መን እዩ: ኣምላኽከ ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ ትርእዮም ዘሎኻ: እዞም ሰባት ሕጡብ ዚሰርሑ ዘለዉ ንምንታይ እዮም፧
ኣምላኽ ብምስራሕ እቲ ህንጻ ዘይተሓጐሰ ስለምንታይ እዩ፧
ኣምላኽ ምስራሕ እቲ ግምቢ ኸም ዝቋረጽ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧
እታ ኸተማ መን ተባህለት: ትርጕሙኸ እንታይ እዩ፧
ኣምላኽ እተፈላለየ ቛንቋታት ከም ዚዛረቡ ብምግባር ነቲ ቛንቋኦም ምስ ደባለቖ: እቶም ህዝቢ እንታይ ኣጋጠሞም፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 10:1, 8-10 ኣንብብ።
ኒምሮድ ከመይ ዝበለ ባህርያት እዩ ዘንጸባረቐ: እዚኸ ንዓና እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዚዀነና፧ (ምሳ. 3:31)
ዘፍጥረት 11:1-9 ኣንብብ።
ነቲ ግምቢ ኺሰርሕዎ ዝጀመሩ ኻብ ምንታይ ተላዒሎም እዮም: እቲ ፕሮጀክት ዝፈሸለኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘፍ. 11:4፣ ምሳ. 16:18፣ ዮሃ. 5:44)
ዛንታ መበል 13
ኣብርሃም—ዓርኪ ኣምላኽ
ኣብ ከተማ ኡር እንታይ ዓይነት ሰባት ይነብሩ ነበሩ፧
እዚ ኣብ ስእሊ ትርእዮ ዘሎኻ ሰብኣይ መን ይበሃል: መዓስ ተወሊዱ: ኣበይከ እዩ ዚነብር ነይሩ፧
ኣምላኽ ንኣብርሃም እንታይ ኪገብር እዩ ዝነገሮ፧
ኣብርሃም ዓርኪ ኣምላኽ እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብርሃም ንኡር ኪገድፋ ኸሎ መነ መን እዮም ምስኡ ዚወጹ፧
ኣብርሃም ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣተወ አምላኽ እንታይ እዩ ዝበሎ፧
ኣብርሃም ወዲ 99 ዓመት ምስ ኰነ ኣምላኽ እንታይ ተመባጽዓሉ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 11:27-32 ኣንብብ።
ዝምድና ሎጥን ኣብርሃምን ከመይ ነበረ፧ (ዘፍ. 11:27)
ሽሕ እኳ ታራ ምስ ስድራቤቱ ናብ ከነኣን እንተ ተጓዕዘ: ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ተበግሶ ዝወሰደ ግን ኣብርሃም ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ: ከምኡ ዝገበረኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘፍ. 11:31፣ ግብ. 7:2-4)
ዘፍጥረት 12:1-7 ኣንብብ።
ኣብርሃም ኣብ ምድሪ ከነኣን ምስ በጽሐ: የሆዋ ነቲ ዝኣተወሉ ኺዳን እንታይ ዕቤት እዩ ዝገበረሉ፧ (ዘፍ. 12:7)
ዘፍጥረት 17:1-8, 15-17 ኣንብብ።
ኣብራም ወዲ 99 ዓመት ምስ ኰነ: ስሙ ናብ መን እዩ እተቐየረ: ስለምንታይከ፧ (ዘፍ. 17:5)
የሆዋ ኸመይ ዝበለ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም በረኸታት እዩ ንሳራ እተመባጽዓላ፧ (ዘፍ. 17:15, 16)
ዘፍጥረት 18:9-19 ኣንብብ።
ዘፍጥረት 18:19 ንኣቦታት ከመይ ዝበለ ሓላፍነታት እያ እተሰክሞም፧ (ዘዳ. 6:6, 7፣ ኤፌ. 6:4)
ካብ የሆዋ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንሓብእ ከም ዘይንኽእል ናይ ሳራ ተመክሮ ብኸመይ እዩ ዜርእየና፧ (ዘፍ. 18:12, 15፣ መዝ. 44:21)
ዛንታ መበል 14
ኣምላኽ ንእምነት ኣብርሃም ይፍትን
ኣምላኽ ንኣብርሃም እንታይ መብጽዓ እዩ እተመባጽዓሉ: መብጽዓኡ ዝፈጸሞኸ ብኸመይ እዩ፧
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ ዝርአ ዘሎ: ኣምላኽ ንእምነት ኣብርሃም ዝፈተና ብኸመይ እዩ፧
ኣብርሃም እቲ ኣምላኽ ግበሮ ኢሉ ዝኣዘዞ ስለምንታይ ምዃኑ እኳ እንተ ዘይተረድኦ: እንታይ እዩ ዝገበረ፧
ኣብርሃም ንወዱ ኺሓርዶ ኢሉ ካራ ምስ ኣልዓለ እንታይ ኣጓነፈ፧
እታ ኣብርሃም ኣብ ኣምላኽ ዝነበረቶ እምነት ክሳዕ ክንደይ እያ ድልድልቲ ነይራ፧
ኣምላኽ ንኣብርሃም ንመስዋእቲ ኪዀኖ ኢሉ እንታይ ኣቕረበሉ: ብኸመይከ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 21:1-7 ኣንብብ።
ኣብርሃም ንወዱ ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ዝገዘሮ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘፍ. 17:10-12፣ 21:4)
ዘፍጥረት 22:1-18 ኣንብብ።
ይስሃቅ ነቦኡ ኣብርሃም ዘለዎ ተኣዛዝነት ብኸመይ ኣርኣየ: እዚኸ ኣብ መጻኢ ንዚህሉ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር ዜመልክት ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍ. 22:7-9፣ 1 ቈረ. 5:7፣ ፊል. 2:8, 9)
ዛንታ መበል 15
ሰበይቲ ሎጥ ንድሕሪት ግልጽ በለት
ኣብርሃምን ሎጥን እተፈላለዩ ስለምንታይ እዮም፧
ሎጥ ኣብ ሶዶም ኪነብር ዝመረጸ ስለምንታይ እዩ፧
እቶም ኣብ ሶዶም ዝነበሩ ሰባት እንታይ ዓይነት እዮም ነይሮም፧
እቶም ክልተ መላእኽቲ ንሎጥ እንታይ መጠንቀቕታ እዮም ዝሃብዎ፧
ሰበይቲ ሎጥ ዓንዲ ጨው ኰይና ዝተረፈት ስለምንታይ እያ፧
ካብቲ ናይ ሰበይቲ ሎጥ ታሪኽ እንታይ ትምህርቲ ኽንማሃር ንኽእል፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 13:5-13 ኣንብብ።
ኣብ መንጎ ኽልተ ሰባት ዚለዓል ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ: ካብ ኣብርሃም እንታይ ትምህርቲ ኢና እንመሃር፧ (ዘፍ. 13:8, 9፣ ሮሜ 12:10፣ ፊል. 2:3, 4)
ዘፍጥረት 18:20-33 ኣንብብ።
ካብቲ የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝገበሮ ምምልላስ: የሆዋን የሱስን ብጽድቂ ኸም ዚፈርዱ ኽንተኣማመን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ዘፍ. 18:25, 26፣ ማቴ. 25:31-33)
ዘፍጥረት 19:1-29 ኣንብብ።
ሉቃስ 17:28-32 ኣንብብ።
ሰበይቲ ሎጥ ኣብ ስጋዊ ነገራት ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ነበራ: እዚኸ ንዓና መጠንቀቕታ ኪዀነና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ሉቃ. 12:15፣ 17:31, 32፣ ማቴ. 6:19-21, 25)
2 ጴጥሮስ 2:6-8 ኣንብብ።
ኣብነት ሎጥ ብምቕዳሕ: ኣብዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ዘሎና ኣረኣእያ ኸመይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧ (ህዝ. 9:4፣ 1 ዮሃ. 2:15-17)
ዛንታ መበል 16
ይስሃቅ ንፍዕቲ ሰበይቲ ይረክብ
እዞም ኣብዚ ስእሊ ዘለዉ ሰብኣይን ሰበይትን መነ መን ይበሃሉ፧
ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ እትኸውን ሰበይቲ ምእንቲ ኺረክብ እንታይ እዩ ዝገበረ: ስለምንታይከ፧
እቲ ናይ ኣብርሃም ግዙእ ዘቕረቦ ጸሎት እተመለሰ ብኸመይ እዩ፧
ርብቃ ንይስሃቅ ክትምርዓዎ ትደሊ እንተ ዀይና ምስ ተሓተት እንታይ ኢላ መለሰት፧
ይስሃቅ እንደገና እተሓጐሰ ስለምንታይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 24:1-67 ኣንብብ።
ርብቃ ኣብቲ ዔላ ምስ ግዙእ ኣብርሃም ምስ ተራኸበት: ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ባህርያት እያ ዘንጸባረቐት፧ (ዘፍ. 24:17-20፣ ምሳ. 31:17, 31)
እቲ ኣብራሃም ንይስሃቅ ዝገበረሉ ምድላዋት: ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዚዀኖም፧ (ዘፍ. 24:37, 38፣ 1 ቈረ. 7:39፣ 2 ቈረ. 6:14)
ከምቲ ይስሃቅ ዝገበሮ: ንምስትንታን ዚኸውን ግዜ ኽንምድብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ዘፍ. 24:63፣ መዝ. 77:12፣ ፊል. 4:8)
ዛንታ መበል 17
ፍልልይ ዝነበሮም ማናቱ
ኤሳውን ያእቆብን እንታዎት እዮም ነይሮም: እተፈላለዩ ዝነበሩኸ ብኸመይ እዮም፧
ኣባሓጎኦም ኣብርሃም ክመውት ከሎ: ያእቆብን ኤሳውን ደቂ ኽንደይ ዓመት ነበሩ፧
ኤሳው እንታይ ነቦኡን ኣዲኡን ዜጕሂ ነገር እዩ ዝገበረ፧
ኤሳው ምስ ሓዉ ያእቆብ እተቘጥዐ ስለምንታይ እዩ፧
ይስሃቅ ንወዱ ያእቆብ እንታይ መምርሒ እዩ ዝሃቦ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 25:5-11, 20-34 ኣንብብ።
ብዛዕባ እቶም ክልተ ደቂ ርብቃ: የሆዋ እንታይ ኢሉ ተነበየ፧ (ዘፍ. 25:23)
ያእቆብን ኤሳውን ብዛዕባ ብዅርና እንታይ እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዝነበሮም፧ (ዘፍ. 25:31-34)
ዘፍጥረት 26:34, 35፣ 27:1-46 ከምኡውን 28:1-5 ኣንብብ።
ኤሳው ንመንፈሳዊ ነገራት ሞሳ ኸም ዘይነበሮ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍ. 26:34, 35፣ 27:46)
ይስሃቅ ንያእቆብ በረኸት የሆዋ ምእንቲ ኺረክብ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ እዩ ዝነገሮ፧ (ዘፍ. 28:1-4)
እብራውያን 12:16, 17 ኣንብብ።
ንቕዱስ ነገራት ዕሽሽ ምባል እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኻብ ናይ ኤሳው ኣብነት ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ እንኽእል፧
ዛንታ መበል 18
ያእቆብ ናብ ካራን ይኸይድ
እታ ኣብዚ ስእሊ ዘላ ጐርዞ መን እያ: ያእቆብከ ንዓኣ እንታይ ገበረላ፧
ያእቆብ ንራሄል ምእንቲ ኺምርዓዋ እንታይ ንምግባር እዩ ፍቓደኛ ዝዀነ፧
እቲ ያእቆብ ንራሄል ዝምርዓወሉ ግዜ ምስ በጽሐ: ላባን እንታይ ገበረ፧
ያእቆብ ንራሄል ምእንቲ ኺምርዓዋ እንታይ ንምግባር እዩ እተሰማምዐ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 29:1-30 ኣንብብ።
ያእቆብ ዋላ እኳ ላባን እንተ ኣታለሎ: ቅንዕናኡ ሓልዩ እተመላለሰ ብኸመይ እዩ: ንሕናኸ ኻብዚ እንታይ ንመሃር፧ (ዘፍ. 25:27፣ 29:26-28፣ ማቴ. 5:37)
ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ፍቕርን ናይ ሓቂ ዘይኰነ ፍቕርን ዘሎ ፍልልይ ካብ ናይ ያእቆብ ኣብነት ክንርእዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ዘፍ. 29:18, 20, 30፣ መሃ. 8:6)
ኣባላት ስድራቤት ያእቆብ ብምዃን ንያእቆብ ኣወዳት ዝወለዳሉ ኣርባዕተ ኣንስቲ መነ መን እየን፧ (ዘፍ. 29:23, 24, 28, 29)
ዛንታ መበል 19
ያእቆብ ዓብዪ ስድራቤት ኣለዎ
እቶም ያእቆብ ካብ ልያ ዝወለዶም ሽዱሽተ ኣወዳት መነ መን ይበሃሉ፧
እቶም ካብ ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ንያእቆብ እተወልድሉ ኽልተ ኣወዳት መነ መን ይበሃሉ፧
እቶም ክልተ ኻብ ቢልሃ ግዝእቲ ራሄል ንያእቆብ እተወልድሉ ኣወዳት መነ መን ይበሃሉ፧
ራሄል ከመይ ዝበሉ ኽልተ ኣወዳት እያ ዝወለደት: ነቲ ኻልኣይ ክትወልድ ከላ ግን እንታይ ኣጋጠማ፧
ብመሰረት እዚ ስእሊ እዚ: ያእቆብ ክንደይ ደቂ ነበርዎ: ካብኦምከ እንታይ መጸ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 29:32-35፣ 30:1-26 ከምኡውን 35:16-19 ኣንብብ።
ከምቲ ስም እቶም 12 ደቂ ያእቆብ ዜመልክቶ: እቶም ጥንታዎት እብራውያን ኣወዳት መብዛሕትኡ ግዜ ብኸመይ እዩ ኣስማት ዚወጾም ዝነበረ፧
ዘፍጥረት 37:35 ኣንብብ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብስማ ተመዝጊባ እንረኽባ ንዲና ጥራይ እኳ እንተዀንና: ያእቆብ ካልኦት ኣዋልድ እውን ከም ዝነበራኦ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ዘፍ. 37:34, 35)
ዛንታ መበል 20
ዲና ኣብ ሽግር ትኣቱ
ኣብርሃምን ይስሃቅን ደቆም ካብ ከነኣናውያን ኪምርዓዉ ዘይደልዩ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧
ያእቆብ ጓሉ ምስ ከነኣናውያን ኣዋልድ ምሕዝነት ክትገብር ኪርእያ ኸሎ የሐጕሶዶ ነይሩ፧
እቲ ኣብዚ ስእሊ ንዲና ዚጥምታ ዘሎ ሰብኣይ መን እዩ: ከመይ ዝበለ ሕማቕ ተግባርከ እዩ ዝገበረ፧
እቶም ክልተ ኣሕዋት ዲና: ስምኦንን ሌዊን: ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ነገር ምስ ሰምዑ እንታይ ገበሩ፧
ያእቆብ በቲ ስምኦንን ሌዊን ዝገበርዎ ተግባር ተሓጒሱዶ፧
እዚ ዅሉ ሽግር እታ ስድራቤት ብኸመይ ተጀመረ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 34:1-31 ኣንብብ።
እቲ ዲና ምስተን ኣዋልድ ከነኣን ዝገበረቶ ምሕዝነት ሓንሳእ ጥራይ ድዩ ነይሩ፧ ግለጽ። (ዘፍ. 34:1 NW :- “እታ: ልያ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዲና ጓላ ኸኣ: ነዋልድ እታ ሃገር ክትርኢ ትወጽእ ነበረት።”)
ዲና ንምፍራስ ድንግልናኣ ተሓታቲት እትኸውን ስለምንታይ እያ፧ (ገላ. 6:7)
ሎሚ ዘለው መንእሰያት ነቲ ኻብ ዲና እተረኽበ መለበሚ ኣብ ልቦም ከም ዘሕደርዎ ኼርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ምሳ. 13:20፣ 1 ቈረ. 15:33፣ 1 ዮሃ. 5:19)
ዛንታ መበል 21
ዮሴፍ ኣሕዋቱ ይጸልእዎ
ንዮሴፍ ኣሕዋቱ ዝቐንእሉ ስለምንታይ እዮም: እንታይከ ገበርዎ፧
ኣሕዋቱ ንዮሴፍ እንታይ ኪገብርዎ እዮም ዝሓሰቡ: ሮቤል ግን እንታይ በሎም፧
እስማኤላውያን ነጋዶ ምስ መጹ እንታይ ኣጋጠመ፧
ኣሕዋት ዮሴፍ ንኣቦኦም: ዮሴፍ ከም ዝሞተ ምእንቲ ኺመስሎ እንታይ ገበሩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 37:1-35 ኣንብብ።
ሎሚ ክርስትያናት ኣብታ ጉባኤ እተገብረ ሓጢኣት ብምንጋር ዝመጸ ናይ ዮሴፍ ኣብነት ኪቐድሕዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ዘፍ. 37:2፣ ዘሌ. 5:1፣ 1 ቈረ. 1:11)
ኣሕዋት ዮሴፍ ጠላማት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ (ዘፍ. 37:11, 18፣ ምሳ. 27:4፣ ያእ. 3:14-16)
ያእቆብ ንሓዘኑ ብኸመይ ዝበለ ባህርያዊ ኣገባብ እዩ ዝገለጾ፧ (ዘፍ. 37:35)
ዛንታ መበል 22
ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይኣቱ
ዮሴፍ ናብ ግብጺ ኺውሰድ ከሎ ወዲ ኽንደይ ዓመት ነበረ: ኣብኡ ምስ ኣተወኸ እንታይ ኣጋጠሞ፧
ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኺኣቱ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧
ዮሴፍ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እንታይ ሓላፍነት እዩ እተዋህቦ፧
ዮሴፍ ነቶም ናይ ፈርኦን ኣሰላፍ ሜስን ሰንካት እንጌራን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እንታይ እዩ ዝገበረሎም፧
እቲ ኣሰላፍ ሜስ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ: እንታይ ገበረ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 39:1-23 ኣንብብ።
ዋላ እኳ ኣብቲ ግዜ እቲ ንምንዝር ዚዅንን ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ሕጊ እንተ ዘይነበረ: ዮሴፍ ነቲ ሰበይቲ ጶጢፋር ዘቕረበትሉ ዕድመ ነጺጉ ኽሃድም ዝደረኾ እንታይ ነበረ፧ (ዘፍ. 2:24፣ 20:3፣ 39:9)
ዘፍጥረት 40:1-23 ኣንብብ።
ናይቲ ኣሰላፍ ሜስ ሕልምን የሆዋ ብዮሴፍ ኣቢሉ ዝገለጸሉ ትርጕሙን ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። (ዘፍ. 40:9-13)
እቲ ሰንካት እንጌራ እንታይ ሓለመ: እዚኸ እንታይ ማለት ነበረ፧ (ዘፍ. 40:16-19)
ሎሚ እቲ ኽፍሊ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ነቲ ናይ ዮሴፍ ኣረኣእያ ዚቐድሖ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍ. 40:8፣ መዝ. 36:9፣ ዮሃ. 17:17፣ ግብ. 17:2, 3)
ዘፍጥረት 40:20 ነቲ ክርስትያናት ብዛዕባ መዓልቲ ልደት ምብዓል ዘለዎም ኣረኣእያ እተብርህ ብኸመይ እያ፧ (መክ. 7:1፣ ማር. 6:21-28)
ዛንታ መበል 23
ሕልምታት ፈርኦን
ሓደ ለይቲ ንፈርኦን እንታይ እዩ ዘጋጠሞ፧
እቲ ኣሰላፍ ሜስ ኣብ መወዳእታ ንዮሴፍ ዝዘከሮ ስለምንታይ እዩ፧
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ ትርእዮ ዘሎኻ: ፈርኦን እንታይ ክልተ ሕልምታት እዩ ዝሓለመ፧
ዮሴፍ ትርጕም እተን ሕልምታት እንታይ ምዃነን እዩ ዝነገሮ፧
ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ደድሕሪ ፈርኦን እቲ ዝኸበረ ሰብ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧
ኣሕዋት ዮሴፍ እንታይ ኪገብሩ እዮም ናብ ግብጺ ዚመጹ: ንዮሴፍ ዘየለለይዎኸ ስለምንታይ እዮም፧
ዮሴፍ ነየናይ ሕልሙ እዩ ዝዘከረ: እንታይ ንኽርዳእከ እዩ ዝሓገዞ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 41:1-57 ኣንብብ።
ዮሴፍ: ሰባት ኣቓልቦኦም ናብ የሆዋ ኸም ዚገብሩ ዝገበረ ብኸመይ እዩ: ሎሚኸ ክርስትያናት ነዚ ኣብነት እዚ ብኸመይ ኪቐድሕዎ ይኽእሉ፧ (ዘፍ. 41:16, 25, 28፣ ማቴ. 5:16፣ 1 ጴጥ. 2:12)
እተን ኣብ ግብጺ ዝነበራ ናይ ጽጋብ ዓመታትን ስዒበን ዝመጻ ናይ ጥሜት ዓመታትን: ምስቲ መንፈሳዊ ዅነታት ናይ ህዝቢ የሆዋን ናይ ህዝበ-ክርስትያንን ብኸመይ ይነጻጸር፧ (ዘፍ. 41:29, 30፣ ኣሞ. 8:11, 12)
ዘፍጥረት 42:1-8 ከምኡውን 50:20 ኣንብብ።
ንሓደ በዓል ስልጣን ነቲ ስልጣኑ ዘሎካ ግቡእ ኣኽብሮትን ተኣዛዝነትን ንምርኣይ ኣብ ቅድሚኡ ምስጋድ ናይቲ ኸባቢ ልምዲ እንተደኣ ዀይኑ ሓደ ኣምላኺ የሆዋ ኸምዚ እንተ ገበረ ጌጋ ድዩ፧ (ዘፍ. 42:6)
ዛንታ መበል 24
ዮሴፍ ነሕዋቱ ይፍትኖም
ዮሴፍ ነሕዋቱ ሰለይቲ ኢኹም ኢሉ ዝኸሰሶም ስለምንታይ እዩ፧
ያእቆብ ነቲ ንእሽቶ ወዱ ብንያም ናብ ግብጺ ምሳታቶም ዝሰደዶ ስለምንታይ እዩ፧
እታ ናይ ዮሴፍ ጽዋእ ብሩር ከመይ ኢላ እያ ኣብ ናይ ብንያም ከረጺት ዝኣተወት፧
ይሁዳ ብንያም ምእንቲ ኺፍታሕ ኣብ ክንድኡ እንታይ ኪኸውን እዩ ቓል ዝኣተወ፧
ኣሕዋት ዮሴፍ እተለወጡ ብኸመይ እዮም፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 42:9-38 ኣንብብ።
እቲ ዮሴፍ ኣብ ዘፍጥረት 42:18 ዝሃቦ መግለጺ ነዞም ሎሚ ኣብ ማሕበር የሆዋ ሓላፍነት እተሰከሙ ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ብሉጽ መዘኻኸሪ እዩ ዚዀኖም፧ (ነህ. 5:15፣ 2 ቈረ. 7:1, 2)
ዘፍጥረት 43:1-34 ኣንብብ።
ዘፍጥረት 44:1-34 ኣንብብ።
ዮሴፍ ኣሕዋቱ ንኸየለልይዎ መንነቱ ንምሕባእ: ንርእሱ ኸም ምንታይ ገይሩ እዩ ኣቕሪብዋ፧ (ዘፍ. 44:5, 15፣ ዘሌ. 19:26)
ኣሕዋት ዮሴፍ እቲ ኣብ መጀመርታ ኺሸጥዎ ኸለዉ ዝነበሮም ናይ ቅንኢ መንፈስ ደሓር ካብኦም ከም ዝኸደ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (ዘፍ. 44:13, 33, 34)
ዛንታ መበል 25
እታ ስድራቤት ናብ ግብጺ ትግዕዝ
ዮሴፍ መን ምዃኑ ነቶም ኣሕዋቱ ምስ ነገሮም እንታይ ኣጋጠመ፧
ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ብሕያውነት እንታይ እዩ ዝገለጸሎም፧
ፈርኦን: ኣሕዋት ዮሴፍ ከም ዝመጹ ምስ ሰምዐ እንታይ እዩ ዝበለ፧
ስድራቤት ያእቆብ ናብ ግብጺ ኽትግዕዝ ከላ ኽሳዕ ክንደይ እያ ዓባይ ዝነበረት፧
ጸኒሓ ስድራቤት ያእቆብ እንታይ ተባሂላ ተጸውዐት: ስለምንታይከ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘፍጥረት 45:1-28 ኣንብብ።
ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ናይ ዮሴፍ ጸብጻብ: የሆዋ ንኣገልገልቱ ንምጕዳእ ተባሂሉ እተገብረ ነገር ንጽቡቖም ክቕይሮ ኸም ዚኽእል ዜርእየና ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍ. 45:5-8፣ ኢሳ. 8:10፣ ፊል. 1:12-14)
ዘፍጥረት 46:1-27 ኣንብብ።
ያእቆብ ናብ ግብጺ እናኸደ ኸሎ የሆዋ እንታይ መረጋገጺ ሃቦ፧ (ዘፍ. 46:1-4)
ዛንታ መበል 26
እዮብ ንኣምላኽ እሙን ኰነ
እዮብ እንታዋይ እዩ፧
ሰይጣን እንታይ ኪገብር እዩ ዝፈተነ: ተዓዊቱዶኸ፧
የሆዋ ንሰይጣን እንታይ ኪገብር እዩ ዘፍቀደሉ ስለምንታይከ፧
ሰበይቲ እዮብ ‘ንኣምላኽ ርገም እሞ ሙት’ ዝበለቶ ስለምንታይ እያ፧ (ስእሊ ርአ)
ከምቲ ኣብዛ ኻልኣይቲ ስእሊ ትርእዮ ዘሎኻ: የሆዋ ንእዮብ ብኸመይ ባረኾ: ስለምታይከ፧
ንሕናውን ልክዕ ከም እዮብ ንየሆዋ እሙናት እንተደኣ ዄንና: እንታይ በረኸታት ኢና ኽንረክብ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
እዮብ 1:1-22 ኣንብብ።
ሎሚ ክርስትያናት ንእዮብ ኪመስልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (እዮ. 1:1፣ ፊል. 2:15፣ 2 ጴጥ. 3:14)
እዮብ 2:1-13 ኣንብብ።
እዮብን ሰበይቱን ብኸመይ ዝበለ ኽልተ እተፈላለየ መገድታት እዮም ነቲ ናይ ሰይጣን ፈተና ዝመለሽሉ፧ (እዮ. 2:9, 10፣ ምሳ. 19:3፣ ሚክ. 7:7፣ ሚል. 3:14)
እዮብ 42:10-17 ኣንብብ።
ኣብ መንጎ እቲ እዮብ ዝረኸቦ በረኸትን እቲ የሱስ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እሙን ብምዃኑ ዝረኸቦ ዓስብን እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧ (እዮ. 42:12፣ ፊል. 2:9-11)
