መዝሙር
א [ኣሌፍ]
3 ዓመጻ ኣይገብሩን፣
ብመገድታቱ እውን ይመላለሱ።+
4 ትእዛዛትካ ብጥንቃቐ ኺሕሎስ፡
ንስኻ ኣዚዝካ።+
6 ሽዑ፡ ንዅሉ ትእዛዛትካ ኽሓስብ ከለኹ፡
ኣይምሓፈርኩን።+
7 ቅኑዕ ፍርድታትካ ምስ ተመሃርኩ፡
ብቕኑዕ ልቢ ኽውድሰካ እየ።
8 ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ።
ፈጺምካ ኣይትሕደገኒ።
ב [ቤት]
9 ጐበዝ ንመገዱ ኸመይ ገይሩ ብንጽህና ይሕልዋ፧
ከም ቃልካ ንርእሱ ብምሕላው እዩ።+
10 ብምሉእ ልበይ እደልየካ ኣለኹ።
ካብ ትእዛዛትካ ኸልግስ ኣይትሕደገኒ።+
12 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ተወደስ፣
ስርዓታትካ ምሃረኒ።
13 ኵሉ እቲ እተዛረብካዮ ፍርድታትካ
ብኸናፍረይ እነግር እየ።
16 ንሕግታትካ እፈትዎ እየ።
ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ።+
ג [ጊሜል]
17 ብህይወት ክነብር፡ ቃልካ እውን ክሕሉስ፡
ንጊልያኻ ጽቡቕ ግበረሉ።+
18 ኣብ ሕግኻ ዜደንቕ ነገራት
ብንጹር ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ።
19 ኣነ ኣብዛ ምድሪ፡ ጓና እየ።+
ትእዛዛትካ ኣይትሕብኣለይ።
20 ኣነ* ዅሉ ሳዕ ንፍርድታትካ
ብምንፋቕ ተወዲአ።
21 ንተዳፈርቲ፡
ካብ ትእዛዛትካ ንዜልግሱ ርጉማት፡ ትገንሖም።+
22 መዘኻኸሪታትካ ሓልየ እየ እሞ፡
ጸርፍን ንዕቀትን ኣርሕቐለይ።*
ד [ዳሌጥ]
ከም ቃልካ ብህይወት ኣንብረኒ።+
26 መገድታተይ ነጊረካ፡ ንስኻ እውን መሊስካለይ።
ስርዓታትካ ምሃረኒ።+
ከም ቃልካ ኣበርትዓኒ።
29 መገዲ ምትላል ኣርሕቐለይ፣+
ብሕግኻ እውን ሞገስ ኣርእየኒ።
30 መገዲ ተኣማንነት መሪጸ ኣለኹ።+
ፍርድታትካ ቕኑዕ ምዃኑ እፈልጥ እየ።
31 ናብ መዘኻኸሪታትካ እለግብ እየ።+
ኦ የሆዋ፡ ኣይተሕፍረኒ።+
ה [ሄ]
34 ሕግኻ ኽሕሉን
ብምሉእ ልበይ ክገብሮንሲ፡
ኣእምሮ ሃበኒ።
38 ምእንቲ ኽትፍራህሲ፡
ንጊልያኻ ቓልካ ፈጽመሉ።*
39 ፍርድታትካ ጽቡቕ እዩ እሞ፡
ነቲ ዝፈርሆ ውርደት ኣርሕቐለይ።+
40 ትእዛዛትካ ኸመይ ከም ዝናፍቕ ርአ።
ብጽድቅኻ ብህይወት ኣንብረኒ።
ו [ዋው]
43 ብፍርድኻ ተስፋ ገይረ* ኣለኹ እሞ፡
ቃል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈጺምካ ኣይተርሕቕ።
44 ንሕግኻ ወትሩ፡
ንዘለኣለመ ኣለም ክሕልዎ እየ።+
47 ንትእዛዛትካ እፈትዎ፡
እወ፡ አፍቅሮ እየ።+
ז [ዛይን]
49 ነቲ ንዓይ ንጊልያኻ ዘተስፎኻኒ*
ቓል ዘክሮ።
50 ቃልካ ብህይወት ኣንቢሩኒ እዩ እሞ፡
እዚ ብጸበባይ መጸናንዕየይ እዩ።+
53 ብሰሪ እቶም ሕግኻ ዝሓደጉ እኩያት
ብዚነድድ ቍጥዓ ተታሒዘ ኣለኹ።+
54 ኣብ ዝነበርኩ እንበር፡*
ስርዓታትካ መዝሙራተይ እዩ።
55 ኦ የሆዋ፡ ሕግኻ ኽሕሉስ፡+
ብለይቲ ስምካ እዝክር እየ።
56 ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፡
እዚ ልማደይ ኰይኑ ኣሎ።
ח [ሔት]
59 ኣእጋረይ ናብ መዘኻኸሪታትካ ንምምላስሲ፡
መገድታተይ መርሚረ እየ።+
60 ትእዛዛትካ ንምሕላው፡
እቕልጥፍ እምበር ኣይድንጕን እየ።+
62 ስለቲ ቕኑዕ ፍርድታትካስ፡
ፍርቂ ለይቲ ኸመስግነካ ኽትንስእ እየ።+