በቲ እዮብ ንጽህናኡ ብምሕላው ዝረኸቦ በረኸታት ክንተባባዕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (እዮ. 42:10, 12፣ እብ. 6:10፣ ያእ. 1:2-4, 12፣ 5:11)
ዛንታ መበል 27
ኣብ ግብጺ ሓደ ሕሱም ንጉስ ይገዝእ
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘሎኻ እቲ ዅርማጅ ሒዙ ዘሎ መን እዩ: ንመንከ እዩ ዚሃርሞ ዘሎ፧
ዮሴፍ ድሕሪ ሙማቱ: ንእስራኤላውያን እንታይ ኣጋጠሞም፧
እቶም ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ዚፈርህዎም ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧
ፈርኦን ነተን ንእስራኤላውያን ክወልዳ ኸለዋ ዚሕግዝአን ዝነበራ መሕረስቲ እንታይ ትእዛዝ እዩ ዝሃበን፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘጸኣት 1:6-22 ኣንብብ።
የሆዋ ነቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ መብጽዓ ኺፍጽሞ ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸ. 1:7፣ ዘፍ. 12:2፣ ግብ. 7:17)
እተን እብራውያን መሕረስቲ ንቕድስና ህይወት ዘለወን ኣኽብሮት ዘርኣያ ብኸመይ እየን፧ (ዘጸ. 1:17፣ ዘፍ. 9:6)
እተን መሕረስቲ ንየሆዋ ብዘርኣያኦ ተኣማንነት ብኸመይ ተባረኻ፧ (ዘጸ. 1:20, 21፣ ምሳ. 19:17)
ሰይጣን ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ኣብርሃም ዚምልከት ዕላማ ኣምላኽ ንምትዕንቓፍ ዝፈተነ ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸ. 1:22፣ ማቴ. 2:16)
ዛንታ መበል 28
ሙሴ ዝደሓነሉ መገዲ
እቲ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ሕጻን መን እዩ: ናይ መን ኣጻብዕከ እዩ ሒዙ ዘሎ፧
ኣደ ሙሴ ግብጻውያን ምእንቲ ኸይቀትልዎ እንታይ ገበረት፧
እታ ኣብዚ ስእሊ ዘላ ንእሽቶ ጓል መን እያ: እንታይከ ገበረት፧
ጓል ፈርኦን ነቲ ቘልዓ ምስ ረኸበቶ: ሚርያም እንታይ ሓሳባት እያ ዘቕረበትላ፧
እታ ልእልቲ ነደ ሙሴ እንታይ በለታ፧
ተወሳኺ ሕቶ:-
ዘጸኣት 2:1-10 ኣንብብ።
ኣዲኡ ንሙሴ ኻብ ግዜ ቝልዕነቱ ኣትሒዛ ኸተሰልጥኖን ክትምህሮን ዘኽእላ ኸመይ ዝበለ ኣጋጣሚ እያ ዝረኸበት: እዚኸ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ኸመይ ዝበለ ኣብነት እዩ ዚዀኖም፧ (ዘጸ. 2:9, 10፣ ዘዳ. 6:6-9፣ ምሳ. 22:6፣ ኤፌ. 6:4፣ 2 ጢሞ. 3:15)
ዛንታ መበል 29
ሙሴ ዝሃደመሉ ምኽንያት
ሙሴ ኣበይ እዩ ዓብዩ: ብዛዕባ ወለዱኸ እንታይ ይፈልጥ ነበረ፧
ሙሴ ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ እንታይ እዩ ዝገበረ፧
ሙሴ ነቲ ዚዕምጽ ዝነበረ እስራኤላዊ ሰብኣይ እንታይ በሎ: እቲ ሰብኣይከ እንታይ ብምባል መለሰሉ፧
ሙሴ ኻብ ግብጺ ዝሃደመ ስለምንታይ እዩ፧
ሙሴ ኻብ ግብጺ ወጺኡ ናበይ እዩ ዝሃደመ: ኣብኡኸ ምስ መን እዩ እተራኸበ፧
ሙሴ ኣብተን ካብ ግብጺ ሃዲሙ ዘሕለፈን 40 ዓመት እንታይ ይገብር ነበረ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘጸኣት 2:11-25 ኣንብብ።
ሙሴ ንዓመታት ዚኣክል ጥበብ ግብጻውያን እኳ እንተ ተማህረ: ኣብ የሆዋን ህዝቡን ዘለዎ ተኣማንነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸ. 2:11, 12፣ እብ. 11:24)
ግብሪ ሃዋርያት 7:22-29 ኣንብብ።
ካብቲ ሙሴ ብገዛእ ርእሱ ነቶም እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ንምውጻእ ዝገበሮ ፈተነ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧ (ግብ. 7:23-25፣ 1 ጴጥ. 5:6, 10)
ዛንታ መበል 30
እቲ ዝነድድ ቈጥቋጥ
ስም እቲ ኣብዚ ስእሊ እዚ ዘሎ ከረን መን ይበሃል፧
ነቲ ንሙሴ ኣብቲ ከረን ኣባጊዑ ሒዙ ምስ ከደ ዘጋጠሞ ሓድሽ ነገር ግለጾ።
ካብቲ ዝነድድ ዝነበረ ቈጥቋጥ ንሙሴ እንታይ ዚብል ድምጺ እዩ ዝመጾ: ናይ መን ድምጺኸ እዩ ነይሩ፧
ኣምላኽ ንሙሴ: ንህዝቢ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ መሪሑ ኼውጽኦም ምዃኑ ምስ ነገሮ: ሙሴ እንታይ መልሲ ሃበ፧
ሙሴ እቶም ህዝቢ መን ልኢኹካ እንተ በሉንስ እንታይ ክብሎም እየ ምስ በለ: ኣምላኽ እንታይ እዩ ዝበሎ፧
ሙሴ ኣምላኽ ከም ዝለኣኾ ነቶም ህዝቢ ኸመይ ገይሩ እዩ ኼእምኖም ዚኽእል፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘጸኣት 3:1-22 ኣንብብ።
ንቲኦክራሲያዊ መዝነታት ዘይብቑዓት ከም ዝዀንና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ እውን ከይተረፈ: እቲ ናይ ሙሴ ተመክሮ የሆዋ ኸም ዚድግፈና ዜረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸ. 3:11, 13፣ 2 ቈረ. 3:5, 6)
ዘጸኣት 4:1-20 ኣንብብ።
ሙሴ ኣብተን ኣብ ሚድያን ዘሕለፈን 40 ዓመት እንታይ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ እዩ ዝገበረ: እቶም ንናይ ጉባኤ መሰላት ዚመጣጠሩኸ ኻብዚ እንታይ ትምህርቲ ኺመሃሩ ይኽእሉ፧ (ዘጸ. 2:11, 12፣ 4:10, 13፣ ሚክ. 6:8፣ 1 ጢሞ. 3:1, 6, 10)
የሆዋ ብማሕበሩ ኣቢሉ ምስ ዚግስጸና እውን ከይተረፈ ናይ ሙሴ ኣብነት እንታይ ምትእምማን እዩ ዚህበና፧ (ዘጸ. 4:12-14፣ መዝ. 103:14፣ እብ. 12:4-11)
ዛንታ መበል 31
ሙሴን ኣሮንን ምስ ፈርኦን ይራኸቡ
እቲ ሙሴን ኣሮንን ዝገበርዎ ተኣምራት ኣብቶም እስራኤላውያን እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧
ሙሴን ኣሮንን ንፈርኦን እንታይ ኢሎም እዮም እተዛረብዎ: ፈርኦንከ እንታይ ኢሉ መለሰሎም፧
ከምዚ ኣብዚ ስእሊ እትርዮ ዘሎኻ: ኣሮን በትሩ ናብ ምድሪ ምስ ደርበያ እንታይ ኣጋጠመ፧
የሆዋ ንፈርኦን ብኸመይ እዩ ዝመሃሮ: ፈርኦንከ እንታይ ምላሽ ሃበ፧
ድሕሪ እታ ዓስረይቲ መዓት እንታይ ኣጋጠመ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘጸኣት 4:27-31 ከምኡውን 5:1-23 ኣንብብ።
ፈርኦን ‘ንየሆዋ ኣይፈልጥ’ ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (ዘጸ. 5:2፣ 1 ሳሙ. 2:12፣ ሮሜ 1:21)
ዘጸኣት 6:1-13, 26-30 ኣንብብ።
የሆዋ ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዘይተገልጸሎም ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸ. 3:13, 14፣ 6:3፣ ዘፍ. 12:8)
ሙሴ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ንኺፍጽም ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዖ: የሆዋ ኽሳዕ መወዳእታ ንሙሴ ኸም እተጠቕመሉ ምፍላጥና እንታይ ስምዒት እዩ ዜሕድረልና፧ (ዘጸ. 6:12, 30፣ ሉቃ. 21:13-15)
ዘጸኣት 7:1-13 ኣንብብ።
ሙሴን ኣሮንን ንፈርኦን ተቢዖም ፍርዲ የሆዋ ብምንጋሮም ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ኣብነት እዮም ዝገደፉ፧ (ዘጸ. 7:2, 3, 6፣ ግብ. 4:29-31)
የሆዋ ኣብ ልዕሊ ናይ ግብጺ ኣማልኽቲ ልዕልናኡ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸ. 7:12፣ 1 ዜና 29:12)
ዛንታ መበል 32
እተን ዓሰርተ መዓት
ነዚ ስእልታት እዚ ብምርኣይ: ነተን የሆዋ ኣብ ግብጺ ዘውረደን ናይ መጀመርያ ሰለስተ መዓት ግለጸን።
ኣብ መንጎ እተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ መዓትን እተን ዝተረፋ ኻልኦት መዓትን ዘሎ ፍልልይ እንታይ እዩ፧
እተን ራብዐይትን ሓምሸይትን ሻዱሸይትን መዓት እንታይ እየን ነይረን፧
ነተን ሻብዐይትን ሻምነይትን ታሽዐይትን መዓት ግለጸን፧
የሆዋ ነታ ዓስረይቲ መዓት ቅድሚ ምውራዱ ንእስራኤላውያን እንታይ ኪገብሩ እዩ ዝነገሮም፧
እታ ዓስረይቲ መዓት እንታይ እያ ነይራ: ብድሕሪኣኸ እንታይ ተፈጸመ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘጸኣት 7:19-8, 23 ኣንብብ።
እቶም ናይ ግብጺ ጠንቈልቲ ዋላ እኳ ኸምተን የሆዋ ዘውረደን ቀዳሞት ክልተ መዓት ኪገብሩ እንተ ኸኣሉ: ድሕሪ እታ ሳልሰይቲ መዓት ግን እንታይ ብምባል እዮም እተኣመኑ፧ (ዘጸ. 8:18, 19፣ ማቴ. 12:24-28)
እታ ራብዐይቲ መዓት የሆዋ ንህዝቡ ኼዕቍቦም ከም ዚኽእል ዘርኣየት ብኸመይ እያ: ህዝቢ ኣምላኽከ ነዚ ብምፍላጦም እቲ ብትንቢት እተነግረ “ብርቱዕ ጸበባ” ኼጋጥሞም ከሎ እንታይ ከም ዚስምዖም እዩ ዚገብር፧ (ዘጸ. 8:22, 23፣ ራእ. 7:13, 14፣ 2 ዜና 16:9)
ዘጸኣት 8:24፣ 9:3, 6, 10, 11, 14, 16, 23-25፣ ከምኡውን 10:13-15, 21-23 ኣንብብ።
ዘጸኣት 12:21-32 ኣንብብ።
በዓል ፋስጋ ብዙሓት ሰባት ንኺድሕኑ ዘኽኣሎም ብኸመይ እዩ: ንምንታይከ እዩ ዜመልክት፧ (ዘጸ. 12:21-23፣ ዮሃ. 1:29፣ ሮሜ 5:18, 19, 21፣ 1 ቈረ. 5:7)
ዛንታ መበል 33
ቀይሕ ባሕሪ ምስጋር
ክንደይ ዝዀኑ እስራኤላውያን ሰብኡት ምስኦም ድማ ኣንስትን ቈልዑን እዮም ካብ ግብጺ ዝወጹ: ምስኦም ዚወጹ ኻልኦትከ መን ነበሩ፧
ፈርኦን ንእስራኤላውያን ኪኸዱ ምስ ፈቐደሎም እንታይ ተሰምዖ: እንታይከ ገበረ፧
የሆዋ: ግብጻውያን ንህዝቡ ምእንቲ ኸየጥቅዕዎም እንታይ ገበረ፧
ሙሴ በትሩ ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዘርገሐ እንታይ ኣጋጠመ: እስራኤላውያንከ እንታይ ገበሩ፧
እቶም ግብጻውያን ደድሕሪ እስራኤላውያን ናብቲ ባሕሪ ምስ ኣተዉ እንታይ ኣጋጠሞም፧
እስራኤላውያን ብምድሓኖም ሓጐሶምን ምስጋንኦምን ብኸመይ እዮም ዝገለጹ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘጸኣት 12:33-36 ኣንብብ።
የሆዋ: ህዝቡ ናይቲ ዅሉ ኣብ ትሕቲ ግብጻውያን ዘሕለፍዎ ናይ ባርነት ዓመታት ከም ዝከሓሱ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸ. 3:21, 22፣ 12:35, 36)
ዘጸኣት 14:1-31 ኣንብብ።
እቲ ኣብ ዘጸኣት 14:13, 14 ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላት ሙሴ: ነቶም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ግዜ ውግእ ኣርማጌዶን ብኸመይ እዩ ኺትንክፎም፧ (2 ዜና 20:17፣ መዝ. 91:8)
ዘጸኣት 15:1-8, 20, 21 ኣንብብ።
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዚዝምርሉ ስለምንታይ እዮም፧ (ዘጸ. 15:1, 2፣ መዝ. 105:2, 3፣ ራእ. 15:3, 4)
ሚርያምን ኵለን እተን ኣንስትን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንየሆዋ ብመዝሙር ምውዳሰን: ነዘን ሎሚ ዘለዋ ክርስትያን ኣንስቲ እንታይ ኣብነት እየን ዝገደፋለን፧ (ዘጸ. 15:20, 21፣ መዝ. 68:11)
ዛንታ መበል 34
ሓድሽ ዓይነት መግቢ
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘሎኻ: እቶም ሰባት ካብ ምድሪ ዚኣርይዎ ዘለዉ እንታይ እዩ: እንታይ ተባሂሉኸ ይጽዋዕ፧
ሙሴ ነቲ ህዝቢ ብዛዕባ ምእራይ ማና እንታይ መምርሒ እዩ ዝሃቦ፧
የሆዋ ነቲ ህዝቢ ኣብ ሻዱሸይቲ መዓልቲ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዝነገሮም: ስለምንታይከ፧
እቲ ማና ነታ ሻብዐይቲ መዓልቲ ኺዓቝርዎ ኸለዉ: የሆዋ እንታይ ተኣምራት እዩ ዚገብር ዝነበረ፧
የሆዋ ነቶም ህዝቢ ንኽንደይ ዚኣክል ዓመታት እዩ ማና ዝመገቦም፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘጸኣት 16:1-36 ከምኡውን ዘሁልቍ 11:7-9 ኣንብብ።
ዘጸኣት 16:8 ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤ ንቲኦክራሲያዊ መዝነታት ብምእዛዝ ዝመጸ እንታይ እያ እትምህረና፧ (እብ. 13:17)
እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኸለዉ: ኣብ የሆዋ ኺውከሉ ኸም ዘለዎም መዓልታዊ ዚዘኻኸሩ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ (ዘጸ. 16:14-16, 35፣ ዘዳ. 8:2, 3)
የሱስ እንታይ ምሳልያዊ ትርጕም እቲ ማና እዩ ዝሃበ: ካብቲ ‘ኻብ ሰማይ ዝመጸ እንጌራኸ’ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ (ዮሃ. 6:31-35, 40)
እያሱ 5:10-12 ኣንብብ።
እስራኤላውያን ንኽንደይ ዓመታት እዮም ማና በሊዖም: እዚ ፈተና ዝዀኖም ብኸመይ እዩ: ንሕናኸ ኻብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ንመሃር፧ (ዘጸ. 16:35፣ ዘሁ. 11:4-6፣ 1 ቈረ. 10:10, 11)
ዛንታ መበል 35
የሆዋ ሕግታቱ ሃበ
እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኻብ ዝወጹ ዳርጋ ኽልተ ወርሒ ምስ ሓለፈ ኣበይ ሰፈሩ፧
የሆዋ እቶም ህዝቢ እንታይ ኪዀኑ ኸም ዚደሊ እዩ እተዛረበ: እቶም ህዝቢኸ እንታይ ኢሎም መለሱ፧
የሆዋ ንሙሴ ኽልተ ጽላት እምኒ ዝሃቦ ስለምንታይ እዩ፧
የሆዋ ንእስራኤላውያን ብዘይካ እቲ ዓሰርተ ትእዛዛት: ካልእ እንታይ ሕግታት እዩ ዝሃቦም፧
እተን የሱስ ክርስቶስ ዝዓበያ ኽልተ ሕግታት ዝበለን ኣየኖት እየን፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘጸኣት 19:1-25፣ 20:1-21፣ 24:12-18 ከምኡውን 31:18 ኣንብብ።
ኣብ ዘጸኣት 19:8 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት: ክርስትያናዊ ወፈያ ምግባር እንታይ ከም ዜጠቓልል ንኽንርዳእ ብኸመይ ይሕግዘና፧ (ማቴ. 16:24፣ 1 ጴጥ. 4:1-3)
ዘዳግም 6:4-6፣ ዘሌዋውያን 19:18 ከምኡውን ማቴዎስ 22:36-40 ኣንብብ።
ክርስትያናት ንኣምላኽን ንሰባትን ዘለዎም ፍቕሪ ብኸመይ እዮም ዜርእዩ፧ (ማር. 6:34፣ ግብ. 4:20፣ ሮሜ 15:2)
ዛንታ መበል 36
ብወርቂ እተሰርሐ ምራኽ
ኣብዚ ስእሊ እዞም ህዝቢ እንታይ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ: ስለምንታይከ፧
የሆዋ እተቘጥዐ ስለምንታይ እዩ: ሙሴኸ እቶም ህዝቢ እንታይ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ምስ ረኣየ እንታይ ገበረ፧
ሙሴ ንገለ ኻብቶም ህዝቢ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዝነገሮም፧
ካብዛ ዛንታ እዚኣ እንታይ ክንመሃር እዩ ዚግብኣና፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘጸኣት 32:1-35 ኣንብብ።
የሆዋ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምትሕውዋስ ብኸመይ ከም ዚርእዮ እዚ ጸብጻብ እዚ ዚገልጸልና ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸ. 32:4-6, 10፣ 1 ቈረ. 10:7, 11)
ክርስትያናት ከም ደርፍን ሳዕሲዒትን ዝኣመሰሉ መዘናግዒታት ኪመርጹ ኸለዉ ኸመይ ዝበለ ጥንቃቐ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧ (ዘጸ. 32:18, 19፣ ኤፌ. 5:15, 16፣ 1 ዮሃ. 2:15-17)
ነገድ ሌዊ ምእንቲ ጽድቂ ደው ብምባል ዝመጸ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት እዮም ዝገደፉ፧ (ዘጸ. 32:25-28፣ መዝ. 18:25)
ዛንታ መበል 37
ናይ ኣምልኾ ድንኳን
እቲ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ህንጻ እንታይ ተባሂሉ ይጽዋዕ: ንምንታይከ እዩ ዜገልግል፧
የሆዋ ንሙሴ ብቐሊሉ ምእንቲ ኺበታተን: ድንኳን ኪሰርሕ ዝነገሮ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ ጫፍ እቲ ድንኳን ኣብ ውሽጢ እታ ንእሽቶ ኽፍሊ ዘሎ ሳጹን ወይ ሳንዱቕ እንታይ እዩ: እንታይከ እዩ ሒዙ ዘሎ፧
የሆዋ ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ዝሓረዮ ንመን እዩ: እቲ ሊቀ ኻህናትከ እንታይ እዩ ስርሑ፧
ኣብታ ዝዓበየት ክፍሊ እታ ድንኳን ዘሎ ሰለስተ ነገራት ጥቐስ።
ኣብ መካበብያ እቲ ማሕደር እንታይ ክልተ ነገራት እዩ ዘሎ: ንምንታይከ የገልግል፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘጸኣት 25:8-40፣ 26:1-37፣ 27:1-8፣ 28:1 ኣንብብ።
እቶም ኣብ ልዕሊ “ታቦት ምስክር” ዘለዉ ኪሩቤል ንምንታይ እዮም ዜመልክቱ፧ (ዘጸ. 25:20, 22፣ ዘሁ. 7:89፣ 2 ነገ. 19:15)
ዘጸኣት 30:1-10, 17-21፣ 34:1, 2 ከምኡውን እብራውያን 9:1-5 ኣንብብ።
ዛንታ መበል 38
እቶም 12 ሰለይቲ
ብዛዕባ እዚ ኣብ ስእሊ ዘሎ ዘለላ ወይኒ እንታይ ኣስተብሂልካ: ካበይ ዝመጸኸ እዩ፧
ሙሴ ናብ ምድሪ ከነኣን 12 ሰለይቲ ዝሰደደ ስለምንታይ እዩ፧
ዓሰርተ ኻብቶም ሰለይቲ እንታይ ዚብል ጸብጻብ ሒዞም እዮም ናብ ሙሴ እተመልሱ፧
ክልተ ኻብቶም ሰለይቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎም ትውክልቲ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም: መነ መንከ ይበሃሉ
የሆዋ እተቘጥዐ ስለምንታይ እዩ: ንሙሴኸ እንታይ በሎ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘሁልቍ 13:1-33 ኣንብብ።
ነታ ምድሪ ኺስልይዋ እተመርጹ እንታዎት እዮም: እንታይ ዓብዪ ኣጋጣሚኸ እዩ ዝነበሮም፧ (ዘሁ. 13:2, 3, 18-20)
ናይ እያሱን ካሌብን ኣረኣእያ ኻብ ናይቶም ካልኦት ሰለይቲ ፍልይ ዝበለ ስለምንታይ እዩ: እዚኸ ንዓና እንታይ ይምህረና፧ (ዘሁ. 13:28-30፣ ማቴ. 17:20፣ 2 ቈረ. 5:7)
ዘሁልቍ 14:1-38 ኣንብብ።
ኣንጻር ናይ የሆዋ ምድራውያን ወከልቲ ብዛዕባ ዚግበር ምጕርምራም ነየናይ መጠንቀቕታ ኢና ኸነቕልበሉ ዚግብኣና፧ (ዘሁ. 14:2, 3, 27፣ ማቴ. 25:40, 45፣ 1 ቈረ. 10:10)
ዘሁልቍ 14:24 የሆዋ ንኣገልገልቱ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ብሕታዊ ተገዳስነት ከም ዜርኢ እትገልጸልና ብኸመይ እያ፧ (1 ነገ. 19:18፣ ምሳ. 15:3)
ዛንታ መበል 39
በትሪ ኣሮን ዕንባባ ተብቍል
ንስልጣን ሙሴን ኣሮንን እተጻረርዎ ብዓል መን እዮም: ናብ ሙሴ መጺኦምከ እንታይ በልዎ፧
ሙሴ ንቆራሕን ነቶም 250 ሰዓብቱን እንታይ ኪገብሩ እዩ ዝነገሮም፧
ሙሴ ነቶም ህዝቢ እንታይ እዩ ዝበሎም: ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአኸ እንታይ ኣጋጠመ፧
ንቆራሕን ነቶም 250 ሰዓብቱን እንታይ ኣጋጠሞም፧
ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ንጽንሃህ እቶም ዝሞቱ ሰባት እንታይ እዩ ዝገበሮ: ስለምንታይከ፧
የሆዋ በትሪ ኣሮን ከም እትዕምብብ ዝገበራ ስለምንታይ እዩ፧ (ስእሊ ርአ።)
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘሁልቍ 16:1-49 ኣንብብ።
ቆራሕን ሰዓብቱን እንታይ ገበሩ: እዚኸ ኻብ የሆዋ ምዕላው ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘሁ. 16:9, 10, 18፣ ዘሌ. 10:1, 2፣ ምሳ. 11:2)
ቆራሕ ከምኡውን እቶም 250 “ሹማምቲ እቲ ኣኼባ” እንታይ ጌጋ ኣረኣእያ እዮም ዘማዕበሉ፧ (ዘሁ. 16:1-3፣ ምሳ. 15:33፣ ኢሳ. 49:7)
ዘሁልቍ 17:1-11 ከምኡውን 26:10 ኣንብብ።
ዛንታ መበል 40
ሙሴ ነቲ ከውሒ ይወቕዖ
እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኸለዉ የሆዋ ብኸመይ ይኣልዮም ነበረ፧
እስራኤላውያን ኣብ ቃዴስ ምስ ሰፈሩ እንታይ ኢሎም እዮም ዘጕረምረሙ፧
የሆዋ ነቶም ህዝብን እንስሳታቶምን ብኸመይ እዩ ማይ ዝሃቦም፧
ኣብዚ ስእሊ እቲ ናብ ገዛእ ርእሱ ዜመልክት ዘሎ ሰብኣይ መን እዩ: ስለምንታይከ እዩ ኸምኡ ዚገብር ዘሎ፧
የሆዋ ብሙሴን ኣሮንን እተቘጥዐ ስለምንታይ እዩ: ብኸመይከ ቐጽዖም፧
ኣብ ከረን ሆር እንታይ እዩ ዘጋጠመ: ናይ እስራኤል ሊቀ ኻህናትከ መን ኰነ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘሁልቍ 20:1-13, 22-29 ከምኡውን ዘዳግም 29:5 ኣንብብ።
ዛንታ መበል 41
እቲ ብኣስራዚ እተሰርሐ ተመን
ኣብዚ ስእሊ: ኣብቲ ዓንዲ ተጠምጢሙ ዘሎ እንታይ እዩ: የሆዋ ንሙሴ ኣብኡ ኺገብሮ ዝነገሮኸ ስለምንታይ እዩ፧
እቶም ህዝቢ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረሎም ነገራት መመስገንቲ ዘይነበሩ ብኸመይ እዮም፧
እቶም ህዝቢ የሆዋ ኪቐጽዖም ኢሉ መርዛማት ኣትማን ምስ ሰደደሎም ንሙሴ እንታይ እዮም ዝበልዎ፧
የሆዋ ንሙሴ ብኣስራዚ ገይሩ ተመን ኪሰርሕ ዝነገሮ ስለምንታይ እዩ፧
ካብዚ ዛንታ እዚ እንመሃሮ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘሁልቍ 21:4-9 ኣንብብ
እስራኤላውያን ኣብቲ ናይ የሆዋ ምድላዋት ብምጕርምራሞም: ንዓና እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዚዀነና፧ (ዘሁ. 21:5, 6፣ ሮሜ 2:4)
ኣብቲ ዳሕራይ ዘመናት: እስራኤላውያን ነቲ ተመን ኣስራዚ ንምንታይ ተጠቕሙሉ: ንጉስ ህዝቅያስከ እንታይ ስጕምቲ ወሰደ፧ (ዘሁ. 21:9፣ 2 ነገ. 18:1-4)
ዮሃንስ 3:14, 15 ኣንብብ።
እቲ ብኣስራዚ እተሰርሐ ተመን ኣብ ዕንጨይቲ ምስቃሉ: ነቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕንጨይቲ እተሰቕለሉ ኣገባብ ጽቡቕ ገይሩ ዜብረሆ ብኸመይ እዩ፧ (ገላ. 3:13፣ 1 ጴጥ. 2:24)
ዛንታ መበል 42
ሓንቲ ኣድጊ ትዛረብ
ባላቕ መን እዩ: ናብ በላዓም ልኡኻት ዝሰደደኸ ስለምንታይ እዩ፧
ኣድጊ በላዓም ኣብ መገዲ በጥ ዝበለት ስለምንታይ እያ፧
በላዓም እታ ኣድጊ እንታይ ኢላ ኽትዛረብ እዩ ዚሰምዓ፧
ሓደ መልኣኽ ንበላዓም እንታይ በሎ፧
በላዓም ንእስራኤል ኪረግም ምስ ፈተነ እንታይ እዩ ዘጋጠመ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘሁልቍ 21:21-35 ኣንብብ።
እስራኤላውያን ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ንኦግ ንጉስ ባሳንን ተዋጊኦም ዝሰዓርዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ዘሁ. 21:21, 23, 33, 34)
ዘሁልቍ 22:1-40 ኣንብብ።
በላዓም ንእስራኤል ኪረግም ዝፈተነ እንታይ ድራኸ ስለ ዝነበሮ እዩ: ካብዚኸ እንታይ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧ (ዘሁ. 22:16, 17፣ ምሳ. 6:16, 18፣ 2 ጴጥ. 2:15፣ ይሁ. 11)
ዘሁልቍ 23:1-30 ኣንብብ።
በላዓም ንየሆዋ ኸም ዜምልኽ ኣምሲሉ እኳ እንተ ተዛረበ: ተግባራቱ ግን ብኣንጻሩ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ዘሁ. 23:3, 11-14፣ 1 ሳሙ. 15:22)
ዘሁልቍ 24:1-25 ኣንብብ።
እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ እዚ ዕላማ የሆዋ ኸም ዚፍጸም ንዘሎና እምነት ብኸመይ የጽንዓልና፧ (ዘሁ. 24:10፣ ኢሳ. 54:17)
ዛንታ መበል 43
እያሱ መራሒ ይኸውን
እቶም ኣብዚ ስእሊ ምስ ሙሴ ደው ኢሎም ዘለዉ ኽልተ ሰብኡት መነ መን እዮም፧
የሆዋ ንእያሱ እንታይ እዩ ዝበሎ፧
ሙሴ ናብ ከረን ኔቦ ዝደየበ ስለምንታይ እዩ: የሆዋኸ እንታይ እዩ ዝበሎ፧
ሙሴ ኺመውት ከሎ ወዲ ኽንደይ ዓመት ነበረ፧
እቶም ህዝቢ ስለምንታይ እዮም ዝጐሃዩ: እንተዀነ ግን ንኺሕጐሱ ምኽንያት ዝዀኖም እንታይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዘሁልቍ 27:12-23 ኣንብብ።
እያሱ ኻብ የሆዋ እንታይ ከቢድ ሓላፍነት እዩ እተቐበለ: ሎሚኸ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዝሓልየሎም ብኸመይ ይርአ ኣሎ፧ (ዘሁ. 27:15-19፣ ግብ. 20:28፣ እብ. 13:7)
ዘዳግም 3:23-29 ኣንብብ።
የሆዋ ንሙሴን ኣሮንን ናብታ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ዘይፈቐደሎም ስለምንታይ እዩ: ካብዚኸ እንታይ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧ (ዘዳ. 3:25-27፣ ዘሁ. 20:12, 13)
ዘዳግም 31:1-8, 14-23 ኣንብብ።
ሙሴ ንእስራኤላውያን ኪሰናበቶም ከሎ እተዛረቦ ቓላት: ነቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ ተግሳጽ ብትሕትና ኸም እተቐበሎ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ዘዳ. 31:6-8, 23)
ዘዳግም 32:45-52 ኣንብብ።
ቃል ኣምላኽ ንህይወትና ብኸመይ ኪትንክፎ ኣለዎ፧ (ዘዳ. 32:47፣ ዘሌ. 18:5፣ እብ. 4:12)
ዘዳግም 34:1-12 ኣንብብ።
ሙሴ ንየሆዋ ቓል ብቓሉ እኳ እንተ ዘይረኣዮ: ዘዳግም 34:10 ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ትገልጸልና፧ (ዘጸ. 33:11, 20፣ ዘሁ. 12:8)
ዛንታ መበል 44
ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ትሓብኦም
ረሃብ ኣበይ እያ ትነብር ነይራ፧
እዞም ኣብዚ ስእሊ ዘለዉ ኽልተ ሰብኡት እንታዎት እዮም: ናብ ያሪኮ ዝኣተዉኸ ስለምንታይ እዮም፧
ንጉስ ያሪኮ ንረሃብ እንታይ ክትገብር እዩ ዝኣዘዛ: እንታይ ኢላኸ መለሰት፧
ረሃብ ነቶም ክልተ ሰብኡት ብኸመይ ሓገዘቶም: እንታይ ኪገብሩላኸ እያ ዝለመነቶም፧
እቶም ክልተ ሰለይቲ ንረሃብ እንታይ ኢሎም ተመባጽዑላ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
እያሱ 2:1-24 ኣንብብ።
እቲ ኣብ ዘጸኣት 23:28 ተመዝጊቡ ዘሎ መብጽዓ የሆዋ: ኣብቲ እስራኤላውያን ኣንጻር ያሪኮ ኺዋግኡ ምስ መጹ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧ (እያ. 2:9-11)
እብራውያን 11:31 ኣንብብ።
እምነት ኣገዳሲት ምዃና ኻብ ናይ ረሃብ ኣብነት ብኸመይ ክንርእዮ ንኽእል፧ (ሮሜ 1:17፣ እብ. 10:39፣ ያእ. 2:25)
ዛንታ መበል 45
ርባ ዮርዳኖስ ምስጋር
እስራኤላውያን ንርባ ዮርዳኖስ ምእንቲ ኺሰግርዎ የሆዋ እንታይ ተኣምራት እዩ ዝገበረ፧
እስራኤላውያን ንርባ ዮርዳኖስ ምእንቲ ኺሰግርዎ እንታይ ናይ እምነት ተግባር እዮም ኬርእዩ ነይርዎም፧
የሆዋ ንእያሱ ኻብ ማእከል እቲ ሩባ 12 ዓበይቲ ኣእማን ኪእክብ ዝነገሮ ስለምንታይ እዩ፧
እቶም ካህናት ካብ ርባ ዮርዳኖስ ውጽእ ምስ በሉ እንታይ ኣጋጠመ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
እያሱ 3:1-17 ኣንብብ።
እያሱ 4:1-18 ኣንብብ።
እቲ ኻብ ዮርዳኖስ ወሲዶም ኣብ ጊልጋል ዝተኸልዎ 12 ኣእማን ንምንታይ ዕላማ የገልግል ነበረ፧ (እያ. 4:4-7)
ዛንታ መበል 46
መናድቕ ያሪኮ
የሆዋ ነቶም ተዋጋእቲ ሰባትን ነቶም ካህናትን ንሽዱሽተ መዓልቲ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዝነገሮም፧
እቶም ሰባት ኣብታ ሻብዐይቲ መዓልቲ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዝነበሮም፧
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘሎኻ: መናድቕ ያሪኮ እንታይ እዩ ዚኸውን ዘሎ፧
ኣብቲ መስኮት ቀይሕ ገመድ ተንጠልጢሉ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
እያሱ ነቶም ተዋጋእቲ ሰባት ነታ ኸተማን ንህዝባን እንታይ ኪገብርዋ እዩ ዝነገሮም: ነቲ ብሩርን ወርቅን ኣስራዝን ሓጺንን ግን እንታይ ኪገብርዎ እዩ ዝኣዘዞም፧
እቶም ክልተ ሰለይቲ እንታይ ኪገብሩ እዩ እተነገሮም
ተወሳኺ ሕቶታት:-
እያሱ 6:1-25 ኣንብብ።
እስራኤላውያን ኣብታ ሻብዐይቲ መዓልቲ ንያሪኮ ምዛሮም ምስቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዘለዉ ናይ ስብከት ንጥፈታት ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ (እያ. 6:15, 16፣ ኢሳ. 60:22፣ ማቴ. 24:14፣ 1 ቈረ. 9:16)
እቲ ኣብ እያሱ 6:26 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት: ገለ 500 ዓመት ጸኒሑ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ: እዚኸ ብዛዕባ ቓል የሆዋ እንታይ ይምህረና፧ (1 ነገ. 16:34፣ ኢሳ. 55:11)
ዛንታ መበል 47
ሓደ ሰራቒ ኣብ እስራኤል
እቲ ኣብዚ ስእሊ ኻብ ያሪኮ እተወስደ ነገራት ዚሓብእ ዘሎ ሰብኣይ መን እዩ: እቶም ዚሕግዝዎ ዘለዉ ሰባትከ እንታዎት እዮም፧
እቲ ኣካንን ስድራቤቱን ዝገበርዎ ተግባር ኣዝዩ ኸቢድ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
እያሱ ንየሆዋ እስራኤላውያን ኣብቲ ምስ ዓይ ዝገበርዎ ውግእ ስለምንታይ ከም እተሳዕሩ ምስ ሓተቶ የሆዋ እንታይ እዩ ዝበለ፧
ንኣካንን ስድራቤቱን ናብ እያሱ ምስ ኣምጽእዎም እንታይ ኣጋጠሞም፧
ካብቲ ንኣካን ዝወረዶ ፍርዲ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
እያሱ 7:1-26 ኣንብብ።
እቲ እያሱ ዘቕረቦ ጸሎት ብዛዕባ ምስ ፈጣሪኡ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ይገልጸልና፧ (እያ. 7:7-9፣ መዝ. 119:145፣ 1 ዮሃ. 5:14)
ኣብነት ናይ ኣካን እንታይ እዩ ዜርኢ: እዚኸ ንዓና መጠንቀቕታ ዝዀነና ብኸመይ እዩ፧ (እያ. 7:11, 14, 15፣ ምሳ. 15:3፣ 1 ጢሞ. 5:24፣ እብ. 4:13)
እያሱ 8:1-29 ኣንብብ።
ሎሚ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ብሕታዊ ሓላፍነት እዩ ዘሎና፧ (እያ. 7:13፣ ዘሌ. 5:1፣ ምሳ. 28:13)
ዛንታ መበል 48
እቶም ጥበበኛታት ጊብዖናውያን
ህዝቢ ጊብዖን ካብቶም ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝነበራ ኸተማታት ዚቕመጡ ዝነበሩ ኸነኣናውያን ፍሉያት ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ ተገሊጹ ዘሎ እቶም ጊብዖናውያን እንታይ እዮም ዝገበሩ: ስለምንታይከ፧
እያሱን እቶም እስራኤላውያን መራሕትን ንጊብዖናውያን እንታይ ኪዳን እዮም ዝኣተዉሎም: ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ግን እንታይ እዮም ዝፈለጡ፧
ኣብተን ካልኦት ከተማታት ዚርከቡ ነገስታት: ጊብዖናውያን ምስ እስራኤል ኪዳን ከም ዝገበሩ ምስ ሰምዑ እንታይ እዩ ዘጋጠመ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
እያሱ 9:1-27 ኣንብብ።
የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ‘ኣብታ ሃገር ንዚነብሩ ዅሎም ኬጥፍእዎም’ ኣዚዝዎም ኬብቅዕ ንጊብዖናውያን ብምምሓሩ እንታይ ባህርያት እዩ ዘጐልሐ፧ (እያ. 9:22, 24፣ ማቴ. 9:13፣ ግብ. 10:34, 35፣ 2 ጴጥ. 3:9)
እያሱ ኣብቲ ምስ ጊብዖናውያን ዝገበሮ ኺዳን ብምጽንዑ: ሎሚ ንክርስትያናት ሰናይ ኣብነት ዝሰርዓሎም ብኸመይ እዩ፧ (እያ. 9:18, 19፣ ማቴ. 5:37፣ ኤፌ. 4:25)
እያሱ 10:1-5 ኣንብብ።
ሎሚ እቶም “ብዙሓት ሰብ” ነቶም ጊብዖናውያን ዚመስልዎም ብኸመይ እዮም: እዚ ብምግባሮምከ ናይ ምንታይ ዒላማ እዮም ዚዀኑ፧ (እያ. 10:4፣ ዘካ. 8:23፣ ማቴ. 25:35-40፣ ራእ. 12:17)
ዛንታ መበል 49
ጸሓይ ደው በለት
ኣብዚ ስእሊ እያሱ እንታይ እዩ ዚብል ዘሎ: ስለምንታይከ፧
የሆዋ ንእያሱን ነቶም ተዋጋእቲ ሰቡን ብኸመይ እዩ ዝሓገዞም፧
እያሱ ንኽንደይ ነገስታት እዩ ዝሰዓረ: ክንደይ ዚኣክል ግዜኸ ወሰደሉ፧
እያሱ ንምድሪ ኸነኣን ዝመቓቐላ ስለምንታይ እዩ፧
እያሱ ኺመውት ከሎ ወዲ ኽንደይ ዓመት ነበረ: ብድሕሪኡኸ ነቲ ህዝቢ እንታይ ኣጋጠሞ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
እያሱ 10:6-15 ኣንብብ።
የሆዋ ምእንቲ እስራኤል ኢሉ ንጸሓይን ወርሕን ደው ከም ዘበለን ምፍላጥና: ሎሚ እንታይ እምንቶ የሕድረልና፧ (እያ. 10:8, 10, 12, 13፣ መዝ. 18:3፣ ምሳ. 18:10)
እያሱ 12:7-24 ኣንብብ።
ኣብ ከነኣን ነቶም 31 ነገስታት ንኺሰዓሩ ናይ ሓቂ ምኽንያት ዝዀነ መን እዩ: እዚኸ ሎሚ ንዓና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (እያ. 12:7፣ 24:11-13፣ ዘዳ. 31:8፣ ሉቃ. 21:9, 25-28)
እያሱ 14:1-5 ኣንብብ።
እታ ምድሪ ኣብ ነገዳት እስራኤል ብኸመይ ተመቓቐለት: እዚኸ ኣብ ገነት ብዛዕባ ዚህሉ ውርሻ እንታይ ይሕብረና፧ (እያ. 14:2፣ ኢሳ. 65:21፣ ህዝ. 47:21-23፣ 1 ቈረ. 14:33)
መሳፍንቲ 2:8-13 ኣንብብ።
ልክዕ ከምቲ እያሱ ኣብ ግዜ እስራኤል ዚገብሮ ዝነበረ: ሎሚኸ ኣንጻር ክሕደት ዝቃለስ ዘሎ መን እዩ፧ (መሳ. 2:8, 10, 11፣ ማቴ. 24:45-47፣ 2 ተሰ. 2:3-6፣ ቲቶ. 1:7-9፣ ራእ. 1:1፣ 2:1, 2)
ዛንታ መበል 50
ክልተ ተብዓት ኣንስቲ
መሳፍንቲ ዚበሃሉ ኸመይ ዝበሉ እዮም: ገለ ኻብኣቶምከ መነ መን እዮም፧
ዴቦራ እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዝነበራ: እዚኸ እንታይ ዜጠቓልል እዩ፧
ንጉስ ያቢንን ሓለቓ ሰራዊቱ ሲሰራን ንእስራኤል ምስ ኣፈራርህዎም ዴቦራ እንታይ ዚብል መልእኽቲ የሆዋ እያ ንመስፍን ባራቅ ዝነገረቶ: እቲ ዓወትከ ናይ መን ኪኸውን ምዃኑ እያ እተዛረበት፧
ያዔል ተባዕ ሰበይቲ ምዃና ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧
ድሕሪ ሞት ንጉስ ያቢን እንታይ ኣጋጠመ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
መሳፍንቲ 2:14-22 ኣንብብ።
እስራኤላውያን ኵራ የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚነድድ ዝገበሩ ብኸመይ እዮም: ካብዚኸ እንታይ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧ (መሳ. 2:20፣ ምሳ. 3:1, 2፣ ህዝ. 18:21-23)
መሳፍንቲ 4:1-24 ኣንብብ።
ሎሚ ክርስትያን ኣንስቲ ኻብ ኣብነት ናይ ዴቦራን ያዔልን ብዛዕባ እምነትን ትብዓትን እንታይ ትምህርትታት ኪመሃራ ይኽእላ፧ (መሳ. 4:4, 8, 9, 14, 21, 22፣ ምሳ. 31:30፣ 1 ቈረ. 16:13)
መሳፍንቲ 5:1-31 ኣንብብ።
እቲ ባራቅን ዴቦራን ዝዘመርዎ ናይ ዓወት መዝሙር: ብዛዕባ እታ እትመጽእ ዘላ ውግእ ኣርማጌዶን ከም ጸሎት ጌርና ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (መሳ. 5:3, 31፣ 1 ዜና 16:8-10፣ ራእ. 7:9, 10፣ 16:16፣ 19:19-21)
ዛንታ መበል 51
ሩትን ናእምን
ናእሚ ናብ ምድሪ ሞኣብ ዝመጸት ብኸመይ እያ፧
ሩትን ዖርጳን እንታዎት እየን፧
ናእሚ ንሩትን ንዖርጳን: ናብ ህዝበን ኪምለሳ ምስ ነገረተን ነፍሲ ወከፈን እንታይ ምላሽ እየን ዝሃባ፧
ቦኣዝ መን እዩ: ንሩትን ንናእምን ዝሓገዘንከ ብኸመይ እዩ፧
እቲ ንቦኣዝን ሩትን እተወልደሎም ህጻን ስሙ መን እዩ: ክንዝክሮ ዘሎናኸ ስለምንታይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ሩት 1:1-17 ኣንብብ።
ሩት ከመይ ዝበለ ዝበለጸ መግለጺ ናይ ሓንቲ እምንቲ ፍቕሪ እያ ዘርኣየት፧ (ሩት 1:16, 17)
ሩት ዝነበራ ኣተሓሳስባ ነቲ እቶም ‘ኻልኦት ኣባጊዕ’ ኣብቶም ሕጂ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ዘለዎም ኣረኣእያ ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጾ ብኸመይ እዩ፧ (ዮሃ. 10:16፣ ዘካ. 8:23)
ሩት 2:1-23 ኣንብብ።
ሩት ሎሚ ንዘለዋ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ሰናይ ኣብነት እትዀነን ብኸመይ እያ፧ (ሩት 2:17, 18፣ ምሳ. 23:22፣ 31:15)
ሩት 3:5-13 ኣንብብ።
ቦኣዝ: ሩት ኣብ ክንዲ ንሓደ መንእሰይ ንዕኡ ኽትምርዖ ፍቓደኛ ምዃና ብኸመይ ረኣዮ፧
እቲ ሩት ዝነበራ ኣረኣእያ ብዛዕባ እምንቲ ፍቕሪ እንታይ ይምህረና፧ (ሩት 3:10፣ 1 ቈረ. 13:4, 5)
ሩት 4:7-17 ኣንብብ።
ሎሚ ክርስትያን ሰብኡት ንቦኣዝ ኪመስልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ሩት 4:9, 10፣ 1 ጢሞ. 3:1, 12, 13፣ 5:8)
ዛንታ መበል 52
ጊዴዎንን እቶም 300 ሰቡን
እስራኤላውያን ስለምንታይን ብኸመይን እዮም ኣብ ብዙሕ ሽግር ዝወደቑ፧
የሆዋ ንጊዴዎን እቲ ዝኣከቦ ሰራዊት እምብዛ ብዙሕ ምዃኑ ዝነገሮ ስለምንታይ እዩ፧
ጊዴዎን እቶም ዚፈርሁ ዘበሉ ናብ ቤቶም ኪምለሱ ምስ ነገሮም: ክንደይ ሰባት ተረፉ፧
ነዚ ስእሊ መሰረት ብምግባር የሆዋ ንሰራዊት ጊዴዎን ቍጽሮም ብኸመይ ናብ 300 ሰብኡት ጥራይ ከም ዘጕደሎ ግለጽ።
ጊዴዎን ነቶም 300 ሰቡ ብኸመይ ወደቦም: እስራኤል ኣብቲ ውግእ እተዓወተኸ ብኸመይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
መሳፍንቲ 6:36-40 ኣንብብ።
ጊዴዎን ንኺድሕኑ ፍቓድ የሆዋ ምዃኑ ዘረጋገጸ ብኸመይ እዩ፧
ሎሚ ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ (ምሳ. 2:3-6፣ ማቴ. 7:7-11፣ 2 ጢሞ. 3:16, 17)
መሳፍንቲ 7:1-25 ኣንብብ።
ካብቶም ሸለልትነት ዘርኣዩ ዘይኰነስ ካብቶም ንቑሓት ኰይኖም ዝጸንሑ 300 ሰባት እንታይ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧ (መሳ. 7:3, 6፣ ሮሜ 13:11, 12፣ ኤፌ. 5:15-17)
ከምቲ እቶም 300 ሰባት ንጊዴዎን ብምርኣይ እተማህሩ: ንሕናኸ ሎሚ ነቲ ዝዓበየ ጊዴዎን ማለት ንየሱስ ክርስቶስ: ብምርኣይ ብኸመይ ክንመሃር ንኽእል፧ (መሳ. 7:17፣ ማቴ. 11:29, 30፣ 28:19, 20፣ 1 ጴጥ. 2:21)
መሳፍንቲ 7:21 ኣብ ማሕበር የሆዋ ኣብ ዝዀነ እተመደበልና ቦታ ሕጕሳት ኴንና ንኸነገልግል እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧ (1 ቈረ. 4:2፣ 12:14-18፣ ያእ. 4:10)
መሳፍንቲ 8:1-3 ኣንብብ።
ምስ ሓደ ሓው ወይ ሓንቲ ሓብቲ ንዚህልወና ብሕታዊ ፍልልያት ኣብ ምድቃስ: ካብቲ ጊዴዎን ምስ ሰብ ኤፍሬም ዝነበሮ ኽርክር ዝፈትሓሉ መገዲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ምሳ. 15:1፣ ማቴ. 5:23, 24፣ ሉቃ. 9:48)
ዛንታ መበል 53
ናይ ይፍታሕ መብጽዓ
ይፍታሕ መን እዩ: ኣበየናይ እዋንከ እዩ ዚነብር ዝነበረ፧
ይፍታሕ ንየሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ እተመባጽዓሉ፧
ይፍታሕ ምስ ዓሞናውያን ኣብ ዝገበሮ ውግእ ስዒሩ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ዝጐሃየ ስለምንታይ እዩ፧
ጓል ይፍታሕ ብዛዕባ እቲ ኣቦኣ ዝኣተዎ መብጽዓ ምስ ፈለጠት እንታይ እያ ዝበለት፧
እቶም ህዝቢ ንጓል ይፍታሕ ዚፈትዉዋ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
መሳፍንቲ 10:6-18 ኣንብብ።
ካብቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዘይእሙናት ምዃኖም ዚገልጽ ጸብጻብ ነየናይ መጠንቀቕታ ኢና ኸነቕልበሉ ዘሎና፧ (መሳ. 10:6, 15, 16፣ ሮሜ 15:4፣ ራእ. 2:10)
መሳፍንቲ 11:1-11, 29-40 ኣንብብ።
ይፍታሕ ንጓሉ “ንዚሐርር መስዋእቲ” ምቕራቡ: ብሓዊ ብምሕላፍ መስዋእቲ ሰብ ፈጺሙ ማለት ከም ዘይኰነ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (መሳ. 11:31፣ ዘሌ. 16:24፣ ዘዳ. 18:10, 12)
ይፍታሕ ንጓሉ ኸም መስዋእቲ ገይሩ ዘቕረባ ብኸመይ እዩ፧
ካብቲ ይፍታሕ ንየሆዋ ኣብ ዘቕረቦ መብጽዓ ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (መሳ. 11:35, 39፣ መክ. 5:4, 5፣ ማቴ. 16:24)
ጓል ይፍታሕ ንክርስትያን መንእሰያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ሞያኦም ገይሮም ንኺሕዝዎ ሰናይ ኣብነት እትዀኖም ብኸመይ እያ፧ (መሳ. 11:36፣ ማቴ. 6:33፣ ፊል. 3:8)
ዛንታ መበል 54
እቲ ዝሓየለ ሰብኣይ
ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝሓየለ ሰብኣይ መን እዩ: ሓይሊ ዝሃቦኸ መን እዩ፧
ኣብዚ ስእሊ ኽትርእዮ ኸም እትኽእል ሓደ መዓልቲ ሲምሶን ንሓደ ገዚፍ ኣንበሳ እንታይ እዩ ዝገበሮ፧
ኣብዚ ስእሊ ሲምሶን ንደሊላ እንታይ ምስጢር እዩ ዚነግራ ዘሎ: እዚኸ ብፍልስጥኤማውያን ከም ዚተሓዝ ዝገበሮ ብኸመይ እዩ፧
ሲምሶን ኣብታ ዝሞተላ መዓልቲ 3,000 ዚኣኽሉ ፍልስጥኤማውያን ጸላእቲ ዝቐተለ ብኸመይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
መሳፍንቲ 13:1-14 ኣንብብ።
ማኖኣን ሰበይቱን: ደቆም ኣብ ምዕባይ ንወለዲ ሰናይ ኣብነት ዝገደፉሎም ብኸመይ እዮም፧ (መሳ. 13:8፣ መዝ. 127:3፣ ኤፌ. 6:4)
መሳፍንቲ 14:5-9 ከምኡውን 15:9-16 ኣንብብ።
መሳፍንቲ 16:18-31 ኣንብብ።
ሲምሶን ብሕማቕ ዕርክነት እተጸልወ ብኸመይ እዩ: ካብዚኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (መሳ. 16:18, 19፣ 1 ቈረ. 15:33)
ዛንታ መበል 55
ሓደ ንእሽቶ ወዲ ንኣምላኽ የገልግል
ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ንእሽቶ ወዲ መን እዩ: እቶም ካልኦትከ መነ መን ይበሃሉ፧
ሓደ መዓልቲ ሃና ናብ ማሕደር የሆዋ ምስ ከደት እንታይ ኢላ እያ ዝጸለየት: የሆዋኸ ብኸመይ መለሰላ፧
ሳሙኤል ንኼገልግል ናብ ድንኳን የሆዋ ኺውሰድ ከሎ ወዲ ኽንደይ ዓመት ነበረ: ኣዲኡኸ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እንታይ ትገብረሉ ነበረት፧
ደቂ ኤሊ መነ መን ይበሃሉ: እንታይ ዓይነት ሰባትከ እዮም ነይሮም፧
የሆዋ ንሳሙኤል ብኸመይ እዩ ዝጸወዖ: እንታይ መልእኽትኸ እዩ ዝሃቦ፧
ሳሙኤል ምስ ዓበየ እንታይ ኰነ: ምስ ኣረገኸ እንታይ እዩ ዘጋጠሞ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
1 ሳሙኤል 1:1-28 ኣንብብ።
ኤልቃና ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ መሪሕነት ብምውሳድ ንርእሲ ስድራቤታት እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ዝገደፈ፧ (1 ሳሙ. 1:3, 21፣ ማቴ. 6:33፣ ፊል. 1:10)
ከበድቲ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ካብ ኣብነት ናይ ሃና እንታይ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧ (1 ሳሙ. 1:10, 11፣ መዝ. 55:22፣ ሮሜ 12:12)
1 ሳሙኤል 2:11-36 ኣንብብ።
ኤሊ ኻብ የሆዋ ንላዕሊ ንደቁ ዘኽበረ ብኸመይ እዩ: እዚኸ ንዓና ኸም መጠንቀቕታ ዀይኑ ኼገልግለና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (1 ሳሙ. 2:22-24, 27, 29፣ ዘዳ. 21:18-21፣ ማቴ. 10:36, 37)
1 ሳሙኤል 4:16-18 ኣንብብ።
እንታይ ኣርባዕተ ናይ መዓት መልእኽትታት እዩ ኻብቲ ናይ ውግእ ቦታ ዝመጸ: እዚኸ ኣብ ኤሊ እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧
1 ሳሙኤል 8:4-9 ኣንብብ።