64 ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ንምድሪ መሊእዋ ኣሎ፣+
ስርዓታትካ ምሃረኒ።
ט [ጤት]
65 ኦ የሆዋ፡ ከም ቃልካ፡
ንጊልያኻ ጽቡቕ ጌርካሉ።
68 ንስኻ ሕያዋይ* ኢኻ፡+ ግብርታትካ እውን ጽቡቕ እዩ።
ስርዓታትካ ምሃረኒ።+
69 ተዳፈርቲ ብሓሶት ይጥቅኑኒ ኣለዉ፣
ኣነ ግና ብዅሉ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ ኣለኹ።
72 ካብ ኣሽሓት ወርቅን ብሩርንሲ፡
እቲ ዝኣወጅካዮ ሕጊ ይሕሸኒ።+
י [ዮድ]
73 ኣእዳውካ እየን ገይረናንን ሰሪሐናንን።
ትእዛዛትካ ኽምሃርሲ፡
ኣእምሮ ሃበኒ።+
ኣነ ግና ንትእዛዛትካ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ* እየ።+
79 እቶም ዚፈርሁኻ፡
እቶም ንመዘኻኸሪታትካ ዚፈልጡ፡ ናባይ ይመለሱ።
כ [ካፍ]
84 ጊልያኻ ኽንደይ መዓልትታት እዩ ኺጽበ፧
ኣብቶም ዚሰጕጉኒ መዓስ ኢኻ ፍርዲ ኸተምጽእ፧+
85 ተዳፈርቲ፡
እቶም ንሕግኻ ዚዳፈሩ፡ ጕድጓድ ይዅዕቱለይ።
86 ኵሉ ትእዛዛትካ እሙን እዩ።
ብዘይ ምኽንያት ይሰጕጉኒ ኣለዉ፣ ርድኣኒ!+
87 ካብ ምድሪ ዳርጋ ኣጽኒቶምኒ ነይሮም፣
ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሓደግኩን።
88 ነቲ እተዛረብካዮ መዘኻኸሪታት ክሕሉስ፡
ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ብህይወት ኣንብረኒ።
ל [ላሜድ]
ንምድሪ ኣጽኒዕካያ ኢኻ፣ ንሳ እውን ትቐውም።+
91 ኵሎም* ገላዉኻ እዮም እሞ፡
ብፍርድታትካ ኽሳዕ ሎሚ ይነብሩ።
93 ብእኡ ብህይወት ተንብረኒ ኢኻ እሞ፡
ንትእዛዛትካ ኸቶ ኣይርስዖን እየ።+
95 እኩያት ኬጥፍኡኒ ይጽበዩ፣
ኣነ ግና ናብ መዘኻኸሪታትካ ኣጸቢቐ አቕልብ ኣለኹ።
מ [ሜም]
98 ትእዛዝካ ንዘለኣለም ምሳይ እዩ እሞ፡
ሓለፋ ጸላእተይ ጥበበኛ ይገብረኒ እዩ።+
100 ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፡
ሓለፋ ዓበይቲ ብኣእምሮ እመላለስ እየ።
101 ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስ፡
ብኽፉእ መገዲ ምምልላስ ኣብየ እየ።+
102 ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፡
ካብ ፍርድታትካ ኣየልግስን እየ።
103 ቃላትካ ንትንሓገይ ክንደይ ኰን ይጥዕም!
ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅር!+
104 ሳላ ትእዛዛትካ ብኣእምሮ እመላለስ እየ።+
ስለዚ እየ ዅሉ መገዲ ሓሶት ዝጸልእ።+
נ [ኑን]
106 ንቕኑዕ ፍርድታትካ ኽሕሉ
ምሒለ እየ፡ ክፍጽሞ እውን እየ።
107 ብዙሕ ጸቢቡኒ ኣሎ።+
ኦ የሆዋ፡ ከም ቃልካ ብህይወት ኣንብረኒ።+
112 ኵሉ ግዜ፡ ክሳዕ መወዳእታ፡
ንስርዓታትካ ኽእዘዝ ቈሪጸ ኣለኹ።*
ס [ሳሜኽ]
115 ትእዛዛት ኣምላኸይ ክሕሉስ፡
ኣቱም እኩያት፡ ካባይ ርሓቑ።+
118 ብሓሶት ዚመላለሱን መታለልትን እዮም እሞ፡
ንዅሎም እቶም ካብ ስርዓታትካ ዜልግሱ ትድርብዮም።+
119 ንዅሎም እኩያት ምድሪ፡ ከም ሓተላ ብረት ትጕሕፎም።+
ስለዚ እየ ንመዘኻኸሪታትካ ዘፍቅሮ።
ע [ዓይን]
121 ፍትሕን ጽድቅን ገይረ እየ።
ናብ ጨቈንተይ ኣይትደርብየኒ!