እስራኤላውያን ንየሆዋ ኣዝዮም ዘጕሃይዎ ኸመይ ገይሮም እዮም: ሎሚኸ ንመንግስቲ ኣምላኽ እሙናት ኴንና ደገፍና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (1 ሳሙ. 8:5, 7፣ ዮሃ. 17:16፣ ያእ. 4:4)
ዛንታ መበል 56
ሳኦል እቲ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል
ኣብዚ ስእሊ ሳሙኤል እንታይ እዩ ዚገብር ዘሎ: ስለምንታይከ፧
የሆዋ ንሳኦል ዝፈተዎ ስለምንታይ እዩ: እንታይ ዓይነት ሰብከ እዩ ዝነበረ፧
ሳኦል መን ዚበሃል ወዲ ነበሮ: እቲ ወዱኸ እንታይ ይገብር ነበረ፧
ሳኦል: ንሳሙኤል መጺኡ መስዋእቲ ኬቕርብ ኣብ ክንዲ ዚጽበዮ ባዕሉ መስዋእቲ ዘቕረበ ስለምንታይ እዩ፧
ካብዚ ናይ ሳኦል ዛንታ እንታይ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
1 ሳሙኤል 9:15-21 ከምኡውን 10:17-27 ኣንብብ።
ሳኦል ትሑት ምንባሩ ገለ ሰባት ብዛዕባኡ ብንዕቀት ምስ ተዛረቡ ህውኽ ኢሉ ስጕምቲ ኻብ ምውሳድ ንኪቝጠብ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧ (1 ሳሙ. 9:21፣ 10:21, 22, 27፣ ምሳ. 17:27)
1 ሳሙኤል 13:5-14 ኣንብብ።
እቲ ሳኦል ኣብ ጊልጋል ዝፈጸሞ ሓጢኣት እንታይ እዩ፧ (1 ሳሙ. 10:8፣ 13:8, 9, 13)
1 ሳሙኤል 15:1-35 ኣንብብ።
ሳኦል ምስ ኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን እተተሓሓዘ እንታይ ከቢድ ሓጢኣት እዩ ዝፈጸመ፧ (1 ሳሙ. 15:2, 3, 8, 9, 22)
ሳኦል ዝገበሮ ሓጢኣት ኪሽፍንን ናብ ካልእ ኬላግቦን ዝፈተነ ብኸመይ እዩ፧ (1 ሳሙ. 15:24)
ሎሚ ምኽሪ ኺወሃበና ኸሎ ነየናይ መጠንቀቕታ ኢና ኸነቕልበሉ ዘሎና፧ (1 ሳሙ. 15:19-21፣ መዝ. 141:5፣ ምሳ. 9:8, 9፣ 11:2)
ዛንታ መበል 57
ኣምላኽ ንዳዊት ይሓሪ
እዚ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ወዲ መን እዩ: ተባዕ ምዃኑኸ ብኸመይ ንፈልጥ፧
ዳዊት ኣበይ እዩ ዚነብር ነይሩ: ኣቦኡን ኣባሓጎኡንከ መነ መን ይበሃሉ፧
የሆዋ ንሳሙኤል ናብ ቤት እሴይ ብዓል ቤተ-ልሄም ኪኸይድ ዝነገሮ ስለምንታይ እዩ፧
እሴይ ነቶም ሸውዓተ ደቁ ናብ ሳሙኤል ምስ ኣምጽኦም እንታይ እዩ ዘጋጠመ፧
ዳዊት ምስ መጸ: የሆዋ ንሳሙኤል እንታይ እዩ ዝበሎ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
1 ሳሙኤል 17:34, 35 ኣንብብ።
እዚ ፍጻመታት እዚ ትብዓት ዳዊትን ኣብ የሆዋ ድማ ትውክልቲ ኸም ዝነበሮን ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧ (1 ሳሙ. 17:37)
1 ሳሙኤል 16:1-14 ኣንብብ።
እቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 16:7 ዘሎ ቓላት የሆዋ: ከይነዳሉን ደጋዊ ትርኢት ብምርኣይ ጥራይ ከይመርመርና ኣቐዲምና ኸይንፈርድን ብኸመይ ይሕግዘና፧ (ግብ. 10:34, 35፣ 1 ጢሞ. 2:4)
የሆዋ ንመንፈስ ቅዱሱ ኻብ ሓደ ሰብ ምስ ዜልግሶ: እቲ ሰብ ብርኹስ መንፈስ ኪመልእ ወይውን ውሽጡ ሕማቕ ነገራት ንኺገብር ብዚድርኾ ሓይሊ ኺመልእ ከም ዚኽእል ናይ ሳኦል ኣብነት ብኸመይ የርኢ፧ (1 ሳሙ. 16:14፣ ማቴ. 12:43-45፣ ገላ. 5:16)
ዛንታ መበል 58
ዳዊትን ጐልያድን
ጐልያድ ንሰራዊት እስራኤል እንታይ ብድሆ እዩ ዘቕረበሎም፧
ጐልያድ ማዕረ ኽንደይ እዩ ገዚፍ ዝነበረ: ንጉስ ሳኦልከ ነቲ ንጐልያድ ዚቐትል ሰብኣይ እንታይ ኪገብረሉ እዩ እተመባጽዐ፧
ዳዊት ንእሽቶ ወዲ ብምንባሩ: ሳኦል ምስ ጐልያድ ክትዋጋእ ኣይትኽእልን ኢኻ ምስ በሎ: እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰ፧
ዳዊት ንጐልያድ ኪምልሰሉ ኸሎ ኣብ የሆዋ ኸም ዚውከል ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
ኣብዚ ስእሊ ትርእዮ ኸም ዘሎኻ ዳዊት ንጐልያድ ንምቕታል እንታይ እዩ እተጠቕመ: ብድሕሪኡኸ ንፍልስጥኤማውያን እንታይ ኣጋጠሞም፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
1 ሳሙኤል 17:1-54 ኣንብብ።
ዳዊት ተባዕ ኪኸውን ዘኽኣሎ እንታይ እዩ: ነቲ ዘርኣዮ ትብዓትከ ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧ (1 ሳሙ. 17:37, 45፣ ኤፌ. 6:10, 11)
ክርስትያናት ኣብ ጸወታታት ወይ መዘናግዒታት ከምቲ ናይ ጐልያድ ዝኣመሰለ ናይ ምውድዳር መንፈስ ኬርሕቑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (1 ሳሙ. 17:8፣ ገላ. 5:26፣ 1 ጢሞ. 4:8)
ቃላት ዳዊት ኣብ ደገፍ ኣምላኽ እምነት ከም ዝነበሮ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (1 ሳሙ. 17:45-47፣ 2 ዜና 20:15)
እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ መንጎ ኽልተ ተጻረርቲ ሰራዊት እተገብረ ውድድር ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መንጎ ናይ ሓሶት ኣማልኽትን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋን እተገብረ ውግእ ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (1 ሳሙ. 17:43, 46, 47)
ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ብምግባር ዝመጸ እቶም ቅቡኣት ተረፍ ንናይ ዳዊት ኣብነት ዚቐድሕዎ ብኸመይ እዮም፧ (1 ሳሙ. 17:37፣ ኤር. 1:17-19፣ ራእ. 12:17)
ዛንታ መበል 59
ዳዊት ክሃድም እተገደደሉ ምኽንያት
ሳኦል ንዳዊት ዚቐንኣሉ ስለምንታይ እዩ: ዮናታን ወዲ ሳኦል ግን ካብ ኣቦኡ እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
ሓደ መዓልቲ ዳዊት ንሳኦል በገና እናወቕዓሉ ኸሎ እንታይ ኣጋጠመ፧
ሳኦል: ንሚካል ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ቕድሚ ምሃቡ ንዳዊት እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ እዩ ዝነገሮ: ከምዚ ዝበለኸ ስለምንታይ እዩ፧
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ ዚርአ ዘሎ ዳዊት ንሳኦል በገና እናሃረመሉ ኸሎ ንሳልሳይ ግዜ እንታይ እዩ ዘጋጠመ፧
ሚካል ንዳዊት ህይወቱ ኼድሕን ዝሓገዘቶ ብኸመይ እያ: ብድሕርዚኸ ዳዊት ንሸውዓተ ዓመት ዚኸውን እንታይ ኪገብር ነበሮ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
1 ሳሙኤል 18:1-30 ኣንብብ።
እታ ኣብ መንጎ ዮናታንን ዳዊትን ዝነበረት ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ጽላሎት እታ ኣብ መንጎ እቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕን’ ‘ሒደት መጓሰን’ ዘላ ፍቕሪ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧ (1 ሳሙ. 18:1፣ ዮሃ. 10:16፣ ሉቃ. 12:32፣ ዘካ. 8:23)
ዮናታን ናይ ሳኦል ወራሲ ኪኸውን እኳ እንተ ነበሮ: 1 ሳሙኤል 18:4 ነቲ ዮናታን ኣብቲ ንጉስ ኪኸውን እተሓርየ ሰብ ዝነበሮ ሓለፍ ዝበለ ተኣዛዝነት እተርኢ ብኸመይ እያ፧
ቅንኢ ናብ ከቢድ ሓጢኣት ኪመርሕ ከም ዚኽእል ናይ ሳኦል ኣብነት ዜርኢ ብኸመይ እዩ: እዚኸ ንዓና ኸመይ ዝበለ መጠንቀቕታ እዩ ዚህበና፧ (1 ሳሙ. 18:7-9, 25፣ ያእ. 3:14-16)
1 ሳሙኤል 19:1-17 ኣንብብ።
ዮናታን ናብ ሳኦል ቀሪቡ ኺዛረብ ከሎ: ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ብኸመይ እዩ፧ (1 ሳሙ. 19:1, 4-6፣ ምሳ. 16:14)
ዛንታ መበል 60
ኣቢጋይልን ዳዊትን
ኣብዚ ስእሊ ናብ ዳዊት ገጻ እትመጽእ ዘላ ሰበይቲ ስማ መን እዩ: እንታይ ዓይነት ሰብከ እያ ዝነበረት፧
ናባል መን እዩ፧
ዳዊት ካብ ናባል ሓገዝ ኪሓቱ ንገለ ኻብቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ዝለኣኾም ስለምንታይ እዩ፧
ናባል ነቶም ናይ ዳዊት ሰባት እንታይ እዩ ዝበሎም: ዳዊትከ ነዚ ብኸመይ መለሰሉ፧
ኣቢጋይል መስተውዓሊት ሰበይቲ ምዃና ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
1 ሳሙኤል 22:1-4 ኣንብብ።
ኣብ ክርስትያናዊ ሕውነትና ንሓድሕድና ኽንደጋገፍ ከም ዘሎና ስድራቤት ዳዊት ሰናይ ኣብነት ዝገደፈትልና ብኸመይ እያ፧ (ምሳ. 17:17፣ 1 ተሰ. 5:14)
1 ሳሙኤል 25:1-43 ኣንብብ።
ናባል ብሕማቕ ተጠቒሱ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ሳሙ. 25:2-5, 10, 14, 21, 25)
ሎሚ ክርስትያን ኣንስቲ ኻብ ናይ ኣቢጋይል ኣብነት እንታይ ኪመሃራ ይኽእላ፧ (1 ሳሙ. 25:32, 33፣ ምሳ. 31:26፣ ኤፌ. 5:24)
ኣቢጋይል ንዳዊት እንታይ ክልተ ሕማቕ ነገራት ካብ ምግባር እያ ዘድሓነቶ፧ (1 ሳሙ. 25:31, 33፣ ሮሜ 12:19፣ ኤፌ. 4:26)
እቲ ዳዊት ንቓላት ኣቢጋይል ዘርኣዮ ምላሽ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ሰብኡት: የሆዋ ኣብ ኣንስቲ ዘለዎ ኣረኣእያ ንኺህልዎም ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧ (ግብ. 21:8, 9፣ ሮሜ 2:11፣ 1 ጴጥ. 3:7)
ዛንታ መበል 61
ዳዊት ንጉስ ኰነ
ሳኦል ኣብ ሰፈሩ ደቂሱ ኸሎ ዳዊትን ኣቢሳይን እንታይ ገበሩ፧
ዳዊት ንሳኦል እንታይ ሕቶታት እዩ ዝሓተቶ፧
ዳዊት ንሳኦል ገዲፉ ናበይ እዩ ዝኸደ፧
ዳዊት ኣዝዩ ብምሕዛን ሓንቲ ጽብቕቲ ቝዝማ ኸም ዚጽሕፍ ዝገበሮ ነገር እንታይ እዩ፧
ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኪነግስ ከሎ ወዲ ኽንደይ ዓመት ነበረ: ገለ ኻብቶም ደቁኸ መነ መን ይበሃሉ፧
ብድሕርዚ ዳዊት ንጉስ ኰይኑ ዝገዝአ ኣበይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
1 ሳሙኤል 26:1-25 ኣንብብ።
እቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 26:11 ተመዝጊቡ ዚርከብ ናይ ዳዊት መግለጺ ኣብ ቲኦክራስያዊ ስርዓት እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ እዩ ዜብርህ፧ (መዝ. 37:7፣ ሮሜ 13:2)
ፍቕራዊ ሕያውነት ከነርኢ ኢልና ልባዊ ጻዕሪ ጌርና ኸነብቅዕ ሞሳ ዘይብሉ ምላሽ ምስ ዜጋጥመና: እቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 26:23 ዘሎ ቓላት ዳዊት ግቡእ ኣመለኻኽታ ንኸነማዕብል ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (1 ነገ. 8:32፣ መዝ. 18:20)
2 ሳሙኤል 1:26 ኣንብብ።
ሎሚውን ክርስትያናት ልክዕ ከምታ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን ዝነበረት ‘ኣብ ንሓድሕዶም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ’ ኼማዕብሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (1 ጴጥ. 4:8፣ ቈሎ. 3:14፣ 1 ዮሃ. 4:12)
2 ሳሙኤል 5:1-10 ኣንብብ።
ዳዊት ንኽንደይ ዓመታት ዚኣክል ንጉስ ኰይኑ ገዝአ: እዚ ናይ ግዝኣቱ ግዜ እዚኸ ብኸመይ እዩ ተመቓቒሉ ዚርከብ፧ (2 ሳሙ. 5:4, 5)
ናይ ዳዊት ዕቤት ካብ ምንታይ ምዃኑ እዩ ተገሊጹ ዘሎ: እዚኸ ሎሚ ንዓና ኸም መዘኻኸሪ ዀይኑ ዜገልግለና ብኸመይ እዩ፧ (2 ሳሙ. 5:10፣ 1 ሳሙ. 16:13፣ 1 ቈረ. 1:31፣ ፊል. 4:13)
ዛንታ መበል 62
ኣብ ቤት ዳዊት እተላዕለ ሽግር
ኣብ መወዳእታኡ ምድሪ ከነኣን ብሓገዝ የሆዋ እንታይ ኰነት፧
ሓደ መዓልቲ ዳዊት ኣብ ናሕሱ ኸሎ እንታይ ኣጋጠመ፧
የሆዋ ብዳዊት ኣዝዩ እተቘጥዐ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብዚ ስእሊ: የሆዋ ንዳዊት ሓጢኣቱ ኺነግሮ ኢሉ ንመን ለኣኸሉ: እቲ ሰብኣይከ ንዳዊት እንታይ ኬጋጥሞ ምዃኑ እዩ ዝነገሮ፧
ዳዊት እንታይ ሽግር እዩ ዘጋጠሞ፧
ድሕሪ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ዝዀነ መን እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
2 ሳሙኤል 11:1-27 ኣንብብ።
ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ምዃን ዑቕባ ኪዀነና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ዳዊት ናብ ሓጢኣት እተሳሕበ ብኸመይ እዩ: እዚኸ ሎሚ ንኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዚዀኖም፧ (2 ሳሙ. 11:2፣ ማቴ. 5:27-29፣ 1 ቈረ. 10:12፣ ያእ. 1:14, 15)
2 ሳሙኤል 12:1-18 ኣንብብ።
ሽማግለታትን ወለድን ካብቲ ናታን ንዳዊት ምኽሪ ኺህቦ ኸሎ እተጠቕመሉ ኣገባብ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧ (2 ሳሙ. 12:1-4፣ ምሳ. 12:18፣ ማቴ. 13:34)
የሆዋ ንዳዊት ምሕረት ዘርኣዮ ስለምንታይ እዩ፧ (2 ሳሙ. 12:13፣ መዝ. 32:5፣ 2 ቈረ. 7:9, 10)
ዛንታ መበል 63
ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን
የሆዋ ንሰሎሞን እንታይ ኢሉ እዩ ዝሓተቶ: ሰሎሞንከ እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰ፧
የሆዋ በቲ ሰሎሞን ዝሓተቶ ስለ እተሓጐሰ: እንታይ ኪህቦ እዩ እተመባጽዓሉ፧
ክልተ ኣንስቲ እንታይ ከቢድ ሽግር ሒዘን እየን ናብ ሰሎሞን ዚመጻ፧
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ ትርእዮ ዘሎኻ: ሰሎሞን ነቲ ሽግር ብኸመይ ፈትሖ፧
ግዝኣት ሰሎሞን ከመይ ይመስል ነበረ: ስለምንታይከ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
1 ነገስት 3:3-28 ኣንብብ።
ሎሚ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ሓላፍነታት ዘለዎም ሰብኡት ካብቲ ኣብ 1 ነገስት 3:7 ተመዝጊቡ ዚርከብ ናይ ሰሎሞን ልባዊ መግለጺ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧ (መዝ. 119:105፣ ምሳ. 3:5, 6)
እቲ ሰሎሞን ዘቕረቦ ሕቶ ብዛዕባ እቲ ኽንጽልየሉ ዚግባእ ነገራት: ሰናይ ኣብነት ኪዀነና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (1 ነገ. 3:9, 11፣ ምሳ. 30:8, 9፣ 1 ዮሃ. 5:14)
ሰሎሞን ነቲ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ኣንስቲ እተላዕለ ሽግር ንምፍታሕ ዘርኣዮ ኽእለት: ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ መራሒ ዚኸውን ዝዓበየ ሰሎሞን ማለት የሱስ ክርስቶስ እንታይ እምንቶ የሕድረልና፧ (1 ነገ. 3:28፣ ኢሳ. 9:6, 7፣ 11:2-4)
1 ነገስት 4:29-34 ኣንብብ።
የሆዋ ነቲ ሰሎሞን እዙዝ ልቢ ኺወሃቦ ዝሓተቶ ሕቶ ብኸመይ መለሰሉ፧ (1 ነገ. 4:29)
እቶም ህዝቢ ጥበብ ሰሎሞን ንምስማዕ ዚገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ ኣብ ግምት ብምእታው: ቃል ኣምላኽ ኣብ ምጽናዕ እንታይ ኣመለኻኽታ ኺህልወና ይግባእ፧ (1 ነገ. 4:29, 34፣ ዮሃ. 17:3፣ 2 ጢሞ. 3:16)
ዛንታ መበል 64
ሰሎሞን ቤት መቕደስ ይሃንጽ
ሰሎሞን ቤት መቕደስ የሆዋ ሃኒጹ ንኺውድእ ክንደይ ግዜ እዩ ዝወሰደሉ: እቲ ምህናጽ ብዙሕ ገንዘብ ዝወድአኸ ስለምንታይ እዩ፧
እታ ቤት መቕደስ ክንደይ ቀንዲ ኽፍልታት ኣለዋ: ኣብ ውሽጢ ኽፍሊ እታ ቤት መቕደስከ እንታይ ነበረ፧
ሰሎሞን ነታ ቤት መቕደስ ምስ ወድኣ እንታይ ኢሉ እዩ ዝጸለየ፧
የሆዋ በቲ ሰሎሞን ዘቕረቦ ጸሎት ከም እተሓጐሰ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
ንሰሎሞን ኣንስቱ እንታይ ከም ዚገብር እየን ዝገበራኦ: ሰሎሞንከ እንታይ ኰነ፧
የሆዋ ንሰሎሞን እተቘጥዖ ስለምንታይ እዩ: እንታይከ እዩ ዝበሎ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
1 ዜና መዋእል 28:9, 10 ኣንብብ።
ነቲ ኣብ 1 ዜና መዋእል 28:9, 10 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት ዳዊት ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብ መዓልታዊ ናብራና እንታይ ክንገብር ኢና ኽንጽዕር ዘሎና፧ (መዝ. 19:14፣ ፊል. 4:8, 9)
2 ዜና መዋእል 6:12-21, 32-42 ኣንብብ።
ሰሎሞን: እቲ ልዑል ኣምላኽ ብኢድ ሰብ ኣብ እተሃንጸት ቤት ከም ዘይነብር ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧ (2 ዜና 6:18፣ ግብ. 17:24, 25)
እቲ ኣብ 2 ዜና መዋእል 6:32, 33 ዚርከብ ቃላት ሰሎሞን ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ (ግብ. 10:34, 35፣ ገላ. 2:6)
2 ዜና መዋእል 7:1-5 ኣንብብ።
ከምቲ እቶም ደቂ እስራኤል ክብሪ የሆዋ ምስ ረኣዩ ውዳሴኦም ኪገልጹ እተለዓዓሉ: ንሕናኸ ሎሚ በረኸት የሆዋ ኣብ ህዝቡ ኺወርድ ክንርኢ ኸሎና ኽሳዕ ክንደይ ክንትንከፍ ይግብኣና፧ (2 ዜና 7:3፣ መዝ. 22:22፣ 34:1፣ 96:2)
1 ነገስት 11:9-13 ኣንብብ።
ክሳዕ መወዳእታ እሙን ናይ ምዃን ኣድላዪነት ካብ ናይ ሰሎሞን ታሪኽ ህይወት ክንመሃር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (1 ነገ. 11:4, 9፣ ማቴ. 10:22፣ ራእ. 2:10)
ዛንታ መበል 65
እታ መንግስቲ ተኸፋፈለት
እዞም ኣብዚ ስእሊ ዘለዉ ኽልተ ሰባት መነ መን ይበሃሉ: እንታዎትከ እዮም፧
ኣሒያ ነቲ ኽዳኑ እንታይ እዩ ዝገበሮ: እዚኸ እንታይ ማለት እዩ፧
ሰሎሞን ንየሮብዓም እንታይ ኪገብሮ እዩ ዝፈተነ፧
እቶም ሰባት ንየሮብዓም ኣብቶም 10 ነገድ ንጉስ ዝገበርዎ ስለምንታይ እዮም፧
የሮብዓም ክልተ ብወርቂ እተሰርሓ ምራኽ ዘዳለወ ስለምንታይ እዩ: ብድሕርዚኸ ኣብ ሓጺር ግዜ ነታ ምድሪ እንታይ ኣጋጠማ፧
ኣብታ ኽልተ ነገድ ዘለዋ መንግስትን ቤት መቕደስ የሆዋን እንታይ ኣጋጠመ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
1 ነገስት 11:26-43 ኣንብብ።
የሮብዓም እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ዝነበረ: ሕግታት የሆዋ እንተደኣ ሓልዩኸ እንታይ ከም ዚረክብ እዩ የሆዋ እተመባጽዓሉ፧ (1 ነገ. 11:28, 38)
1 ነገስት 12:1-33 ኣንብብ።
ወለድን ሽማግለታትን ብዛዕባ ንስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም ዝመጸ ኻብ ሮብዓም እንታይ መለበሚ እዮም ዚረኽቡ፧ (1 ነገ. 12:13፣ መክ. 7:7፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3)
ሎሚ መንእሰያት ኣብ ህይወቶም ከቢድ ውሳነ ኺገብሩ ኸለዉ መምርሒ ንምርካብ ኣብ መን እዮም ኪውከሉ ዘለዎም፧ (1 ነገ. 12:6, 7፣ ምሳ. 1:8, 9፣ 2 ጢሞ. 3:16, 17፣ እብ. 13:7)
የሮብዓም ክልተ ናይ ምራኽ ኣምልኾ ዚግበረሉ ማእከል ኬዳሉ ዝደፋፍኦ እንታይ እዩ: እዚኸ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ዓብዪ ምጕዳል እምነት ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (1 ነገ. 11:37፣ 12:26-28)
ንህዝቢ እታ ዓሰርተ ነገድ ዘለዋ መንግስቲ ኣንጻር እቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚዓልዉ ዝገበረ መን እዩ፧ (1 ነገ. 12:32, 33)
ዛንታ መበል 66
ኢዛቤል—እክይቲ ንግስቲ
ኢዛቤል መን እያ፧
ሓደ መዓልቲ ንጉስ ኣከኣብ ሓዚኑ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
ኢዛቤል ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ንኣከኣብ ሰብኣያ ንኸተውህቦ እንታይ እያ ዝገበረት፧
የሆዋ ንኢዛቤል ንምቕጻዕ ንመን ሰደደላ፧
ኣብዚ ስእሊ ኽትርእዮ ኸም እትኽእል: የሁ ኣብቲ ኢዛቤል ዝነበረቶ ቦታ ምስ በጽሐ እንታይ ኣጋጠመ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
1 ነገስት 16:29-33 ከምኡውን 18:3, 4 ኣንብብ።
ብግዜ ንጉስ ኣከኣብ እስራኤል ኣብ ከመይ ዝበለ ሕማቕ ኵነታት እያ ነይራ፧ (1 ነገ. 14:9)
2. 1 ነገስት 21:1-16 ኣንብብ።
ናቦት ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ትብዓትን ተኣማንነትን ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (1 ነገ. 21:1-3፣ ዘሌ. 25:23-28)
ንጓሂ ብዛዕባ ምጽዋር ካብ ናይ ኣከኣብ ኣብነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (1 ነገ. 21:4፣ ሮሜ 5:3-5)
2 ነገስት 9:30-37 ኣንብብ።
ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ካብ ናይ የሁ ቕንኢ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (2 ነገ. 9:4-10፣ 2 ቈረ. 9:1, 2፣ 2 ጢሞ. 4:2)
ዛንታ መበል 67
ዮሳፋጥ ኣብ የሆዋ ይውከል
ዮሳፋጥ መን እዩ: ኣበየናይ ግዜኸ እዩ ዚነብር ዝነበረ፧
እስራኤላውያን ስለምንታይ እዮም ፈሪሆም: ብዙሓት ካብኣቶምከ እንታይ እዮም ዝገበሩ፧
የሆዋ ንጸሎት ዮሳፋጥ ዝሃቦ መልሲ እንታይ እዩ፧
የሆዋ ቀቅድሚ እቲ ውግእ እንታይ ከም ዜጋጥም እዩ ዝገበረ፧
ካብ ዮሳፋጥ እንታይ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
2 ዜና መዋእል 20:1-30 ኣንብብ።
እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዜፍርህ ኵነታት ኬጋጥሞም ከሎ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ዮሳፋጥ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (2 ዜና 20:12፣ መዝ. 25:15፣ 62:1)
የሆዋ ምስ ህዝቡ ኣብ ዚገብሮ ዝነበረ ርክብ ኵሉ ግዜ ናይ መራኸቢ መትረብ ካብ ነበሮ ሎሚኸ እንታይ ዓይነት መትረብ እዩ ዚጥቀም፧ (2 ዜና 20:14, 15፣ ማቴ. 24:45-47፣ ዮሃ. 15:15)
የሆዋ ነታ “ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ኪጅምራ ኸሎ ዅነታትና ምስ ናይ ዮሳፋጥ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ (2 ዜና 20:15, 17፣ 32:8፣ ራእ. 16:14, 16)
ፓይነራትን ሚስዮናውያንን ነቶም ሌዋውያን ብምምሳል ኣብቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ዚግበር ዘሎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት እንታይ ዓይነት ኣበርክቶ እዩ ዘለዎም፧ (2 ዜና 20:19, 21፣ ሮሜ 10:13-15፣ 2 ጢሞ. 4:2)
ዛንታ መበል 68
እንደገና ህያዋን ዝዀኑ ክልተ ቘልዑ
እዞም ኣብዚ ስእሊ ዘለዉ ሰለስተ ሰባት እንታዎት እዮም: እቲ ንእሽቶ ቘልዓኸ እንታይ ኰነ፧
ኤልያስ ብዛዕባ እቲ ቘልዓ እንታይ ኢሉ እዩ ዝጸለየ: ቀጺሉኸ እንታይ ተፈጸመ፧
እቲ ሓጋዚ ናይ ኤልያስ ዝነበረ መን ይበሃል፧
ኤልሳእ ናብ እንዳ እታ ኣብ ሹኔም ዝነበረት ሰበይቲ እተጸውዐ ስለምንታይ እዩ፧
ኤልሳእ እንታይ እዩ ዝገበረ: እቲ ሞይቱ ዝነበረ ቘልዓኸ እንታይ ኰነ፧
ከምቲ ብኤልያስን ኤልሳእን እተራእየ: የሆዋ እንታይ ናይ ምግባር ሓይሊ እዩ ዘለዎ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
1 ነገስት 17:8-24 ኣንብብ።
ናይ ኤልያስ ተኣዛዝነትን እምነትን እተፈተነት ብኸመይ እያ፧ (1 ነገ. 17:9፣ 19:1-4, 10)
ናይታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት እምነት እተደንቕ ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧ (1 ነገ. 17:12-16፣ ሉቃ. 4:25, 26)
ናይታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ተመክሮ ንሓቅነት እቲ ኣብ ማቴዎስ 10:41, 42 ዘሎ ቓላት የሱስ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧ (1 ነገ. 17:10-12, 17, 23, 24)
2 ነገስት 4:8-37 ኣንብብ።
ካብታ ኣብ ከተማ ሹኔም ዝነበረት ሰበይቲ ብዛዕባ ምቕባል ኣጋይሽ እንታይ ኢና እነመሃር፧ (2 ነገ. 4:8፣ ሉቃ. 6:38፣ ሮሜ 12:13፣ 1 ዮሃ. 3:17)
ሎሚ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ሕያውነት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ግብ. 20:35፣ 28:1, 2፣ ገላ. 6:9, 10፣ እብ. 6:10)
ዛንታ መበል 69
ሓንቲ ጓል ንሓደ ብርቱዕ ሰብኣይ ትሕግዞ
እዛ ኣብ ስእሊ ዘላ ንእሽቶ ጓል ነዛ ሰበይቲ እንታይ ኢላ እያ እትነግራ ዘላ፧
እዛ ኣብ ስእሊ ዘላ ሰበይቲ መን እያ: እዛ ንእሽቶ ጓል ኣብ ገዛ እዛ ሰበይቲ እንታይ እያ ትገብር ዘላ፧
ኤልሳእ ኣገልጋሊኡ ልኢኹ ንንእማን እንታይ ኢሉ እዩ ዝነገሮ: ንእማን እተቘጥዐኸ ስለምንታይ እዩ፧
ንእማን ንኣገልገልቱ ምስ ሰምዖም እንታይ ኰነ፧
ኤልሳእ ካብ ንእማን ህያብ ምቕባል ዝኣበየ ስለምንታይ እዩ: ገሓዚ ግን እንታይ እዩ ዝገበረ፧
ንገሓዚ እንታይ ኣጋጠሞ: ንሕናኸ ኻብዚ እንታይ ንመሃር፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
2 ነገስት 5:1-27 ኣንብብ።
ኣብነት እዛ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ሎሚ ንዘለዉ መንእሰያት ኬተባብዖም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (2 ነገ. 5:3፣ መዝ. 8:2፣ 148:12, 13)
ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኺወሃበና ኸሎ ናይ ንእማን ኣብነት ኣብ ኣእምሮና ኽንሕዝ ጠቓሚ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ (2 ነገ. 5:15፣ እብ. 12:5, 6፣ ያእ. 4:6)
ኣብነት ኤልሳእን ገሓዚን ብምንጽጻር እንታይ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧ (2 ነገ. 5:9, 10, 14-16, 20፣ ማቴ. 10:8፣ ግብ. 5:1-5፣ 2 ቈረ. 2:17)
ዛንታ መበል 70
ዮናስን እቲ ዓቢ ዓሳን
ዮናስ እንታዎይ እዩ: የሆዋኸ እንታይ ኪገብር እዩ ነጊርዎ፧
ዮናስ ናብቲ የሆዋ ክኸዶ ዝነገሮ ኪኸይድ ስለ ዘይደለየ: እንታይ እዩ ዝገበረ፧
ዮናስ እቲ ማዕበል ደው ምእንቲ ኺብል ነቶም ባሕረኛታት እንታይ ኪገብሩ እዩ ዝነገሮም፧
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘሎኻ: ዮናስ ኣብቲ ማይ ምስ ጠሓለ እንታይ ኣጋጠሞ፧
ዮናስ ኣብ ከብዲ እቲ ዓሳ ንኽንደይ መዓልቲ ጸንሐ: ኣብኡኸ እንታይ እዩ ዝገበረ፧
ዮናስ ካብቲ ዓብዪ ዓሳ ምስ ወጸ ናበይ እዩ ዝኸደ: እዚኸ ንዓና እንታይ እዩ ዚምህረና፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዮናስ 1:1-17 ኣንብብ።
ዮናስ ብዛዕባ እቲ ናብ ሰብ ነነዌ ኸይዱ ንኺሰብኽ እተዋህቦ ዕዮ እንታይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ፧ (ዮና. 1:2, 3፣ ምሳ. 3:7፣ መክ. 8:12)
ዮናስ 2:1, 2, 10 ኣንብብ።
ናይ ዮናስ ተመክሮ የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚምልሸሉ እምንቶ ኸነሕድር ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧ (መዝ. 22:24፣ 34:6፣ 1 ዮሃ. 5:14)
ዮናስ 3:1-10 ኣንብብ።
ዋላ እኳ ዮናስ ኣብ መጀመርታ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ኻብ ምፍጻም እንተ ሰነፈ: የሆዋ ኣብ ዕዮኡ ኪቕጽል ስለ ዝፈቐደሉ: ንዓና እንታይ ምትብባዕ እዩ ዚዀነና፧ (መዝ. 103:14፣ 1 ጴጥ. 5:10)
ካብቲ ዮናስ ምስ ሰብ ነነዌ ዘሕለፎ ተመክሮ: ኣብ ዞባና ንዘለዉ ሰባት ኣቐዲምና ብሕማቕ ከይንፈርዶም እንታይ እዩ ዚምህረና፧ (ዮና. 3:6-9፣ መክ. 11:6፣ ግብ. 13:48)
ዛንታ መበል 71
ኣምላኽ ገነት ተመባጽዐ
ኢሳይያስ እንታዋይ እዩ ነይሩ: ኣበየናይ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ: የሆዋኸ እንታይ እዩ ዘርኣዮ፧
እታ “ገነት” እትብል ቃል እንታይ ማለት እያ: ብዛዕባ እንታይከ እያ እተዘኻኽረካ፧
የሆዋ ንኢሳይያስ ብዛዕባ እታ ሓዳስ ገነት እንታይ ኢሉ ኺጽሕፍ እዩ ዝነገሮ፧
ኣዳምን ሄዋንን ነታ ጽብቕቲ ቤቶም ዘጥፍእዋ ስለምንታይ እዮም፧
የሆዋ ነቶም ዘፍቅርዎ ሰባት እንታይ እዩ ተመባጺዑሎም ዘሎ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ኢሳይያስ 11:6-9 ኣንብብ።
ቃል ኣምላኽ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣብ ሞንጎ ሰባትን እንስሳታትን ዚህሉ ሰላም ብኸመይ እዩ ዚገልጾ፧ (መዝ. 148:10, 13፣ ኢሳ. 65:25፣ ህዝ. 34:25)
ሎሚ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ የሆዋ እንታይ ዚብል ቃላት ኢሳይያስ እዩ መንፈሳዊ ፍጻሜኡ ዚረክብ ዘሎ፧ (ሮሜ 12:2፣ ኤፌ. 4:23, 24)
ብዛዕባ እቲ ሕጅን ኣብ ሓዳስ ዓለምን ኣብ ሰብኣዊ ባህርያት ዚርአ ለውጢ: ኽብሪ ኺወሃብ ዚግብኦ ንመን እዩ፧ (ኢሳ. 48:17, 18፣ ገላ. 5:22, 23፣ ፊል. 4:7)
ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።
ቅዱሳት ጽሑፋት ኣምላኽ ምስ ሰብ ኪነብር ኪብል ከሎ ምሳልያዊ ህላወ እምበር ኣካላዊ ህላወ ኸም ዘይኰነ ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧ (ዘሌ. 26:11, 12፣ 2 ዜና 6:18፣ ኢሳ. 66:1፣ ራእ. 21:2, 3, 22-24)
እንታይ ዓይነት ንብዓትን ቃንዛን እዩ መወዳእታ ኺግበረሉ፧ (ሉቃ. 8:49-52፣ ሮሜ 8:21, 22፣ ራእ. 21:4)
ዛንታ መበል 72
ኣምላኽ ንንጉስ ህዝቅያስ ይሕግዞ
እዚ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ሰብኣይ መን እዩ: ስለምንታይከ እዩ ኣብ ብዙሕ ሽግር ወዲቑ ዘሎ፧
እቲ ህዝቅያስ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘንበሮ ደብዳበታት እንታይ እዩ: እንታይ ኢሉኸ እዩ ዝጸለየ፧
ህዝቅያስ ከመይ ዝበለ ንጉስ እዩ ነይሩ: የሆዋኸ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ እንታይ መልእኽቲ እዩ ዝለኣኸሉ፧
ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ኸም ዘሎኻ መልኣኽ የሆዋ ንኣሶራውያን እንታይ እዩ ዝገበሮም፧
እታ ብኽልተ ነገድ ዝቖመት መንግስቲ ንእተወሰነ ግዜ ሰላም እኳ እንተ ነበራ: ድሕሪ ሞት ህዝቅያስ ግን እንታይ እዩ ዘጋጠማ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
2 ነገስታት 18:1-36 ኣንብብ።
እቲ ኣፈኛ ኣሶራውያን ዝነበረ ራብሳቀ ንእምነት እስራኤላውያን ኬዳኽም ዝደለየ ብኸመይ እዩ፧ (2 ነገ. 18:19, 21፣ ዘጸ. 5:2፣ መዝ. 64:3)
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተጻረርቲ ኣብ ዚገብርዎ ምምልላስ: ናይ ህዝቅያስ ኣብነት ዚስዕቡ ብኸመይ እዮም፧ (2 ነገ. 18:36፣ መዝ. 39:1፣ ምሳ. 26:4፣ 2 ጢሞ. 2:24)
2 ነገስት 19:1-37 ኣንብብ።
ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ኣብ ግዜ ጸበባ ንኣብነት ህዝቅያስ ዚቐድሑ ብኸመይ እዮም፧ (2 ነገ. 19:1, 2፣ ምሳ. 3:5, 6፣ እብ. 10:24, 25፣ ያእ. 5:14, 15)
ሰናክሬብ እንታይ ብሰለስተ ዕጽፊ ዚዓቢ ስዕረት እዩ ዘጋጠሞ: እዚኸ ናይ መን ትንቢታዊ ጽላሎት እዩ ነይሩ፧ (2 ነገ. 19:32, 35, 37፣ ራእ. 20:2, 3)
2 ነገስት 21:1-6, 16 ኣንብብ።
ምናሴ ኣብ የሩሳሌም ካብ ዝነገሱ ነገስታት እቲ ዝኸፍአ ንጉስ ኪበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (2 ዜና 33:4-6, 9)
ዛንታ መበል 73
ቅኑዕ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ንጉስ እስራኤል
ዮስያስ ኪነግስ ከሎ ወዲ ኽንደይ ዓመት እዩ ነይሩ: ካብ ዚነግስ ሸውዓተ ዓመት ምስ ገበረኸ እንታይ ኪገብር ጀመረ፧
ኣብዚ ቐዳማይ ስእሊ ዮስያስ እንታይ ኪገብር እዩ ዚርአ ዘሎ፧
ኣብቲ ቤት መቕደስ እናዓየዩ ኸለዉ እቲ ሊቀ ኻህናት እንታይ እዩ ዝረኸበ፧
ዮስያስ ክዳኑ ዝቐደደ ስለምንታይ እዩ፧
ነብዪት ሁልዳ እቲ ንዮስያስ ዝነገረቶ ኻብ የሆዋ እተላእኸ መልእኽቲ እንታይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
2 ዜና መዋእል 34:1-28 ኣንብብ።
ነቶም ኣብ ግዜ ቝልዕነቶም ብዙሕ ሽግር ዘሕለፉ ሰባት: ዮስያስ ከመይ ዝበለ ኣብነት እዩ ገዲፉሎም፧ (2 ዜና 33:21-25፣ 34:1, 2፣ መዝ. 27:10)
ዮስያስ ኣብ 8ይ: ኣብ መበል 12: ከምኡውን ኣብ መበል 18 ዓመት ግዝኣቱ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምስፍሕፋሕ እንታይ ኣገደስቲ ስጕምትታት እዩ ዝወሰደ፧ (2 ዜና 34:3, 8)
ካብ ዮስያስን ሊቀ ካህናት ሒልቅያን ቦታ ኣምልኾና ብዛዕባ ምጽጋን እንታይ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧ (2 ዜና 34:9-13፣ ምሳ. 11:14፣ 1 ቈረ. 10:31)
ዛንታ መበል 74
ዘይፈርሕ ሰብኣይ
እዚ ኣብ ስእሊ እትርእዮ ዘለኻ መንእሰይ መን እዩ፧
ኤርምያስ ነብዪ ብዛዕባ ምዃን እንታይ ኢሉ እዩ ዝሓሰበ: የሆዋ ግን እንታይ እዩ ዝበሎ፧
ኤርምያስ ነቶም ህዝቢ ብተደጋጋሚ ዝነግሮም ዝነበረ መልእኽቲ እንታይ እዩ ነይሩ፧
እቶም ካህናት ንኤርምያስ ስቕ ኬብልዎ ዝፈተኑ ብኸመይ እዮም: ንሱ ግን ከም ዘይፈርህ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
እስራኤላውያን ነቲ እኩይ መገድታቶም ምግዳፍ ምስ ኣበዩ እንታይ ኣጋጠሞም፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ኤርምያስ 1:1-8 ኣንብብ።
ናይ ኤርምያስ ኣብነት ከም ዘርእዮ: ሓደ ሰብ ንኣገልግሎት የሆዋ ብቑዕ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ (2 ቈረ. 3:5, 6)
ናይ ኤርምያስ ኣብነት ሎሚ ንዘለዉ መንእሰያት እንታይ ምትብባዕ እዩ ዚህቦም፧ (መክ. 12:1፣ 1 ጢሞ. 4:12)
ኤርምያስ 10:1-5 ኣንብብ።
ኤርምያስ ኣብ ጣኦታት ምእማን ከንቱ ምዃኑ ንምርኣይ እንታይ ሓያል ኣብነት እዩ እተጠቕመ፧ (ኤር. 10:5፣ ኢሳ. 46:7፣ ኣን. 2:19)
ኤርምያስ 26:1-16 ኣንብብ።
2 ነገስት 24:1-17 ኣንብብ።
ይሁዳ ንየሆዋ ዘይእምንቲ ብምዃና እንታይ ዜሕዝን ሳዕቤናት ኣምጽኣላ፧ (2 ነገ. 24:2-4, 14)
ዛንታ መበል 75
ኣርባዕተ መንእሰያት ኣብ ባቢሎን
እዞም ኣብ ስእሊ ዘለዉ ኣርባዕተ መንእሰያት መነ መን እዮም: ኣብ ባቢሎን ዘለዉኸ ስለምንታይ እዮም፧
ነቡካድነጻር ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እንታይ ኪገብረሎም እዩ ዝደለየ: ንግዙኣቱኸ እንታይ ትእዛዝ እዩ ዝሃቦም፧
ዳንኤል ንርእሱን ነቶም ሰለስተ ኣዕሩኹን ብዛዕባ ዚበልዕዎን ዚሰትይዎን እንታይ ኢሉ እዩ ዝሓተተ፧
ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕሩኹን ዓሰርተ መዓልቲ ኣሕምልቲ ድሕሪ ምብልዖም ምስቶም ካልኦት መንእሰያት ኪወዳደሩ ኸለዉ ኸመይ ነበሩ፧
ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕሩኹን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዝተረፉ ብኸመይ እዮም: ካብቶም ካህናትን ጠቢባንን ዝበለጹ ዝዀኑኸ ብኸመይ እዮም፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዳንኤል 1:1-21 ኣንብብ።
ፈተናታት ክንጻወርን ሰብኣዊ ድኻማትና ኸነሰንፍን ንደሊ እንተደኣ ዄንና ኸመይ ዝበለ ጻዕሪ ኽንገብር እዩ ዜድልየና፧ (ዳን. 1:8፣ ዘፍ. 39:7, 10፣ ገላ. 6:9)
ሎሚ መንእሰያት በቲ ገለ ሰባት ከም ‘ብልዒ ንጉስ’ ዚቘጽርዎ ነገር ኪረኽሱ ጸቕጢ ዚግበረሎም ወይ ዚፍተኑ ብኸመይ እዮም፧ (ዳን. 1:8፣ ምሳ. 20:1፣ 2 ቈረ. 6:17-7:1)
እቲ ብዛዕባ እቶም ኣርባዕተ እብራውያን መንእሰያት ዚገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ብዛዕባ ዓለማዊ ፍልጠት እንታይ ክንርዳእ እዩ ዚሕግዘና፧ (ዳን. 1:20፣ ኢሳ. 54:13፣ 1 ቈረ. 3:18-20)
ዛንታ መበል 76
የሩሳሌም ተደምሰሰት
የሩሳሌም እንታይ እያ ትኸውን ዘላ: እዞም ኣብ ስእሊ ዝረኣዩ ዘለዉ እስራኤላውያንከ እንታይ እዩ ዘጋጥሞም ዘሎ፧
ህዝቅኤል እንታዋይ እዩ: የሆዋኸ እንታይ ዜሰንብድ ነገራት እዩ ዘርኣዮ፧
የሆዋ እስራኤላውያን ስለ ዘየኽበርዎ: እንታይ ኢሉ እዩ ዝመሓለ፧
ንጉስ ነቡካድነጻር እስራኤላውያን ኣንጻሩ ምስ ዓለዉ እንታይ እዩ ዝገበረ፧
የሆዋ እዚ ኸቢድ ጥፍኣት እዚ ኣብ እስራኤላውያን ኪወርድ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧
ምድሪ እስራኤል ሰብ ዘይነብረላ ዀይና ዝተረፈት ብኸመይ እያ: እዚኸ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ቐጺሉ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
2 ነገስት 25:1-26 ኣንብብ።
ጼዴቅያስ እንታዋይ እዩ ነይሩ: እንታይ ኣጋጠሞ: እዚኸ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ከመይ ኢሉ እዩ፧ (2 ነገ. 25:5-7፣ ህዝ. 12:13-15)
እስራኤል ብዘርኣየቶ ጥልመት የሆዋ ተሓተትቲ ዝገበሮም ንመን እዩ፧ (2 ነገ. 25:9, 11, 12, 18, 19፣ 2 ዜና 36:14, 17)
ህዝቅኤል 8:1-18 ኣንብብ።
ህዝበ-ክርስትያን ነቶም ኣምለኽቲ ጸሓይ ዝነበሩ ኸሓድቲ እስራኤላውያን ዝመሰለት ብኸመይ እያ፧ (ህዝ. 8:16፣ ኢሳ. 5:20, 21፣ ዮሃ. 3:19-21፣ 2 ጢሞ. 4:3)
ዛንታ መበል 77
ኣይሰገዱን
ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ነቶም ሰባት እንታይ ኢሉ እዩ ኣዚዝዎም፧
ኣዕሩኽ ዳንኤል ነቲ ብወርቂ እተሰርሐ ምስሊ ዘይሰገዱሉ ስለምንታይ እዮም፧
ነቡካድነጻር ነቶም ሰለስተ እብራውያን ንኺሰግዱ እንደገና ኣጋጣሚ ምስ ሃቦም: ኣብ የሆዋ ዘለዎም ትውክልቲ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧
ነቡካድነጻር ንሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ-ኔጎ እንታይ ኪገብርዎም እዩ ዝኣዘዘ፧
ነቡካድነጻር ናብቲ እቶን ምስ ጠመተ እንታይ እዩ ዝረኣየ፧
እቲ ንጉስ ንኣምላኽ ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ-ኔጎ ዝወደሰ ስለምንታይ እዩ: ንዓናኸ እንታይ ኣብነት እዮም ዝገደፉልና፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዳንኤል 3:1-30 ኣንብብ።
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ ንጽህና ፈተና ኼጋጥሞም ከሎ ነየናይ በቶም ሰለስተ እብራውያን መንእሰያት እተንጸባረቐ ኣረኣእያ እዮም ኪቐድሑ ዘለዎም፧ (ዳን. 3:17, 18፣ ማቴ. 10:28፣ ሮሜ 14:7, 8)
የሆዋ ኣምላኽ ንነቡካድነጻር እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዝመሃሮ፧ (ዳን. 3:28, 29፣ 4:34, 35)
ዛንታ መበል 78
ኣብ መንደቕ ብኢድ እተጻሕፈ ነገር
ንጉስ ባቢሎን ዓብዪ በዓል ገይሩ ነቲ ኻብ የሩሳሌም ካብ ቤተ መቕደስ የሆዋ እተወስደ ናይ ወርቅን ብሩርን መሳተያ ምስ ተጠቕመሉ እንታይ ኣጋጠመ፧
ቤልሻጽር ነቶም ጠቢባኑ እንታይ እዩ ዝበሎም: እንታይ ኪገብሩ እዮም ግን ዘይከኣሉ፧
ኣደ እቲ ንጉስ እንታይ ንኺገብር እያ ዝነገረቶ፧
ብመሰረት እቲ ዳንኤል ነቲ ንጉስ ዝነገሮ: ኣምላኽ ነታ ኢድ ኣብ መንደቕ ንኽትጽሕፍ ዝለኣኻ ስለምንታይ እዩ፧
ዳንኤል ነቲ ኣብ መንደቕ እተጻሕፈ ቓላት ትርጕሙ ኸመይ ገይሩ እዩ ዝገለጾ፧
ገና ዳንኤል እናተዛረበ ኸሎ እንታይ እዩ ዘጋጠመ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዳንኤል 5:1-31 ኣንብብ።
ኣምላኻዊ ፍርሂ ምስቲ ቤልሻጽር ኣብ መንደቕ እተጻሕፈ ነገር ምስ ረኣየ እተሰምዖ ፍርሂ ኣነጻጽሮ። (ዳን. 5:6, 7፣ መዝ. 19:9፣ ሮሜ 8:35-39)
ዳንኤል ንቤልሻጽርን መኳንንቱን ኪዛረቦም ከሎ ዓብዪ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ዳን. 5:17, 18, 22, 26-28፣ ግብ. 4:29)
ዳንኤል ምዕራፍ 5 ነቲ ናይ የሆዋ ልዑላውነት እተጕልሕ ብኸመይ እያ፧ (ዳን. 4:17, 25፣ 5:21)
ዛንታ መበል 79
ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ
ዳርዮስ እንታዋይ እዩ: ንዳንኤልከ ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧
እቶም ዚቐንኡ ሰባት ንዳርዮስ እንታይ ከም ዚገብር እዮም ዝገበሩ፧
ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ሕጊ ምስ ፈለጠ እንታይ እዩ ዝገበረ፧
ዳርዮስ ኣዝዩ ተጨኒቑ ኺድቅስ ዘይከኣለ ስለምንታይ እዩ: ንጽባሒቱ ንግሆኸ እንታይ እዩ ዝገበረ፧
ዳንኤል ንዳርዮስ እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧
እቶም ንዳንኤል ከጥፍእዎ ዝፈተኑ ሰባት እንታይ ኣጋጠሞም: ዳርዮስከ ነቶም ኣብ ግዝኣቱ ዝነብሩ ዅሎም ሰባት እንታይ ኢሉ ጸሓፈሎም፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዳንኤል 6:1-28 ኣንብብ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ዳንኤል እተኣልመ ውዲት ነቲ ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ንዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምትዕንቓፍ ዚግበር ፈተነታት ዜዘኻኽረና ብኸመይ እዩ፧ (ዳን. 6:7፣ መዝ. 94:20፣ ኢሳ. 10:1፣ ሮሜ 8:31)
ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንናይ ዳንኤል ኣብነት ብምቕዳሕ ን“ስልጣናት” ተገዛእቲ ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ዳን. 6:5, 10፣ ሮሜ 13:1፣ ግብ. 5:29)
“ዅሉ ጊዜ” ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ናይ ዳንኤል ኣብነት ክንቀድሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ዳን. 6:16, 20፣ ፊል. 3:16፣ ራእ. 7:15)
ዛንታ መበል 80
ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባቢሎን ወጹ
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ ዚርአ ዘሎ: እስራኤላውያን እንታይ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ፧
ቂሮስ ነቲ ብኢሳይያስ ኣቢሉ እተነግረ ትንቢት የሆዋ ዝፈጸሞ ብኸመይ እዩ፧
ቂሮስ ነቶም ናብ የሩሳሌም ኪምለሱ ዘይከኣሉ እስራኤላውያን እንታይ በሎም፧