122 ዋሕስ ድሕንነት ጊልያኻ ኹን፣
ተዳፈርቲ ኣይጨቍኑኒ።
123 ኣዒንተይ ንድሕነትካን
ንቕኑዕ ቃልካን ኪጽበያ ደኺመን ኣለዋ።+
125 ኣነ ጊልያኻ እየ፣
መዘኻኸሪታትካ ኽፈልጥሲ፡ ኣእምሮ ሃበኒ።+
126 ሕግኻ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡
የሆዋ ግብሩ ዚገብረሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ።+
127 ስለዚ እየ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፡
አረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ ዘፍቅሮ።+
פ [ፌ]
129 መዘኻኸሪታትካ ዜደንቕ እዩ።
ስለዚ እየ ዝሕልዎ።*
134 ካብ ጨቈንቲ ሰባት ኣናግፈኒ፣*
ኣነ እውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ።
135 ንጊልያኻ ገጽካ ኣብርሃሉ፣+
ስርዓታትካ ኸኣ ምሃረኒ።
136 ሕግኻ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡
ካብ ኣዒንተይ ንብዓት ይውሕዝ ኣሎ።+
צ [ጻዴ]
138 እቲ እትህቦ መዘኻኸሪታት ቅኑዕን
ምሉእ ብምሉእ ዜተኣማምንን እዩ።
139 ተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም እዮም እሞ፡
ቅንኣተይ ይበልዓኒ ኣሎ።+
143 ጭንቅን ሽግርን እኳ እንተ ረኸበኒ፡
ንትእዛዛትካ እፈትዎ እየ።
144 ጽድቂ መዘኻኸሪታትካ ንዘለኣለም እዩ።
ብህይወት ክነብርሲ፡ ኣእምሮ ሃበኒ።+
ק [ቆፍ]
145 ብምሉእ ልበይ እጽውዕ ኣለኹ። ኦ የሆዋ፡ መልሰለይ።
ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ።
146 እጽውዓካ ኣለኹ፣ ኣድሕነኒ!
መዘኻኸሪታትካ ኽሕሉ እየ።
149 ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕሪ፡ ድምጸይ ስማዕ።+
ኦ የሆዋ፡ ከም ፍትሕኻ ብህይወት ኣንብረኒ።
150 እቶም ዜሕፍር ተግባር* ዚገብሩ ይቐርቡ ኣለዉ፣
ካብ ሕግኻ ርሑቓት እዮም።
152 ብዛዕባ እቲ ንዘለኣለም ኪነብር ዝሰረትካዮ
መዘኻኸሪታትካ ቐደም ፈሊጠ።+
ר [ሬሽ]
153 ሕግኻ ኣይረሳዕኩን እሞ፡
ጸበባይ ርኢኻ ኣናግፈኒ።+
154 ተማጐተለይ እሞ ኣናግፈኒ፣+
ከም ቃልካ ብህይወት ኣንብረኒ።
155 እኩያት ስርዓታትካ ኣይደለዩን እሞ፡
ድሕነት ካብኦም ርሒቑ እዩ።+
156 ኦ የሆዋ፡ ምሕረትካ ዓብዪ እዩ።+
ከም ፍትሕኻ ብህይወት ኣንብረኒ።
157 ሰጐጕተይን ተጻረርተይን ብዙሓት እዮም፣+
ኣነ ግና ካብ መዘኻኸሪታትካ ኣየልገስኩን።
158 ቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡
ንጠለምቲ ርእየ እፍንፍኖም እየ።+
159 ትእዛዛትካ ኸመይ ከም ዘፍቅሮ ርአ!
ኦ የሆዋ፡ ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ብህይወት ኣንብረኒ።+
ש [ሲን] ወይ [ሺን]
162 ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝረኸበ፡
ብቓልካ እሕጐስ እየ።+
164 ስለቲ ቕኑዕ ፍርድታትካ፡
ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሳዕ እውድሰካ እየ።
166 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ግብርታት ድሕነትካ ተስፋ እገብር፡
ትእዛዛትካ ድማ እሕሉ እየ።
168 ኵሉ እቲ ዝገብሮ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፡+
ትእዛዛትካን መዘኻኸሪታትካን እሕሉ እየ።
ת [ታው]
169 ኦ የሆዋ፡ ኣውያተይ ይብጻሕካ።+
ከም ቃልካ ኣረድኣኒ።+
170 ናይ ሞገስ ልማኖይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ።
ከም ቃልካ ኣድሕነኒ።
171 ስርዓታትካ ትምህረኒ ኢኻ እሞ፡
ከናፍረይ ብውዳሰኻ ይጀርብባ።+
172 ኵሉ ትእዛዛትካ ቕኑዕ እዩ እሞ፡
ልሳነይ ብዛዕባ ቓልካ ትዘምር።+
174 ኦ የሆዋ፡ ድሕነትካ እናፍቕ ኣለኹ፣
ንሕግኻ እውን እፈትዎ እየ።+
ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን እሞ፡+ ንጊልያኻ ድለዮ።