ቂሮስ ነቶም ናብ የሩሳሌም ዚኸዱ ዝነበሩ ህዝቢ ምስኦም ተማሊኦምዎ ዚኸዱ እንታይ ነገራት እዩ ዝሃቦም፧
እስራኤላውያን ናብ የሩሳሌም ንምምላስ ክንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ወሲዱሎም፧
እታ ሃገር ንኽንደይ ዓመት እያ ፈጺማ ሰብ ዘይብላ ባዲማ ዝጸንሐት፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ኢሳይያስ 44:28 ከምኡውን 45:1-4 ኣንብብ።
የሆዋ እቲ ብዛዕባ ቂሮስ እተነግረ ትንቢት ብርግጽ ኪፍጸም ምዃኑ ዜጕልሖ ብኸመይ እዩ፧ (ኢሳ. 55:10, 11፣ ሮሜ 4:17)
እቲ ንቂሮስ ዚምልከት ትንቢት ኢሳይያስ የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ዅነታት ኪንበ ኽእለት ከም ዘለዎ ዜረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧ (ኢሳ. 42:9፣ 45:21፣ 46:10, 11፣ 2 ጴጥ. 1:20)
እዝራ 1:1-11 ኣንብብ።
ኣብነት እቶም ናብ የሩሳሌም ኪምለሱ ዘይከኣሉ ሰባት ብምስዓብ: ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪሳተፉ ዚኽእሉ ‘ንምድጋፍ’ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (እዝ. 1:4, 6፣ ሮሜ 12:13፣ ቈሎ. 4:12)
ዛንታ መበል 81
ኣብ ሓገዝ ኣምላኽ ምውካል
ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት ተጓዒዞም: ኣብኡ ምስ በጽሑ ግን እንታይ እዩ ዝጸንሖም፧
ኣብኡ ምስ በጽሑ መጀመርታ ኺሰርሕዎ ዝጀመሩ ነገር እንታይ እዩ: እቶም ጸላእቶም ግን እንታይ እዮም ዝገበሩ፧
ሃጌን ዘካርያስን እንታዎት እዮም: ነቲ ህዝቢኸ እንታይ ኢሎም እዮም ዝነገርዎ፧
ታትናይ ናብ ባቢሎን ደብዳበ ዝለኣኸ ስለምንታይ እዩ: እንታይ መልሲኸ እዩ ዝረኸበ፧
እዝራ: እታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ምዕራይ ከም ዜድልያ ምስ ፈለጠ እንታይ እዩ ዝገበረ፧
ኣብዚ ስእሊ ትርእዮ ኸም ዘሎኻ እዝራ እንታይ ኢሉ እዩ ዝጸለየ: ጸሎቱ መልሲ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ: እዚኸ ንዓና እንታይ ይምህረና፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
እዝራ 3:1-13 ኣንብብ።
ጉባኤ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ምስ እንኸይድ: እንታይ ምግባር ኢና ኽንቅጽል ዘሎና፧ (እዝ. 3:3, 6፣ ግብ. 17:16, 17፣ እብ. 13:15)
እዝራ 4:1-7 ኣንብብ።
ዘሩባቤል ብዛዕባ ምትሕንፋጽ እምነት ኣመልኪቱ ንህዝቢ የሆዋ እንታይ ኣብነት እዩ ዝገደፈ፧ (ዘጸ. 34:12፣ 1 ቈረ. 15:33፣ 2 ቈረ. 6:14-17)
እዝራ 5:1-5, 17 ከምኡውን 6:1-22 ኣንብብ።
እዝራ 8:21-23, 28-36 ኣንብብ።
ዝዀነ ይኹን ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳድና: እንታይ ናይ እዝራ ኣብነት ክንስዕብ እዩ ጥበባዊ ዚኸውን፧ (እዝ. 8:23፣ መዝ. 127:1፣ ምሳ. 10:22፣ ያእ. 4:13-15)
ዛንታ መበል 82
ማርዶካይን ኣስቴርን
ማርዶካይን ኣስቴርን እንታዎት እዮም፧
ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ሓዳስ ሰበይቲ ዝደለየ ስለምንታይ እዩ: ንመንከ እዩ ዝመረጸ፧
ሃማን መን እዩ: ኣዝዩ ዘቘጥዖኸ እንታይ እዩ፧
እንታይ ዚብል ሕጊ እዩ ዝወጸ: ኣስቴርከ ኻብ ማርዶካይ መልእኽቲ ምስ ተቐበለት እንታይ እያ ዝገበረት፧
ንሃማን እንታይ ኣጋጠሞ: ንማርዶካይከ እንታይ ኣጋጠሞ፧
እስራኤላውያን ካብ ጸላእቶም ዝደሓኑ ብኸመይ እዮም፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ኣስቴር 2:12-18 ኣንብብ።
ኣስቴር “ለዋህን ህዱእን መንፈስ” ምምዕባል ዘለዎ ጥቕሚ ብኸመይ እያ ዘርኣየት፧ (ኣስ. 2:15፣ 1 ጴጥ. 3:1-5)
ኣስቴር 4:1-17 ኣንብብ።
ልክዕ ከምቲ ኣስቴር ምእንቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽትጣበቕ ኣጋጣሚ ዝረኸበት: ንሕናውን ሎሚ ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነትን ተኣማንነትን ከነርእየሉ እንኽእል እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ዘሎና፧ (ኣስ. 4:13, 14፣ ማቴ. 5:14-16፣ 24:14)
ኣስቴር 7:1-6 ኣንብብ።
ልክዕ ከም ኣስቴር: ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ህዝቢ ኣምላኽውን ስደት ዘጋጠሞም ብኸመይ እዩ፧ (ኣስ. 7:4፣ ማቴ. 10:16-22፣ 1 ጴጥ. 2:12)
ዛንታ መበል 83
መናድቕ የሩሳሌም
እስራኤላውያን ኣብ የሩሳሌም ብዘይ መካበብያ ምንባር ከመይ ይስምዖም ነበረ፧
ነህምያ እንታዋይ እዩ፧
ነህምያ እንታይ እዩ ዚሰርሕ ነይሩ: እዚኸ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
ንነህምያ ዘጕሃዮ እንታይ እዩ: እንታይከ እዩ ዝገበረ፧
ንጉስ ኣርታሕሻስታ ንነህምያ ሕያውነት ዘርኣዮ ብኸመይ እዩ፧
ነህምያ ነቲ ናይ ምህናጽ ዕዮ: ጸላእቲ እስራኤላውያን ምእንቲ ኸየተዓናቕፍዎ ምድላዋት ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ነህምያ 1:4-6 ከምኡውን 2:1-20 ኣንብብ።
ነህምያ ናይ የሆዋ መምርሒ ዝደለየ ብኸመይ እዩ፧ (ነህ. 2:4, 5፣ ሮሜ 12:12፣ 1 ጴጥ. 4:7)
ነህምያ 3:3-5 ኣንብብ።
ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ካብቲ ኣብ ሞንጎ ተቆዓውያንን “ክቡራቶምን” ዝነበረ ፍልልይ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧ (ነህ. 3:5, 27፣ 2 ተሰ. 3:7-10፣ 1 ጴጥ. 5:5)
ነህምያ 4:1-23 ኣንብብ።
እስራኤላውያን ዋላ እኳ ብርቱዕ ምጽራር እንተ ኣጋጠሞም ኣብ ዕዮኦም ንኪቕጽሉ ዘለዓዓሎም እንታይ እዩ፧ (ነህ. 4:6, 8, 9፣ መዝ. 50:15፣ ኢሳ. 65:13, 14)
ሎሚ ናይ እስራኤላውያን ኣብነት ከተባብዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ነህምያ 6:15 ኣንብብ።
መናድቕ የሩሳሌም ኣብ ውሽጢ ኽልተ ወርሒ ጥራይ ተሰሪሑ ብምውዳኡ ብዛዕባ ሓይሊ እምነት እንታይ እዩ ዜርኢ፧ (መዝ. 56:3, 4፣ ማቴ. 17:20፣ 19:26)
ዛንታ መበል 84
ሓደ መልኣኽ ንማርያም ይበጽሓ
እዛ ኣብዚ ስእሊ ዘላ ሰበይቲ መን እያ፧
ገብርኤል ንማርያም እንታይ ኢሉ እዩ ዝነገራ፧
ማርያም ዋላ እኳ ምስ ሰብኣይ እንተ ዘይነበረት ቈልዓ ኽትወልድ ምዃና ገብርኤል ዝገለጸላ ብኸመይ እዩ፧
ማርያም ነታ ዘመዳ ዝነበረት ኤልሳቤጥ ክትበጽሕ ምስ ከደት እንታይ ኣጋጠመ፧
ዮሴፍ ማርያም ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠ እንታይ ኪገብር እዩ ዝሓሰበ: ደሓር ግን ሓሳቡ ዝቐየረ ስለምንታይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ሉቃስ 1:26-56 ኣንብብ።
ሉቃስ 1:35 ብዛዕባ ህይወት ወዲ ኣምላኽ ካብ መንፈሳዊ ቦታ ናብ ማህጸን ማርያም ኪሰጋገር ከሎ ኻብ ኣዳም እተወርሰ ዘይፍጽምና ኸም ዘይሓለፎ ብኸመይ ትሕብር፧ (ሃጌ 2:11-13፣ ዮሃ. 6:69፣ እብ. 7:26፣ 10:5)
የሱስ ቅድሚ ምውላዱ እውን ከይተረፈ ኽብሪ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧ (ሉቃ. 1:41-43)
ማርያም ነቶም ሎሚ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ዚረኽቡ ክርስትያናት እንታይ ሰናይ ኣብነት እያ ዝገደፈት፧ (ሉቃ. 1:38, 46-49፣ 17:10፣ ምሳ. 11:2)
ማቴዎስ 1:18-25 ኣንብብ።
የሱስ ዋላ እኳ ኣማኑኤል ብዚብል ስም ይጽዋዕ እንተ ዘይነበረ: ከም ሰብ ኰይኑ ዘሕለፎ ህይወት ምስ ትርጕም ናይታ ስም ዚሰማማዕ ብኸመይ እዩ፧ (ማቴ. 1:22, 23፣ ዮሃ. 14:8-10፣ እብ. 1:1-3)
ዛንታ መበል 85
የሱስ ኣብ ደምበ ተወልደ
ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ህጻን መን እዩ: ማርያምከ ኣብ ምንታይ እያ ኣደቂሳቶ ዘላ፧
የሱስ ኣብ ደንበ ምስ እንስሳታት እተወልደ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብዚ ስእሊ ትርእዮ ኸም ዘሎኻ: ናብቲ ደንበ ዚኣትዉ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም: ሓደ መልኣኽከ እንታይ እዩ ዝነገሮም፧
የሱስ ፍሉይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
የሱስ ወዲ ኣምላኽ ኪበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ሉቃስ 2:1-20 ኣንብብ።
ቄሳር ኣውጉስጦስ ብዛዕባ ምውላድ ክርስቶስ ዚገልጽ ትንቢት ኣብ ምፍጻም እንታይ ግደ እዩ ዝነበሮ፧ (ሉቃ. 2:1-4፣ ሚክ. 5:2)
ሓደ ሰብ ኣብ ሞንጎ እቶም “ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ሉቃ. 2:14፣ ማቴ. 16:24፣ ዮሃ. 17:3፣ ግብ. 3:19፣ እብ. 11:6)
እቶም ትሑታት ኣይሁዳውያን ጓሶት መድሓኒ ብምውላዱ ኻብ ተሓጐሱ: እንታይ ዝዓበየ ዜሐጕስ ምኽንያት እዩ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚህልዎም፧ (ሉቃ. 2:10, 11፣ ኤፌ. 3:8, 9፣ ራእ. 11:15፣ 14:6)
ዛንታ መበል 86
ብኰዀብ እተመርሑ ሰባት
እዞም ኣብ ስእሊ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም: ሓደ ኻብቶም ሰባት ናብቲ ድሙቕ ኰዀብ ዜመልክት ዘሎኸ ስለምንታይ እዩ፧
ንጉስ ሄሮድስ ዝሰንበደ ስለምንታይ እዩ: እንታይከ እዩ ዝገበረ፧
እቲ ድሙቕ ኰዀብ ነቶም ሰባት ናበይ እዩ ዝመርሖም: ናብ ሃገሮም ብኻልእ መገዲ እተመልሱ ግን ስለምንታይ እዮም፧
ሄሮድስ እንታይ ትእዛዝ እዩ ዝሃበ: ስለምንታይከ፧
የሆዋ ንዮሴፍ እንታይ ኪገብር እዩ ነጊርዎ፧
ነዚ ጋሻ ዝዀነ ኰዀብ ከም ዚመጽእ ዝገበረ መን እዩ: ስለምንታይከ፧
ተወሳኺ ሕቶ:-
ማቴዎስ 2:1-23 ኣንብብ።
እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንየሱስ ኪበጽሑዎ ኸለዉ የሱስ ወዲ ኽንደይ ዓመት እዩ ነይሩ: ኣበይከ እዩ ዚነብር ነይሩ፧ (ማቴ. 2:1, 11, 16)
ዛንታ መበል 87
መንእሰይ የሱስ ኣብ ቤት መቕደስ
ኣብዚ ስእሊ እዚ የሱስ ወዲ ኽንደይ ዓመት እዩ ነይሩ: ኣበይከ እዩ ዘሎ፧
ዮሴፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ምስ ስድራቤቱ እንታይ እዩ ዚገብር ዝነበረ፧
ዮሴፍን ማርያምን ናብ ገዛኦም ንምምላስ መገዲ ሓደ መዓልቲ ምስ ተጓዕዙ ናብ የሩሳሌም እተመልሱ ስለምንታይ እዮም፧
ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ኣበይ እዮም ረኺቦምዎ: እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት እተገረሙኸ ስለምንታይ እዮም፧
የሱስ ነዲኡ ማርያም እንታይ እዩ ዝበላ፧
ብዛዕባ ኣምላኽ ብምምሃር ዝመጸ ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ሉቃስ 2:41-52 ኣንብብ።
ዋላ እኳ እቲ ሕጊ: ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ኣብቲ ዓመታዊ በዓል ኪካፈሉ ዚእዝዝ እንተ ነበረ: ሎሚ ወለዲ ኻብ ዮሴፍን ማርያምን እንታይ ሰናይ ኣብነት እዮም ኪመሃሩ ዚኽእሉ፧ (ሉቃ. 2:41፣ ዘዳ. 16:16፣ 31:12፣ ምሳ. 22:6)
የሱስ: ሎሚ ንዘለዉ መንእሰያት ንወለዶም ንኺእዘዙ ጽቡቕ ኣብነት ዝገደፈ ብኸመይ እዩ፧ (ሉቃ. 2:51፣ ዘዳ. 5:16፣ ምሳ. 23:22፣ ቈሎ. 3:20)
ማቴዎስ 13:53-56 ኣንብብ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየኖት ኣርባዕተ ኣሕዋት ክርስቶስ እዮም እተጠቕሱ: ካብኣቶም እቶም ክልተ ጸኒሖም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘገልገሉኸ ብኸመይ እዮም፧ (ማቴ. 13:55፣ ግብ. 12:17፣ 15:6, 13፣ 21:18፣ ገላ. 1:19፣ ያእ. 1:1፣ ይሁዳ 1)
ዛንታ መበል 88
ዮሃንስ ንየሱስ የጠምቖ
እዞም ኣብ ስእሊ እትርእዮም ዘሎኻ ኽልተ ሰብኡት እንታዎት እዮም፧
ሓደ ሰብ ብኸመይ እዩ ዚጥመቕ፧
ዮሃንስ ንመን እዩ ዜጠምቕ ነይሩ፧
የሱስ ንዮሃንስ ከጠምቖ ዝሓተቶ ንምንታይ ፍሉይ ምኽንያት እዩ፧
ኣምላኽ: የሱስ ብምጥማቑ ኸም እተሓጐሰ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
የሱስ ን40 መዓልትታት ናብ ጽምዊ ቦታ ምስ ከደ እንታይ ኣጋጠሞ፧
እቶም ናይ መጀመርታ ሰዓብቲ ወይ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መነ መን እዮም: እቲ ናይ መጀመርታ ተኣምራቱኸ እንታይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ማቴዎስ 3:13-17 ኣንብብ።
ብዛዕባ ምጥማቕ ዝመጸ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኣብነት እዩ ዝገደፈ፧ (መዝ. 40:7, 8፣ ማቴ. 28:19, 20፣ ሉቃ. 3:21, 22)
ማቴዎስ 4:1-11 ኣንብብ።
እቲ የሱስ ዘርኣዮ ውሕሉል ኣጠቓቕማ ቕዱሳት ጽሑፋት ስርዓታውያን ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ዜተባብዓና ብኸመይ እዩ፧ (ማቴ. 4:5-7፣ 2 ጴጥ. 3:17, 18፣ 1 ዮሃ. 4:1)
ዮሃንስ 1:29-51 ኣንብብ።
ዮሃንስ መጥምቕ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ መን እዩ መሪሕዎም: ነዚ ኽንቀድሖ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ (ዮሃ. 1:29, 35, 36፣ 3:30፣ ማቴ. 23:10)
ዮሃንስ 2:1-12 ኣንብብ።
እታ የሱስ ዝገበራ ናይ መጀመርታ ተኣምራት: የሆዋ ነገልገልቱ ዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ነገር ከም ዘይከልኦም እተርኢ ብኸመይ እያ፧ (ዮሃ. 2:9, 10፣ መዝ. 84:11፣ ያእ. 1:17)
ዛንታ መበል 89
የሱስ ቤት መቕደስ የጽሪ
ኣብቲ ቤት መቕደስ እንስሳታት ዚሽየጡ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧
ንየሱስ ዜሕረቖ እንታይ እዩ፧
ኣብዚ ስእሊ ትርእዮ ኸም ዘለኻ የሱስ እንታይ እዩ ዝገበረ: ነቶም ረጋቢት ዝሸጡ ዝነበሩ ሰባትከ እንታይ ኢሉ እዩ ዝኣዘዞም፧
ሰዓብቲ የሱስ ነቲ ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ: እንታይ እዮም ዝዘከሩ፧
የሱስ ናብ ገሊላ ኽጓዓዝ ከሎ በየናይ ኣውራጃ እዩ ዝሓለፈ፧
ተወሳኺ ሕቶ:-
ዮሃንስ 2:13-25 ኣንብብ።
ነቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ እቶም ሸረፍቲ ዘርኣዮ ሕርቃን ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንግዳዊ ንጥፈታት ብዛዕባ ምፍጻም እንታይ ዓይነት ቅኑዕ ኣረኣእያ እዩ ኺህሉ ዘለዎ፧ (ዮሃ. 2:15, 16፣ 1 ቈረ. 10:24, 31-33)
ዛንታ መበል 90
ኣብ ዔላ ምስታ ሰበይቲ
የሱስ ኣብ ሰማርያ ኣብ ጥቓ ዔላ ጕዕዞኡ ዘቋረጸ ስለምንታይ እዩ: ኣብኡኸ ንሓንቲ ሰበይቲ እንታይ እዩ ዝበላ፧
እታ ሰበይቲ እተገረመት ስለምንታይ እያ: የሱስ እንታይ እዩ ዝበላ: ስለምንታይከ፧
እታ ሰበይቲ: የሱስ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ማይ ዚዛረብ ዘሎ እዩ ዝመሰላ: ንሱ ግን ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ማይ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧
እታ ሰበይቲ በቲ የሱስ ብዛዕባኣ ዚፈልጦ ዝነበረ ነገራት እተገረመት ስለምንታይ እያ: ነዚኸ ብኸመይ ፈለጦ፧
ካብ ጸብጻብ እታ ኣብ ዔላ ዝነበረት ሰበይቲ እንታይ ንመሃር፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዮሃንስ 4:5-43 ኣንብብ።
ናይ የሱስ ኣብነት ብምስዓብ ካባና ንእተፈለየ ዘርእን ማሕበራዊ ኣነባብራን ንዘለዎም ሰባት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧ (ዮሃ. 4:9፣ 1 ቈረ. 9:22፣ 1 ጢሞ. 2:3, 4፣ ቲቶ. 2:11)
ሓደ ሰብ ናይ የሱስ ወደ መዝሙር ብምዃን ዚረኽቦ መንፈሳዊ ረብሓታት እንታይ እዩ፧ (ዮሃ. 4:14፣ ኢሳ. 58:11፣ 2 ቈረ. 4:16)
ልክዕ ከምታ ነቲ እተማህረቶ ንምክፋል ህንጥይቲ ዝነበረት ሳምራዊት ሰበይቲ ንሕናውን ሞሳና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ዮሃ. 4:7, 28፣ ማቴ. 6:33፣ ሉቃ. 10:40-42)
ዛንታ መበል 91
የሱስ ኣብ ከረን ይምህር
ኣብዚ ስእሊ: የሱስ ኣበይ ኰይኑ እዩ ዚምህር ዘሎ: እቶም ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢሎም ዘለዉኸ እንታዎት እዮም፧
እቶም 12 ሃዋርያት የሱስ መነ መን ይበሃሉ፧
እታ የሱስ ዚሰብከላ ዝነበረ መንግስቲ እንታይ እያ፧
የሱስ ነቶም ህዝቢ እንታይ ኢሎም ኪጽልዩ እዩ ዝመሃሮም፧
የሱስ ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ብኸመይ ኪመላለሱ ኸም ዘለዎም እንታይ ኢሉ እዩ ዝመሃረ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ማቴዎስ 5:1-12 ኣንብብ።
መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየና ኸም እንግንዘብ ከነርኢ እንኽል ብኸመይ ኢና፧ (ማቴ. 5:3፣ ሮሜ 10:13-15፣ 1 ጢሞ. 4:13, 15, 16)
ማቴዎስ 5:21-26 ኣንብብ።
ማቴዎስ 5:23, 24 ምስ ኣሕዋትና ዘሎና ርክብ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከም ዚትንክፎ እተጕልሕ ብኸመይ እያ፧ (ማቴ. 6:14, 15፣ መዝ. 133:1፣ ቈሎ. 3:13፣ 1 ዮሃ. 4:20)
ማቴዎስ 6:1-8 ኣንብብ።
ክርስትያናት ከርሕቕዎ ዘለዎም ገለ ኣገባባት ርእስኻ ምጽዳቕ እንታይ እዩ፧ (ሉቃ. 18:11, 12፣ 1 ቈረ. 4:6, 7፣ 2 ቈረ. 9:7)
ማቴዎስ 6:25-34 ኣንብብ።
ብስጋዊ ነገራት ዝመጸ ኣብ የሆዋ ኽንኣምን ኣድላዪ ምዃኑ የሱስ እንታይ ኢሉ እዩ ዝመሃረ፧ (ዘጸ. 16:4፣ መዝ. 37:25፣ ፊል. 4:6)
ማቴዎስ 7:1-11 ኣንብብ።
እቲ ኣብ ማቴዎስ 7:5 ዚርከብ ንጹር ምስላ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ (ምሳ. 26:12፣ ሮሜ 2:1፣ 14:10፣ ያእ. 4:11, 12)
ዛንታ መበል 92
የሱስ ምዉታት የተንስእ
ኣቦ እዛ ኣብዚ ስእሊ ዘላ ጓል መን እዩ: ንሱን ሰበይቱን ኣዝዮም እተሻቐሉኸ ስለምንታይ እዮም፧
ያኢሮስ ንየሱስ ምስ ረኸቦ እንታይ እዩ ዝገበረ፧
የሱስ ናብ ቤት ያኢሮስ ኪኸይድ ከሎ እንታይ ኣጋጠመ: ኣብቲ መገዲኸ ንያኢሮስ እንታይ ዚብል መልእኽቲ እዩ ዝመጾ፧
ኣብ ቤት ያኢሮስ ዝነበሩ ሰባት ንየሱስ ዝሰሓቕዎ ስለምንታይ እዮም፧
የሱስ ንኣቦ እታ ጓልን ነዲኣን ሰለስተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ሒዙ ናብቲ እታ ጓል ዝነበረቶ ኽፍሊ ምስ ኣተወ: እንታይ እዩ ዝገበረ፧
የሱስ ዜተንስኦም ካልኦት ሰባት መነ መን እዮም: እዚኸ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ሉቃስ 8:40-56 ኣንብብ።
የሱስ ነታ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ዝነበረ ሰበይቲ ድንጋጽን ልእመትን ዘርኣያ ብኸመይ እዩ: ሎሚኸ ክርስትያን ሽማግለታት ካብዚ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧ (ሉቃ. 8:43, 44, 47, 48፣ ዘሌ. 15:25-27፣ ማቴ. 9:12, 13፣ ቈሎ. 3:12-14)
ሉቃስ 7:11-17 ኣንብብ።
እቶም ዘፍቅርዎም ብሞት እተፈለይዎም ሰባት ካብቲ የሱስ ነታ ኣብ ናይን ዝነበረት መበለት ዘንጸባረቖ ባህርያት ዓብዪ ምጽንናዕ ኪረኽቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ሉቃ. 7:13፣ 2 ቈረ. 1:3, 4፣ እብ. 4:15)
ዮሃንስ 11:17-44 ኣንብብ።
የሱስ እተፍቅሮ ሰብ ኪመውት ከሎ ኽትሓዝን ባህርያዊ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ዮሃ. 11:33-36, 38፣ 2 ሳሙ. 18:33፣ 19:1-4)
ዛንታ መበል 93
የሱስ ብዙሓት ሰባት ይምግብ
ንዮሃንስ መጥምቕ እንታይ ዜሰንብድ ነገር ኣጋጠሞ: የሱስከ ኸመይ ተሰምዖ፧
የሱስ ነቶም ዝሰዓብዎ ህዝቢ ብኸመይ መገቦም: ክንደይ ዚኣክል ምግቢኸ ተረፈ፧
እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ ዚፈርሁ ስለምንታይ እዮም: ንጴጥሮስከ እንታይ እዩ ዘጋጠሞ፧
የሱስ ንኻልኣይ ግዜ ኣሽሓት ህዝቢ ዝመገበ ብኸመይ እዩ፧
የሱስ ከም ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኺገዝእ ከሎ ዜሐጕስ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ማቴዎስ 14:1-32 ኣንብብ።
ኣብ ማቴዎስ 14:23-32 ዚርከብ ጸብጻብ ብዛዕባ ናይ ጴጥሮስ ባህርያት እንታይ እዩ ዜብርሃልና፧
ቅዱሳት ጽሑፋት: ጴጥሮስ ብስለት ከም ዘጥረየን ነቲ ምስ ሃወኽ እተተሓሓዘ ባህርያቱ ኸም ዘመሓየሾን ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧ (ማቴ. 14:27-30፣ ዮሃ. 18:10፣ 21:7፣ ግብ. 2:14, 37-40፣ 1 ጴጥ. 5:6, 10)
ማቴዎስ 15:29-38 ኣንብብ።
የሱስ ኣቦኡ ንዝገበሮ ስጋዊ ምድላው ክብሪ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ማቴ. 15:37፣ ዮሃ. 6:12፣ ቈሎ. 3:15)
ዮሃንስ 6:1-21 ኣንብብ።
ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ንስልጣናት ብዛዕባ ምኽባር ኣብነት የሱስ ኪስዕቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ዮሃ. 6:15፣ ማቴ. 22:21፣ ሮሜ12:2፣ 13:1-4)
ዛንታ መበል 94
የሱስ ንኣሽቱ ቘልዑ ይፈቱ
እቶም ሃዋርያት ካብቲ ነዊሕ ጕዕዞ እናተመልሱ ኸለዉ ዘከራኽሮም ዝነበረ እንታይ እዩ፧
የሱስ ንእሽቶ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ሃዋርያት ደው ዘበሎ ስለምንታይ እዩ፧
እቶም ሃዋርያት ከም ቈልዑ ኪዀኑ ዝነበሮም በየናይ መገዲ እዮም፧
ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ: የሱስ ቈልዑ ኸም ዚፈቱ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ማቴዎስ 18:1-4 ኣንብብ።
የሱስ ኪምህር ከሎ ምስላታት እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧ (ማቴ. 13:34, 36፣ ማር. 4:33, 34)
ማቴዎስ 19:13-15 ኣንብብ።
በረኸታት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንረክብ ከመይ ዝበለ ናይ ቈልዑ ባህርያት ኢና ኸነንጸባርቕ ዘሎና፧ (መዝ. 25:9፣ 138:6፣ 1 ቈረ. 14:20)
ማርቆስ 9:33-37 ኣንብብ።
የሱስ ብዛዕባ ዝለዓለ ስልጣን ምድላይ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ እዩ ዝመሃሮም፧ (ማር. 9:35፣ ማቴ. 20:25, 26፣ ገላ. 6:3፣ ፊል. 2:5-8)
ማርቆስ 10:13-16 ኣንብብ።
የሱስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ተቐራቢ ዝነበረ: ክርስትያን ሽማግለታትከ ኻብ ናይ የሱስ ኣብነት እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧ (ማር. 6:30-34፣ ፊል. 2:1-4፣ 1 ጢሞ. 4:12)
ዛንታ መበል 95
የሱስ ዝምህረሉ ኣገባብ
ሓደ ሰብኣይ ንየሱስ እንታይ ኢሉ እዩ ዝሓተቶ: ስለምንታይከ፧
የሱስ ሓድሓደ ግዜ ኺምህር ከሎ እንታይ እዩ ዚጥቀም ነይሩ: ብዛዕባ ኣይሁዳውያንን ሳምራውያንንከ ኣቐዲምና እንታይ ኢና ተማሂርና ኔርና፧
ኣብታ የሱስ ዘዘንተዋ ዛንታ: እቲ ናብ ያሪኮ ዚኸይድ ዝነበረ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧
ኣይሁዳዊ ካህንን ሌዋውን በቲ መገዲ ምስ ሓለፉ እንታይ እዩ ዘጋጠመ፧
ኣብዚ ስእሊ: ነቲ እተወቕዐ ኣይሁዳዊ ዚሕግዞ ዘሎ መን እዩ፧
የሱስ ነቲ ዛንታ ነጊሩ ድሕሪ ምውዳኡ: እንታይ ሕቶ እዩ ዝሓተተ: እቲ ሰብኣይከ ብኸመይ መለሸሉ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ሉቃስ 10:25-37 ኣንብብ።
የሱስ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ዚምልስ: ነቲ ፈላጥ ሕጊ ኸም ዚምልስ ዝገበሮ ብኸመይ እዩ፧ (ሉቃ. 10:26፣ ማቴ. 16:13-16)
የሱስ ምስላታት ብምጥቃም ንሰማዕቱ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህሪ ኼወግዱ ዝመሃሮም ብኸመይ እዩ፧ (ሉቃ. 10:36, 37፣ 18:9-14፣ ቲቶ. 1:9)
ዛንታ መበል 96
የሱስ ሕሙማት የሕዊ
የሱስ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኺጓዓዝ ከሎ እንታይ እዩ ዝገበረ፧
የሱስ ካብ ዚጥመቕ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት: ንሃዋርያቱ እንታይ ኢሉ እዩ ዝነገሮም፧
ኣብዚ ስእሊ እትርእዮም ዘለኻ ሰባት እንታዎት እዮም: የሱስከ ነዛ ሰበይቲ እንታይ እዩ ዝገበረላ፧
እቶም ተቓወምቲ መራሕቲ ሃይማኖት በቲ የሱስ ዝሃቦም መልሲ ዝሓፈሩ ስለምንታይ እዮም፧
የሱስን ሃዋርያቱን ካብ ከተማ ያሪኮ ውጽእ ምስ በሉ: የሱስ ንኽልተ ዕውራት ለመንቲ እንታይ እዩ ዝገበረሎም፧
የሱስ ተኣምራት ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ማቴዎስ 15:30, 31 ኣንብብ።
እንታይ ዜደንቕ ሓይሊ የሆዋ እዩ ብየሱስ ኣቢሉ እተራእየ: ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ሓዳስ ዓለም ዝሃበና መብጽዓ ዘሎና ምርዳእከ ብኸመይ እዩ ዚትንክፎ፧ (መዝ. 37:29፣ ኢሳ. 33:24)
ሉቃስ 13:10-17 ኣንብብ።
የሱስ ገለ ኻብቲ ዝገበሮ ዝዓበየ ተኣምራት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምፍጻሙ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ተመሳሳሊ ዕረፍቲ ኸም ዜምጽእ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ሉቃ. 13:10-13፣ መዝ. 46:9፣ ማቴ. 12:8፣ ቈሎ. 2:16, 17፣ ራእ. 21:1-4)
ማቴዎስ 20:29-34 ኣንብብ።
እዚ ጸብጻብ እዚ የሱስ ንሰባት ንምሕጋዝ ግዜ ይስእን ከም ዘይነበረ ዜርኢ ብኸመይ እዩ: ካብዚኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ዘዳ. 15:7፣ ያእ. 2:15, 16፣ 1 ዮሃ. 3:17)
ዛንታ መበል 97
የሱስ ከም ንጉስ ኰይኑ ይመጽእ
የሱስ ናብ ሓንቲ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም ዘላ ንእሽቶ ቝሸት ምስ መጸ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዝነገሮም፧
ኣብዚ ስእሊ የሱስ ናብ ጥቓ የሩሳሌም ምስ በጽሐ እንታይ ኣጋጠመ፧
የሱስ ነቶም ኣብ ቤት መቕደስ ዝነበሩ ዕዉራትን ድኑሳትን ምስ ኣሕወዮም እቶም ቈልዑ እንታይ እዮም ዝበሉ፧
የሱስ ነቶም እተቘጥዑ ካህናት እንታይ እዩ ዝበሎም፧
ከምዞም ንየሱስ ዝወደሱ ቘልዑ ኽንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪፈልጥዎ ዝደለዩ ነገር እንታይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ማቴዎስ 21:1-17 ኣንብብ።
የሱስ ከም ንጉስ ኰይኑ ናብ የሩሳሌም ምእታዉ ኻብቶም ኣብ ግዜ ሮሜ ዝነበሩ እተዓወቱ ጀነራላት ዘርእይዎ ባህርያት ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧ (ማቴ. 21:4, 5፣ ዘካ. 9:9፣ ፊል. 2:5-8፣ ቈሎ. 2:15)
መንእሰያት ካብቶም የሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኪኣቱ ኸሎ ኻብ መዝሙር 118 ጠቒሶም ንየሱስ ዝወደሱ እስራኤላውያን ቈልዑ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧ (ማቴ. 21:9, 15፣ መዝ. 118:25, 26፣ 2 ጢሞ. 3:15፣ 2 ጴጥ. 3:18)
ዮሃንስ 12:12-16 ኣንብብ።
እቶም ንየሱስ ዚውድስዎ ዝነበሩ ሰባት ጨነፍር ስየ ምሓዞም እንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ዮሃ. 12:13፣ ፊል. 2:10፣ ራእ. 7:9, 10)
ዛንታ መበል 98
ኣብ ደብረ ዘይቲ
ኣብዚ ስእሊ: የሱስ ኣየናይ እዩ: እቶም ምስኡ ዘለዉኸ እንታዎት እዮም፧
ኣብቲ ቤት መቕደስ እቶም ካህናት ንየሱስ እንታይ ኪገብርዎ እዮም ዝፈተኑ: የሱስከ እንታይ በሎም፧
እቶም ሃዋርያት ንየሱስ እንታይ ኢሎም እዮም ሓቲቶምዎ፧
የሱስ ንሃዋርያቱ ገለ ኻብቲ ንሱ ኣብ ሰማይ ኪገዝእ ከሎ ኣብ ምድሪ ዚኸውን ነገራት ዝነገሮም ስለምንታይ እዩ፧
የሱስ ንእከይ ቅድሚ ምጥፋኡ ኣብ ምድሪ እንታይ ከም ዜጋጥም እዩ እተዛረበ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ማቴዎስ 23:1-39 ኣንብብ።
ዋላ እኳ ቕዱሳት ጽሑፋት ዓለማዊ መዓርጋት ምጥቃም ግቡእ ምዃኑ እንተ ጠቐሰ: ኣብ ማቴዎስ 23:8-11 ዚርከብ ቃላት የሱስ ግን ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤ ናይ ሻሕራ መዓርግ ብዛዕባ ምጥቃም እንታይ ይብል፧ (ግብ. 26:25፣ ሮሜ 13:7፣ 1 ጴጥ. 2:13, 14)
ፈሪሳውያን ነቶም ህዝቢ ክርስትያን ንኸይኰኑ ንምኽልካል እንታይ እዮም እተጠቕሙ: ኣብዚ ዘመናዊ ግዜኸ መራሕቲ ሃይማኖት ከመይ ዝበለ ተመሳሳሊ ሜላ እዮም ዚጥቀሙ ዘለዉ፧ (ማቴ. 23:13፣ ሉቃ. 11:52፣ ዮሃ. 9:22፣ 12:42፣ 1 ተሰ. 2:16)
ማቴዎስ 24:1-14 ኣንብብ።
ኣብ ማቴዎስ 24:13 ትዕግስቲ ኣድላዪት ምዃና ዝጐልሐት ብኸመይ እያ፧
ኣብ ማቴዎስ 24:13 ዘሎ “ኽሳዕ መወዳእታ” ዚብል መግለጺ እንታይ ማለት እዩ፧ (ማቴ. 16:27፣ ሮሜ 14:10-12፣ 2 ቈረ. 5:10)
ማርቆስ 13:3-10 ኣንብብ።
እንታይ ኣብ ማርቆስ 13:10 ዚርከብ መግለጺ እዩ እቲ ብስራት ብህጹጽ ኪስበኽ ከም ዘለዎ ዜርኢ: ቃላት የሱስከ ብኸመይ እዩ ኺትንክፈና ዘለዎ፧ (ሮሜ 13:11, 12፣ 1 ቈረ. 7:29-31፣ 2 ጢሞ. 4:2)
ዛንታ መበል 99
ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ዝነበረት ክፍሊ
ኣብዚ ስእሊ ይረአ ኸም ዘሎ የሱስን እቶም 12 ሃዋርያቱን ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧
እቲ ዚወጽእ ዘሎ ሰብኣይ መን እዩ: እንታይ ኪገብርከ እዩ ዚኸይድ ዘሎ፧
የሱስ በዓል ፋስጋ ኣብዒሎም ምስ ወድኡ እንታይ ፍልይ ዝበለ ድራር እዩ ዝጀመረ፧
በዓል ፋስጋ ንእስራኤላውያን እንታይ እዩ ዜዘክሮም: እዚ ፍልይ ዝበለ ድራርከ ንሰዓብቲ የሱስ እንታይ እዩ ዜዘኻኽሮም፧
ድራር ጐይታ ድሕሪ ምብልዖም የሱስ ንሃዋርያቱ እንታይ እዩ ዝነገሮም: እንታይከ እዮም ዝገበሩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ማቴዎስ 26:14-30 ኣንብብ።
ማቴዎስ 26:15 ይሁዳ ንየሱስ ኰነ ኢሉ ኸም ዝኸሓዶ እተርኢ ብኸመይ እያ፧
እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ንምንታይ ድርብ ዕላማ እዩ ዜገልግል፧ (ማቴ. 26:27, 28፣ ኤር. 31:31-33፣ ኤፌ. 1:7፣ እብ. 9:19, 20)
ሉቃስ 22:1-39 ኣንብብ።
ሰይጣን ናብ ይሁዳ ዝኣተወ ብኸመይ እዩ፧ (ሉቃ. 22:3፣ ዮሃ. 13:2፣ ግብ. 1:24, 25)
ዮሃንስ 13:1-20 ኣንብብ።
ነቲ ኣብ ዮሃንስ 13:2 ዘሎ ጸብጻብ ኣብ ግምት ብምእታው ይሁዳ በቲ ዝገበሮ ነገር ኪሕተት ይግብኦዶ: ኣገልገልቲ ኣምላኽከ ኻብዚ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧ (ዘፍ. 4:7፣ 2 ቈረ. 2:11፣ ገላ. 6:1፣ ያእ. 1:13, 14)
የሱስ እንታይ ብግብሪ እተሰነየ ትምህርቲ እዩ ዝሃበ፧ (ዮሃ. 13:15፣ ማቴ. 23:11፣ 1 ጴጥ. 2:21)
ዮሃንስ 17:1-26 ኣንብብ።
የሱስ ሰዓብቱ “ሓደ” ኪዀኑ ዝጸለየ በየናይ መገዲ እዩ፧ (ዮሃ. 17:11, 21-23፣ ሮሜ 13:8፣ 14:19፣ ቈሎ. 3:14)
ዛንታ መበል 100
የሱስ ኣብቲ ጀርዲን
የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብቲ ኣብ ላዕላዋይ ደርቢ ዝነበረ ኽፍሊ ምስ ወጹ ናበይ እዮም ዚኸዱ: እንታይ ኪገብሩኸ እዩ ዝነገሮም፧
የሱስ ናብቲ ሃዋርያት ዝነበርዎ ምስ ተመልሰ እንታይ ኪገብሩ እዮም ጸኒሖምዎ: ክንደይ ግዜኸ እዮም ከምኡ ዝገበሩ፧
ናብቲ ጀርዲን ዝኣተዉ መን እዮም: ኣብዚ ስእሊ ትርእዮ ኸም ዘለኻከ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ እንታይ እዩ ዝገበረ፧
ይሁዳ ንየሱስ ዝሰዓሞ ስለምንታይ እዩ: ጴጥሮስከ እንታይ እዩ ዝገበረ፧
የሱስ ንጴጥሮስ እንታይ እዩ ዝበሎ: ንኣምላኽ መላእኽቲ ኺሰደሉ ዘይለመኖ ግን ስለምንታይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ማቴዎስ 26:36-56 ኣንብብ።
የሱስ ንሰዓብቱ ንምምዓድ እተጠቕመሉ ኣገባብ: ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ሰናይ ኣብነት ኪዀኖም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ማቴ. 20:25-28፣ 26:40, 41፣ ገላ. 5:17፣ ኤፌ. 4:29, 31, 32)
የሱስ ስጋዊ ኣጽዋር ተጠቒምካ ሰብ ምቕታል ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧ (ማቴ. 26:52፣ ሉቃ. 6:27, 28፣ ዮሃ. 18:36)
ሉቃስ 22:39-53 ኣንብብ።
የሱስ ኣብ ጀርዲን ናይ ጌቴሴማኔ ኸሎ ሓደ ዘበራትዖ መልኣኽ ምምጻኡ ኻብ እምነቱ ሰንከልከል ኢሉ ኸም ዝነበረ ዜመልክት ድዩ፧ ግለጽ። (ሉቃ. 22:41-43፣ ኢሳ. 49:8፣ ማቴ. 4:10, 11፣ እብ. 5:7)
ዮሃንስ 18:1-12 ኣንብብ።
የሱስ ንሰዓብቱ ኻብ ተጻረርቱ ዜዕቆቦም ብኸመይ እዩ: ካብዚ ኣብነት እዚኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ዮሃ. 10:11, 12፣ 18:1, 6-9፣ እብ. 13:6፣ ያእ. 2:25)
ዛንታ መበል 101
የሱስ ተቐትለ
ብሞት የሱስ ቀንዲ ተሓታቲ መን እዩ፧
የሱስ ናብቶም መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ተወስደ እቶም ሃዋርያት እንታይ እዮም ዝገበሩ፧
ኣብ ቤት ናይቲ ሽዑ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፋ እንታይ ኣጋጠመ፧
ጴጥሮስ ወጺኡ ዝበኸየ ስለምንታይ እዩ፧
የሱስ ናብ ጲላጦስ ምስ ተመልሰ: እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት እንታይ ኢሎም እዮም ዝጨደሩ፧
ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ የሱስ እንታይ እዩ ዝዀነ: ነቲ ምስኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ገበነኛኸ እንታይ ኢሉ እዩ እተመባጽዓሉ፧
እታ የሱስ እተዛረበላ ገነት ቦታኣ ኣበይ እያ ኽትከውን፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ማቴዎስ 26:57-75 ኣንብብ።
እቶም ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ እኩያት ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (ማቴ. 26:59, 67, 68)
ማቴዎስ 27:1-50 ኣንብብ።
ይሁዳ ዘርኣዮ ጣዕሳ ናይ ሓቂ ኣይኰነን ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ማቴ. 27:3, 4፣ ማር. 3:29፣ 14:21፣ 2 ቈረ. 7:10, 11)
ሉቃስ 22:54-71 ኣንብብ።
ካብቲ ጴጥሮስ ኣብታ የሱስ እተኻሕደላን እተታሕዘላን ለይቲ ኣይፈልጦን እየ ኢሉ ኣሉ ምባሉ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንመሃር፧ (ሉቃ. 22:60-62፣ ማቴ. 26:31-35፣ 1 ቈረ. 10:12)
ሉቃስ 23:1-49 ኣንብብ።
የሱስ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ እተፈጸመ ዘይፍትሓዊ ተግባር ብኸመይ መለሰሉ: ንሕናኸ ኻብዚ እንመሃሮ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧ (ሉቃ. 23:33, 34፣ ሮሜ 12:17-19፣ 1 ጴጥ. 2:23)
ዮሃንስ 18:12-40 ኣንብብ።
ጴጥሮስ ዋላ እኳ ንግዜኡ ብፍርሂ ሰብ እንተ ለመሰ: ደሓር ግን ብሉጽ ሃዋርያ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ዮሃ. 18:25-27፣ 1 ቈረ. 4:2፣ 1 ጴጥ. 3:14, 15፣ 5:8, 9)
ዮሃንስ 19:1-30 ኣንብብ።
የሱስ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ከመይ ዝበለ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ዝነበሮ፧ (ዮሃ. 2:1, 2, 9, 10፣ 19:23, 24፣ ማቴ. 6:31, 32፣ 8:20)
እተን የሱስ ብድኹም ድምጺ ዜውጸአን ቃላት ልዑላውነት የሆዋ ኸም ዘኽበረ ዚገልጻ ብኸመይ እየን፧ (ዮሃ. 16:33፣ 19:30፣ 2 ጴጥ. 3:14፣ 1 ዮሃ. 5:4)
ዛንታ መበል 102
የሱስ ህያው እዩ
እዛ ኣብ ስእሊ ዘላ ሰበይቲ እንታወይቲ እያ: እዞም ክልተ ሰብኡትከ እንታዎት እዮም: ኣበይከ እዮም ዘለዉ፧
ጲላጦስ ነቶም ካህናት ወተሃደራት ልኢኾም ንመቓብር የሱስ ኪሕልዉዎ ዝሰደደ ስለምንታይ እዩ፧
መልኣኽ የሆዋ: የሱስ ምስ ሞተ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንታይ እዩ ዝገበረ: እቶም ካህናት ግን እንታይ እዮም ዝገበሩ፧
እተን ናብ መቓብር የሱስ ዚመጻ ኣንስቲ ዝሰንበዳ ስለምንታይ እየን፧
ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብቲ መቓብር ዝጐየዩ ስለምንታይ እዮም: ኣብኡኸ እንታይ ረኸቡ፧
እቲ ናይ የሱስ ሬሳ እንታይ ኰነ: ንደቀ መዛሙርቱ ህያው ምዃኑ ምእንቲ ኼርእዮም ግን እንታይ እዩ ዝገበረ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ማቴዎስ 27:62-66 ከምኡውን 28:1-15 ኣንብብ።
የሱስ ኣብ ዝተንስኣሉ እዋን: እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ዓበይቲ ዓድን ኣንጻር መንፈስ ቅዱስ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ብኸመይ እዮም፧ (ማቴ. 12:24, 31, 32፣ 28:11-15)
ሉቃስ 24:1-12 ኣንብብ።
እቲ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ዚገልጽ ጸብጻብ የሆዋ ንኣንስቲ እሙናት ምስክር ገይሩ ኸም ዚርእየን ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧ (ሉቃ. 24:4, 9, 10፣ ማቴ. 28:1-7)
ዮሃንስ 20:1-12 ኣንብብ።
ዮሃንስ 20:8, 9 መፈጸምታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ እንተደኣ ዘይተረዲኡና ብዓቕሊ ኽንጽበ ኸም ዘሎና እተርኢ ብኸመይ እያ፧ (ምሳ. 4:18፣ ማቴ. 17:22, 23፣ ሉቃ. 24:5-8፣ ዮሃ. 16:12)
ዛንታ መበል 103
ናብ እተሸጐረ ክፍሊ ምእታው
ማርያም ነቲ ሓላዊ ጀርዲን ዝመሰላ ሰብኣይ እንታይ እያ ዝበለቶ: ናይ ብሓቂ የሱስ ከም ዝዀነ ግን ብኸመይ ፈለጠት፧
ነቶም ናብ ኤማሁስ ዚኸዱ ዝነበሩ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ እንታይ እዩ ዘጓነፎም፧
እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ከም ዝረኣይዎ ነቶም ሃዋርያት ኪነግርዎም ከለዉ እንታይ ዜገርም ነገር እዩ ዘጋጠመ፧
የሱስ ንሰዓብቱ ኽንደይ ሳዕ እዩ እተራኣዮም፧
ቶማስ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንጐይታ ርኢናዮ ምስ በልዎ እንታይ እዩ ዝበለ: ሸሞንተ መዓልቲ ጸኒሑ ግን እንታይ እዩ ዘጋጠመ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዮሃንስ 20:11-29 ኣንብብ።
የሱስ ኣብ ዮሃንስ 20:23 ሰባት ሓጢኣት ኪሓድጉ ስልጣን ከም ዘለዎም ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ግለጽ። (መዝ. 49:2, 7፣ ኢሳ. 55:7፣ 1 ጢሞ. 2:5, 6፣ 1 ዮሃ. 2:1, 2)
ሉቃስ 24:13-43 ኣንብብ።
ልብና ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ተቐባሊ ምእንቲ ኪኸውን ከነዳልዎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ሉቃ. 24:32, 33፣ እዝ. 7:10፣ ማቴ. 5:3፣ ግብ. 16:14፣ እብ. 5:11-14)
ዛንታ መበል 104
የሱስ ናብ ሰማይ ይምለስ
ሓደ እዋን ንየሱስ ክንደይ ዚኣኽሉ ደቀ መዛሙርቲ ረኣይዎ: ብዛዕባ እንታይከ እዩ እተዛረቦም፧
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ: የሱስ ንጉስ ኰይኑ ንሽሕ ዓመት ኪገዝእ ከሎኸ ህይወት ኣብ ምድሪ እንታይ ኪመስል እዩ፧
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ተራእዮም: ሕጂ ግን እንታይ ኪገብር እዩ ግዚኡ ዝዀነ፧
የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቲ ቕድሚ ምፍላዩ: እንታይ ኪገብሩ እዩ ዝነገሮም፧
ኣብዚ ስእሊ እንታይ እዩ ዚርአ ዘሎ: ካብ ኣዒንቶም እተኸወለኸ ብኸመይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
1 ቈረንቶስ 15:3-8 ኣንብብ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ብምትእምማን ኪዛረብ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ: ሎሚኸ ክርስትያናት ብዛዕባ እንታይ እዮም ብምትእምማን ኪዛረቡ ዚኽእሉ፧ (1 ቈረ. 15:4, 7, 8፣ ኢሳ. 2:2, 3፣ ማቴ. 24:14፣ 2 ጢሞ. 3:1-5)
ግብሪ ሃዋርያት 1:1-11 ኣንብብ።
ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:8 ብትንቢት እተነግረ: እቲ ዕዮ ስብከት ክሳዕ ክንደይ እዩ እተዘርግሐ፧ (ግብ. 6:7፣ 9:31፣ 11:19-21፣ ቈሎ. 1:23)
ዛንታ መበል 105
ኣብ የሩሳሌም ኴንካ ምጽባይ
ኣብዚ ስእሊ ይረአ ኸም ዘሎ: ነቶም ኣብ የሩሳሌም ኰይኖም ዚጽበዩ ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ እንታይ እዩ ዘጋጠሞም፧
እቶም ንየሩሳሌም ኪበጽሑ ዝመጹ ኣጋይሽ እንታይ ዜገርም ነገር እዩ ዘጋጠሞም፧
ጴጥሮስ ነቶም ህዝቢ እንታይ ኢሉ እዩ ዝገለጸሎም፧
እቶም ሰባት ዘረባ ጴጥሮስ ምስ ሰምዑ እንታይ እዩ እተሰምዖም: እንታይ ኪገብሩኸ እዩ ዝነገሮም፧
ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት ተጠምቁ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ግብሪ ሃዋርያት 2:1-47 ኣንብብ።
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:23, 36 ዚርከብ ቃላት ጴጥሮስ ብምሉኦም ኣይሁድ ብሞት የሱስ ተሓተትቲ ምዃኖም ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (1 ተሰ. 2:14, 15)
ጴጥሮስ ንሰባት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒስካ ብዛዕባ ምርዳእ ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት ዝገደፈ ብኸመይ እዩ፧ (ግብ. 2:16, 17, 29, 31, 36, 39፣ ቈሎ. 4:6)
ጴጥሮስ ነቲ የሱስ ኪህቦ እተመባጽዓሉ ናይ መጀመርታ “መርሖታት መንግስተ ሰማያት” እተጠቕመላ ብኸመይ እዩ፧ (ግብ. 2:14, 22-24, 37, 38፣ ማቴ. 16:19)
ዛንታ መበል 106
ካብ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ወጹ
ጴጥሮስን ዮሃንስን ሓደ መዓልቲ ናብ ቤት መቕደስ እናኸዱ ኸለዉ እንታይ እዩ ዘጋጠሞም፧
ጴጥሮስ ነቲ ሓንካስ ሰብኣይ እንታይ እዩ ዝበሎ: ካብ ገንዘብ ዚበልጽከ እንታይ እዩ ዝሃቦ፧
እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝሓረቑ ስለምንታይ እዮም: ንጴጥሮስን ንዮሃንስንከ እንታይ እዮም ዝገበርዎም፧
ጴጥሮስ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት እንታይ እዩ ዝበሎም: ነቶም ሃዋርያትከ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ እተዋህቦም፧
እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዚቐንኡ ስለምንታይ እዮም: ነቶም ሃዋርያት ንኻልኣይ ግዜ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣእተውዎም ግን እንታይ እዩ ዘጋጠመ፧
እቶም ሃዋርያት ናብ ኣደራሽ ሳንሄድሪን ምስ ተወስዱ እንታይ ኢሎም መለሱ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ግብሪ ሃዋርያት 3:1-10 ኣንብብ።
ሽሕ እኳ ኣብዚ ግዜ እዚ ተኣምራት ክንፍጽም ሓይሊ እንተ ዘይተዋህበና: ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 3:6 ዚርከብ ቃላት ጴጥሮስ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ጥቕሚ ኸነማስወሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ዮሃ. 17:3፣ 2 ቈረ. 5:18-20፣ ፊል. 3:8)
ግብሪ ሃዋርያት 4:1-31 ኣንብብ።
ኣብ ኣገልግሎትና ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ: ኣብነት ናይቶም ኣብ ቀዳማይ-ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣሕዋትና ኽንቐድሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ግብ. 4:29, 31፣ ኤፌ. 6:18-20፣ 1 ተሰ. 2:2)
ግብሪ ሃዋርያት 5:17-42 ኣንብብ።
ገለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ኣብ ጥንቲ ይኹን ኣብዚ ግዜ እዚ: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ኣዎንታውያን ምዃኖም ዘርእዩ ብኸመይ እዮም፧ (ግብ. 5:34-39)
ዛንታ መበል 107
እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ተቐትለ
እስጢፋኖስ እንታዋይ እዩ: ኣምላኽከ እንታይ ኪገብር እዩ ዝሓገዞ፧
እስጢፋኖስ እንታይ ስለ ዝበለ እዩ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣዝዮም እተቘጥዑ፧
እቶም ሰባት ንእስጢፋኖስ ካብ ከተማ ምስ ኣውጽእዎ: እንታይ እዮም ዝገበርዎ፧
ኣብዚ ስእሊ እዚ: ጥቓ እቲ ኽዳውንቲ ደው ኢሉ ዘሎ መን እዩ፧
እስጢፋኖስ ቅድሚ ሙማቱ: ናብ የሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ ዝጸለየ፧
ናይ እስጢፋኖስ ኣብነት ብምቕዳሕ: ሓደ ሰብ ሕማቕ ነገር ምስ ዚገብረና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ግብሪ ሃዋርያት 6:8-15 ኣንብብ።
መራሕቲ ሃይማኖት ንዕዮ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደው ንምባል እንታይ መታለሊ ሜላታት እዮም ተጠቒሞም፧ (ግብ. 6:9, 11, 13)
ግብሪ ሃዋርያት 7:1-60 ኣንብብ።
እስቲጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ሳንሄድሪን ነቲ ብስራት ኣድማዒ ብዝዀነ መገዲ ንኺከላኸል ዝሓገዞ እንታይ እዩ: ካብዚ ኣብነት እዚኸ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ (ግብ. 7:51-53፣ ሮሜ 15:4፣ 2 ጢሞ. 3:14-17፣ 1 ጴጥ. 3:15)
ብዛዕባ እቶም ንዕዮና ዚጻረሩ ሰባት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኢና ኸነማዕብል ዘሎና፧ (ግብ. 7:58-60፣ ማቴ. 5:44፣ ሉቃ. 23:33, 34)
ዛንታ መበል 108
ኣብ መገዲ ደማስቆ
እስጢፋኖስ ድሕሪ ሙማቱ ሳውል እንታይ እዩ ዝገበረ፧
ሳውል ናብ ደማስቆ ኪኸይድ ከሎ: እንታይ ዜገርም ነገር እዩ እተፈጸመ፧
የሱስ ንሳውል እንታይ ኪገብር እዩ ዝነገሮ፧
የሱስ ንሃናንያ እንታይ ኪገብር እዩ ዝኣዘዞ: ሳውልከ እንደገና ኺርኢ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧
ሳውል እንታይ ተባሂሉ እዩ እተጸውዐ: ብኸመይ ዝበለ መገዲኸ እዩ ዝዓየየ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ግብሪ ሃዋርያት 8:1-4 ኣንብብ።
ነታ ሓዳስ ዝቖመት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘጋጠማ ማዕበል ስደት: ክርስትና ንምስፍሕፋሕ ዝሓገዘ ብኸመይ እዩ: ኣብዚ ዘመናዊ ግዜኸ እንታይ ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዘጋጠመ፧ (ግብ. 8:4፣ ኢሳ. 54:17)
ግብሪ ሃዋርያት 9:1-20 ኣንብብ።
የሱስ እንታይ ንሳውል ክህቦ ኣቐዲሙ ሓሲብዎ ዝነበረ ሰለስተ ዕዮታት እዩ ዝገለጸ፧ (ግብ. 9:15፣ 13:5፣ 26:1፣ 27:24፣ ሮሜ 11:13)
ግብሪ ሃዋርያት 22:6-16 ኣንብብ።
ንሃናንያ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና: እዚኸ ኣገዳሲ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ (ግብ. 22:12፣ 1 ጢሞ. 3:7፣ 1 ጴጥ. 1:14-16፣ 2:12)
ግብሪ ሃዋርያት 26:8-20 ኣንብብ።
ጳውሎስ ናብ ክርስትና ምልዋጡ ነቶም ሎሚ ዘይኣመንቲ መጻምድቲ ዘለዎም ሰባት ዜተባብዖም ብኸመይ እዩ፧ (ግብ. 26:11፣ 1 ጢሞ. 1:14-16፣ 2 ጢሞ. 4:2፣ 1 ጴጥ. 3:1-3)
ዛንታ መበል 109
ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስ ይበጽሖ
ኣብዚ ስእሊ ዚሰግድ ዘሎ ሰብኣይ መን እዩ፧
ሓደ መልኣኽ ንቆርኔሌዎስ እንታይ እዩ ዝበሎ፧
ጴጥሮስ ኣብ ዮጴ ኣብ ቤት ስምኦን ኣብ ናሕሲ ኸሎ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዘርኣዮ፧
ጴጥሮስ: ቆርኔሌዎስ ንኸይሰግደሉን ንኸየምልኾን ዝነገሮ ስለምንታይ እዩ፧
እቶም ምስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ደቀ መዛሙርቲ እተገረሙ ስለምንታይ እዮም፧
ካብቲ ጴጥሮስ ናብ ቆርኔሌዎስ ዝገበሮ ምብጻሕ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና ኽንመሃር ዘሎና፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ግብሪ ሃዋርያት 10:1-48 ኣንብብ።
እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 10:42 ዚርከብ ቃላት ጴጥሮስ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ (ማቴ. 28:19፣ ማር. 13:10፣ ግብ. 1:8)
ግብሪ ሃዋርያት 11:1-18 ኣንብብ።
የሆዋ ብዛዕባ ኣህዛብ ዘለዎ ኣረኣእያ ንጹር ምስ ኰነ ጴጥሮስ ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ዘንጸባረቐ: ኣብነቱ ኽንቀድሖ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ (ግብ. 11:17, 18፣ 2 ቈረ. 10:5፣ ኤፌ. 5:17)
ዛንታ መበል 110
ጢሞቴዎስ—ሓድሽ ሓጋዚ ጳውሎስ
እዚ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ መንእሰይ መን እዩ: ኣበይ እዩ ዚነብር: ኣዲኡን ዓባዩንከ መነ መን ይበሃላ፧
ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ ርሑቕ ቦታ ንዘለዉ ሰባት ንምስባኽ ምስኡን ምስ ሲላስን ዚኸይድ እንተ ዀይኑ ምስ ሓተቶ ጢሞቴዎስ እንታይ እዩ ዝበለ፧
ሰዓብቲ የሱስ ንመጀመርታ ግዜ ክርስትያናት ተባሂሎም እተጸዉዑ ኣበይ እዮም፧
ጳውሎስን ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ ልስጥራ ምስ ወጹ ዚበጽሕወን ገለ ኸተማታት ኣየኖት እየን፧
ጢሞቴዎስ ንጳውሎስ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ: ኣብዚ ግዜ እዚኸ መንእሰያት ንገዛእ ርእሶም እንታይ ኢሎም እዮም ኪሓቱ ዘለዎም፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ግብሪ ሃዋርያት 9:19-30 ኣንብብ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ብስራት ምጽራር ምስ ኣጋጠሞ ምስትውዓል ዘንጸባረቐ ብኸመይ እዩ፧ (ግብ. 9:22-25, 29, 30፣ ማቴ. 10:16)
ግብሪ ሃዋርያት 11:19-26 ኣንብብ።
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 11:19-21, 26 ዘሎ ጸብጻብ: መንፈስ የሆዋ ነቲ ዕዮ ስብከት ከም ዚመርሖን ዚቆጻጸሮን ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
ግብሪ ሃዋርያት 13:13-16, 42-52 ኣንብብ።
ግብሪ ሃዋርያት 13:51, 52 ንደቀ መዛሙርቲ ምጽራር ተስፋ ኸም ዘየቝረጾም እተርኢ ብኸመይ እያ፧ (ማቴ. 10:14፣ ግብ. 18:6፣ 1 ጴጥ. 4:14)
ግብሪ ሃዋርያት 14:1-6, 19-28 ኣንብብ።
እታ “ናብቲ . . . ጐይታ ኣማዕቘብዎም” እትብል መግለጺት ንሓደስቲ ሰባት ክንሕግዝ ከሎና እምብዛ ንኸይንጭነቕ እትድግፈና ብኸመይ እያ፧ (ግብ. 14:21-23፣ 20:32፣ ዮሃ. 6:44)
ግብሪ ሃዋርያት 16:1-5 ኣንብብ።
ጢሞቴዎስ ንኺግዘር ፍቓደኛ ምዃኑ “ዅሉ ምእንቲ ወንጌል” ኢሉ ይገብሮ ምንባሩ ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧ (ግብ. 16:3፣ 1 ቈረ. 9:23፣ 1 ተሰ. 2:8)
ግብሪ ሃዋርያት 18:1-11, 18-22 ኣንብብ።
ግብሪ ሃዋርያት 18:9, 10 የሱስ ነቲ ዕዮ ስብከት ይመርሖ ምንባሩ እንታይ እያ ትገልጽ: እዚኸ ሎሚ እንታይ ምትእምማን እዩ ዜሕድረልና፧ (ማቴ. 28:20)
ዛንታ መበል 111
እቲ ዝደቀሰ ወዲ
ኣብዚ ስእሊ እቲ ኣብ መሬት ደቂሱ ዘሎ ወዲ መን እዩ: እንታይከ እዩ ዀይኑ፧
ጳውሎስ እቲ ወዲ ኸም ዝሞተ ምስ ረኣየ እንታይ እዩ ዝገበረ፧
ጳውሎስ: ጢሞቴዎስ ከምኡውን እቶም ምስኦም ዚጓዓዙ ዝነበሩ ናበይ እዮም ዚኸዱ ነይሮም: ኣብ ሚሊጦስ ደው ምስ በሉኸ እንታይ እዩ ዘጋጠመ፧
ነብዪ ኣጋቦስ ንጳውሎስ እንታይ ኢሉ እዩ ዘጠንቀቖ: ከምቲ እቲ ነብዪ ዝበሎ ዘጋጠመኸ ብኸመይ እዩ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ግብሪ ሃዋርያት 20:7-38 ኣንብብ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:26, 27 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ ‘ካብ ደም ኵላቶም ሰባት ንጹሃት’ ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ህዝ. 33:8፣ ግብ. 18:6, 7)
ሽማግለታት ኪምህሩ ኸለዉ ‘በቲ እሙን ቃል ምህሮ ኺጸንዑ’ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ግብ. 20:17, 29, 30፣ ቲቶ. 1:7-9፣ 2 ጢሞ. 1:13)
ግብሪ ሃዋርያት 26:24-32 ኣንብብ።
ጳውሎስ ነቲ ዝነበሮ ሮማዊ ዜግነት ነቲ ኻብ የሱስ እተቐበሎ ናይ ምስባኽ ተልእኾ ንምፍጻም እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧ (ግብ. 9:15፣ 16:37, 38፣ 25:11, 12፣ 26:32፣ ሉቃ. 21:12, 13)
ዛንታ መበል 112
መርከብ ኣብ ሓንቲ ደሴት ተሰብረት
እታ ጳውሎስ ተሳፊሩላ ዝነበረ መርከብ ብጥቓ ደሴት ቅሬጥስ ክትሓልፍ ከላ እንታይ እዩ ዘጋጠማ፧
ጳውሎስ ነቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ኢሉ እዩ እተዛረቦም፧
እታ መርከብ እተሰባበረት ብኸመይ እያ፧
እቲ ሓለቓ ሰራዊት እንታይ መምርሒ እዩ ዝሃበ: ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባትከ እዮም ብድሓን ናብ ገምገም ዚበጽሑ፧
እታ ዚኣተዉዋ ደሴት መን ትበሃል: እቲ ማዕበል ምስ ሃድአ ጳውሎስ እንታይ እዩ ዝዀነ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ግብሪ ሃዋርያት 27:1-44 ኣንብብ።
ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ዝገበሮ ጕዕዞ ዚገልጽ ጸብጻብ ከነንብብ ከሎና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምትእምማን ዚውስኽ ብኸመይ እዩ፧ (ግብ. 27:16-19, 27-32፣ ሉቃ. 1:3፣ 2 ጢሞ. 3:16, 17)
ግብሪ ሃዋርያት 28:1-14 ኣንብብ።
እቶም ኣረማውያን ዝነበሩ ተቐማጦ መሊጠ ንሃዋርያ ጳውሎስን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ‘ኣዝዮም ካብ ደንገጹሎም’ ክርስትያናትከ እንታይ ከርእዩን በየናይ መገድ ከርእይዎን እዮም ኪድረኹ ዘለዎም፧ (ግብ. 28:1, 2፣ እብ. 13:1, 2፣ 1 ጴጥ. 4:9)
ዛንታ መበል 113
ጳውሎስ ኣብ ሮሜ
ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲርሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ንመን እዩ ዝሰበኸሎም፧
ኣብዚ ስእሊ: እቲ ኣብ ጣውላ ኾፍ ኢሉ ዘሎ ጋሻ መን እዩ: ንጳውሎስከ እንታይ እዩ ዚገብረሉ ዘሎ፧
ኤጳፍሮዲጦስ መን እዩ: ናብ ፊልጲ ኺምለስ ከሎኸ ምስኡ እንታይ እዩ እተማልአ፧
ጳውሎስ ናብቲ ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝዀነ ፊልሞን ደብዳበ ዝጸሓፈ ስለምንታይ እዩ፧
ጳውሎስ ናጻ ምስ ተሰደ እንታይ እዩ ዝገበረ: ጸኒሑኸ እንታይ እዩ ዘጓነፎ፧
የሆዋ ነታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽሓፍ ንመን እዩ እተጠቕመ: እታ ራእይ እትብል መጽሓፍከ ብዛዕባ እንታይ እያ እትዛረብ፧
ተወሳኺ ሕቶታት
ግብሪ ሃዋርያት 28:16-31 ከምኡውን ፊልጲ 1:13 ኣንብብ።
ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ ግዜኡ ብኸመይ ተጠቕመሉ: በታ ዝነበረቶ ዘይትነቓነቕ እምነትከ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ጽልዋ እዩ ዝገበረላ፧ (ግብ. 28:23, 30፣ ፊል. 1:14)
ፊልጲ 2:19-30 ኣንብብ።
ጳውሎስ ንጢሞቴዎስን ኤጳፍሮዲጦስን ኣመልኪቱ እንታይ ናይ ሞሳ መግለጺ እዩ ዜውስአ: ናይ ጳውሎስ ኣብነት ክንቀድሖ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ (ፊል. 2:20, 22, 25, 29, 30፣ 1 ቈረ. 16:18፣ 1 ተሰ. 5:12, 13)
ፊልሞን 1-25 ኣንብብ።
ጳውሎስ ንፊልሞን ቅኑዕ ዘበለ ኺገብር እተላበዎ ኣብ ምንታይ ተሞርኲሱ እዩ: እዚኸ ሎሚ ንሽማግለታት ከም መምርሒ ዀይኑ ዜገልግሎም ብኸመይ እዩ፧ (ፊሞ. 9፣ 2 ቈረ. 8:8፣ ገላ. 5:13)
እቲ ኣብ ፊልሞን 13, 14 ዚርከብ መግለጺ ጳውሎስ ንሕልና እቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት የኽብር ከም ዝነበረ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (1 ቈረ. 8:7, 13፣ 10:31-33)
2 ጢሞቴዎስ 4:7-9 ኣንብብ።
ልክዕ ከም ጳውሎስ: ክሳዕ መወዳእታ እሙናት እንተደኣ ዄንና የሆዋ ኸም ዚባርኸና ኽንተኣማመን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ማቴ. 24:13፣ እብ. 6:10)
ዛንታ መበል 114
መወዳእታ ዅሉ እከይ
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኣፍራስ ዚዛረብ ስለምንታይ እዩ፧
ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ እኩያት ሰባት ዚገብሮ ውግእ እንታይ ተባሂሉ ይጽዋዕ: ዕላማ ናይዚ ውግእ እዚኸ እንታይ እዩ፧
ኣብዚ ስእሊ ይረአ ኸም ዘሎ ናይቲ ውግእ መራሒ መን እዩ: ዘውዲ ገይሩ ዘሎ ስለምንታይ እዩ: እቲ ሒዝዎ ዘሎ ሴፍከ እንታይ እዩ ዜመልክት፧
ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ዛንታ መበል 10ን 15ን 33ን ተመሊስካ ምስ እትርኢ: ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ኬጥፍኦም ምዃኑ ምፍላጥና ኼገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ ዛንታ መበል 36 ከምኡውን 76 እዛ መጽሓፍ እዚኣ የሆዋ ነቶም ንኣምላኽ ነምልኽ ኢና ዚብሉ እኩያት ሰባት እውን ከይተረፈ ኸም ዜጥፍኦም ዘርእያ ብኸመይ እየን፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ራእይ 19:11-16 ኣንብብ።
ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ ኣብ ጻዕዳ ፈረስ ዘሎ ፈረሰኛ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ብንጹር ዘርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ራእ. 1:5፣ 3:14፣ 19:11፣ ኢሳ. 11:4)
እቲ ብደም እተዓለሰ ኽዳን የሱስ: ንሓደ ኣገዳስን ፍጹምን ዓወት ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ራእ. 14:18-20፣ 19:13)
የሱስ ኣብ ጻዕዳ ፈረስ ከሎ ዚስዕብዎ ሰራዊት መን እዮም፧ (ራእ. 12:7፣ 19:14፣ ማቴ. 25:31, 32)
ዛንታ መበል 115
ሓዳስ ገነት ኣብ ምድሪ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዚህሉ ዅነታት እዩ ዚጠቅስ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ኣብ ገነት ዚነብሩ ሰባት ሒዙሎም ዘሎ መብጽዓ እንታይ እዩ፧
የሱስ እዚ ዜደንቕ ለውጢ ኸም ዚህሉ ዚገብር መዓስ እዩ፧
የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኰነ እንታይ ከም ዚገብር እዩ ዘርኣየ፧
የሱስን እቶም ሰማያውያን መጋዝእቱን ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንምድሪ ኣብ ዚገዝኡሉ ግዜ እንታይ ከም ዚህሉ እዮም ዜረጋግጹ፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ራእይ 5:9, 10 ኣንብብ።
ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ዚገዝኡ ነገስታትን ካህናትን ሕያዎትን ደንገጽትን ምዃኖም ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ኤፌ. 4:20-24፣ 1 ጴጥ. 1:7፣ 3:8፣ 5:6-10)
ራእይ 14:1-3 ኣንብብ።
ስም እቲ ገንሸልን ስም ኣቦኡን ኣብ ግንባር እቶም 144,000 ምጽሓፉ እንታይ እዩ ዜመልክት፧ (1 ቈረ. 3:23፣ 2 ጢሞ. 2:19፣ ራእ. 3:12)
ዛንታ መበል 116
ንዘለኣለም ክንነብር እንኽእለሉ መገዲ
ንዘለኣለም ክንነብር ንደሊ እንተደኣ ዄንና እንታይ ክንፈልጥ እዩ ዜድልየና፧
ከምቲ ኣብዚ ስእሊ ትርአ ዘላ ንእሽቶ ጓልን መሓዙታን ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስን ክንመሃር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ኣብዚ ስእሊ እንታይ ካልእ መጽሓፍ ኢኻ እትርኢ ዘሎኻ: ስለምንታይከ ኢና ዅሉ ግዜ ኸነንብቦ ዘሎና፧
ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ካብ ምምሃር ንላዕሊ እንታይ እዩ ዜድሊ፧
ካብ ዛንታ መበል 69 እዛ መጽሓፍ እዚኣ እንታይ ኢና እንመሃር፧
እቲ ኣብ ዛንታ መበል 55 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዚርከብ ሰናይ ኣብነት እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሳሙኤል እንታይ እዩ ዘርኢ፧
ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣብነት ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና: ከምኡ እንተ ጌርናኸ: ኣብ መጻኢ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
ተወሳኺ ሕቶታት:-
ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።
ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ ነቲ ብዛዕባኦም ዚገልጽ ሓቅታት ካብ ምዝካር ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ቅዱሳት ጽሑፋት ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ማቴ. 7:21፣ ያእ. 2:18-20፣ 1 ዮሃ. 2:17)
መዝሙር 145:1-21 ኣንብብ።
ንየሆዋ ኽንውድስ ዚድርኸና ገለ ኻብቲ ብዙሕ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧ (መዝ. 145:8-11፣ ራእ. 4:11)
የሆዋ “ንዅሉ ሰናይ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ: እዚኸ ናብኡ ዝያዳ ኸም እንቐርብ ዚገብረና ብኸመይ እዩ፧ (መዝ. 145:9፣ ማቴ. 5:43-45)
ንየሆዋ ብልብና ነኽብሮ እንተደኣ ዄንና: እንታይ ክንገብር ኢና እንለዓዓል፧ (መዝ. 119:171, 172, 175፣ 145:11, 12, 21)